እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልደቱ ኣያሌው፡ 'ብናይ ሓሶት ክሲ ካብ ሃገረይ ወጺአ ክተርፍ ኣይደልን’
ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኡ ክሲ እንተመስሪቱ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ፍቓደኛ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሃገራት ወጻኢ ኰይኖም ግጭት ብምፍጣር ንመንግስታት ክልልን ፈደራልን ብሓይሊ ንምዕላው ተንቀሳቒሶም ዝበሎም ውልቀ ሰባት ክወሃብዎ ይጽዕር ምህላውን ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ዝርዝር ተኻቲቶም ትእዛዝ ማእሰርቲ ካብ ዝወጸሎም 11 ውልቀሰባት ሓደ ዝዀነ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣመሪካ ይርከብ።
እቲ ፖለቲከኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስረተ ክሲ ከም ዘየለ ብጠበቓኡ ከም ዝተነገሮን ክሲ እንተተመስሪቱ ግን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለስን ሓቢሩ።
". . .ምስ ጠበቓይ እዘራረብ ኣለኹ። ኣብ ሬድዮን ተለቪዥንን ጥራይ እዩ ዝዝረብ ዘሎ እምበር ዝዀነ ክሲ ኣይተመስረተን። ክሲ እንተተመስሪቱ ክኸይድ’የ” ኢሉ።
ኣብ ኣሜሪካ ክትትል ሕክምና ሕማም ልቢ ዝገብር ዘሎ ልደቱ፡ እንተተኸሲሱ ዋላ'ውን ቆጸራ ሕክምና ኣቋሪጹ ክምለስ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ክሳዕ ሽዑ ግን ሕክምናኡ ክከታተል ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።
"ክሲ ተመስሪቱ’ውን እቶም ዳያኑ ክሳዕ ዝቕጽል ሕክምናይ ክጸንሕ እንተፈቒዶምለይ ክጸንሕ እየ። እንተዘይፈቒዶምለይ፡ ናይ ሕክምና ቆጸራይ ኣቋሪጸ ክኸድ’የ"።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንብረት ናይቶም "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ዝተሳተፉን ኣብ ግብረሽበራ ዝነጥፉን ውልቀሰባት" ንምቁጽጻር ስጉምትታት ክውሰድ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቶም ኣቶ ልደቱ ዝርከብዎም 11 ውልቀሰባት "ብሽበራዊ ንጥፈታቶም ከም ዝድለዩን ምስ ኣህጉራዊ ውድብ ፖሊስ (ኢንተርፖል) ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ናብ ሕጊ ክቐርቡን” ምዃኖም ተገሊጹ'ሎ።
ኣቶ ልደቱ ብወገኑ፡ ብዛዕባ’ዚ ምስ ሰምዐ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከም ዝወሰነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ናብዚ ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ናይ ሕክምና ቆጸራ ስለዝነበረኒ እምበር ኣብዚ ንምንባር ኣይኰነን። ዘይተወድአ ቆጸራ ሕክምና ስለ ዝነበረኒ’የ ደንጉየ” ኢሉ።
ብሕጊ ዝድለ እንተዀይኑ፡ “ካብ ውሳነን ሕቶን ቤት ፍርዲ ርሒቐ ክነብር ስለዘይደሊ እየ ክኸይድ ወሲነ" ክብል ድርኺቱ ገለጹ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ገለ ካብቶም ብመንግስቲ ዝድለዩ ዘለዉ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረቡ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣቶ ልደቱ ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊሱ ክእሰር ከም ዝኽእል’ኳ እንተፈለጠ፡ ናብ ሃገሩ ከም ዝምለስ ግን ኣረጋጊጹ ኣሎ።
". . .ኵነታት ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ተመሊሰ ንምውጸእ ከጸግመኒ ይኽእል እዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ’የ ክሳዕ ሕጂ ተደናጒየ። ሕጂ እውን ናይ ሕክምና ቆጸራ ኣለኒ። ሕጋዊ ተሓታትነት እንተመጺኡ ግን ክግበር ዝኽእል ነገር የለን" ኢሉ።
"እቲ ዝተኸሰስኩሉ ገበን ምስ ታሪኸይን መንነተይን ፍጹም ዘይቃዶ'ዩ። እቲ ስርዓት ነዚ ዝገብረሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ክሲ ፈሪሐ ናብ ሃገረይ ከይምለስ ንምግባር ዝዓለመ ስለዝዀነ ብፍቓደይ ክቕበሎ ድሉው ኣይኰንኩን።”
ዋላ'ኳ ኵነታት ሕማም ልቡ "ልዑል ክንክንን ምክትታልን" ዘድልዮ እንተዀነ፡ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ግን "ኣካል ናይቲ ቃልሲ" ምዃኑ’ዩ ዝኣምን።
