"ትብፃሕ ካብ እትውለዲ ናብ ዘይረኣኹኺ ጓለይ...” ናብ ትግራይ ዝተላእኹ ደብዳቤታት

ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበልዖ ህይወት ሰባት፣ ዘብፅሖ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጉድኣት ብተወሳኺ፡ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ንዓመታት ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ቴሌፎን፣ ኢንተርኔትን ባንኪን ካብ ዝቋረፅ ክልተ ዓመት መሊእዎ ይርከብ።

ድምጺ ቤተሰብ፣ ኣዝማድ፣ መቕርብን መሓዙትን ምስማዕ ብርቂ ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋን ዝተቖፀረ ኮይኑ፡ቴለፎን ኣልዒልካ ናብ እትፈትዎ ሰብ ምድዋል ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ዓሚ ኣብ ዝተዳለወ ሓደ ቪድዮ፡ ኣብ መቐለ ዝርከቡ መንእሰያት፡ “ድምጺ ቴለፎን ክትሰምዑ ከለኹም እንታይ ይስምዓኩም?” ዝብል ሕቶ ምስቀረበሎም፡ “ኣላርም [መዘኻኸሪ ደወል] ትድውል ከምዘላ እየ ዝሓስብ” ዝብል መልሲ ሂቦም ነይሮም።

እቶም ዕድለኛታት ዝኾኑ ሰባት ብፍላይ ብሰራሕተኛታት ረድኤት ኣቢሎም ናብ ስድርኦም ናይ ድምጺ መልእኽቲ ወይ ስእሊን ቪድዮን ይልእኹ።

እዚ መልእኽቲ ግን ድሕሪ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ኣቢሉ እዩ ዝበፅሕ።

ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስቲን መራሕቲ ትግራይን ስምምዕ ሰብኣዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣብ ዝተገበረሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምኻድ ናብ ስድርኦም ስልኪ ይድውሉ ነይሮም።

ኣብቲ ክልል ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ካብ ዝተቛረጸሉ እዋን ንደሓር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ዘለዉ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝርከቡ ሰባት እውን፡ ከም ቀደሞም ክራኸቡ ኣይክእሉን። በዚ ምኽንያት ደብዳቤታት ናብ ምፅሕሓፍ ክምለሱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ቢቢሲ ንኻልኣይ ዓመት ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንምዝካር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከቡ ስድርኦምን ፈተውቶምን ደብዳቤ ክፅሕፉ ሓቲቱ’ሎ።

ገለ ካብቶም ኣብዚ ጸብጻብ ዝተኻተቱ ደብዳቤታት ኣቐዲሞም ዝተጻሕፉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ድማ ምስዚ ጸብጻብ ብዝተኣሳሰር ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ዝተጻሕፉ እዮም።

ነቲ ኣቐዲሞም ዝጸሓፍዎ ደብዳቤ ዳግማይ ጽሒፎም ዝለኣኹልና ገለ ሰባት’ውን ኣለዉ። ብዘይካ ሓንቲ ደብዳበ ዝተረፉ ደብዳቤታት ብባዕሎም እቶም ሰባት ዝተፀሓፉ እዮም።

"እታ ብሓሳብ እምበር ብኣካል ዘይፈልጣ ጓለይ ከመይ ኣላ?"

ሃፍቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዩ ዝነብር። ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ በዓልቲ ቤቱን ቦኽሪ ወዱን ካብ ዝራኸብ ክልተ ዓመት ኮይንዎ ኣሎ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን በዓልቲ ቤቱ ነፍሰጾር እያ ነይራ። ካልኣይቲ ጓሉ ክትውለድ ከላ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣይነበረን። እታ ቆልዓ ካብ እትውለድ ኣይረኣያን።

“መግቢ ክበልዕ ምስ ቀረብኩ ንስኻትኩም ትዝከሩኒሞ ናይ ገበን ስምዒት ይስምዓኒ። ብድሕሪኡ ከይበላዕኩ እየ ዝሓድር” ይብል ሃፍቶም።

