እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ኣነ ልዕሊ ኹሉ ብዛዕባ ሃገረይ ኣዝየ ሓላሚ እየ” ኣብራር ዑስማን
ካብ 1975 ዓ.ም.ፈረንጂ ኣትሒዙ ካብ ሃገሩ ዝወጸ ኣብራር ዑስማን፡ ዳርጋ ፍርቂ ዕድሚኡ ኣብ ስደት'ዩ ዘሕልፎ ዘሎ። “ፍቕራ ኣንዲዱኒ፡ ህድሞና፡ ሻማ በል፡ ናብሎ፡ ኤረትራ” ዝብላ ደርፍታቱ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ፤ ንስሙ ዘጉልሑን ልቢ ህዝቢ ዝተንከፉን ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ብቋንቋታት ሳሆን ትግርኛን ናብ ሰማዕቱ ኣቕሪቡ'ዩ። “ኣነ ልዕሊ ኹሉ ብዛዕባ ሃገረይ ኣዝየ ሓላሚ እየ” ይብል። ምስ ስሙይ ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ ኣብራር ዑስማን ዝገበርናዮ ዕላል ተኣንገዱ።