እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰላማዊት፡ ኣብ ዩጋንዳ ብስራሕ ኬክ ምርኡይ ስም ዘጥረየት ኤርትራዊት
ስደት ብፍላይ፡ ምስ ኵሉ ሕልኽላኻቱ፡ ኣብ ሓድሽ ማሕበረሰብ ኣቲኻ ንቡር ሂወት ክትነብርን፡ ኣብ መንጐ ብዙሕ ነገርካ ክሕድግ ዝዋጠጥ ኵነታትን ድምጺ ውሽጥካ ሰሚዕካ ዕዉት ኴንካ ክትርከብን ዘሎ ቅልስን ዝሓተካ ዋጋን ቀሊል ኣይኰነን።
ሰላም ክፍሎም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ ተወሊዳ ኣብ ዝስመራ ዝዓበየት፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ፣ ፍሉጥ ትካል ፓስቲቸርያ ወኒና፡ ዕዉት ተባሂሉ ክግለጽ ዝበቅዕ ህይወት እትመርሕ ዘላ ኤርትራዊት እያ። ናብዚ ደረጃ'ዚ ክትበጽሕ ዝሓለፈቶ መገዲ ግን ለማጽ ኣይነበረን።
እቲ ሞያ ምስራሕ ኬክ ኣብ ገዛ፡ ንቘልዑ ንመዓልቲ ልደትን ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንምጽንባልን ዝዳሎ ዝነበረ እዩ፤ ቀስ ብቐስ ድማ፡ እናዓበየን፡ ብገለ ኣጋጣሚ ገንዘብ ከምጽእ ዝኽእል ምዃኑ ምስ ተጋህደ ኸኣ፡ ክዓቢን ናብዚ ትካልዚ ክመርሕን ክኢሉ።
ሰላም፡ ኣደ ቈልዑ ኰይና ኣብ ምዕባይ ቈልዑን ጥራይ ከይተደረተት፡ ብፍላይ ኣብቲ በዓልቤታ ገይሹሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ንበይና፣ ነቲ ብውሽጢ ዝደፍኣ ዝነበረ ስምዒታት ብምዕማቝ እያ ኣብዚ ደረጃ በጺሓ ዘላ። እቲ ንሳ ዝሓለፈቶ መገዲ፡ ንኻልኦት ኣርኣያን ኣብነትን ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማን፡ ቢቢሲ ኣብ ትካላ ከይዱ ረኺቡ ኣዕሊሉዋ'ሎ።
ኣብ ፈለማ
ዝዀነ ሰብ ካብቲ ዝተወልደሉን ዝዓበየሉ ማሕበራዊ ከባብ ርሒቝ ኣብ ሓድሽን ዘይፈልጦን ጥራይ ዘይኰነ ብባህልን ስነልቦናን ርሕቕ ኣብ ዝበሎ ሕብረተሰብ ተሰዲዱ ክነብር እንከሎ፡ ነቲ ዘዕበዮን ባህሊን ልምድን ክናፍቕ ባህርያዊ እዩ።
እቲ ኣብ ስደት ኴንካ ንባህሊን ኣገባብ ኣነባብራኻን ምንፋቕ ዝደፍኦ፣ ክትሓስበሉን ክትረኽቦን ምፍታን ድማ ቀያሪ ሂወት ክኸውን ተራእዩ።
ስለዝዀነ፡ ሰላም ፈለማ ኣብ 2009 ናብ ዩጋንዳ ኣብ ዝተሰደደትሉ እዋን፡ ዓመት ቈልዑ ንምጽንባል ከምቲ ኣብ ኣስመራ ዝለመደቶ ገይራ ንምብዓል ኬክ ወይ ቶርታ ከተናዲ እንተበለት ነቲ ዝለመደቶ ዓይነት ቶርታ ዝመስል ክትረክብ ኣይክኣለትን።
በዚ ድማ ስለምንታይ ባዕለይ ዘይሰርሕ ብምባል፡ መጀመርያ ንደቃን ኣብ ገዛኣን ከምኡ'ውን ንመሓዙታ ክትሰርሕ ጀመረት። ኣብቲ ምቍር ሕብስቲ ይዅን ካልእ እናሰርሐት ትበጽሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ንዓኣ ይዅን ነተን ምሓዙታ እቲ ትሕዝቶኡ ዘሕጕስ'ኳ እንተነበረ፡ ተቢዓ ንንግዲ ወይ ንመሸጣ ትሓስቦ ግን ኣይነበረት።
ይዅን እምበር እቲ ስራሕ እናተሓጐሰት ትሰርሖ ብምንባራ ነቲ ስርሕ ከተዕብዮ ሓሳብ ኣብ ውሽጣ እናዓሞቐ መጸ። መመሊሳ ንኽእለታ ከተደንፋዖን ናይ ርሑቕ ስልጠናታት ክትውስኸሉን ጀመረት።
ሰላማዊት ገና ቅድሚ ሓዳር ምግባራ ኣብ ድኳን ኣቦኣ ኣብ ኣስመራ ኣብ ንግዲ ዓለም ተዋፊራ ትሰርሕ ብምንባራ፡ እቲ ልምዲ ስራሕ፡ ድሌትን ክሰርሕ ኣለኒ በሃሊነትን ኣብ ውሽጣ እዩ ነይሩ።
ሓዳር ምስ ገበረት'ውን ንበዓል ቤተይ ክሕግዞ ኣለኒ ዝብል ኒሕ ኣብ ውሽጣ ብምንባሩ፡ ነቲ ትነጥፈሉ ዝነበረት ዓውዲ ዝመሳስል ስራሕ ንምስራሕ ፈታቲና'ኳ እንተነበረት በቲ ሓደ እቲ ናይ ኣሰራርሓ ፍልልይ፡ በቲ ካልእ'ውን ከም ስደተኛ ኴንካ ንምብጋስ ቀሊል ኣይነበረን።
ብሓፈሻውን ክትሰርሕ እምበር ገና እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ዘይነጸረላ ሓሳብ እዩ ዝነበረ። ብዘይካኡ'ውን እቲ ናይ ኣደነት ሓላፍነት ምስ ጥንስን ሕርስን እሞ ድማ ኣብ ስደት ንበይንኻ ቀሊል ከምዘይኰነ እያ ሰላማዊት ትጠቅስ።
ነቲ ኣብ ውሽጣ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ፍቕሪ ምስራሕ ቶርታ፡ ቅድሚ ናብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ዓቢ ደረጃ ክብ ኢሉ ትካል ቅድሚ ምዃኑ ይዅን ቅድሚ ኣብ ገዛ ኰይና ምሻጥ ምጅማራ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ስልጠናታት ወሲዳትሉን ብዙሕ መጽሓፍቲ ኣንቢባትሉን እያ።
“ከምቲ ዝጠዓምናዮ እንፈልጦን ንፈትዎን ዓይነት ኣብቲ ግዜ ብዘይምንባሩ ንዕኡ ከምጽእ ብዙሕ ተማሂረ ብዙሕ ጽዒረ ብዙሕ ኣንቢበ። ከይተረድኣኒ ድማ ብዙሕ ኣማዕቢለ፡” ትብል።
ኣብ መጀመርያ ካብ ብዙሓት ፈተውታን ትሕዝቶኣ ዝቐመሱን ሰባት፡ ሃናጺ ርእይቶታት'ኳ እንተቕረቡላ፡ ከም ኵሉ ጀማሪ ምሉእ ብምሉእ ብኽእለታ ተኣማሚና ግን ደፊራ መስመር ንግዲ ክትሕዝ ኣይከኣለትን።
ምኽንያቱ፡ 'ምናልባት እንተዘይጸበቐለይከ፣ እንተዘይተዓወትኩ’ኸ፡ ሰብ እንተዘይፈተዎ’ኸ' ዝብሉ እንተታት ዝመበገሲኡ ፍርሒ ስለዝነበራ።
“ብዙሓት ካብ መሓዙተይ ንምታይ ኢኺ ሰሪሕኪ ክትሸጢ ዘይትጅምሪ ገለ ይብላኒ'ሞ፡ እንዳ ኬክ ....[ሰሓቕ]...ከምዚ ሕልሚ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ድማ ብገፊሕ ስለዘይረኣና... ሕጂ እንዳ ኬክ ክፍት ደሓርከ ...በቃ ደሓርከ ብምባል ስግኣት ስለዝነበረኒ ሓንሳብ ቅድም ብዙሕ ክፈልጥ ብዙሕ ክኽእል ጥራይ እየ ዝብል ነይረ።”
ደራኺ ኣጋጣሚ
