ኣብ ፖርት-ሱዳን 'ሓዲግ' ዝተረፉ ኤርትራውያን ስደኛታት፡ እንታይ ይብሉ?

"ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ዘለና። ብዛዕባ ጉዳይና ኣቓልቦ ገይሩ ዝከታተል የሎን፣ እንታይ ንበልዕን ንሰቲን ኣመትና ዝገብር የሎን፡" ይብል ሰይድ - ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ግዳያት።
ብዳዕመ-ሰሪዕ ከም "ምሩኻት" ተታሒዞም ዝጸንሑ ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቤት ማሕቡስ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት - ኣብ ፖርት-ሱዳን - ከም ዝለዉ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እዞም ስደተኛታት ብ15 ምያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኵናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውልዑ፡ ብሱዳን ገይሮም ናብ ሊብያ ክሰግሩ ክብሉ እዮም ኣብ ኢድ እዞም ሓይልታት ወዲቖም።
ኣብቲ ፈለማ ንኣዋርሕ ደሃይ ኣጥፊኦም፣ ድሒሩ ግን ብሓይልታት ሱዳን ተኣሲሮም እናተጋፍዑ ዘርኢ ቪድዮ ብማሕበራዊ መራከቢታት ሱዳናውያን ተዘርጊሑ።
እዚ ኵሉ መከራ ኣሕሊፎም ድማ እዮም ናብ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ዝተሰጋገሩ።
ሰይድ፡ "ብጉዳይና ተስፋ ቈሪጽና ኢና። ኣብዚ ገዛ ማይ ዝስተ ይኹን ሽንቲ ቤት የሎን፡" ክብል ዘለውዎ ኣሰጋፊ ኵነታት ይገልጽ።
"ፈለማ ምስ መጻእና፡ ማሕበር ተራድኦ ቤተ ክርስትያን ነርወይ ናይ ሓደ ወርሒ ቀለብ ምስ ሃቡና፡ ብድሕሪኡ ግን ዋላ ሓደ የሎን። ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኰነ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት መጺኦም ከዘራርቡና ኣይከኣሉን።"
ናይ ተስፋ ምቝራጽ ብዘስምዕ ድምጺ ድማ፡ "በቃ ኵሉ ህይወት የጽልኣካ፣ ጭንቀት ገይርና ኣለና፡" ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝቕመጡ ኵሎም ሱዳናውያንን ስደተኛታትን መንበሪ ወረቐቶም ከሐድሱ፣ ዘይብሎም ድማ ክምዝገቡ ቀንዮም ኣለዉ።
ሰይድን ብጾቱን ግን ዝዀነ ይዅን ናይ ስደተኛ መለለዪ ወረቐት ስለ ዘይብሎም፡ ወከልቶም ልኢኾም ክምዝገቡ እኳ እንተ ሓተቱ፡ ከም ዘይምልከቶም ከም ዝተሓበሮም ይዛረቡ።
እንተዀነ፡ ምስ ህልው ኵነታት ሱዳን ብዘይ ግቡእ ናይ ስደተኛ ወረቐት ሓዲግ ብምትራፎም ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩሎም ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Said
ካብ ማእሰርቲ ካብ ዝልቀቑ ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ገይሮም ኣለዉ። ብቕድሚኦም ዝርኣዮም ተስፋ ግን ደብዚዙ እዩ።
ሰይድ፡ "ተሸቝሪርና ኢና ንነብር ዘለና፣ ናጽነት ተሰሚዑና ኣይፈልጥን። ከም ስደተኛታት ተቐቢሎምና ድዮም ኣይተቐበሉናን ንፈልጦ ነገር ስለ ዘየሎ፡ ውሕስነት የብልናን፡" ይብል።
ኣብ መጀመርታ፡ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት መጽለሊ ክስርሓሎም ምዃኑ፡ ነቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ናብ ዓዶም ከም ዝመልሱዎም ሓቢሮሞም ከም ዝነበሩ ሰይድ ይገልጽ።
ነዚ መጽለሊ ብሃንቀውታ እናተጸበዩ ግን፡ "ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት ምስ ኤርትራውያን ዝዀነ ጉዳይ የብሉን፣ ጉዳይኩም ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እዩ ሒዙዎ ዘሎ፡" ከም ዝበሉዎም ብምንጽርጻር ይሕብር።
"መዓልታዊ ክመጽኡ እዮም ይብሉና፣ ክሳዕ ሕጂ ግን ብዘይካ ኮበርታ ዋላ ሓደ ኣይገበሩልናን። ርጡብ ዘረባ እውን ክንሰምዕ ኣይከኣልን።"
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ`ውን ማሕበር ተራድኦ ቤተ ክርስትያን ነርወይ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ነቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብናይ ስድራቤቶም ቍጽሪ ተሌፎን ከም ዝመዝገቡዎም ዝሓበረ ሰይድ፡ ነቶም ኤርትራውያን ግን ናብ ዓድኹም ከይንመልሰኩም መንግስትኹም ተመለስቲ ስደተኛታት ኣይቅበልን እዩ፣ ብሓይሊ ድማ ክንሰደኩም ኣይንኽእል ኢና ከም ዝበሉዎም ይገልጽ።
እዞም ግዳያት ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም "ምሩኻት" ተታሒዞም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ሓደ ካብኣቶም መይቱዎም።
ብዘሕለፉዎ ማህረምትን ስቅያትን ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ጥንሲ ክኸዳ ከሎ፡ ጸቕጢ ኣእምሮን ጥዕናዊ ጸገምን ዝገበሩ ከም ዘለውዎም፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብዚ ኵነታት ሱዳን እናበኣሰ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ 30.4 ሚልዮን ህዝቢ - ልዕሊ ክልተ ስልሲት ካብ ህዝቢ ሱዳን ዕለታዊ መግቡ ካብ ረድኤት ዝጽበ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ግጭት ንቝጠባ ናይታ ሃገር መሬት ኣውዲቑዎ እዩ። ዜጋታት ናይ ምግዛእ ዓቕሞም ኣዝዩ ኣብ ዝተዳኸመሉ፡ ዋጋታት ሃለኽቲ ሰማይ ተሰቒሉ።
እቲ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣብታ ብዅናት ትሕመስ ዘሎ ሱዳን ዝተዓቝበ ድማ ዘለዎ ሃለዋት ንምግማቱ ኣየጸግምን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







