ራፋሕ፡ ብዙሓት ሲቪላውያን ዝቐተለ መጥቃዕቲ እስራኤል 'ዘሕዝን ጌጋ'ዩ'- ነታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዘካየደቶ ብዙሓት ሲቪላውያን ዝቐተለ መጥቃዕቲ “ዘሕዝን ጌጋ” ከምዝኸነ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ተኣሚኑ። ይኹን እምበር ዘድሊ ጥንቃቐታት ብምግባር ወተሃደራዊ ስርሒታት ደው ከምዘየብል ናታንያሁ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣብ ከባቢ ራፋ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ድማ ከም ዝቘሰሉ ኣፍሊጡ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ቀጽሪ ሓማስ ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዘካየደ ብምግላጽ፡ ነቲ ፍጻመ ይግምግም ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣቐዲሙ ሓማስ ካብ ራፋ ናብ ተልኣቪቭ ሸነኽ ሸሞንተ ሮኬታት ተኲሱ። እዚ ድሕሪ ጥሪ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዝተፈጸመ ፈላሚ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ እዩ።
ካብ ደቡባዊ ወሽመጥ ቓዛ ዝተወስዱ ምስሊታት፡ ዓቢ ፍንጀራን ብርቱዕ ባርዕ ምንዳድ ሓዊን የርእዩ።
ሓማስ፡ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ራፋ ዝርከብ ፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ ዝነብሩሉ መዓስከር ከም ዝሃረመ ሓቢሩ። ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ድማ ካብቶም ዝሞቱ እዮም ይብል።
እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ውሑስ ዞባ ተባሂሉ ዝተነጸረ ርሒቑ ይርከብ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓማስ ዒላማ ከም ዝገበረ ብምግላጽ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ሓዊ ንሰላማውያን ሰባት ከም ዝጎድአ ዝገልጽ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።
እቲ ሰራዊት፡ ነቲ ፍጻመ ይግምግሞ’ኳ እንተሃለወ፡ ኣንጻር ሕጋዊ ዒላማታት ግን ልክዕ ዝዀነ ኣጽዋር ከም ዝተጠቐመ ገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ራፋ” ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ኣየር ዒላማ ንኽልተ ላዕለዎት ሰባት ሓማስ - ያሲን ራብያን ኻልድ ናጋር ናጋርን ዒላማ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ 35 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድማ ቘሲሎም ይብል።
ወሃቢ ቃል ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም ኣብ ራፋ ካብ ማእከል ከተማ ኣስታት 2 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ታል ኣል ሱልጣን ጻዕርታት ምድላይን ምድሓንን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ተኽእሎ ከም ዘሎ ንኣሶስየትድ ፕረስ ገሊጹ።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ፡ ሙሉእ ከባቢ ታል ኣል ሱልጣን “ተቓጺሉ” ኢሉ።
ፋዲ ዱካን ዝተባህለ ካልእ ምስክር፡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ገዛ ኰፍ ኢሉ እንከሎ ነትጒ ከም ዝሰምዐ ተዛሪቡ።
“ሃንደበት ድምጺ ሚሳይል ሰሚዕና፤ ጎይና እንተወጻእና እቲ ጐደና ብትኪ ተሸፊኑ ፀኒሑና። ዝዀነ ነገር ክንርኢ ኣይክኣልናን” ክብል ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ናብ ሓደ ገዛ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብ ከም ዘይረኸበ፡ ድሒሩ ግን “ሓንቲ ጓልን ሓደ መንእሰይን ሰብነቶም ተቖሪጹ” ከም ዝረኸበ ወሲኹ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰንበት ማእከላይ እስራኤል ካብ ቀረባ ራፋ ብዝተተኰሱ ሮኬታት ሓማስ ኣብ መጥቃዕቲ ምስ ወደቐት፡ ኣብ ከባቢ ተልኣቪቭ ሓያል ድምፂ ምንቅስቓስ ነፈርቲ ተርእዩ ነይሩ።
እተን ሸሞንተ ሮኬታት፡ ብስርዓታት ምክልኻል ኣየር ተዓጊተን ወይ ድማ ኣብ ናጻ ሜዳታት ወዲቐን ክዀና ከም ዝኽእላ ይግመት።
ዓለማዊ ቤት ፍርዲ፡ እስራኤል ኣብ ራፋ እትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ከተብል ከም ዘለዋ ብዓርቢ ውሳነ’ኳ እንተኣሕለፈ፡ እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ቀጺሉ’ሎ።
ሓማስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሮኬታት፡ ዋላ’ኳ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻብ እንተዘይሃለወ፡ ሓማስ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ እስራኤል ሓደጋ ናይ ምፍጻም ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ።
ብተወሳኺ ሰራዊት እስራኤል ንሓማስ ካብቲ “ናይ መወዳእታ ዝዓበየ ዕርዲ” ዝበሎ ንምእላይ ናብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዘጋጥሞ ብድሆታት ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዘመልክት።
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዝነበረ ድርድር ተኹሲ ደው ምባል ዳግማይ ክጅምር ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ ሓማስ መጥቃዕቲ ሮኬት ፈጺሙ ዘሎ።
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ “ንጭፍጨፋ ሲቪላት” መልሲ ንምሃብ ዝወሰድኩዎ ስጉምቲ’ዩ ይብል።
እስራኤል ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ራፋ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጸኒሓ ኣላ፤ እዚ ድማ ነተን ኣብኡ ዝተረፋ ቦጦሎኒታት ሓማስ ንምድምሳስ ከም ዝዀነ ትገልጽ።
ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ኣብታ ከተማ ኣለው ኢላ ከም እትኣምን ትገልጽ።
ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 800 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ ራፋ ሃዲሞም ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ካብቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ቓዛ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ራፋ ዓዕቚቦም ጸኒሖም እዮም።
ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ተቐቲሎም፤ ካልኦት 252 ድማ ጅሆ ሒዙ ናብ ቓዛ ድሕሪ ምምላሱ እስራኤል ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከ ከም ዝጀመረት ይዝከር።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣስታት 36 ሽሕ ፍልስጤማውያን በቲ ኲናት ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







