'ኤርትራዊት’ኳ እንተዀንኩ ንመላእ ኣፍሪቃ ከበርክት እየ ዝደሊ' ህብብቲ ቲክቶከኛ ለለዳ በራኺ

ምንጪ ስእሊ, ለለዳ በራኺ
ለለዳ በራኺ ካብታ ክልተ ኣዋልድ ዘፍረየት ስድራቤት ምንኣስ በዅሪ እያ። እዛ ጓል 20 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ ንዝኣከበቶ ፍልጠት ይዅን ተመኵሮ ንኻልኦት ብምክፋል እትፍለጥን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰዓብቲ ቲክቶክ ዘለውዋ ኣብነታዊት ጸላዊት እያ።
ብዘይካኡ ንሂወት ብውጥን ብምምራሕን፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝረኸበቶ ዕድላት ብዝግባእ እናተጠቕመትን ድማ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ዩኒቨርስቲ ዓለምና ብዓውዲ ባዮመዲካል ኢንጂነሪን ተመሪቓ።
ኣብ ኣስመራ ዝተወልደት ለለዳ፡ ጓል 5 ዓመት እንከላ ምስ ስድራ ቤታ ናብ ቦትስዋና ግዒዛ። ንገለ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ወለዳ ኣብ ኣመሪካ እንተተማህራ ይሓይሽ ስለዝበሉ ኣብ 2009 ወላዲተን ክልተ ቈልዑ ሒዛ ናብ ኣመሪካ ኣምርሐት።
እዚ ግን ነታ ብማሙቕ ፍቕርን ኢሂን ምሂንን ተላዚብካ ምንባር ዝለመደት ስድራቤት ንግዚኡ ክትፈላለ ዝቕስብ ስለዝነበረ ቀሊል ውሳነ ኣይነበረን።
ብዘይካኡ ለለዳ ንቦትስዋናን ህዝባን ከም ዓዳ እያ ትናፍቘ። “ቦትስዋና ንዓይ ፍልይቲ ብምንባራ ልበይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ።” ብምባል እቲ ፍቕሪ ነቲ ድሒራ ዝተማህረቶ ዓውደ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ እውን ጽልዋ ከምዝገበረላ ተዘንቱ።”
ኣብ ኣመሪካ ኣቦኣን እውን ምሰአን ብዘይምንባሩ፡ ኣደኣ ንዅሉ እቲ ብድሆታት ሓድሽ ሃገርን ናብራን ክንዲ ኣቦን ኣደን ኰይና ከምዘሕለፈቶን ክሳብ ሎሚ ኣርኣያ ከም ዝዀና እያ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, ለለዳ በራኺ
“ኣደይ ካልኣይ ደረጃ እያ በጺሓ፡ ናብ ዝዀነ ዩኒቨርስቲ ኣይከደትን ግን ወላ ከተረድኣና ኣይትኽኣል፡ ኣብ ትምህርቲ ክንግደስ ኣጥቢቓ ትምዕደና ነይራ። ዕዮ ገዛ ኣብ እንወሃበሉ ከኣ ምሳይ ኮፍ ኢላ ተዛርበንን ኣብ ፕሮጀክትታተይ ምሳይ ትሰርሕ ብምንባራ ብቓላት ክግለጽ ዘይክእል ደገፍ እዩ ነይሩ፡” ብምባል ስልቲ ሂወት፡ ፈቃር ምዃንን ብኸመይ ምስ ሰባት ክትረዳዳእ ከም እትኽእልን ካብ ወላዲታ ከምዝተማህረቶ ትገልጽ።
ድሕሪ ናይ 5 ዓመታት ተፈላሊኻ ናብራ ግን ወላዲኣ እውን ናብ ኣመሪካ ስለዝተጸንበረን ሂወት ቀሊሉላ።
መብዛሕትኡ ስድራ ቤታት ውላዱ ብትምህርቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሓሉ ይደሊ'ኳ እንተዀነ እቲ ዘድሊ ኣንፈት ኣብ ምምላእ ግን ኵሉ ዝኽእሎ ኣይኰነን።
