እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደት ምስ ባህልኻ: ጥሕሎ ዓጋመ ኣብ ካምፓላ
ሰባት ካብ ዓዶምን ባህሎምን እናረሓቝ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ኣብ መንጐ’ቲ ንሓድሽ ባህላውን ማሕበራዊ ከባብን ምልማድን፡ ባህሎምን ቅዲ ናብራኦምን ዓቂቦም ምኻድን ተቐርቂሮም ክናወጹ ይርኣዩ።
ስርዓት እቲ ዝተቐበለካ ዓድን ሕብረተሰብን፡ ብብዙሕ መዳያት ስሒቡ ከወስደካን ኣብ መንነትካ ብሓፈሻ ምንባር ካብ ቀንዲ ብድሆታት ስደት እዩ።
ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያንን ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ከኣ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩላ ዘለዉ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ - ካምፓላ፡ “ክሳብ ዝኸኣልክዎ ባህለይ ወትሩ ምሳይ ክሕዞ እየ፤ ምስ ባህልኻን ወግዕኻን እንተለኻ ንስደትካ የቕልሎ እዩ፡” እትብል ኣስመረት ዘርኡ ዕባይ ዓዲ ግራት እያ።
ኣስመረት፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ዝሰዓበ ቅልውላዋትን ቁሩቍሳትን እያ ካብ ሃገራ ወጺኣ ንስደት ኣምሪሓ፤ እቲ ባህልን ልምድን መዕበያኣ ኸኣ እግሪ እግራ ስዒቡ።
ንብዙሕ ማሕለኻታት ስደት ሰጊራ ኸኣ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ካምፓላ ብዙሓት ዝሃርፍዎ፡ ባህላዊ መግቢታት ብፍላይ ከኣ “ጥሕሎ” ብምድላው ብቐዳምነት ዝጽዋዕ ቤት መግቢ ክትውንን በቒዓ’ላ።
ኣሰራርሓ ጥሕሎ መዓስን ብኸመይን ከም ዝለመደቶ ኣይትዝክርን።
ግን “ካብ ንእስነተይ ኣብ ገዛይ ክስራሕ እናረኣኹ እየ ዓብየ፣ መዓስ ክኢለዮ ክብል ኣይክእልን በቃ ምሳይ እዩ ዓብዩ፡” ትብል።
ኣተሓሒዛ፡ “ኵሉ ባህላዊ ውራያትና፡ መርዓና ትዘካርና፡ ጥምቀትና. . . ኵሎ ብጥሕሎ እዩ - ምስ ናብራና ዝተተሓሓዘ እዩ፡” ብምባል ዝውታረ ጥሕሎ ትገልጽ።
ኣደኣ ቤት ምግቢ ስለዝነበራ ኸኣ፡ ኣብኡ ክስራሕ እናረኣየትን፡ ካብ ንገዛ ሓሊፉ ብትካል ደረጃን ንዓበይቲ ድግሳት ኣካውናኡ ከም ዝመለኸት ትዛረብ።
ብድሕረኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ከተማ ናይ ገዛእ ርእሳ ባህላዊ ቤት መግቢ ከፊታ፤ ጥሕሎ ኸኣ ከምዘይተፈለያ ተዕልል - ኣስመረት።
ብቐዳምነት እቲ ጥሕኒ፡ ብዙሕ ዘይተቓጸለ ማለት ብዝረሰነ ሑጻ፡ ሓጺን ኣብ ዘይኰነ ጭቃ መቝሎ እዩ ዝቝሎ። ስለዚ ብዙሕ ዘይተቓጸለ፡ ብሓዊ ዘይተጐድአ እኽሊ ብምዃኑ ምስ ተመገብካዮ ዝህበካ ውሽጣዊ ሰላምን ጥዕናን ተዘኻኽር።
ስለዚ፡ ነዚ ዝመርጽ ብዙሕ ሰብ ስለዘሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ነቲ ባህሊ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ’ውን ከይተረፈ - “ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣምሓሩ፡ ጉራጌ፡ ኦሮሞ፡ ጥራይ ዘይኰነስ ፈረንጂ ወጻእተኛታት ከይተረፈ ሎሚዶምዎን ደስ ኢልዎም ይበልዕዎን፡” ከም ዝነበሩ ዓማዊላ ሰሲኖም ብፍቕሪ ይምገብዎ ምንባሮምን ትዝክር።
ስደትን ሕልኽላኻቱን
ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ተባሪዑ፡ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘስፋሕፍሐ ኲናት፡ ጥንቂ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ብዙሓት ኰይኑ እዩ።
ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ሓያለ ተጋሩ’ውን በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት፡ ናብራኦም ተጐሳቒሉ እዩ።
ኣስመረት ዘርኡ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ መቐለ ከምዝነበረት ትዛረብ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ግን ካብ ኢትዮጵያ ወጺኣ ብኬንያ ኣቢላ ዩጋንዳ ከምዝዓለበት ተዕልል።
ኣብ ዩጋንዳ ካብ እትኣቱ ልዕሊ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝገበረት ኣስመረት፡ ነዚ ኣብ ከባቢ ካሳንጋ ዝርከብ ሓድሽ ትካል ቤት መግቢ ካብ እትኸፍት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኰይኑዋ’ሎ።
ኣብ ሓድሽ ሃገርን ማሕበረሰብን ክትኣቱ ንዝነበራ/ዘለዋ ጸገም ከተዕልል እንከላ፡ ኣብ ካልእ ሃገር መጺኻ ናብራ ኣብ ትጅምረሉ፡ ብዙሕ ነገራት ከም ዝኸብድ፡ ብዛዕባ’ቲ ዓዲ እኹል ሓበሬታ ዘይምህላው፡ ባህልን ኣነባብራን ናይቲ እትነብረሉ ህዝቢ ዘይምፋላጥን ዘምርዳእን ጸገም ምዃኑ እያ ትጠቅስ።
ኣብ ዩጋንዳ ብፍላይ፡ “ጋሻ ክትከውን እንከለኻ ብዙሕ ምትላልን ፈተነታትን” ከምዘጋጥም ብምጥቃስ፡ ኣስመረት፡ ካብ ክራይ ገዛ ጀሚሩ፡ ኣቝሑ ገዛን ካልእን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ብሓፈሻ ውጽእ ኢልካ ናብቶም ህዝቢን ኵሉ ዕዳጋኦምን ክትኣቱ ከበድቲ ፈተናታት ከም ዘሕለፈት ትዛረብ።
“ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኮፍ ኢለ ነይረ፤ ስራሕ ዝለመደ ሰብ ብፍላይ፡ እናተሰደደሉ ኮፍ ኢሉ ክነብር ኣመና ከቢድ እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ኣዲስኣበባ ከባቢ ሃያሁለት ኣብ ዝነበርኩሉ ዓማዊለይ ዝነበሩ፡ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ሓጊዞምኒ - ገንዘብ ልኢኾምለይ ተበጊሰ፣ ገለ ኣብዚ ዝረኸብኩዎም ኣሕዋት’ውን ሓጊዞምኒ፡” ነዚ ትካል ከፊተ ብምባል ንዅሎም ተመስግን።
እዚ ሓድሽ ዝኸፈተቶ ባህላዊ ቤት መግቢ፡ ኵሉ ዓይነት ባህላዊ መግቢ ዘዳሉን ዝምስገንን’ኳ እንተዀነ፡ ብጥሕሉ ግን ሕሉፍ ምዃኑ፡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ዝተዓዘብዎን ዘዘራረብዎም ዓማውል ዝምስክርዎን እዩ።
ጥሕሎ፡ ኣመና ደስ ከም ዝብልን ብዙሕ ሰብ ከም ዝፈትዎን፤ እቲ ቀንዲ ዘፍትዎ ኸኣ ወግዑ፡ ኣቀራርባኡን ርግእ ኢልካ ተኣኪብካ ዝብላዕ ምዃኑን፡ እዚ ኸኣ ፍቕሪ ቤተሰብን ሕብረተሰብ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ተበሃጊ ከም ዝገብሮን ከኣ ባዕላ ትገልጽ።
ትሕዝቶኡ ስገምን ቋንጣን - ካብ ስብሒ ዘይብሉ ቀይሕ ስጋ ብምዃኑ’ውን ብመዳይ ጥዕና ተመራጺ እዩ ትውስኽ።
ጥሕሎ - ብኸመይ ይዳሎ
ጥሕሎ መጀመርያ እቲ ጥሕኒ እዩ ዝዳሎ፡ ንዕኡ ዝኸውን ስገም ተመሪጹ፡ ተኣርዩ ተንፈኽፊኹ እዩ ዝቝሎ። ከምቲ ዝበልክዎ፡ ብሓጺን ዘይኰነ፡ ብጭቃ ኣብ ዝተሰርሐ ሞቕሎ፡ ሑጻ ተሓጺቡ፡ ምስ ረሰነ በቲ ዝረሰነ ሑዛ እዩ ዝቝሎ።
ሓዊ ኣየቃጽሎን እዩ። ስለዚ ብመንጽር ትሕዝቶ “ከይነደደ ከይተቓጸለ ኢና ንረኽቦ ዘለና ማለት እዩ።” ብድሕሪኡ ኸ? “ይፍጻሕ . . ዘግሒ ይበሃል፡ ምስ ተዘግሐ፡ ይጥሐን ብዙሕ ከቢድ እዩ ስርሑ ቀሊል ኣይኰነን፡” ብምባል ነቲ መስርሕ ምድላው ብዝርዝር ተዋግዕ።
ስለዚ እቲ ጥሕኒ ኣብ ዩጋንዳ ክዳሎ ከም ዘይክእል እያ ተረድእ። “መቐሎ ኣይርከብን፡ እቲ መጕእን ካልእን ኣብዚ ኣይርከብን፡ ስለዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘላ ዓባይ ሓፍተይ ሰዲዳትለይ እየ ዝሰርሕ።”
ነታ ጸብሒ ኣብ ዝምልከት ከኣ፡ “መጀመርያ በርበረ፡ ከም ድልኽ ብማይ ውዑይ እዩ ዝድለኽ፣ ብድሕሪኡ ትእዛዝ ዓሚል ምስ መጽአ፡ እያ ክትስራሕ ትጅምር፣ ገሊኡ ብቛንጣ ዝደሊ ኣሎ፡ ገሊኡ ድማ ብስጋ ከከም ጠለብ ዓማውል ይዳሎ፣ ስፐሻል- ኖርማል ተባሂሉ ብቛንጣን ስጋን እዩ ዝዳሎ፡” ትብል።
ብድሕረኡ “እቲ ጸብሒ ክዝሕል ኣለዎ፡” ጥሕሎ ብውዑይ ጸብሒ ከም ዘይብላዕ ኣስመረት ትነግር።
እታ ኣብ ማእከል ጸብሒ እትነጥብ ጻዕዳ ኸ? “ንሳ ሓዞ ወይ መብረያ’ትብሃል። ክትስራሕ እንከላ ካብ ሕቋንን ጥሕን እያ ትስራሕ፤ ንዓቢይ ውራይ እንተዀይኑ ኸኣ ጥራይ ብዓተር ትስራሕ፡” ብምባል ሓዞ ወይ መብረያን ሓደ ምዃኑ ጥራይ ኣሰራርሓኡ ከም ዝፈላለ ብምግላጽ፡ “ኣገልግሎተን ሓደ እዩ፡ እቲ በርበረ ከይብርትዓ መዝሓሊ ኰይኑ እዩ ዝገልግል፡” ትብል።
ወግዒ ኣበላልዓ
ብርግጽ፡ ኣበላልዓኡ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኰነን፡ ኣጋይሽ ክመጽኡ እንከለዉ፡ ብፍላይ ነቲ ኣበላልዓ ዘይፈልጥዎ፡ ነታ ሽንጣር ሒዞም ነታ ስጋ ክወግኡ እንከለዉ ይሽገሩ እዮም።
“እታ ጥሕሎ ምስ ተሸኽለት ስጋ ንምሓዝ ብጣዕሚ ክትጽቀጥ የብላን፡” ትብል።