ሓደ መዓልቲ ግን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ድሌት ናብ ጋህዲ ዝቕይር ኵነታት ተኸስተ። ንሱ ድማ ኣዜብ እትበሃል መሓዛኣ ብዙሕ ግዜ ኣብ ናይ ደቃ ዕለተ ልደት ይዅን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነቲ ሰላማዊት ኣብ ገዛ ኰይና ተዳልዎ ዝነበረት ዝተፈላለየ ቶርታታት ጥዒማቶ ስለዝነበረት፡ ሃንደበት መጺኣ፡ "ንናይ ጓለይ ዕለት ልደት ኬክ ኣዳልውለይ፡ ግን ከፊለ እየ ኸኣ ዝወስዶ፡" በለታ።
ሰላማዊት ነታ "ከፊለ'የ ዝወስዳ" እትብል ዘረባ ምስ ስምዓታ ሰንቢዳ፤ ግን ብሓላፍነትን ብጥንቃቐን ክትሰርሕ ቀሲባታ።
እዚኣ ናይ መጀመርታ ካብ ስርሓ ግን ገንዘብ ዘረኸበትላ ኣጋጣሚ ኰነት፤ በዚ ድማ ኣብቲ ጽንብል ዕለተ ልደት ዝተሳተፈን ነታ ቶርታ ዝጠዓመን ዕዱም ብዙሕ ብምንባሩ፡ “እዋእ እዚ ናይ ኣስመራ ኬክ ደኣ በየን ተረኺቡ? ኣብዚ ዓዲ ኣሎ ድዩ ብምባል ደስ ኢልዎ እዩ በሊዑ።
"ብድሕሪ'ዚ ናይ ክልተ ካልኦት ምሓዙትና ከምኡ ሰሪሐ። ካብኡ ግን ባዕሉ እቲ ሰብ፣ ከምኡ'ውን በዓል ቤተይ ገለ ስርሒ እናበለ ከተባብዓኒ ጀሚሩ፡" ትብልሞ፡ "ኣይጸንሐን ድማ ናይ መርዓ ቶርታ ትእዛዝ መጺኡ ኬክ ደሊና ስርሕልና ገለ እናበለ በዚ ድማ እቲ ስራሕ እናቐጸልኩዎን እናዕበኹዎን መጺአ፡" ብምባል ኣብ ኣጀማምራ ከም ስራሕ ዝሓለፈቶ ተመኵሮ ተካፍል።
ልዕሊ ኵሉ ግን፡ "በዓል ቤተይ ኪዳነ፡ ሕጂ እዅል ተመኵሮ ደሊብኪ ኢኺ ክትሰርሒ ኣለኪ፤ ንእሽቶ ገለ ዘይኰነ ኸማን ጽቡቕ ኣውፊርና ብዓቢ ኢና ክንከፍት ተዳለዊ ኢሉ ምስ ኣተባብዓኒ ...በቃ ብኣኣ ጀሚረ።”
ተመኵሮ፡ ካብ ኣብ ገዛ ናብ ትካል
ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ዩጋንዳ ዓቢ እንዳ ካፈን ፓስቲቸርያን ዝኸፈቱ ኤርትራውያን ብዘይምንባሮም፡ ተመኵሮ ዝወስዱሉ ነገር'ኳ እንተዘይነበረ፡ በታ ኣብ ውሽጣ ዝነበረት እምነትን ድሌትን ካብ ዜሮ ተበጊሶም ነቲ ግራንድ ሃብ ብምባል ዝሰመይዎ ትካል ከፈቶም ነቲ ዕዮ ጀመርዎ።
ኣብ ፈለማ ነቲ ውሽጦም ዝኣመነሉ ሓሳብ፡ ዓቢይ ዓቕሚ ገንዘብ ኣውፊሮም ክበገሱ እንክለዉ፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ጐድኖም'ኳ እንተነበረ፡ ገለ እውን ካብ ሰናይ ድሌትን ፍርሕን ክኸውን ይኽእል፣ "ትጋገዩ ኣለኹም ክንድዚ ወፍሪሲ ኣብ እንዳ ሻሂ!?" ብምባል ንሓሳቦም ዝተቓወሙ ነይሮም እዮም።
እዚ ከምዚ ዝበለ ካብ ኣብ ከባቢኻ ዝመጽእ 'ሓሳባትን ርእይቶን' ኣሰናቢዱ ካብ መገዲ ሕልምኻ ክዀልፈካ ዝደናደን እዩ። ብኸምዚታትን ኣብ ፈለማ ስራሕ ክሳብ ዝለምድን መስመሩ ዝሕዝን ምጽዋርን፡ ኣብ ሕልምኻን ራኢኻን ጸኒዕካ ክንዲ ምቅላስ ዕግት ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
ሰላምን በዓልቤታን ግን፡ እቲ ኣሉታዊ ዘረባታትን ፈላሚ ተመኵሮን ፈታኒ'ኳ እንተነበረ፡ ንዕኡ ሰጊሮም ሓሳቦም ኣብ ግብሪ ኣውዒሎም፡ ኣብቲ ሕልሞም ነኸሱ።