እዛ ስድራ ንክልቲአን ውሉዳ፡ ኵሉ ዓይነት ደገፍ ብምግባር ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሓተን እያ።
“ካብ ብንኣሽቱና ወለድና ኵሉ ዘረባኦም ብዛዕባ ትምህርቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ብሓቂ ኵሉ ገንዘቦም ኣብ ገዛ ምግዛእ ወይ ካልእ ዘይኮነስ ንዓና ዝበለጸ ትምህርቲ ንኽንረክብን ብዅሉ እሩማት ኴንና ንኽንዓብን እዮም ኣውፊሮሞ፤ ስለዚ ድማ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብብሉጽ ነጥቢ እየ ዛዚመ፡” ትብል።
ለለዳ ኣብ ዝተመርጸ ዩኒቨርስቲ ንኽትመሃር ብሉጽ ነጥቢ ከተምጽእ ነይርዋ። ስለዝዀነ ኣበርቲዓ ስለዝጸዓረት ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ብብሉጽ ነጥቢ ዛዚማቶ። ብድሕሪኡ ኣብ 13 ዩኒቨርስቲትታት ምስ ኣመልከተት 12 ዩኒቨርስቲ ተቐቢሎማ።
ይዅን እንበር ናብ ብሉጻት ዩኒቨርስቲ ዓለምና ንምእታው ብሉጽ ነጥቢ ምምጻእ ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ ኣብ ዝተፈላልዩ ክለባት ምንጣፍ ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝዀነን ተረደእ።
ምስ ኵሎም ስድራቤታ ሓቢራ ክትከዶ ዘለዋ ዩኒቨርስቲ ኣብ ምምራጽን ምዝታይን ነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምውሳድ ድማ፡ “ ውሳነ ዘድልዮ ነገር ሓቢርና ተዛቲና ስለእንውስኖ ኣርባዕተና ናብ የል ዩኒቨርስቲ ንክኸይድ ወሲንና፡" ትብል።
ምሉእ ስኮላርሺፕ ዝህባኣ ዩኒቨርስታት ረኺባ'ኳ እንተነበረት ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣይቪ ሊግ ንምጽንባር ግን ናብ የል ዩኒቨርስቲ ኣምርሐት።
ኣብቲ ከም በዓል ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ፡ ቢል ክሊንተን፡ ሂላሪ ክሊንተንን ካልኦት ስሙያት ሰባትን ዘፍረየ የል፡ ብዓውዲ ባዮመዲካል ኢንጂነሪን ብዲግሪ ተመረቐት። “ኤርትራዊት’ኳ እንተዀንኩ ንመላእ ኣፍሪቃ ክበርክት እየ ዝደሊ፤ ልበይ ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ዘሎ፤ ኣብ ከም ሽኮርያ፡ ኤችኣይቪን ቲቢን ኣብ ዝኣመሰሉ ሕማማት ሓደ ነገር ከበርክት እየ ዝደሊ። ኣብ ሂወተይ ክገብሮም ዝደሊ ክልተ ነገር እዮም፤ ሓደ ሰባት ብኸመይ ብጥዕና ይነብሩ ዝብል'ዩ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ምሕያል ደቀንስትዮ እዩ።”
ነዚ ሕልሚ’ዚ ንምግሃድ ከኣ ሰባት ብኸመይ ዘይተገደበ ሕክምናዊ ተበጻሕነት ይረኽቡ ኣብ ዘጽንዕ ዓውዲ ሕጂ'ውን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ብማስተርስ ትምህርታ ትከታተል ኣላ።
