እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ፖሊስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ቅትለት ዝተጠርጠረ ሰብ ኣለልዩ
ፖሊስ፡ ነቲ ኣብ ካናዳ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ኣብ ዝተፈጸመ ሸሞንተ ሰባት ግዳይ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ ንወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ጠርጢሩ።
ኣብቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ካልኦት ዓሰርተታት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጕዳእቲ ከምዝወረዶም ይዝረብ።
ፖሊስ፡ እቲ ጥርጡር ጀሲ ቫን ሩትሰላር፡ ባዕሉ ብዝተኰሶ ጥይት፡ ኣብቲ ቦታ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ እዩ ዝሕብር።
ጠንቂ ናይቲ ፍፃመ ዛጊድ ንፁር ኣይኰነን።
ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቱምብለር ሪጅ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብውሕዱ 25 ድማ ቆሲሎም።
ካልኦት ክልተ፡ ጓል 39 ዓመት ኣደ እቲ ጥርጡርን ካልእ ወዲ 11 ኣባል እታ ስድራን - ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝርከብ ገዛ ሞይቶም ተረኺቦም።
ሰብመዚ ከም ዝበልዎ፡ ቫን ሩትሰላር ብተፈጥሮ ተባዕታይ ኰይኑ ተወሊዱ እንተነበረ'ኳ፡ ባዕሉ ጾታኡ ናብ ጓል ዝቐየረ እዩ።
ምክትል ኮምሽነር ሮያል ካናዳ ማውንተድ ፖሊስ (RCMP) ድዋይን ማክዶናልድ፡ "ጀሲ ቅድሚ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ናብ ጓል ኣንስተይቲ ክሰጋገር ዝጀመረ ብተፈጥሮ ተባዕታይ ኰይኑ ዝተወልደ እዩ፡ ክብል እየ ዝኽእል" ኢሉ።
እቲ ጥርጡር፡ መጀመርታ ኣብ ጥቓ ገዛኡ ተዅሲ ከምዝኸፈተ፡ ድሕሪኡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከምዝኸደ ማክዶናልድ ገሊጹ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ቤት ትምህርቲ ግዳያት ዝዀኑ ጓል 39 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ መምህር፡ ደቂ 12 ዓመት ዝዀና ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ፡ ወዲ 12ን 13ን ዓመታት ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮን ይርከቡዎም።
ሰብመዚ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ካልኦት ጥርጡራት የለዉን ኢሉ።
ፖሊስ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ገዛ ስድራቤት እቲ ጥርጡር ከምዝተረኽቡን፡ ገለ ካብቶም ዝተገብሩሎም ጻውዒታት ምስ ስክፍታታት ጥዕና ኣእምሮ፡ ዝተኣሳሰር ምዃኑን ገሊጹ።
ቫን ሩትሰላር ቅድሚ ሕጂ ሕጋዊ ፍቓድ ሽጉጥ ከም ዝነበሮን፡ ካብኡ ንደሓር ፍቓዱ ከምዘይተሓደሰን ማክዶናልድ ገሊጹ።
ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ ቫን ሩትሰላር ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቱምብለር ሪጅ ኣቋሪጹ ከምዝወጸ ገሊጹ።
ትማሊ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 13፡30 ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር (20፡30 GMT)፡ ፖሊስ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቱምብለር ሪጅ ተዅሲ ከምዝተሰምዐ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ይሕብር።
ኣባላት ፖሊስ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ኣብቲ ቦታ ምስበጽሑ፡ ንጡፍ ተኹሲ ሰሚዖም ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብቐጥታ ከምዝኣተዉ ማክዶናልድ ገሊጹ።
ፖሊስ ካብ ዝብሎ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እቲ ዝትኵስ ዝነበረ፡ ባዕሉ ብጥይት ነብሱ ቀቲሉ ረኺቦሙዎ።
ሰብመዚ ኣብቲ ቦታ፡ ሓደ ነዊሕ ሽጉጥን ዘመናዊ ሽጉጥን፡ ብሓፈሻ ክልተ ኣጽዋር ረኺቦም።
ማክዶናልድ ግን እቶም መሳርያታት ኣብቲ መጥቃዕቲ እንታይ ዓይነት ተራ ከም ዝነበሮም ዛጊድ ንጹር ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ድሕሪኡ ፖሊስ ኣብ መላእ እቲ ቤት ትምህርቲ ግዳያት ክደልዩ ጀሚሮም።
ክልተ ግዳያት ብኣየር-ኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣብኡ ይርከቡ።
ቱምብለር ሪጅ ኣስታት 2,400 ነበርቲ ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታ ድማ ካብ 7-12 ክፍሊ 160 ተምሃሮ ኣለዉዎ።
ቱምብለር ሪጅ ካብታ ዝዓበየት ከተማ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝኾነት ቫንኮቨር ልዕሊ 1,100 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ ትርከብ።
ከንቲባ ታምብለር ሪጅ ዳሪል ክራኮቭካ ብወገኑ ንሲቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ማሕበረሰብ ንእሽቶን ስጡም ምትእስሳር ዘለዎን ምዃኑን፡ እቶም ግዳያት ኵሎም ዝፈልጦም ሰባት ክዀኑ ከምዝኽእሉን ገሊጹ።
"ንነፍሲ ወከፍ ግዳይ እፈልጦ እየ። ኣብዚ 19 ዓመታት ገይረ ኣለኹ፤ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ድማ ኢና"፡ ክብል ካብ ኣዳራሽ እታ ከተማ ድሕሪ ምውጽኡ ገሊጹ።
"ነበርቲ ኣይብሎምን እየ፣ ስድራቤት እየ ዝብሎም።"
ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ እቲ "መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽ፡" ፍጻመ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብቲ ልዕሊ 60 መራሕትቲ ሃገራት ክሳተፉዎ ትጽቢት ዝግበር ዋዕላ ጸጥታ ሙኒኽ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙዎ ኣሎ።