ብዛዕባ እታ ብዓይኑ ክርእያ ስለዘይከኣለ ጓሉ ድማ "እታ ብሓሳብ እምበር ብኣካል ዘይፈልጣ ጓለይ ከመይ ኣላ? ስማ መን ከምዝበልክያ’ኳ እንተዘይፈለጥኩ ኣነ ግን 'ናፍቖት' ኢለያ ኣለኹ" ክብል ኣብ ደብዳቤኡ ገሊጹ።

"ምንባር ሓዊሱ ኩሉ ነገር ትርጉም ይስእነሉ"

ስመይ ከይግለፅ ኢሉ ነዚ ዝቕፅል ደብዳበ ዝለኣኸልና ውልቀሰብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝነብር። ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ስድርኡ ካብ ዘዘራረብ ክልተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ።

ኣብታ ደብዳበ "ክቡራት ስድራይ፡ ብሂወት እንተሃሊኹም ከመይ ኣለኹም?" ክብል ይሓትት። ብዛዕባ እቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክገልጽ እንከሎ፡ "ዓሙቝ ጓሂ፣ ጭንቀት፣ ቅዛነትን ስቓይን ዝዓሰሎ፤ ክሳብ ዓጽሚ ዝበጽሕ ናፍቖትን ስቑንቁንን ዝሓየለሉ እዩ" ይብል።

“ወደይ ብህይወት ኣሎ’ዶ?... ኣብ ዝበፅሖ የብለይንሞ ንገርኒ”

ነዚ ደብዳቤ ዝሰደደትልና ውልቀሰብ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኣ እትነብርን ዳርጋ ክልተ ዓመት ምስ ወዳ ክትዘራረብ ዘይከኣለትን ኣደ እያ።

ቅድሚ ኲናት ናብ ኣዲኣን ወዳን ገንዘብ ብምልኣኽ እያ ትሕግዞም ነይራ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነዚ ክትገብር ኣይከኣለትን።

ወዳ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ብሕማም ኣዝማ ከም ዝሳቐን ቅድሚ ኣዋርሕ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ረድኤት ብሰብ ኣቢላ ምስረኸበት ‘ኢንሂለር’ (ንሕሙማት ኣስሚ ዝውዕል መተንፈሲ መሳርሒ) ከም ዝሰደደትን ሓቢራትና።

ዝጸሓፈቶ ደብዳቤ ዝስዕብ እዩ።

"ናብ ትግራይ ምኻድ ናብ ህዋ ከም ምውንጫፍ ከቢድ ኮይኑ"

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ጸሓፊት እዚ ደብዳበ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንስድራኣ ክትሓትት ወይ ናታቶም ድምፂ ክትሰምዕ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ።

ናብ ኣዲኣን ኣሓታን ዝጸሓፈቶ ደብዳበ "ፍትውቲ ኣደይን ስድራይን፡ ንዓኽን ክርእይ እግረይ መሬት ትግራይ ካብ ዝረግፅ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ" ብምባል ትጅምሮ።

ኣስዒባ፡ “ካብ ሓደጋ ነጻ ዝኾነ ህይወት ሕልሚ ኣብ ዝመስለሉ ኩነታት ምንባር ከመይ ይገብረኩም ኣሎ? እቶም ቆልዑ ኸ ድምጺ ደብዳባት ለሚዶሞ’ዶ?" ትብል።

"ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣብዛ ምድሪ ክንዲ ዝነበርኩሉ ዕድመ ነዊሔናኒ"

ጸሓፊ እዚ ደብዳቤ ሰሎሞን ኣብ ኡጋንዳ እዩ ዝነብር። ኣብቲ ደብዳበ፡ ካብ ስድርኡ ድምፂ ክሰምዕ ዘይምኽኣሉን ክበፅሓሎም ኣብ ዝግባእ እዋን ክበጽሓሎም ዘይምኽኣሉን ይገልጽ።

