ብሪጣኒያ፡ መንቀሊ'ቲ ማእሰርትን ዕንወት ንብረትን ዘስዓበ ሰልፊታት ተቓውሞ እንታይ'ዩ?

90 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, PA

ትማሊ ቀዳም ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሕሉፍ የማናውያን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምምርሑ ልዕሊ 90 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ሃል፡ ሊቨርፑል፡ ብሪስቶል፡ ማንቸስተር፡ ብላክፑልን ቤልፋስትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ጠራሙዝ ተደርብዩ፡ ድኳናት ተዘሚቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ ድማ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ኵሎም ሰልፍታት ግን ናብ ናዕቢ ኣይተቐየሩን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ንሓይልታት ፖሊስ “ጽልኢ ክዘርኡ” ኣብ ልዕሊ ዝፍትኑ “ኣኽረርቲ” ስጉምቲ ንኽወስዱ “ሙሉእ ደገፍ” መንግስቲ ክህቦም ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ብሰኑይ ኣብ ሳውዝፖርት መርሲሳይድ ብሽም ተይለር ስዊፍት ኣብ ዝተዳለወ ናይ ተልሂት ድግስ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምቕታለን እቲ ወጥሪ ክልዕል ተራእዩ።

ኣብ ሊቨርፑል ሰልፈኛታት ሕጡብ፡ ጥርሙዝን ዝተቐጻጸለ ነገራትን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ክድርብዩ እንከለው፡ ሓደ ፖሊስ ካብቶም ሰልፈኛታት ብዝተደርበየ ወንበር ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ፤ ካልእ ድማ ካብ ሞተር ብሽክለታኡ ወዲቑ።

ውሑዳት ኣማኢት ጸረ ፋሽስት ዝዀኑ ሰልፈኛታት ድማ ኣብ ሊቨርፑል ተኣኪቦም ንሓድነትን ምክእኣልን ይጽውዑ ነይሮም።

እዚኦም፡ “ስደተኛታት ናብዚ ክመጽኡ ይኽእሉ’ዮም፤ “ናዚ፡ ካብ ጎደናታትና ርሓቑ” ዝብሉ ጭርሖታት ክኣ ኣስሚዖም።

ኣብታ ከተማ፡ ጸረ ኢሚግሬሽን ዝዀኑ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰልፈኛታት ነይሮም- ገሊኦም ድማ ኣንጻር እስልምና ዘቕንዑ ዘረባታት የቃልሑ ነይሮም።

እዚ ዘይምርግጋእ ክሳብ ሎሚ ንጕሆ ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ናብ ልዕሊ ፖሊስ ርችታት ተደርብዮም’ዮም።

ኣብ ከባቢ ዋልተን ዝርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ብሓዊ ከም ዝተቓጸለን ናዕበኛታት ድማ መጥፋእቲ ሓዊ ከየጥፍእዎ ክከላኸሉ ከም ዝፈተኑን ፖሊስ መርሲሳይድ ገሊጹ።

ፖሊስ፡ በቲ “ከቢድ ስርዓት ኣልቦነት” ኢሉ ዝገለጾ ብርክት ዝበሉ ኣባላቱ ከም ዝተጐድኡ ኣረጋጊጹ።

ክልተ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ - እቲ ሓደ ኣፍንጫኡ ከም ዝተሰብረ ይግመት፡ እቲ ሓደ ድማ መንጋጋኡ ከም ዝተሰብረ ተሓቢሩ።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ 23 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።

ሓጋዚት ኮንስታብል ጀኒ ሲምስ፡ “እቲ ስርዓት ኣልቦነት፡ ዓመጽን ዕንወትን ቕቡልነት የብሉን፤ እቶም ኣብዚ ዝተዋፈሩ ንገዛእ ርእሶምን ነዛ ከተማን ዘሕፍር ነገር’ዮም ገይሮም” ክትብል ነቒፋ።

ኣቐዲሙ ሚኒስትራት መንግስቲ ብቀዳም ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመር፡ “መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን እቲ ዝረኣናዮ ዓመጽ ዝመልኦ ስርዓት ኣልቦነትን ክልተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ወሲኹ ድማ፡ “ንዝዀነ ዓይነት ዓመጽ ዝቐርብ መመኽነይታ የለን፤ መንግስቲ ፖሊስ ጎደናታትና ውሑስ ንኽኸውን ኵሉ ዘድሊ ስጉምቲ ንክወስድ ክድግፍ’ዩ” ኢሉ።

ብቐዳም፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝዀነ ኣብ “ዘይቅቡል ስርዓት ኣልቦነት” ዝዋፈር ሰብ፡ ማእሰርትን እገዳ መገሻን ከም ዘጋጥሞ ኣጠንቂቓ ነይራ።

ነዚ፡ “እኹል” ናይ ቤት ማእሰርቲ ቦታታት ከም ዝተዳለወ’ውን ሓቢራ።

“ኣብ ብሪጣኒያ፡ ገበናዊ ዓመጽን ስርዓት ኣልቦነትን ቦታ የብሉን” ኢላ ይቨት ኩፐር።

ሰልፈኛታትን ተቓወምቲ ሰልፍን ዘተፋነነ ክስተት

ምንጪ ስእሊ, PA

ኣብ ብሪስቶል ሰልፈኛታትን ነቲ ሰልፊ ዝቃወሙ ዝነበሩን ኣብ ምትፍናን ተጸሚዶም ነይሮም።

እቲ ሓደ ጉጅለ “ሃገርና ክትምለሰልና ንደሊ” ኢሉ ክጭድር እንከሎ፡ እቲ ካልእ ጕጅለ ድማ “ስደተኛታት ክመጽኡ ይኽእሉ’ዮም” ይብል ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር ዓሌታውነት ዝዀኑ ሰልፈኛታት ጠራሙዝ ቢራ ክድርበ እንከሎ፡ ገለ ካብቶም ተቐናቐንቲ ሰልፈኛታት ድማ ብፖሊስ ተሃሪሞም።

ኣብታ ከተማ 14 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፡ “ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ተወሳኺ ማእሰርቲ” ክህሉ ምዃኑን ፖሊስ ገሊጹ።

ኣብ ማንቸስተር ምስ ፖሊስ ምትህልላኽ ክፍጠር እንከሎ፡ ብውሑድ ክልተ ሰባት ተኣሲሮም።

ኣብ ቤልፋስት ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ እንትኣትው፡ ኣብ ሃል፡ ሰልፈኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ዝጸንሕሉ ሆቴል መስኮት ሰይሮም፡ ጥርሙዝን እንቋቑሖን ክኣ ናብ ፖሊስ ተደርብዮም።

ሻምፕዮን ቸስ ብሪጣንያ ኣብ ውሽጢ ስለዝተኻየደ ኣዳራሽ ከተማ ኣብ ዕጽዋ ተገይሩ።

ፖሊስ ሰለስተ ኣባላቱ ከም ዝተጐድኡን 20 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ብምግላጽ ድኳናት ክዝመቱን ኣቑሑት ብሓዊ ክቃጸሉን እውን ከም ዝረኣዩ ሓቢሩ።

ፖሊስ ላንካሻየር ብወገኑ ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ተቓውሞ’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ከም ዘጋጠሙን ገለ ናዕበኛታት ከም ዝተኣሰሩን ይግለጽ።

ቢቢሲ ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ሕሉፍ የመናውያን ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ብውሑድ 30 ሰልፊታት ኣዳልዮም ከም ዝነበሩ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ።