እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ንርእሱ ሓራ ዘይኰነ ስነጥበብ፡ ሓርነት ኣየምጽእን’ ስነጥበባዊ ተመስገን ተወልደ
ኣብ ንኡስ ዕድመኡ፡ ኣብ ስነጥበብ ብፍላይ ኣብ ምጽሓፍን ተዋስኦን ድራማታት እናነጠፈ፡ ተፈላጥነቱ እናዕበየ ዝመጽእ ዘሎ ንኡስ ስነጥበባዊ እዩ - ተመስገን ተወልደ።
እቲ ኣብ ከረን ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ኤርትራዊ ስነጥበባዊ፡ ኣብ ምጽሓፍ ፊልም ብፍላይ ጅር ኮሜዲ ዝዓዪ፣ ዘልዕሎም ኣርእስትታት ፍሉያት፡ “ተዅቶኽቲ” ንሓሳብን ኣስተንትኖን ዝዕድሙ ምዃኖም እዩ ዝዝረበሎም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ዝነብር ተመስገን፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 70 ዝኸውን ኮሜዲታት ከምዘፍረየ ይዛረብ።
ተመስገን፡ ኣብ ዛዕባ ስርሓቱ፡ ኣረኣእያኡን ብሓፈሻ ፍልስፍና ህይወቱን ዝመንቀሊኡ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣዛራቢ ክኸውን ይርአ እዩ።
ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ቢቢሲ፡ ስነጥበባዊ ተመስገን፡ መረዳእታኡን ኣመለኻኽታኡን ንስነጥበብ፡ ብስነጥበባቱ ኸ እንታይ እዩ ክብል ዝደሊ? ብድሆታቱን ተስፋታቱን ኣብ ዝርኢ ዛዕባ ኣዕሊልዎ’ሎ።
“ኣብ ስነጥበብ ዝርኣየኒ እቲ ውልቀ ድምጺ ሓደ ሰብ እዩ፤ እቲ ውሽጣዊ እንታይነትን ንጽህናን’ዩ መጀመርታ ዝረኣየኒ፡” ድሕሪ ምባል ተመስገን፡ “ብኻልኣይ ደረጃ ስነጥበብ ማለት ንዓይ ሓርነት ማለት እዩ፡” ይብል።
ነዚ መረዳእታ’ዚ ከነጽር እንከሎ፡ “እቲ ውልቀሰብ ምስ ካልኦትን ምስ ነብሱን ኣብ ዝገብሮ ርክባት፡ ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣጠማምታ ተበጊሱ ንዓለም፡ ንሂወትን ንደቂሰባትን እንተላይ ስምዒታትን ዝርእየሉ እዩ፡” ኢሉ ከም ዝኣምን ይገልጽ።
“ስለዚ፡ ንገዛእ ርእሱ ሓርነት ዘይብሉ ስነጥበባዊ፡ እቲ ናብ ህዝቢ ወይ ናብ ካልኦት ከብጽሖ ዝደሊ ብምልኣት ከብጽሖ ኣይክእልን እዩ፡” ይብል’ሞ፡ "ስለዚ፡ ስነጥበብ ድምጺ ውሽጢ’ዩ ኰይኑ፡ እቲ ድምጺ ድማ ሓርነት ክህልዎ ዝሓትት'ዩ" ይብል።
“ሓርነት ከም ቃልን ሓሳብ ደጋጊምካ ትጠቕሶ ኣለኻ እሞ፤ ካልእ ይትረፍ ኣብ ስደት ወጺእካ ተዛማዲ ሓርነት የለን ዶ? ወይ ኣብቲ ‘ስነጥበበኛ’ ንባዕሉ ርእስኻ ሓራ ኣብ ምግባር ጸገም ኣሎ ድዩ?” ተባሂሉ ንተመኵሮኡን ትዕዝብቱን ከረድእ፡ ቢቢሲ ሕቶ ኣቕሪቡሉ።
“እወ እቲ ዝዓበየ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ቃልስና ኣብቲ ናብ ሓርነት ዝወስደና ጕዕዞ እዩ። ንነዊሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ኣእምሮኣዊ ባርነት፡ ምስ ስርዓታትን ምስ መግዛእቲን ዝተተሓሓዙ ዝተፈላለዩ ማእሰርቲ ስለዝጸናሕና፣ ሎሚ እቲ ዝዓበየ ቃልስና እቲ ናብ ሓርነት ዝወሰደና ጕዕዞ እዩ፡” ኢሉ የቐምጥ።