ትካል ግራንድ ሃብ ምስ ከፈቱዎ ኣብተን ፈለምቲ ዝነበራ ኣስታት 6 ኣዋርሕ ሰብ ዝበሃል እውን ከይተቀልቀለ ዝውዕለልይ ዕለታት ብምንባሩ ኣዝየን በዳህቲ ምንባረን ከኣ ሰላማዊት ትዝክር።
“ሰብ መጺኡ ይፍትነካ እዩ፤ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ሲ ኣብዚ ኣጥፌእኩም ዓቢ ጌጋ ኢኹም ተጋጊኹም ይብለካ፡ ግና እምነት ኔሩና ኣምላክ ድማ ኣየሕፈረናን” ብምባል ነቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ብድሆታት ተዘንቱ።
እቲ ኵሉ ብድሆታት ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ናይ ቶርታ ምቍር ሕብስትን ጥራይ ከይተደረቱ ንዅሉ ዘማእከለ ዓለምለኻዊ (ኮንቲነንታል) መኣዲታት ትሕዝቶ'ውን ብምውሳኽ፡ ነቲ ናይ ሓበሻ ማሕበረሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ንዩጋንዳውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ክኸውን ዝኽእል ገበርዎ።
በዚ ከይተሓጽሩ እውን ካብቲ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ሕብስቲታት ፍልይ ዝበለ ናይ ፍረንች ኬክ፡ ኣልሞንድ ኬክ፡ ሞስ ኬክ... ወዘተ እውን ሓድሽ ዓይነታት ብምትእትታው ዝያዳ ኣስፍሕዎ።
ይዅን እምበር እዚ ምስቲ ኵነታት ኣየር ዩጋንዳ ቀሊል ኣይነበረን፤ ብተወሳኺ'ውን ነቲ ዓሚል ካብቲ ዝፈልጦ ጣዕሚ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ዓይነት ፓስተ ከተልምዶ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ገለ ግዜ እውን ከይተሸጠ ብምትራፉ ናብ መሓዙታ ዝሰደደቶን ተጓሒፉ ዘኽሰሮም ምንባሩን'ውን ትጠቅስ።
"ኣብ ፈለማ እቲ ስራሕ ፈታኒ እዩ ነይሩ፣ ሰብ ክሳብ ዝለምዶን ኣሚኑካ ክሳብ ዝመጽእን ዝቕበለካን፡ ኣብ ነብስኻን ስርሕካን እምነት የድሊ፡" ትብል'ሞ፡ "ኣብዚ ንምብጻሕ ግን፡ ብዙሕ ዝተፈላለየ በብዓይነቱ ኬካት መዓልታዊ ክንቅርብ ግድን ነይሩ፣ እንተዘይተሸይጡ ድማ፡ ከምዘለዎ ጉሒፍካ ንጽባሒቱ ሓድሽ ምድላው ግድን ነይሩ፡" ኣብዚ ደረጃ'ዚ ንኽትበጽሕ ብዅሉ መዳያት ዝኸፈለቶ ዋጋ ተዕልል።
ብዘይካ'ዚ፡ ንመጀመርያ ግዜ ዝተሳተፍሉ ምርኢት ኬክ ኣብ ካምፓላ፡ እቶም ዝረኣይዎም ዩጋንዳውያን ዝሃብዋ ግብረንመልሲ'ውን ትዝክር፤
"ናቶም ኪክ ፎንዳንት ወይ ደረቕ ስለዝዀነ እቲ ሓድሽ ዝረኣይዎ ልስሉስ (ናይ ክሬም ኬክ) ኣይተቀበልዎን “በቃ..እናሰሓቁ እዮም ነቲ ናትና ክሬም ኬክ ዝተበላሸወ ኪክ ብምባል ድሂሎምና ... እዋእ ከምዚ ኢልካ ደኣ ክንቅጽል ዲና ኢልና እውን ኣዝዩ ኣሰንቢዱና። ግን ተስፋ ኣይቈረጽናን ኣብ ካልኣይ ዓመት ግን ተወዳዲርና ጥራይ ዘይኰነስ ተሸሊምና እውን።” ስለዝዀነ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕርን ምርብራብን ኣብዚ ግዜዚ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቦም ኣብ ኣዝዩ ጽቡቅ ደረጃ በጺሖም።