“ኣነ ኩሉ ግዜ ብሕጊ እኣምን’የ። ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ግዜ ተኣሲረ ግን ብቤት ፍርዲ ድማ ነጻ ኰይነ። ሕጂ'ውን እዚ መንገዲ ተኸቲለ ምስቲ ስርዓት ክቃለስ ኣለኒ ብዝምል’የ ዝምለስ" ይብል።
"ቃልሲ ማለት እዚ ኩሉ ነገራት ሰቢርካ ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ ምኽፋል ማለት እዩ" ዝብል ልደቱ፡ናብ ሃገሩ እንተተመሊሱ ከጋጥሞምዎ ዝኽእሉ ጸገማት ንምጽዋር ድልው ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
". . .ክኸይድ ከለኹ ዘጋጥመኒ ጸገም ቀሊል እዩ ማለት ኣይኮነን። ከቢድ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እቲ ጸገም ምናልባት ህይወተይ ዘስእነኒ’ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
"ሰባት በዚ ደረጃ'ዚ ዋጋ ክንከፍል እንተዘይተዳሊናን እንተዘይከፊልናን ግን ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ኵነታት እቲ ህዝቢ ክቕየር'ዩ ዝብል እምነት የብለይን፡ ብኣይ ደረጃ ዘሎ ሰብ ነዚ ዋጋ ከፊሉ ነቲ ቃልሲ ኣርኣያ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ" ብምባል ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኢንተርፖል ሓገዝ ምሕታቱ ብዝምልከት "ኢንተርፖል ተሓባባሪ ጨቆንቲ ኣይኰነን። ብመሰረት ሕግን ስርዓትን ዝነጥፍ ትካል'ዩ" ብምባል መንግስቲ ኣመሪካ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣሕሊፉ ከም ዘይህብ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ብተወሳኺ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ዝወሰነ "ብኢንተርፖል ከይተሓዝ" ወይ "መንግስቲ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ" ከይህቦ ስለዝፈርሐ ከም ዘይኰነ ኣመልኪቱ።
ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ክሓትት’ኳ እንተኸኣለ፡ እዚ ግን ኣንጻር መርገጺኡ ምዃኑ ኣይሓብአን።
ኣቶ ልደቱ ወሲኹ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ምዃኑ ንማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘፍለጠ’ውን ሓቢሩ’ሎ።
“ኩሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስቓይን ጸገማትን ምስ ህዝቢ ከካፍል’የ ዝደሊ። ክሳዕ መወዳእታ ህይወተይ ኣብኡ [ኢትዮጵያ] ኰይነ ክቃለስ’የ ዝደሊ” ብምባል ነዚ ዋጋ ክኸፍል ንነብሱ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር ድልየቱ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብምሓዝ፡ ናዕቢ ብምልዕዓልን ብኻልኦት ገበናትን ተኸሲሱ ተኣሲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ፡ ጸገማት ጥዕናኡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ጉዳዩ ዝከታተል ዝነበረ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍታሕ ፈቒዱ’ኳ እንተነበረ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወጽእ ተኸልኪሉ ነይሩ።
ድሕሪ ምፍትሑ'ውን እንተኾነ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገይሽ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ከም ዝተኸልከለን ከም ዝተንገላትዐን ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ተግባር ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምና "ህይወተይ ንኽስእን ዝተገብረ ፈተነ" ክብል ንሰብመዚ መንግስቲ ነቒፉ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ መወዳእታ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ ኣብ ኣመሪካ ሕክምናዊ ሕክምና እናተኸታተለ እንከሎ’ዩ መንግስቲ ብግብረ ሽበራ ተጠርጢሩ ይድለይ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣብ መዓከናት ዜና መንግስቲ ኣፍሊጡ ዘሎ።