ንተመኵሮኡ መሰረት ገይሩ ክዛረብ እንከሎ እቲ ስነጥበበኛ፡ “ሓርነት ግን ካብታ ዝዓበኻላ ስድራቤት ካብ ገዛኻ’ዩ ዝጅምር። ኣጋጣሚ ኰይኑ መብዛሕትና ኣመጻጽኣና ከምኡ ኣይኰነን፤ ናጻ ክንከውን ዕድል ኣይረኸብናን፣ ስለዚ እቲ ዝዓበየ ቃልስና ከመይ ጌርካ ቅድም ነብስኻን ኣተሓሳስባኻን ሓራ ትገብር እዩ፡” ብምባል እዚ ኣምር ‘ሓርነትን ሓራ ኣተሓሳስባን’ ስነጥበብ ንምስጓም መሰረት ምዃኑ ይምጕት።
“ብዘይ’ዚ ሓቀኛ ስነጥበበኛ ንምዃን ኣይከኣልን፤ ብምልኣት ቜምና፡ ደሓር ነቲ ናብ ካልኦት ከነብጽሖ እንደሊ ብናጽነት ከንበጽሕ ኣይከኣልን’ዩ።”
ምስዚ ኣተሓሒዙ ስነጥበባዊ ተመስገን፡ ትዕዝብቱ ዝሓልፎ መገድታት መሰረት ብምግባር፡ ስለዚ ሎሚ ክርእዮ እንከለኹ፡ እቲ መገዲ ሓርነት ኣዝዩ ገና ምዃኑ ይርኣየኒ፡ ድሕሪ ምባል “ምኽንያቱ ብዙሕ ሰብ ወላ ካብ ኤርትራ ወጺኡ፡ ኣብ ዩጋንዳ ኣትዩ ኣውሮጳ፡ ኣሜርካ’ውን ኣትዩ ሓራ ኣይኰነን። ብመዓት ፍርሒ፡ መዓት በሰላታት፡ ራዕዲን ስንባደታትን ኣለዎ፤” ይብል። “ስነጥበበኛ እቲ ዝዓበየ ዕላማኡ፡ ሓርነት ኣተሓሳስባ ኣብ ምርግጋጽ ምስራሕ ምዃኑ የመልክት፡”
“ከመይ ጌርና ንፍርህታትና ኣለሊና ንስዕሮ፣ ከመይ ጌርና ሓራ ኴንና ምንባር ንጅምር፣ ከመይ ኢልና ብምልኣት ንቐውም ስነጥበባዊ ተልእኾይ እዩ።”
ዕድል ኣይገበርናን ሓራ ክንከውን፡ ክትብል ጸኒሕካ’ሞ እቲ ድሕረባይታኻ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ተመኵሮኻ ከመይ ድዩ? ሓራ ኴንካ ስነጥበባዊ ስርሓትካ ከተውጽእ ዕድል የለን ንምባል ድዩ?
“ክልተ ነገር ኣሎ፤ ሓደ እቲ ሕብረተሰብ ኣሎ፡ እቲ ዘዕበየካ ከባቢን ስድራቤትን ኣሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ስርዓት ማለትዩ፤” ብምባል እቲ እትነብሮ ማሕበረ ፖለቲካዊ ከባቢ ኣተሓሳስባኻ ኣብ ምቕራጽ ዘለዎ ተራ ይዛረብ።
“ሕብረተሰብና ብመብዛሕትኡ ሸነኽ ክርአ እንከሎ፡ ካብቲ ኣመጻጽኣኡ ሓራ ዝገብረካ ኣይኰነን። ወለድና ብኸምቲ ንሳቶም ዝዓበይዎ ጸቒጦም ከዕብዩኻ እዩ ቅኑዕ ኰይኑ ዝስምዖም፡ “ግደፍ! ከምኡ ኣይትግበር ነውሪ እዩ. . . እናተበሃልና ብፍርሒ ኢና ዓቢና፡” ኢሉ ሕብረተሰብ ዝኽተሎ ኣገባብ ኣተዓባብያን ኣተሃናንጻን፡ ኣብ መጻኢ ህይወትን ኣተሓሳስባን ዘለዎ ጽልዋ ይእምት።
“ቅሩብ ጉብዝ ምስ በልካ ድማ እቲ መንግስቲ ይርከበካ’ሞ ዝገደደ ትጸብብ፡” ድሕሪ ምባል እቲ መንግስቲ፡ "ኣጽቢቡ ኣጽቢቡ ንመብዛሕትኡ ነቲ ስርዓት ጥራይ ዘገልግል፡ ትርጕም ኣልቦ ገይሩ የጽርየካ፤ ክትኮኖ ዝደልየካ ቅርጺ ኣሎ።”
ብመሰረት ኣበሃህላኡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኴንካ’ውን ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኴንካ ብናጽነት ክትሓስብ፡ ነቲ ክትሰርሖ እትደሊ ክትሰርሕ፡ ብፍላይ ኣብ ስነጥበብ ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ፡።
እዚ ግን ኵሉ’ቲ በዚ መስርሕ ዝሓለፈ ሓርነት ዘይብሉ ወይ ዘይስምዖ ከንቱ’ዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእልዶ? ዕዉታት ከ የለውን ድዮም?
“ብሓፈሻዊ ንመብዛሕትኡ ኣብ ግምት ኣእቲና ንዛረብ ኣለና’ምበር እወ ኣለዉ፡” ኢሉ ከረድእ እንከሎ ተመስገን፡ ገለ ድሒሮም ነብሶም ዝረኸቡ ሰባት ኣለዉ፤ ገለ ዕድለኛታት ድማ ካብ ደሓን ዝዀነ ስድራቤታት ዝተወልዱ’ሞ ኣተዓብብያ ዝሓገዞም ኣይሰኣኑን። ገለ ድማ ነንብሱ ኣብቲ ጕዕዞ ቀልጢፉ ይርድኦ፡ ይምሃር፡ ይሓስብ የስተንትን ካብኡ ዓለም ርእዩ ባዕሉ ነብሱ ሓራ ዘውጸእ ሰብ’ውን ኣሎ፡ ብምባል እዚ ባህሪያዊ ዘይከሓድ ነገር ምዃኑ የቐምጥ።
ጐቢዝካ ካብ ወለድኻ ተፈሊኻ ኣብ ሳዋ ዝተመኰርካዮ፡ ብመንጽር እዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ፡ ከመይ ይመስል?
ተመስገን፡ “ኣነ ኣብ ሂወተይ ዝዓበየ ጸጋ ወይ ዕድል ዝብሎ፡ ስድራቤተይ እዩ። ኣብ ጣውላ ዲሞክራሲ ካብ ዘፍቅድ፡ ኣብ ሓደ ጣውላ ኰይኑ ካብ ዘዕልልን ዝምጕትን ስድራቤት’የ ተፈጢረ፡” ኢሉ ይምልስ። ኣብ ርእሲኡ ሕሳስ ልደት ብምዃኑ ኣብ ስድራኡ ብዙሕ ናጽነት ተዋሂብዎ ከምዝዓበየ የመልክት። ሰብ ንገዝኡን ኣተዓባብያኡን ከም ዝመስል ብምምልካት፡ ነቲ ሒዝዎ ዝዓበየ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ሒዙ ንሂወት ከምዝገጥሞ ይዛረብ።
“ስለዚ ኣብ ገዛኡ ናጻ እንተውጺኡ ኣብ ዓለም ናጽነት ከምዘሎ ኣሚኑ’ዩ ዝነብር፤ ብኣንጻሩ ኣብ ገዛኡ ጸቢቡ ተጨቚኑን ተዳሂሉን እንተወጺኡ፡ ብኸምኡ’ዩ ዝነብር።”
እቲ ብሓሳብ ምስ ኣቦኡ ይዅን ዓበይቲ ኣሕዋቱ ዘዕበየኒ ዝብሎ ባህሊ ምልዛብን ምርድዳእን እዚ ኸኣ ኣብቲ ኵሉ ጕዕዞኡ፡ “ኣብ ሳዋን ካልኣይ ደረጃ ሂወተይን ብዙሕ ጠቒሙኒ’ዩ፡” ይብል።
“ከምቲ ካልኦት ክነብሮ ዝደልዩኒ ዘይኰነ ከምቲ ዝመስለኒ፣ ከምቲ ክዀኖ ዝደልን እናነበርኩ እየ መጺአ።”
እዚ’ሞ ምስ ካልኦት ኣየራጽመካን’ዶ? ብድሆታቱ ኸ?
