ኦሎምፒክ ፓሪስ፡ 'ብጾታኣ' ኣዘራራቢት ዝዀነት ተጓሳጢት ኢማን ኸሊፍ - እንታይ'ዩ እቲ ነገር?

ምንጪ ስእሊ, BBC SPORT
ኢጣልያዊት ተጓሳጢት ኣንጅላ ካሪኒ ምስ ኣልጀሪያዊት መጋጥምታ ኢማን ኸሊፍ ኣብ ዝነበራ ግጥም፡ “ህይወተይ ክሕሉ ኣለኒ” ብዝብል ኣብ 46 ካልኢት ስዕረታ ተቐቢላ ካብቲ ውድድር ወጺኣ።
ኸሊፍ፡ ካብ መንጐ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ረቛሒታት ሻምፒዮን ዓለም ኣየማልኡን ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ተጓሰጥቲ ኰይና፡ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ካብ ዝተፈቐደሎም ክልተ ኣትለታት ሓንቲ እያ።
ንሳ፡ ኣብቲ ህንዲ ዘዳለወቶ ሻምፒዮን ዓለም ንኽትሳተፍ ዝተገብረ መርመራ፡ መጠን ቴስቶስትሮና ክብ ዝበለ’ዩ ተባሂላ ነይራ።
ይዅን’ምበር፡ ኮሚቴ ዓለምለኸ ኦሎምፒክስ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ፓሪስ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ ተፈቒዱላ።
ጓል 25 ዓመት ኣልጀርያዊት ኢማን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቶክዮ ዝተኻየደ ውድድር ከም ዝተሳተፈት ይዝከር።
ሕጂ እንታይ ኣጋጢሙ?
ኣብ መጀመርታ 30 ካልኢታት፡ ኸሊፍ ብጕስጢ ዝሃረመታ ካሪኒ ናብቲ መኣዝን ብምኻድ ምስ ኣሰልጣኒኣ ክትዘራረብ ጀሚራ።
ድሕሪኡ ናብ መጋጥምታ ተመሊሳ ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ዳግም ናብቲ መኣዝን ብምኻድ ኣብቲ ውድድር ክትቕጽል ከም ዘይትደሊ ሓቢራ።
ዳኛ፡ ኢድ ኸሊፍ ሓፍ ኣቢሉ ኣብቲ ወድድር ከም ዝተዓወተት ቅድሚ ምግላጹ ካሪኒ “እዚ ልክዕ ኣይኰነን” ኢላ።
“እቲ ውድድር ክውድኦ ኣይከኣልኩን፤ ኣብ ኣፍንጫይ ቃንዛ እናተሰምዓኒ እንከሎ፡ ሃገረይን ኣቦይን ከይሓዝኑ ብምባል ክቕበሎ ፈቲነ’የ። ግን ኣይክኣልኩን” ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪባ።
ወሲኻ፡ “እዚ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ግጥም ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ግን ንህይወተይ ከድሕን ኣለኒ። ኣይፈራሕኩን፤ እቲ ናይ ውድድር ሜዳ’ውን ኣይፈርሖን’የ። ግን ከኣ ክቕጽል ስለ ዘይክኣልኩ ኣቋሪጸ” ኢላ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ “ኵሉ ኣብ ናይ ውድድር ሜዳ ማዕረ ክኸውን ኣለዎ። ብወገነይ እዚ ውድድር ኣብ ማዕረ ሜዳ’ዩ ተኻይዱ ኣይብልን” ክትል ተዛሪባ።
ብዛዕባ ኸሊፍ ዝተሓተት ካሪኒ “ክሳብ መወዳእታ ክትቕጽል ይምነየላ፤ ሕጕስቲ ክኸውን እየ ዝደሊ። ኣነ ንሰባት ክዅንን ኣይኰንኩን ናብዚ መጺአ” ኢላ።
ክሳብ ሕጂ 50 ውድድራት ጕስጢ ዘካየደት ኸሊፍ ትሸዓተ ግዜ ጥራይ’ያ ተሳዒራ።
“ኣነ ወርቂ ክወስድ’የ መጺአ፤ ምስ ዝዀነ ክኣ ክገጥም’የ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኮሚቴ ኦሎምፒክስ ኣልጀርያ ብዛዕባ ኸሊፍ ዝዝርግሑ ዘለው ሓበሬታታት “ትርጒም የብሎምን” ኢሉ ድሕሪ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ እዚ ክስተት ኣጋጢሙ ዘሎ።
ወሃቢ ቃል ማርክ ኣዳምስ፡ ጕዳይ እታ ኣትለት ምስ ምቅይያር ጾታ ዝተሓሓዝ ኣይኰነን ኢሉ።
“ግጕያት ጸብጻባት ክወጽኡ ንዕዘብ ኣለና። ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ጕዳይ፡ ምቅይያር ጾታ ኣትለት ግጕይ ምዃኑ’ዩ” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም ረቛሒታት ጾታ ኣየማልአትን ተባሂላ እቲ ዝረኸበቶ መዳልያ ነሓስ ዝተመንዝዐት ቻይናዊት ሊን ዩ-ቲንግ ሎሚ ኣብ ፓሪስ ክትገጥም’ያ።
ኮሚቴ ዓለምለኸ ኦሎምፒክስ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኵሎም ተጓሰጥቲ “እቲ ውድድር ዝሓቶ ረቛሒታት ዘማልኡን ነቲ መመርሒታት ተኸቲሎም ዝወዳደሩን’ዮም” ኢሉ።
ሻምፒዮና ዓለም 2023 ዘዳለወ ዓለምለኸ ማሕበር ጕስጢ፡ ነዘን ክልተ ኣትለታት ኣጊዱወን ምንባሩ ይፍለጥ።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ ኦሎምፒክስ ዝካየድ ውድድር ብኮሚቴ ኦሎምፒክስ እዩ ዝዳሎ።
እቲ ማሕበር ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ክልቲአን ተወዳደርቲ እቲ ስፖርት ዝሓቶ ፍትሓውነትን ክብርን ንምሕላው” ብዝብል ከም ዝተኣገዳ ገሊጹ እዩ።
ኸሊፍ ጽባሕ ቀዳም ብ66 ኪሎ ግራም ኣብ ዝካየድ ውድድር ርብዒ ፍጻመ ምስ ሃንጋሪያዊት ኣና ሉካ ሃሞሪን ክትገጥም እያ።
እዛ ብጾታኣ ምኽንያት እተዘራርብ ዘላ ተወዳዳሪት፡ ድሕሪ እዚ ዘሎ ውድድር እንተተዓዊታ ወርቂ መዳልያ ክትሽለም እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