“ሓደ ዓሚል፡ ‘ጥሕሎስ ተንኰል ኣይትፈቱን፡’ ኢሉኒ . . . ደስ ኢሉኒ፡ እታ ጥሕሎ ትወግኣ እሞ ስጋ ከተጥብቕ እንከለኻ ኣፍኲስካ ኣጸግዕ ጥራይ ኢኻ ተብለላ፣ ባዕላ ተልዕላ እያ፡” እንተዘይኰይኑ ከምዘይትተሓዝ ብምግላጽ ንኣበላልዓ ጥሕሎ ተረድእ።
ኣተሓሒዛ ኣስመረት፡ “በቲ ወግዒ መሰረት፡ ኣብ ዓዲግራት ንኣብነት ኣብ ውራይ እንተዀይኑ መኣዲ ክትጅምር እንከለኻ ነታ ጥሕሎ፡ እታ ሓዞ/መብረያን እታ በርበረን ኢኻ ትበልዕ፤ እቲ ስጋ ደሓር ምስ ተገልበጠ ኢኻ ክትበልዕ ትጅምር።
“ኣብ ጻሕሊ እንከላ ስጋ ኣይትብላዕን። እቶም መኣዲ ዝተቐረቡ ትገልበጥ ኢሎም ምስ ተሰማምዑ እያ እታ ጸብሒ ትግልበጥ፡’ ካብኡ ብጥሕሎ ዝደለየ ይዅን ብእንጀራ ስጋ ክበልዕ ዝደለየ ይበልዕ. . . ኢላ ነቲ ባህሊ ዝያዳ ተረድእ።
ኣብ ርእሲኡ፡ እታ መዳለዊት፡ ነቲ ብዓቐን ኵላሶ ኣኽቢባ ዘዳለወቶ ጥሕሎ፡ ኣብቲ መኣዲ ኣውዲቓ ምስ ወድአት፡ ሓደ ካብ ተቐረብቲ መኣዲ ንቕድም ንዓኣ ኣዀሊሱ እዩ መኣዲ ባሪኹ ዘጀምር።
ኣብዚ ባህሊን ወግዒን ዝመልኦ ትካል ኣስመረት ዘርኡ፡ ዩጋንዳውያን ሰራሕተኛታት እየን ከተኣናግዳ ዝረኣያ። ብኸመይ መሊኸናኦ ዝብል ሕቶ ቀዲሙ ዝመጽእ ትዕዝብቲ እዩ።
ኣስመረት፡ ኣርባዕተ ዩጋንዳውያን ሰራሕተኛታት [ሓደ ወዲ ሰለስተ ደቀንስትዮ] ከም ዘለዉዋ ትገልጽ።
እቲ ባህሊ እቲ ዓቐንን ምቅማምን ከመይ ከም ዝግበር ከም ዘርኣየቶምን ንሳ ኣብ ዘይብሉ’ውን ባህላዊ መግብታት ክሰርሑ ከም ዝበቕዑን ትገልጽ።
እቶም ዩጋንዳውያን ከሸንቲ፡ “ሽሮ፡ ድሎት፡ ጸብሒ ደርሆ፡ ዝግኒን ዝኣመሰሉ ባህላዊ መግብታት፡” ብግቡእ ከም ዝሰርሑ ትምስክር።
ኣብ ርእሲኡ፡ “ንመርዓ፡ ጥምቀትን ካልኦት ጽንብላትን’ውን መግቢ ስለእነዳሉ፡ እቲ ንምሉእ ቡፌ ዘድሊ መግብታት ባዕሎም ክሰርሕዎ ክኢሎም እዮም፡” ትብል።
ኣብ ጥሕሎ’ውን እታ ጸብሒ ባዕላተን ክሰርሓኣ ይኽእላ እየን፡ ብምባል፡ “እታ ምድርኳዕ ግን ዝያዳ ወግዒን ኣቀራርባ ስለእትሓትት ባዕለይ ጥራይ እየ ዝገብራ፤ ብፍላይ እቶም ብግቡእ ነቲ ኣገባቡ ዘስተማቕርዎን ዝደልይዎን ዓማዊል፡ እቲ ኣቀራርባኡ፡ ወግዑን ባህሉን ‘ውን ስለዘገድሶም ባዕለይ እየ ዝገብራ፡” ትብል ኣስመረት።
ኣብ መወዳእታ
"እቲ ዝዓበኹሉ ባህሊ ኣብ ዝደኸድኩ ከይደ ክዕቅቦን ምሳይ ሒዘዮ ክነብር እየ ዝደሊ” እያ እትብል።
ኣስመረት ብሰንኪ ስደት ብዙሕ ከምዝተሰናኸለት ብምግላጽ፡ ኣብ ድሌታን ሕልማን ንምብጻሕ ብዙሕ ጻዕሪ ከምእተካይድ ትገልጽ።
ትካላ ካብዚ ዘለዎ ዓብዩ፡ ነቲ ባህላዊ መግብታት፡ እቲ ዝግባኦ ከይነከየት ብዝከኣል መጠን ብስፍሓት ከትሰርሓሉን ናብ ካልኦት ከተላልዮን ካብ ሕልምታታ እዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ፡ ካብኣ ዝጽበዩ ስድራኣ ስለዘለዉ፡ ብዙሕ ዋጋ ከም ዝሓታ ኣይትሓብእን።
ተሰዲድካ፡ ንዅሉ ጸገማትን ብድሆታትን ስደት ስዒርካ ናብራኻ ክትቀይር እንተዘይክኢልካ እዩ ስደት ዝያዳ መሪር ዝኸውን።
ስለዚ ኣስመረት ዘርኡ፡ ካብዚ ዘላቶ ደረጃን ዕብየትን ክትብልጽግ፤ ዝዓበየ ብዅሉ ሸነኻቱ ባህሊ ዘንጸባርቕ ትካል ክትውንን ለይትን ቀትርን ከም እትሰርሕ ትገልጽ።