“ፈለማ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እደሊ፡ ቀጺለ ድማ ንዅሎም እቶም ወግሐ ጸብሐ ርእይቶም እናካፈሉ ክሳብ ኣብዚ ደረጃ ክንበጽሕ ዝሓገዙና ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣዝየ የመስግን፡” ትብል።
ቶርታ 'ካቴድራል ኣስመራ'
ዓማዊል ከከም ድሌታቶምን ንውራያቶም ንምድማቕ ካብ ዘለዎም ባህጊታትን ምርጫዖም ኣመና ብዙሕ እዩ። ሰላማዊት ከም ሞያዊትን በዓልቲ ትካልና ድማ ንኵሉ ተእዛዛት ክትምልስ ግድን ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ዝመጸ ትእዛዝ ግን ፍሉይን በዳሂን ተዘካሪን ከኣ፤ 'ካቴድራል ኣስመራ ከምዘላታ ብቶርታ ክትቀርበልና' ዝብል ትእዛዝ።
ሰላም፡ ንዅሉቲ ዓሚል ዘቕርቦ ሕርያታት ናይ ገዛእ ርእሱ ክብደት ዘለዎ፡ ግን ድማ ደራኺ ኣጋጣሚ ንዕብየት ስለዝረኣየቶ ንዅሉ ዓይነታት ትእዛዛት ክፉት ጌራቶ።
በዚ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ምስሊ ካቴድራል ኣስመራ፡ ከምዘላታ ግን ብምጡን ዓቐን፡ ቶርታ ንዕለተ መርዓኦም ተሰሪሓ ክትቀረብሎም ዝመረጹ መርዓውቲ መጽኡ።
ፈለማ፡ ዝዀነ ቶርታ ተሰሪሑ ስእሊ ካቴድራል ዝጥቅዖ ድዩ? ኢላ ግር ኢሉዋ ከም ዝነበረ ነቲ ህሞት ብሰሓቕ ትዝክሮ፤ መርዓውቲ ግን ከም ዘላታ ካቴድራል ኣስመራ ኮፍ ትበለልና ደኣ በሉ።
'እኽእል እየ' ብዝብል መንፈስ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢላ፡ ብኣዝዩ ዘደንቕ ጥበብ ሰሪሓ መሰቕረበታ ብዙሕ ሰብ ተደኒቝ፤ ብዙሕ ከኣ ካብ ውሽጥን ደገን ብምድዋል ኣተባቢዑዋ።
እቲ ስራሕ ክዳሎ ዝወሰዶ ግዜ ጻዕሪን ግን ቀሊል ኣይነበረን፣ ኣብዚ ኣመርክቶ በዓልቤታ ወሳኒ ምንባሩ ግን ኣይሓብአትን። ፈላማ ምስሊ ካቴድራል፣ ምስ ኵሉ ዝርዝራታ ክትሰኣል፣ ብናይ ባኮ ሞዴል ኣቐዲምካ ክትዳሎን ነበራ።
ነቲ ሞዴልን ዝርዝራትን ብግቡእ ኣብ ቶርታ ከተስፍር፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ርእሲ ምውሳዱ፡ ኣብ መንጐ ዝፈርስን ዝጓሓፍን ብዙሕ ጥንቃቐ ዝደሊን ስራሕ እዩ ነይሩ ትብል፣ ሰላማዊት።
ኣብ መወዳእታ፡ "እታ 2.6 ኵንታል ትምዘን ቶርታ ካቴድራል፡ ብዙሓት ሰባት ተሳቲፎም - ኣብ ምጽዓንን ምውራድን - ብዓባይ መኪና ተጻዒና ኣብ ኣዳራሽ መርዓ ተገጣጢማ ኮፍ ምስ በለት፡ እንታይ ምዃና ብዘይካ መርዓውቲ ዝፈለጠ ሰብ ኣይነበረን፡" ትብልሞ እቲ፣ "ግራንድ ሃብ እንታይ ደኣ ደው ኢልኩም... ቶርታ እባ ኣቕርቡልና፡" ምስ በለ እቲ ደራፋይ እዩ ሽዑ ሰብ ገሪምዎ፡ ኢላ ነታ ኣጋጣሚ ብፍሉይ ትዝክራ።
