ኣብ ኣዲስ አበባ፡ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝሃቀኑ ኣባላት ጉጅለታት ራዕዲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, SEAN GULLIP
ናብ ኣዲስ ኣበባ ሸሊኾም ብምእታው ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሃቂኖም ነይሮም ዝተብሃሉ 454 ኣባላት ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።
እዚ ዝተገለጸ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን መንግስቲ ፌደራል ሎሚ ቀዳም ኣብ እዋናዊ ጸጥታዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ።
እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሸሊኾም ብምእታው “ራዕዳዊ ተግባራት ክፍጽሙ ተታሒዞም” ዝተብሃሉን ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎምን ሰባት “ኣባላት ፋኖ፣ ህወሓት፣ ሸኔ፣ ኣልሸባብን ኣይኤስን ከምኡ’ውን ህውከትን ዕግርግርን ከለዓዕሉ ፈተናታት እንዳገበሩ ተታሒዞም” ዝተብሃሉ 454 ጥርጡራት ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
እቶም ዝበዝሑ 174 ኣባላት ህወሓት ዝተብሃሉ ዀይኖም፡ 100 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህውከትን ዕግርግርን ከለዓዕሉ ፈተና ገይሮም ዝተብሃሉ፣ 98 ሸኔ፣ 51 ድማ ጥሩፍ ዝተብሃሉ ኣባላት ፋኖ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።
ካብዚ ብተወሳኺ 31 ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብን ኣይኤስን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻምን ውሽጣዊ ጎነጻት ንምልዕዓልን ክንቀሳቐሱ ክብሉ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ይርከብዎም።
እቲ መግለጺ፡ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ጋምቤላ፣ ጊምቢን ደምቢ ደሎን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ህወሓት፣ ግንባር ናጽነት ጋምቤላ፣ ኦነግ ሸኔን ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝን ተሓተትቲ ገይርዎም’ሎ።
ድሕሪ እዞም መጥቃዕታት ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን መንግስቲ ፌደራል፡ ወሲደዮ ብዝበሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ 137 ኣባላት ናይቶም ዝተጠቐሱ ጉጅለታት ከምዝተደምሰሱን ካልኦት ብዙሓት ከምዝተማረኹን ብምግላጽ ካብ ወርሒ ሰነ 07 ክሳብ 07 ሓምለ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ብዘካየዶ ወፍሪ 153 ኣበላት ምድምሳሱን ልዕሊ 900 ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ጉዳዮም ብሕጊ ይርአ ከምዘሎ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።
ብሽም ፋኖ ተኸዊሎም ሕቡእ ውዳበ ፈጢሮም ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኵናት ተዓጢቖም ዝበሎም “ህይወት ሰለማውያን ሰባት እንዳቐጠፉን፣ ንሰባት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሎም ይሰርቁ ነይሮም” ን ብዝተፈላለዩ ገበናት ክድለዩ ዝጸንሑ ዘበሎምን 5804 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትዮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እቲ ግብረ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ስጉምቲ ንምውሳድን መንግስቲ ብሓይለ መልጢ ኣልዮም መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም ሕቡእ ውዳበ ፈጢሮም ተንኮል ክኣልሙ ረኺበዮም ዝበሎም “14 ኣባላት ጥሩፍ ፋኖ” ምስ ሚስጢራዊ ሰነዳቶም ኣብ ቁጽጽር ከምዘእተዎም ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ብዝወሰደዎም መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ዝፍለጥ ኮይኑ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝበሎ ስጉምቲ የካይድ ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ፋኖ ተባሂሉ ምስዝጽዋዕ ጉጅለ ተዛሚዱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎን ኣብቲ ክልል ድማ ምዝገባ መሳርሒ ኵናት ተኻይዱ’ዩ።
ኣብ ዝሐላፈ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ጋምቤላን ወለጋን ዕጡቛት ብዝፈጸምዎም መጥቃዕትታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብብዝሒ ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰለማዉያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ይፍለጥ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖለቲከኛታትን ውድባት ፖለቲካን መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምውሓስ ሓላፍነቱ ብዝግባእ ክትግብር ከምዘለዎ ከቢድ ነቔፌታ በጺሕዎ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







