ሰብኣዊ ሓገዝ ቃዛ፡ እስራኤላውያን ኣብ ክልተ ተመቒሎም ነንሕድሕድ ይቃለሱ

ምንጪ ስእሊ, BBC
ኵናት ቃዛ ብብዙሕ ግንባራት እዩ እናተኻየደ ዝርከብ።ሓደ ካብኣቶም ሰብኣዊ ሓገዝ እዩ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ቀንዲ መሳገሪ ከረም ሻሎም፡ ገለ እስራኤላውያን ናብ ቃዛ ዝኣትዋ ናይ ሓገዝ ቃፍላይ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዖም ነይሮም።
ኣብ መፋርቕ እዚ ወርሒ'ውን እስራኤላውያን ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ናብ ቓዛ ዘቕንዕ ዝነበረ ቃፍላይ ረድኤት መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም፡ ናብ ሕጽረት መግብን ረድኤትን ዘጋጠሞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ክበጽሕ ዝተሓሰበ ሓገዝ ተዛሕዚሑ እዩ።
ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ዝነብሩ ኣይሁዳውያን ሰፋሮ ዝርከብዎም የማናውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ገለ ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት ዝርከብዎም ሰባት፡ መንገዲ ዓጽዮም፡ እተን መካይን ዝጸዓንኦ ዕሹግ መግቢ ናብ ጽርግያ ክድርብዩን ካሻታት እኽሊ ቀዲዶም ክብትኑን ዘርእዩ ዓሰርተታት ቪድዮታት ተዘርጊሖም ነይሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብዚ መዳይ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ናብ ካልኦት ወሰንቲ መሕለፍታት ተሰጋጊሩ ኣሎ።
ኣብዞም ከባቢታት ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ሓገዝ ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን ንምዕጋት ወይ ንምክልኻል ዝከኣሎም እናገበሩ ይርከቡ።
ሓደ ካብኣቶም፡ “እቲ ሓገዝ ደው ክብል ኣገዳሲ’ዩ” ይብል። “እንዕወተሉ እንኮ መንገዲ ንሱ እዩ። እቶም ጅሆታትና ንኽምለሱ እንኮ መገዲ’ዩ።”
ብዙሓት ካብኣቶም፡ ጅሆ እስራኤላውያን ኣብ ምርኮ እናሃለዉ፡ ቃዛውያን ዋላ ሓንቲ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘይብሎምን፡ ንቃዛ ሓገዝ ምሃብ ድማ ነቲ ኲናት ንምንዋሕ ጥራይ ዘገልግል ከምዝዀነን ይምጉቱ።
ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ጕጅለ ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ዝተዘምተት ናይ ጽዕነት መኪና ብታሕጓስ ክስዕስዑን ክጽንብሉን ይረኣዩ።
ኣብ ካልእ ቪድዮ ድማ ሓንቲ ካብተን ዝተታሕዛ ናይ ጽዕነት መካይን ክትቃጸል የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, BBC
ካልኦት ቪድዮታት ድማ እስራኤላውያን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ጽዕነት መካይን ደው ኣቢሎም መራሕቲ መካይን እቲ ሓገዝ ናብ ቃዛ ይወስዱ ከምዘየለዉ ዘረጋግጽ ወረቓቕቲ ከርእዩ ክጠልቡ ተራእዮም።
ገጾም ተሸፊኑ ፍጹም ብዘይ ገለ ፍቓድ ስጉምቲ ዝወስዱ ዘለዉ ይመስሉ።
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ብውሕዱ ክልተ ናብ ቃዛ ዝኸይድ ኣቑሑት ዘይተሰከሙ መራሕቲ መካይን ተጎቲቶም ተቐጥቂጦም ኣለዉ።
ፍልስጤማውያን መራሕቲ ጽዕነት መካይን፡ ስንባደ ከምዝተሰምዖም ይዛረቡ።
ኣደል ኣምሮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ’ቲ መሳገሪ ቦታ ንምብጻሕ ንህይወተይ ኣዝየ’የ ዝፈርሕ” ኢሉ።
ኣደል ኣምሮ፡ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝተዓደገ ኣቑሑት ጽዒኑ ናብ ቃዛ ይኸይድ ነይሩ።
ካልኦት ዕላማ ዝተገበሩ መራሕቲ መካይን ድማ ካብታ ካብ ዮርዳኖስ ሓገዝ ኣብ ምጉዕዓዝ ይነጥፉ ነይሮም።
“ሕጂ ካብ ቀንዲ መስመራት ርሒቕና፡ ጎድናዊ ጽርግያታት ኢና ንጥቀም ዘለና፡ ምኽንያቱ ዓመጽ ናይቶም ሰፋሮ ስለንፈርሕ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድሕሪ ተኸታታሊ ዝተሰነዱ መጥቃዕቲታት ግን ገለ እስራኤላውያን ነዚ ተቓዊሞም ይምክቱ ኣለዉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ደለይቲ ፍትሒ ሰላም፡ ምንቅስቓስ ተቓወምቶም ክከታተሉን ኣብ ወሰንቲ መሳገሪ ነጥብታት ከምዘለዉ ከረጋግጹን ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣብቲ ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ደቡባዊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ናብ እስራኤል ዝኣትዋሉ መፈተሺ ነቑጣ ታርቁሚያ፡ ኣባላት ‘ስታንዲንግ ቱጌዘር’ ዝትበሃለ ጉጅለ ስሩዕ ንቕሓት እናካየዱ ይርከቡ።
ታርቁሚያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዝተፈጸሙ ኣዝዮም ድራማዊ መጥቃዕትታት ዝተረኣየላ ቦታ እያ።
“ኣብ ቃዛ ዝርከቡ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ፡ ሓገዝ ድማ ናብ ቃዛ ክበጽሕ ኣለዎ” ይብል ሓደ ካብ መስረትቲ ኣባላት 'ስታንዲንግ ቱጌዘር' ዝዀነ ሱፍ ፓቲሺ።
“ሕብረተሰብ እስራኤል ነዚ ተግባራት እዚ ንቃወም ኣለና ክብል ብዓውታን ብንጹርን ድምጺ ክዛረብ ኣለዎ” ብምባል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ቆንስልታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።

እቲ ጉጅለ ካብ መላእ እስራኤል ዝመጹ ኣይሁድን ዓረብን ንናይ ሓባር ረብሓ ዘራኽብ እዩ።
ናስር ኦዳት ዝተባህለ እስራኤላዊ ዓረብ፡ ናብ ታርቁሚያ ምምጽኡ፡ ኣብቲ ንልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ረዳኢ ዘይብሉ ኲናት ቃዛ ዝዀነ ጠቓሚ ንጥፈት ክፍጸም ጽቡቕ ዕድል ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ።
“ሕጂ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ክሕግዞ ዝግበኣኒ ነገር ኣሎ -ነዞም ብጥሜት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምሕጋዝ።”
እቶም ደለይቲ ፍትሒ ሰላም ኣብ ማእከል ሓደ ዙርያ መስመር ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ስየ ካብ ብርቱዕ ጸሓይ ተዓቚቦም እንከለዉ፡ ዝሓልፉ ዝነበሩ መራሕቲ ጽዕነት መካይን ኣእዳዎም እናወዛወዙን ‘ቢብ’ እናበሉን ምስጋናኦም ይገልጹ ነይሮም።
ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ዝሓዘት ንእሽቶ ጉጅለ መጺኣ’ኳ እንተነበረት፡ ብቑጽሪ ብወለንተኛታት ፓቲሺ ኣዝዮም ተዓብሊሎም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለየ መርገጺታቶም ተኻቲዖም።
ኣባላት ፖሊስ ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ግጭት እንተ ኣጋጢሙ ነቶም ተጻረርቲ ወገናት ንኽፈላለዩ ድሉዋት ነይሮም።
እቶም ደለይቲ ፍትሒ ሰላም፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ዝርከብ ፖሊስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ብዙሕ ከምዘይሰርሐ ከሲሶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ብዙሕ ግዜ ፖሊስ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ከባቢታት ነይሮም፡ ግን ንኽዋስኡ ዝደፍኦም ሰብ ኣይነበሮምን" ይብል ፓቲሺ።
“ፖሊስ ሕጊ ክዕቅብ እናተገበኦ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።”
ናይ ጽዕነት መካይን እናተጓዕዛ ከለዋ ክልተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ባንዴራ እስራኤል ኣውለብሊበን፤ ግን እተን መካይን ደው ክብላ ግን ኣይዓገታን።
እተን ስመን ከይጥቀስ ዝሓተታ መንእሰያት፡ ኣብኡ ምህላወን ስለምንታይ ኣገዳሲ ኰይኑ ከምዝተሰምዐን ይገልጻ።
“ብቕንዕና ክዛረብ እንተዀይነ፡ ነቲ ምዕጋት እንተዘይንገብሮ ምመረጽና” ትብል እታ ሓንቲ መንእሰይ።
“ንነገራት ምዝማት ኣይፈቱን’የ። ካብ ሞት ፈተውትናን ቤተሰብናን ከምኡ ኢና ንመርጽ፡ እዚ ኲናት ብዝጓተተ መጠን ድማ ክሞቱ እዮም።"
ክልቲአን ኣብ ቃዛ ጥሜት ክህሉ ከምዝኽእል‘ኳ እንተተገንዘባ፡ ሓማስ ሓገዝ ንዝተጸገሙ ሰባት ኣብ ክንዲ ዝዕድል ይሰርቕን ይእክብን ከምዘሎ ግን ይሓስባ።
ብተወሳኺ ነተን ቃፍላይ ምዕጋት ኣብ እስራኤል እንታይ ዓይነት ምስሊ የስዕብ ኣሎ ዝብል ስክፍታ ኣይነበረንን።
“ካልእ ሰብ እንታይ ይሓሰብ ኢልካ ምግዳስ ኣቋሪጸ፡ ንህይወተይ ንምሕላው፡ ንስድራይ ንምሕላው ዘድሊ ክገብር እዋኑ’ዩ” ትብል እታ ካልአይቲ መንእሰይ።
እታ ፈላመይቲ መንእሰይ ግን ብዛዕባ ፖሊስ ንዕቀት እዩ ዝስምዓ።
“ክዓግቱ ከምዝኽእሉ ርግጸኛታት እንተዘይኰይኖም ኢዶም ኣየእትዉን” ትብል።
“ክውድእዎ ዘይክእሉ ነገር ክጅምሩ የብሎምን”።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