ኣብዚ ንምብጻሕ ግን ኵሉ ለማጽ ኣይነበረን። ሓንቲ ካብቶም ብሉጻት ተምሃሮ ኰይና'ኳ ናብ የል ዩኒቨርስቲ እንተኣተወት፣ ቀዳማይ ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ፈለማ “ቢ” ን “ሲ” ተምጽእ ብምንባራ ነጥባ ጽቡቕ ኣይነበረን። ይዅን እንበር ዝተፈላለየ ኣገባባት ኣጸናንዓ ብምቅይያርን ኣበርቲዓ ብምስራሕን ትምህርታ ብመዓርግ ወዲኣ ተመረቐት።

ምንጪ ስእሊ, ለለዳ በራኺ
ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ተምሃሮ
ናብ የል ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝተጸንበረትሉ፡ እዋን ኮቪድ ብምንባሩ ኵሉ እቲ ትምህርቲ ብማንዛ እዩ ዝወሃብ ነይሩ።
ስለዚ መሓዙት ይዅን መጻንዕቲ ስለዘይነበራ ኣዝዩ በዳሂ ምንባሩን ሕጕስቲ ከምዘይነበረትን ትገልጽ። ካብዚ ጽምዋ ንምግልጋል ድማ ናብ ናይ ተምሃሮ ምሕደራ ክትጽንበር ወሲና።
በዚ ምኽንያት ከኣ ለለዳ ተምሃሮ ዝነበሮም ጸገማት ምስ ምምሕዳር እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ምምህራን ተምሃሮን ዲንን ብምትሕብባር ኣብ ምፍትሖም ክትሰርሕ ጀሚራ።
ብዘይካ’ዚ ንትሑት ዓቕሚ ዘለዎም ተምሃሮ ግን ከኣ ናብ የል ዩኒቨርትሲ ክመጽኡ ንዝደልዩ ኣብ ምትሕግጋዝ እውን ትነጥፍ ነይራ። በዚ ኣካዳምያውን ጥዕናውን መዳያት ንክልተ ዓመታት ድሕሪ ምስራሕ ኣብቲ ልዕሊ 300 ዓመታት ዘቝጸረ መበል 3ይ ዓመት ናይ መላእ እቲ ዩኒቨርቲ ናይ መጀመርያ ጸላም ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ተምሃሮ ብምዃን ተመሪጻ።
“ኣብቲ ልዕሊ 6ሽሕ ተምሃሮ ዘለዎ ዩኒቨርስቲ ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ተምሃሮ ምስ ኰንኩ ምስቲ ትምህርተይ ኣዝዩ ከቢድ ስራሕ እዩ ነይሩ። ግን ከመይ ጌርካ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ፡ ስራሕካ ብኣድማዓነት ትሰርሕ፡ ኣብ ኣኼባታት ይዅን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ከመይ ጌርካ ትዛረብ ጽቡቅ ገይረ ተማሂረ፤ ልዕሊ ኵሉ ድማ ነተን ብድሕረይ ዝመጽኣ ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ኣወንታዊ ጽልዋ ከሕድረለን ብምዃኑ ፕረዚደንት ኰይነ ምስርሐይ ኣዝየ የሕጕሰኒ፡” ትብል።
ጸቕጢ መዘናን ብድሆታቱን
ፈለማ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ኢንተርናሽናል ቤት ትምህርቲ ትምሃር ብምንባራ ጸገም ቋንቋ እንግሊዝ እንተዘይነበራ፡ላህጃኣ ግን ከም ናይ ኣመሪካውያን ብዘይምንባሩ፡ መሓዙት ኣብ ምጥራይ ትጽገም ነይራ።