ንሱ "ኣቦይ ሓሚምካ ሰሚዐ ክበጽሓልካ ብዘይምኽኣለይ ብዘይካ ንብዓት ካልእ ኣማራጺ የብለይን" ይብል።

ወሲኹ ድማ "ኣደይ ነቲ ዘሳቕየኪ ሕማም ዝኸውን መድሃኒት ዘይምርካብክን ግዜኡ ዝሓለፎ መድሃኒት ትወስዲ ምህላውክን ምስ ሰማዕኩ፡ ንምፍጣረይ ክሳብ ዝጸልእ ሓዚነ" ይብል ሰለሞን።

"መልእኽትኺ ክበፅሓኒ ከሎ ገጸይ ከመይ ከምዝበርህ..."

ካልእ ንቢቢሲ ዝበጽሖ ደብዳበ ናይ ፍቕሪ ደብዳበ እዩ። ስሙን ዝነብረሉ ቦታት ከይጥቀስ ዝደለየ ጸሓፊ፡ ምስታ ኣብ ትግራይ እትነብር ኣፍቃሪቱ መብዛሕትኡ ጊዜ ብደብዳቤ እዩ ዘዕልል።

ከምኡ ንምግባር’ውን ደብዳቤ ዘብጽሕ ሰብ እንተተረኺቡ እዩ። ሓሓሊፋ ኣብ ኢንተርነት ዘለዎ ቦታ ክትኸይድ እንተኽኢላ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ትሰደሉ።

እቲ ኲናት እንተዘይውላዕ ነይሩ፡ እቶም መጻምድቲ ዓሚ ክምርዓዉ መደብ ነይርዎም።

እቲ ውልቀሰብ ነቲ ደብዳበ ብኮምፒተር ጽሒፉ ድሕሪ ምልኣኹ፡ ቢቢሲ ንገለ ክፋሉ ብኢድ ሳልሳይ ኣካል ኣዳልይዎ’ሎ።

ናይ ኣምሓርኛ ትርጉም ናይቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ከመይ ቀኒኺ መዓረይ ድሓን ዲኺ? ነዚ እዋን ከመይ ትሓልፍዮ ኣለኺ? ንነገሩ እየ ዝሓተኪ ዘለኹ’ምበር መዓረይ ንስኺ ፅንዕቲ፡ ንዝመጽእ ፈተና ተጻዊርኪ ንጽባሕ ተስፋ ሒዝኪ ከምእትነብሪ ጠፊኡኒ ኣይኮነን።

ኣነ ድሓን እየ፤ [ሓደ ሰብ] ‘ክኸይድ ስለዝኾንኩ መልእኽቲ ኣለካ ድዩ’ ኢሉ ምስሓቲቱኒ ብታህዋኽ፤ ኣብ ካፌ ምሳሕ እናበላዕኹ ኣብ እዝነይ ኢርፎን ጌረ ድምጸይ ስለዝቐዳሕኽዎ እምበር ኣነስ ድሓን እየ። ሰላም ኣለኹ። እቲ ዝገርመኪ ጨጓራይ እኳ ኣሕሚሙኒ ኣይፈልጥን።

መልእኽትኺ ምስ በፅሓኒ ገጸይ ከመይ ብርህ ከምዝብልን ነፍሲ ወከፍ መልእኽትኺ ከመይ ከም ዘስተማቕሮን ምናልባት እዚ እዋን ምስሓለፈ ክነዕልሎ ንኸውን ኢና።

እንታይ ከም ዘሐጉሰኒ ትፈልጥ ዲኻ? ኩሉ ቃልትኪ እዩ ዝገርመኒ። ነፍሲ ወከፍ ዘረባኺ ኣልዒለ ንኣዕሩኽተይ ክጀሃረሎም እየ ዝውዕል።

ምእንታኺ ዝነብር፡ ኣፍቅሪኺ እየ

ክንራኸብ ኢና!

ሓደራ ኣይትጨነቑ። ዝደለኽዮ ሕተትኒ። ኩሉ ክኾነልኪ እየ።

Love you