ብናጽነት ዓቢኻ፡ ብኣንጻሩ ናጽነት ዘፍርሖም ኣብ ከባቢኻ እንተለዉ ክትጋጮ ባህርያዊን እዚ ኸኣ በዳሂ ምዃኑን ይገልጽ፡ ተመስገን።
“ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ከምኡ ክትከውን ኣየፍቕዱን ንስኻ ድማ ከምድላይካ ክትከውን ትደሊ፡” እዚ ምስ ብዙሃት ዘጋጩ ምዃኑ የመልክት።
ኣተሓሒዙ ተመስገን፡ ብፍላይ ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ ኣተሓሓሕዛ ስለዝዀነ፡ “እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ድማ ብባህሪኡ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ምስ ብዙሓት ዓለምቲ ብምፍላይ ሓርጐጽጐጽ እናሕለፍኩየ መጺአ፡” ብምባል ዝሓለፎ ጸገማት ይዝክር።
ስለዚ ብኸምዚ ተመኵሮ ከም ዝሓለፈ ስነጥበባዊ መጠን፡ ተዛማዲ ነጻነት ኣብ ዘለዎ ዓዲ እናነበረ፡ ነዚ ዝገለጾ ጸገማት ብፍላይ ኣብ መቓን ትሕዝቶ ስነጥበባዊ ስርሓቱ ብኸመይ ከዐርዮን ክቃለሶን ከምዝደሊ ተሓቲቱ፤ ተመስገን፡ ከም ስነጥበበኛ፡ ብስነጥበባቱ ኣቢሉ እቲ ዝዓበየ ንህዝቢ ክብሎ ወይ ‘ክንኮኖ ኣለና’ ኢሉ ክነግሮ ዝደሊ፡ ፈለማ ኣብ ነብሱ ብምንጽብራቕ ካብኡ ኸኣ ኣብ ስርሓቱ ብምርኣይ ምዃኑ ይእምት።
ንኣብነት እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝሰራሖም ብዙሓት ድራማታቱ “ንፍርሒ ማእከል ዝገበሩ እዮም፡” ብምባል፡ ሕመረት ጣቛኦም፡ “መጀመርያ ፍርሕታትና ክነለልዮምን ክንምርምሮምን፣ ፍርሒታትና እንታይ እዮም መሊኦም ዘሎዉ? ባርነትና እንታይ እዩ? ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ስምዒታት ክንርድኦምን፤ እቶም ጠንቂ ጸቢብነትና ክንፍትሾም፡” ምዃኑ የቐምጥ።
ፍርሒ ባህርያዊ ስምዒት’ኳ እንተዀነ ዝያዳ ምስ ተረዳእካዮ ኢኻ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፡ ብምባል ድማ፡ እቲ ብድራማታቱ ኣቢሉ ከገንዝቦ ዝደሊ መረዳእታታት የመልክት።
ስለዚ እቲ ዝዓበየ ዝብሎ፡ “ቅኑዕ መረዳእታ ገዛእ ርእስና ክህልወና ኣለዎ። ምኽንያቱ ባርነትና ከም ናጽነት፡ ፍርሕታትና ከም ብልጫ ዝርአ እንተዀይኑ፡ ክንሓዊ ገና ኢና፡” ይብል።
ስለዚ በቲ ስነጥበባዊ ስርሓቱ ኣቢሉ፡ ከም ዝዓበየ ዕላማኡ ዝወስዶ “ቅኑዕ ሰእሊ ገዛእ ርእስና” ንምስራጽ እዩ፡ ይብል።
ነቶም ኣብ ቅድሚ ካልኦት ክንብሎም ዘይንኽእል፡ ገንጺልና ንደገ ከነውጾኦም እንተኽኢልና ኢና ንሓዊ፡ ብምባል፡ እዚ መገዲ’ዚ እዩ “እንታይ ኴንና ከም ዘሎና ዘፍልጠና፡” ብምባል፡ ንግደ ስነጥበብን ስነጥበበኛን ብኣረዳድኣኡን ኣመለኻኽታኡን ይገልጽ።
“ሃገር ከኣ ናይ ኵሉ ስለዝዀነት ብዙሓት ኣብዚ ተሓጋጊዞም ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕዋይን ናጻ ኣብ ምግባርን ክቃለሱ ይኽእሉ።”
ስለዚ ስነጥበባዊ ስርሓትካ ነየናይ ክፋል ሕብረተሰብ - ብዕድመ - የተኵር ማለት’ዩ? ብቦታ ኸ?