“ኣነ በይነይ እየ ጸላም ነይረ፣ መሊሰ ከይጽልም ብምባል ካብ ጸሓይ ይሃድም፤ ጸጕረይ ከም ናቶም ክዀነለይ ፓለስትራ ጌረ ይምሽጦ እዚ ድማ ብዙሕ ጸቕጢ ይፈጥረለይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ውሽጠይ፡ ጽብቕቲ ድየ? ከምኣቶም ጻዕዳ ኣይኰንኩን ብዝብል ብነብሰ ምትሓት ይሳቐ ነይረ።
ድሒራ ግን ሓፍታ፡ “ ‘እቲ ኣምላኽ ዝሃበኪ መልክዕ ክትፈትውዮ ኣለኪ፤ ፍሪዝ ጸጕሪ የጸብቐልኪ’ዩ’” እናበለት ብዙሕ ሓጊዛትኒ በቃ ጸጕረይ ከም ናይ ጸዓዱ ምግባርን ሰጥ ኣቢልካ ምትሓዝን ሓዲገ ንገዛእ ርእሰይ ከምዘላታ ተቐቢለያ፤ በቃ ሂወት ከም ጸላም ሰብ ክነብሮ ጀሚረ፡” ትብል።
ካልእ ኣብ ባህልን ልምድን ማሕበረሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተለምደ፡ ኣብ ምዕራባውያን ዝውቱር ልማድ Sleep over (ቈልዑ ኣብ እንዳ መሓዙቶም ዝሓድርሉ) እዩ።
መብዛሕቶኦም ድያስፖራ ወለዲ ነዚ ንዓኣቶም ጋሻ ዝዀነ ልምዲ ስክፍታታት ስለዝሕድረሎም ኣይድግፍዎን እዮም።
“ማማ ምስ መሓዙተይ ክሓድር (Sleep over) ደልየ ክብላ እንከለኹ “ ኖኖ ንሕና ከም ኣመሪካውያን ክንነብር የብልናን እቲ ንሕና ንፈልጦን ንዓና ዘዋጽኣናን ኢና እንነብር ብምባል ትኸልኣኒ ነይራ፡" ብምባል እቲ እምቢታ ንግዚኡ'ኳ የሕርቓ እንተነበረ ሕጂ ግን ከምዘሐጕሳ ተዘንቱ።
“ማማ ኣብ ብዙሕ ሓጊዛትኒ እያ። ምኽንያቱ ንሳ ብክብርታታ ኣዝያ ሕብንቲ ስለዝዀነት፤ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይትቕየርን እያ። እዚ ድማ ንዓይ ከምኣ፡ ኣነ፡ ንነብሰይ መሲለ ክነብር ዝሓገዘኒ ኰይኑ ይስማዓኒ” ብምባል እቲ ስድራ ንዘለዎ ዝምድና ንምሕያልን ብሓባር ግዜ ንምሕላፍን እውን ገለ ዘቘሞ ስርዓት ኣሎ።
ከም ቲቪ እናረአኻ መግቢ ምብላዕ ዝኣመሰለ ተግባር ኣይፍቀድን እዩ። ብዘይ ተሌፎንን ብዘይ ቲቪን ብሓደ እናተመገቡ ብዛዕባ መዓልቶምን ካልእ ነገራትን ከምዝዘራረቡን እዚ ድማ ዕለታዊ ብድሆታት ጸቕጢ መዘና ካልእን ንሓድሕዶም ክመያየጥሉ ከምዝሕግዞም ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, ለለዳ በራኺ
ልዕሊ 200 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎ ንጥፈታት ቲክቶክ
ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽቡቕ ሸነኽ ሂወቶም ጥራይ እዮም ሰባት ክርእይዎ ዝዝርግሕዎ። ሂወት ግን ከምኡ ኣይኰነትን። እዚ ግጉይ ሰእሊ ምሃብ ድማ ንብዙሓት ሰባት ሂወቶም ምስቲ ማሕበራዊ ሜድያ ብምንጽጻር ኣደዳ ጭንቀትን ብስጭትን እዩ ዝገብሮም።