ብዙሓት ዕዱማት እታ ኣብ ቅድሚ መርዓውቲ ዝወዓለት ቶርታ ካቴድራል ክትቍረጽ ዘይደለዩ'ውን ነይሮም፡ "ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ኣጋጣሚ ፍሉይን ክንሰርሕ ከም እንኽእልን ዘርኣየን እዩ ነይሩ፡" ትብል።
"ብድሕሪኡ ብዙሓት ዓማዊል ከምኣ ክንሰርሓሎም'ኳ እንተሓተቱና፡ ብውሑዱ ንዝተወሰነ ዓመታት ግን ከም ኮፒራይት ናይቶም ዝሓሰብዋ መርዓውቲ" ክሳብ ዝተወሰነ ዓመታት ክትዕቀብ ከም ዝወሰኑ ትዛረብ።
"መቸም ዝዀነ ይዅን ሓድሽ ስራሕ ክትጅምር እንከለኻ ርእሱ ዝኸኣለ ብድሆታት ከምዘለዎ ርዱእ'ኳ እንተዀነ፡ ስንኻ ነኺስካ ናብ ዕላማካ ክትጎዪ ግን ናትካ ግደ እዩ፡" ትብል።
ኣብ መወዳእታ...
ሰላማዊት ማሕለኻ ስደት ከይዓገታ፡ ቈልዑ ምዕባይውን ካብቲ ውሽጣ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ንድሕሪት ክውጥጣ ስለዘይፈቀደት፡ እንሆ ሎሚ ኣብ ሓሳባ በጺሓ።
በዚ ኸኣ ንዅለን ኣብ ስደት ዘለዋ ደቀንስትዮ ብፍላይ ኣደታት ነቲ ኣብ ኢደን ወይ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ዓቕሚን ጸጋታትን ከለልያን፡ ኣማዕቢለን ክሰርሓሉን ተተባብዕ።
“መጀመርያ ተሰዲድና ምስ መጻና ነቲ ስራሕ የለን ዝብል ነገር ኣወጊድና፡ መንእሰያት ንዅን ኣብ ገዛ ንውዕል ኣደታት ኵላትና ክንሰርሕ ክንብገስ ኣለና። ብቐንዱ ድማ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድሌት ክንፈልጦ ኣለና፣ ደሓር ምስ ጀመርካዮ'ውን፡ ኵሉ ኣብ ጐንኻ ይኸውን ወይ ቀሊል'ዩ እቲ ጕዕዞ ማለት ኣይኰነን ግን ዘይብዳህ ነገር የለን፡" ብምባል፡ ስንኻ ነኺስካ ዓሚቝ መጽናዕቲ ብምግባር ክትቅጽል ኣለካ፤ ምኽንያቱ ዝጸዓርካሉ ነገር፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ካብ ውሽጢ ስምዒት ዝህበካን ትፈትዎን ነገር ኵሉ ግዜ ዋጋኻ ኣይከልኣካን እዩ፡ ትብል።
ብተወሳኺ ምኽሪን ሓሳባት ሰባት ምቕባል፣ "ዝዀነ ትገብራኦ ድማ ብንእሽተይ ነገር" ምጅማር ከም ዝከኣል፡ ብፍላይ ንኣደታት ደቀንስትዮ ቈልዑ ጥራይ ተዕቢ ዘይኰነ ሰብኡተንን ኣሕዋተንን ኣብ ጐድነን ክዀኑን፣ "ደቀንስትዮ'ውን ናይ ገዛእ ርእሰን ከተግብራኦ ዝደያ ሕልምታት ከም ዘለወን ክርድኡለንን ክድግፍወንን፡" ትላቦ።
"ኣነ ብዘይ ደገፍ በዓል ቤተይ ፈጺመ ኣብዚ ኣይመበጻሕኩን፡” ብምባል፡ ሰላማዊት ክፍሎም ካብ ተመኵሮኣ ንዅለን እተን ኣብ ስደት ኰይነን ክሰርሓ እናደልያ ትብዓት ዝሰኣና ደቀንስትዮ ኣጆክን ብምባል፡ ኣብቲ ብውሽጢ ዝስምዓካን ዕግበት ዝህበካን ነገር ጸቒጥካ ምስራሕ መወዳእታኡ ዓወት ከም ዝዀነ ትላቦ።