ነዚ ኣመልኪቱ ስነጥበባዊ ተመስገን፡ ስርሓቱ ነቲ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ።
ብፍላይ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኽ ሂወቱ፡ “ብዙሕ ስቓይን በሰላታትን ዘለዎ መንእሰይ፡” ዘነጻጸረ እዩ፡ ይብል።
ብቦታ ግን ኣብዚ ኢልካ ከተጽብቦ ከምዘይከኣል ብምግላጽ፡ “ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ንዅሉ ኤርትራዊ ዝምልከት እዩ።”
“ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣተወና ብዙሕ ስንባደ፡ ፍርሒን በሰላን ኣሎ፡” ኢሉ ንዅነታት መንእሰያት ኤርትራን ዝሓልፍዎ ሽግራትን ይጠቅስ እሞ፡ እቲ ዘሰክፍ ድማ፡ ብዙሃት ከይሓወዩ፡ ምስ ኵሉ በሰላታቶም ስለዝተሰዱ እዩ ይብል።
“ክሳብ ሕጂ ብዙሕ መንእሰይ ዋላ እንተረሓቐ’ውን ከምኡ ኢሉ፡ ተዳሂሉ እዩ ዝነበር ዘሎ። ብዙሓት ኣብ ደገ እናነበሩ ገና ኣብ ኣሃዱታቶም፤ ኣብ ብዙሕ ሸላታት እዮም ዘለዉ፣ መዓት ሰብ ጥዑም ድቃስ የብሉን። ስለዚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣመጻጽኣን ህይወትን ዘለዎ መንእሰይ ዒላማ ዝገበረ እዩ ድራማታተይ።”
እዚ ዝመረጽካዮ ኮሜዲ፡ ከም ሓደ ጅር ስነጥበብ ኣተሓሳስባኻ/መልእኽትኻ ኣብ ምስግጋር ኣድማዕነቱ ከመይ ትግምግሞ?
ተመስገን፡ ነቲ ክብ ኢሉ ከም ጸገማት ዝጠቐሶ ኣተሓሳስባን፡ ርእሰ-ሓርነት ዘይምርግጋጽን ከም ምኽንያት ብምቕማጥ፡ ዝተርፍ ብዙሕ ምዃኑ ይዛረብ።
“እቲ ንድሕሪት ዝኸድናዮ ጕዕዞ ነዊሕ እዩ፡ ገለና ዕድል ረኺብና ወጺና እምበር ብዙሕ ገና ካብቲ ኵነታት ኣይወጸን። ስለዚ እቲ ናይ ሓርነት ሓሳባትን ስርሓትን ብኸምቲ ዝድለ ከስተማቕሮን እቲ ዘድልዮ ክትቅርበሉ ዝግባእን ኣዝዩ ውሑድ እዩ፡” ይብል።
ከም ስነጥበባዊ፡ ብሓደ ወገን ምስ ኣተሓሳስባ እቲ ሕብረተሰብ በቲ’ውን ምስ ፖለቲካዊ ኵነታቱ ፊተ-ፊት ዝጋጠም ስርሓት ሒዝካ ክትመጽእ ዘለዎ ብድሆታት ክገልጽ እንከሎ፤
ኣብ ገለ እዋን ምስቲ ዘሎ ኣተሓሳስባታት ከም እትጋጮ ገሊኡ ድማ ዘይክቕበሎን ከም ዝኽእል ይዛረብ።
እዚ ይዅን ግን፡ “ስነጥበበኛታት ቅድሚት ወጺእና ክንቃለስን ክንመርሕን ንሓስብ ክሳብ ዝሃለና ኣብቲ ንኣምነሉ ደው ክንብል፣ ኣብኡ ጸቒጥና ክንሰርሕን ኣለና፡” ኢሉ መረዳእታኡ ብምቕማጥ፡ ለውጢ መስርሕ ስለዝዀነ ቀስ ብቀስ ከም ዝመጽእ፣ ጸገምን ብድሆታትን ብዘየገድስ ኣብቲ ትኣምነሉ ደው ምባል ከም ስነጥበባዊ መሰረታዊ ምዃኑ ከም ዝኣምን ይገልጽ።
ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ዝዓበየ ኣብ ስነጥበበኛታት ዝርአ ብድሆ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ስነጥበብ ዘሎ ድኹም መረዳእታ እዩ፡” ብምባል፡ ኣብ መብዛሕትኡ ስነጥበባዊ ብዛዕባ’ቲ ሞያ ዘሎ ዝተሓዋወሰ ኣረዳድኣ ምዃኑ የመልክት።
