ካናዳ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ምዕራብ ካናዳ ትሸዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ሸውዓተ ካብዚኦም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝተተኰሰሎም ጥይት፡ ክልተ ካልኦት'ውን ኣብ መንበሪ ቤቶም ሞይቶም ከም ዝተረኽቡ ፈደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቱምብለር ሪጅ ብርቲሽ ኮሎምብያ ንዝተፈጸመ ቅትለት ተሓታቲ ምዃኑ ዝእመነሉ ሰብ'ውን ሞይቱ ከም ዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ 27 ሰባት ከም ዝቘሰሉ፡ ክልተ ካብኦም ከቢድ መጕዳእቲ ከም ዝወረዶን 25 ካልኦት ድማ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ መጕዳእቲ ከም ዘጓነፎምን ፖሊስ ይሕብር።

ፖሊስ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቱምብለር ሪጅ ይትኵስ ከም ዝነበረ ሓበሬታ ምርካቡ ገሊጹ።

ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ጥርጡር ሓዊሶም ሽዱሽተ ብጥይት ዝተቐትሉ ሰባት ረኺቦም። ሓደ ድማ ናብ ሆስፒታል እናተወስደ እንከሎ ዓሪፉ።

ፖሊስ ምስቲ ፍጻመ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዝኣመነሉ ካልእ ቦታ ዘለለየ ዀይኑ፣ "ክልተ ተወሰኽቲ ግዳያት ኣብቲ ቤት ሞይቶም ተረኾቦም፡" ይብል።

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ እቲ "መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽ፡" ፍጻመ ዘስካሕክሕ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኣብቲ ልዕሊ 60 መራሕትቲ ሃገራት ክሳተፉዎ ትጽቢት ዝግበር ዋዕላ ጸጥታ ሙኒኽ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙዎ ኣሎ።

ማዕከናት ዜና ካናዳ እታ ተኳሲት ጓል ኣንስተይቲ ምዃና እኳ እንተ ገለጻ፡ መንነት ናይቲ ጥርጡር ኣፍልጦ ዘለዎም ፖሊስ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ።

ኣዛዚ ሰሜናዊ ኣውራጃ ኬን ፍሎይድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ ሃንደበት ምንባሩን ሕብረተሰብ ዝሃቦ ምላሽ ወሳኒ ግደ ከም ዝነበሮን ብምብራህ፡ "እዚ ዕለት ንሕብረተሰብና ንምእማኑ ዘጸገም ከቢድን ስምዒት ዝትንክፍን እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ቱምብለር ሪጅ ካብታ ዝዓበየት ከተማ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዝኾነት ቫንኮቨር ልዕሊ 1,100 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቓ ትርከብ።