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተፈላለየ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ቪድዮታት ትዝርግሕ ለለዳ፡ ኣብኡ ትነጥፈሉ ምኽንያት ሰባት እቲ ሓቀኛ ሂወት እንታይ ይመስል ክርእዩ ብምባል፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ሂወታ ዘጋጥማ ፈተናታትን ዕድላትን፡ ትሕጐሰሉ ኣጋጣሚታት፡ ዝኸበዳ ሽግራት ኮታስ እቲ ንማንም ወድ ሰብ ዝገጥሞ ፈተና ብምዝርጋሕ እያ ፈሊማቶ።
“ሓድሽ ስራሕ ክጅምር ከለኹ ሓጐሰይ፤ ብዝዀነ ናይ ምጭናቕ ጎደና ክሓልፍ እንከለኹ ድማ ኵነተ ኣእምሮይ ጽቡቕ የለን ገለ ብምባል እቲ ሓቀኛ ገጻት ናይ ሂወተይ ከንጸባርቕ ከለኹ፡ ዕላማይ ንደቀንስትዮ ብኣወንታ ንምጽላው እዩ። ምኽንያቱ ንደቀንስትዮ ምጽላው ንዓለም ምጽላው ስለዝዀነ፡” ትብል።
ቍጽሪ ሰዓብታ እናበርከተ ክመጽእ ምስ ጀመረ ድማ ዝያዳ ንመንእሰያትን ተምሃሮን ይጠቅም እዩ ዝበለቶ ዛዕባታት ክትዝርግሕ ጀመረት።
“ብኸመይ ናብ እትደልዮ ዩኒቨርስቲ ትኣቱ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንከለኻ ክትገብሮ ዝግብኣካ፣ ዩኒቨርስቲ ምስ ኣተኻ’ኸ ብኸመይ ኢኻ ዕዉት ኴንካ ትውጽእ ወዘተ... ዝብል፡ ካብ ተመኵሮይ የካፍል ነይረ። ምኽንያቱ ሓደ ዝዀነ ዕዉት ሰብ ምስ ትርኢ ወዲቑ ከም ዝፈልጥ ክትዝክር ኣለካ።” ብምባል እቲ ብዋዛ ዋዛ ዝጀመረቶ ቲክቶክ ዓብዩ ንብዙሓት ክጸሉን ከተባብዕን ምርኣያ ከምዘተባብዓ ትገልጽ።
ብዘይካ’ዚ ምስ ወላዲኣ ብምዃን እውን ነቲ ከም ሕንኪ ዝቝጸርን ሕብረተሰብና ብኽፉት ዘይዛረበሉን ጾታዊ ኣርእስትታት ብምልዓል እትዝርግሖ መሃሪ ዝርርብ፡ ብዙሓት ካብኡ ከምዝመሃሩን ከምዝፈትዉዎን ተረድእ።
ለበዋ ንነኣሽቱ
ኣብ መወዳእታ ለለዳ ቅኑዕ ሓበሬታ ምውህላል ማዕረ እቲ ብሉጽ ነጥቢ ምምጻእ ዝህልዎ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ “ንኸም ናትካ ተመሳሳሊ ጕዕዞ ዝተጓዕዙ ሰባት ሕቶ ምሕታትን ሓበሬታ ምርካብን ነቲ ክትከዶ ትደሊ ጉዕዞ ዳርጋ ምፍራቕ እዩ” ብምባል ኵሎም ተምሃሮ ሕቶ ክሓቱ ክተብዑ ከምዘለዎም ትመክር።
ብተወሳኺ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ትመሃርን ትዘናጋዕን ኢኻ። ግን ዝዀነ ይዅን ሰብ ክፈልጦ ዘልዎ ኵሉ ኣብኡ እንረእዮ ሓቂ ከምዝይኰነን ሓንሳብ ትዝርግሖ ሰእሊ ይዅን መደብ ድማ ንሓዋሩ ክምዘይድምሰስን ብዙሕ ግጉይ ሓበሬታታት ከም ዝዝርጋሕን ክፈልጡ ኣለዎም" ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝገብርዎን ካብኡ ንዝመሃርዎን ነገራት ብጥንቃቐ ክመምምይዎ ከምዘለዎም ትመክር።”
ለለዳ ንዅለን ደቀንስትዮ ዓቕመን ከየነኣእሳ ብምምዓድ፡ “ ኣብ ርእስኽን ዘሎ ነገራት ክትገብሮኦ ትኸእላ ኢኽን። ኵሉ ሰብ ነናቱ ሕልምን ራእን ስለዘለዎ፡ ንሂወትክን ምስ ናይ ካልእ ሰብ ሂወት ኣይተዋዳድራኦ ናብ ሕልሚኽን ጥራይ ኣነጺርክን ጸዓራ ክትዕወታ ድማ ኢኽን፡” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