“ንስኻ እንታይ ኢኻ? ሕብረተሰብ እንታይ እዩ? ሃገርን ህዝቢን እንታይ እዩ ገለ ብዙሕ ግዜ ፈሊኻ ናይ ዘይምርዳእ ጸገም ኣሎ።”
ስለዚ ሓደ ስነጥበባዊ እየ ዝብል ሰብ ወይ ክኸውን ዝሓስብ፡ ነዚ መሰረታዊ መረዳእታ ክምልሶ ከም ዝግባእ፣ እንተዘይኰይኑ ግን ኣድማዒ ስነጥበብ ክስራሕ ከምዘይክእል ይምጕት።
ሓደ ካብቲ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ዓቕሚ ኣይኮነን ዝብል እምነት ዘለዎ እቲ ስነጥበባዊ፡ “እቲ ጸገም ብዛዕባ ስነጥበብ ዘሎና ኣረዳድኣ እዩ፡” ይብል።
ነዚ ኣመልኪቱ ኣብነት ከቕርብ እንከሎ፡ “ብውሑዱ ከም ስነጥበበኛታት’ውን፡ ሓቢርካ ምስራሕ ኣብዘድልየሉ፡ ሓቢርና ንምስራሕ ንጽገም ኢና፤ ብዙሕ ሰብ ነቲ ፖለቲካዊ መርገጺኻን ነቲ ትሕዝቶን ጥበብካ’ውን ፈላልዩ ኣይርድኦን’ዩ።”
እንተዀነ፡ ዝርድኣካ ኸኣ የለን ማለት ስለዘይኰነ፡ ቀስ ብቐስ ለውጢ ከምዝመጽእ ይኣምን።
ተመስገን ተወልደ፡ ብዛዕባ’ቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣካታዒ ዝዀነሉ ስርሓቱን ክገልጽ እንከሎ፤
ንኣብነት ኣብ 2019 ኣትሒዙ ዝተሰርሐ ወዲ ሃይለ ዝብል ድራማኡ፡ “ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ካድር ህግደፍ፡ ነቲ ደገፍቲ ህግደፍ ዝገብርዎ ናይ ምትላል ዛንታ ዝገልጽ ስራሕ እዩ። ድሕሪኡ ዛንታ ኣቦኻ፡ ቀብሪ ኢሰያስ፡ ኤርትራዊ ፍርሒ፡ እቲ ካልእ ባርነት፡ ደሃይ’ቶም ደረስቲ. . .” ዝብሉ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ካብ ዘለዎም ስርሓቱ ምዃኖም ይገልጽ።
“ኣብ ከምዚ ድራማ ዝፍጠሩ ምግጫዋት ከም ዘለዉ ብምእማን ድማ፡ እንተዀነ፡ ሓደ ስነጥበባዊ ቀዳማይ ቲፎዞ ውሽጡ ብምዃን፡ መራሒ ሕብረተሰብ ከኣ ስለዝዀነ፡ ኣነስ ከምዚ ይረኣየኒ፣ ከምዚ ይመስለኒ፡ በዚ እንተኸድና ይሓይሽ፡ ብምባል ኣብ ተዓዛቢኡ ሓይሊ ኣስተንትኖ ክፈጥር ክኽእል ኣለዎ፡ ዝብል እምነቱ የቐምጥ።
ተመስገን፡ ነቶም ምስኡ ዝሰርሑ ብምምስጋን፡ ብሰንኪ “ድፍረትን ሓርነትን” ዘይምህላው መሳርሕ’ቲ፡ ክንድ’ቲ ክትሰርሖ ዝግብኣካ ከይሰራሕካ ምትራፍ የቐንዝወኒ፡ ይብል።
ኣብ መወዳእታ ስነጥበባዊ ተመስገን ተወልደ፡ ብፍላይ ንመንእሰያት፡ “እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዋጋ ከምዘይብልና፣ ኣብታ ሃገር ዋንነትን ብጽሒት ከምዘይብልና፡ ተኣኪብና ይዅን ተፈንጢሕና ዋላ ሓንቲ ከምዘይነድምዕ ኣድቂቝና እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝዓበየን ኣውራን፡ “ሎሚ ክንረድኦ ዝደሊ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘለና ዋጋ ከነዕቢ እዩ፡ ሃገር ንዅሉ ብማዕረ እትብጽሖ ስለዝዀነት፡ እቲ ንሃገሩን ሕብረተሰቡን ዝቕይር ብቐዳምነት እቲ ነብሱን ዓቕሙን ዘለሊን፡ ክብሪ ዝህብን እዩ፡” ዝብል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ይገልጽ።