እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሶማልያ ኣብ ክፍለ ዘበን ሓንሳብ ብዘጋጥም ሓደጋ ውሕጅ ክትህሰ ትኽእል’ያ’ ሕቡራት ሃገራት
ኣብ ሶማልያ ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚልዮን ህዝቢ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ልሙድ ዘይኮነ ብርቱዕ ዝናብ ክህሰ ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ውሕጅ "ኣብ ሓደ ክፍለ ዘመን ሓንሳብ ዘጋጥም ፍጻመ" ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ፡ 25 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ዛጊድ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ብውሕዱ 29 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ድማ ከምዝተመዛበሉን ድሕሪ ምግላጽኀ፡ ተወሳኺ ዝናብ ክዘንብ ምዃኑ ሓቢሮም።
ሶማልያን ጎረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚረን ብብርቱዕ ዝናብ ተሃስየን ኣለዋ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት[ኦቻ]፡ እቲ ዝናብ ብድምር ጽልዋ ክልተ ተርእዮታት ክሊማ - ኤል ኒኖን ዝያዳ ከባብያዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዳይፖልን ከምዝተጋደደ ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ሕርሻ ክዓኑ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ረድኤትን ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ፡ "ምስ ቀጻሊ ኤል ኒኖ ዝተኣሳሰር ጥንኩር ኩነታት ኣየር፡ ኣብቶም ድሮ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ማሕበረሰባት ሶማልያን ካልኦት ብዙሓት ቦታታትን ሰብኣዊ ጠለባት ዝያዳ ክውስኽ’ዩ" ኢሉ።
"እቲ ሓደጋታት እንታይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላዋት ድማ ክንቅድሞ ኣለና።"
ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ጽርግያታት ስለዝተቖርጹ፡ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ይደናጐዩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እስላማዊ ዕጡቓትን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ድርቂን ዝተመዛበሉ ሰባት ዝነብርሉ መዓስከር ብውሕጅ ስለዘዕለቕለቐ እቶም ግዳያት ንኻልኣይ ግዜ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ትካላት ረድኤት ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ተወሳኺ ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእልን ብመሰረት እቲ ዘሎ ኣመተ ሜትሮሎጂ ድማ፡ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእልን ኦቻ ኣጠንቂቑ።
ሶማልያ ሓንቲ ካብተን ንለውጢ ክሊማ ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራት ተባሂላ እትግለጽ ኮይና፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዘጋጠማ ዝኸፍአ ድርቂ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዘይንቡር ዝናብ የጋጥማ ኣሎ።
እቲ ዕልቕልቕ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ዓቐን ማይ ሩባታት ጁባን ሻቤልን መሊኡ ምፍሳስ ድሕሪ ምጅማሩ ዝተኸሰተ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ኣብ ጎረቤት ሃገራት ኬንያን ኢትዮጵያን እውን ብመጠናዊ ውሕጅ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሶማልያ ኣብተን ብብዝሒ ዝተሃስያ ግዝኣታት - ጁባላንድ፡ ሂርሻቤል ደቡባዊ ምዕራብን ጋልሙዱግን ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ነይራ።
ኦቻ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ካብ ንቡር ዝኸበደ ዝናብ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ።
ኤል ኒኖ ብሰንኪ ምውዓይ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ምስ ውሕጅ፡ ህቦብላ፡ ድርቂን ባርዕ ጫካን ዝተኣሳሰር እዩ።
ብዙሓት ምኽንያታት ንውሕጅ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም፣ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝመጽእ ዋዒ ግና ብርቱዕ ዝናብ ንክዘንብ ቀንዲ ምኽንያት’ዩ።