እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዩክረይን ቅዲ ኲናት ዝቕይር ዘሎ ኣስካሕካሒ ኣጽዋራት ውግእ እንታይ'ዩ?
ኣብ ሰማያት ከተማ ሮዲንስከ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ነገር ተንጠልጢሉ ይርአ። ብመኪና ናብታ ከተማ ምስ ኣተና ድሕሪ ሰለስተ ደቓይቕ ካበይ ይመጽእ ከም ዘሎ ክንርዳእ ክኢልና።
250 ኪሎግራም ዝምዘን ቦምብ ንቐንዲ ምምሕዳራዊ ህንጻ እታ ከተማ ድፍን ኣቢልዎ። ሰለስተ መንበሪ ዓበይቲ ህንጻታት ድማ ኣውዲቑ። ናብቲ ቦታ እቲ ቦምባ ምስ ተደርበየ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ኳ እንተ በጽሓና፡ ገለ ክፋል ናይቲ ስብርባር ግን ክሳዕ ሕጂ ትኪ ይተክኽ ኣሎ።
ካብ ወሰን እታ ከተማ ድምጺ ተዅሲ መዳፍዕ፡ ከምኡ'ውን ናይ ጠያይቲ ንሰምዕ ኣለና። ወተሃደራት ዩክረይን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከውወድቑ ዘካይድዎ ዘለዎ ተዅስታት ምዃኑ'ዩ።
ሮዲንስከ ካብታ ኣብ ውግእ እትርከብ ከተማ ፖክሮቭስክ ንሰሜን ኣስታት 15 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ። ሩስያ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ነዛ ከተማ ብኣንፈት ደቡብ ክትሕዛ ትፍትን እኳ እንተ ነበረት፡ ሓይልታት ዩክረይን ግን ክሳዕ ሕጂ ንወተሃደራት ሩስያ ካብ ምእታው ገቲኦምዎም ኣለዉ።
ስለዝዀነ ድማ ሩስያ ኣብ ክንድኡ ነታ ከተማ ብምኽባብ መስመራት ቀረብ ቈሪጻ ንምቍጽጻር ዕላማ ዝገበረ ካልእ ሜላ ትኽተል'ያ ዘላ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት፡ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንኽብል ዝግበር ዝነበረ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝፈሸለሉ እዋን፡ ሩስያ መጥቃዕታ ኣሐይላ ትምርሽ እያ ዘላ።
ናይዚ መርትዖ ኣብ ሮዲንስከ ኢና ንረክብ። ኣብ ከተማ ምስ በጻሕና ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ኣብ ልዕሌና ሩስያዊት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ንሰምዕ። ጋንታና ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ተጓይያ ናብታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ኦም ተኸወለት።
እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከይትርእየና ምእንቲ ነቲ ቈጽሊ ናይታ ኦም ንናንዎ። ድሕሪኡ ብዙሕ እንከይጸናሕና ድምጺ ዓው ዝበለ ፍንጀራ ሰሚዕና። እዚ እናዀነ እንከሎ ድማ ኣብ ጥቓኣ ካልአይቲ ሓጋዚት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ትዝምቢ ኣላ።
እታ ኣብ ልዕሌና ዘላ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክሳብ ሕጂ ትዛውን'ያ ኣላ። ንተወሳኺ ገለ ደቓይቕ፡ ድምጺ ናይቲ ሓደገኛ ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎ መሳርሒ ኵናት ንሰምዕ ኢና ዘለና።
እቲ ድምጺ ደው ምስ በለ ነታ ዕድል ተጠቒምና ናባና ኣዝዩ ቀረባ ናብ ዝዀነ ዝኣረገ ፍርስራስ ህንጻ ተጓይና ኬድና።
ኣብቲ ከድሕነና'ዩ ኢልና ዘዕቘብናሉ ህንጻ ኴንና'ውን እንተዀነ፡ ድምጺ ናይታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዳግማይ ክንሰምዕ ጀሚርና። ምንቅስቓስና ምስ ረኣየ ተመሊሱ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሮዲንስከ ብናይ ሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተኸቢባ ከም ዘላ ዘርእየካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ ኣብ ደቡብ ፖክሮቭስክ ዝርከብ ዝፍለጥ ቦታታት ሩስያ ኣዝዩ ዝቐረበ ቦታታት ይመጽእ ከም ዘሎ ዘርኢ መርትዖ እዩ።
ካብቲ ካብ ምብራቕ ፖክሮቭስክ ናብ ኮስትያንቲኒቭካ ዝኸይድ ቀንዲ ጽርግያ ካብቲ ሓድሽ ዝተቘጻጸርዎ መሬት ዝመጽኡ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብቲ መዕቈቢ ንፍርቂ ሰዓት ድሕሪ ምጽባይ፡ ድምጺ ናይታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዘቋራጸ ምስ ኣጥለልና ብቕልጡፍ ናብታ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ገረብ ደው ኢላ ዘላ መኪናና ንኸይድ፡ ካብ ሮዲንስከ ድማ ብፍጥነት ንወጽእ።
ኣብ ጐድኒ እቲ ጽርግያ ትኪ ክተክኽን ገለ ነገር ክቃጸልን ንርኢ፣ ዝወደቐት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክትከውን ትኽእል እያ።
ብመኪና ናብቲ ካብ ቅድመ ግንባር ዝያዳ ርሒቑ ዝርከብ ቢሊትስከ ንኸይድ። መስርዕ ገዛውቲ ብሓደ ለይቲ ብደብዳብ ሚሳይል ክዓኑ ተመልኪትና። ሓደ ካብኣቶም ናይ ሰለማውያን ሰባት ገዛ እዩ ነይሩ።
"እዚ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ፡ ካብ ርሑቕ ፍንጀራታት ክንሰምዕ ንኽእል ነይርና፡ ርሑቕ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ከተማና ዒላማ ትኸውን ኣላ፡" ትብል እታ ጓል 61 ዓመት ዩክረይናዊት ሽምግለ።
ካብቲ ፍርስራስ ገዛኣ ዝተረፈ ውሑድ ንብረት እናልዐለት ዝረኸብናያ ስቪትላና ከም ዕድል ኰይኑ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ገዛ ኣይነበረትን።
ስቪትላና ኣስዒባ፡ "ናብ ማእከል ከተማ ምስ ኣተኹም ብዙሕ ዝዓነወ ኣባይቲ ክትርእዩ ኢኹም። እቲ እንዳ ሕብስትን መካነ እንስሳን'ውን ዓንዩ'ዩ፡" ትብል።
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዘይበጽሓሉ ውሑስ ገዛ፡ ምስ ወተሃደራት ኣሃዱ መዳፍዕ ሓሙሻይ ብርጌድ ንራኸብ።
"መጥቃዕቲ ሩስያ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ክስመዓካ ይኽእል'ዩ። ሮኬታት፡ ሞርታራት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኮታስ ናብታ ከተማ ዝኣትዉ መስመራት ቀረብ ንምቍራጽ ዘለዎም ኵሉ ይጥቀሙ ኣለዉ፡" ይብል ሰርሂይ።
ኣሃዱኡ፡ ካብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መከላኸሊ ንኽህቦም፡ ሽፋን ደበና ወይ ፍጥነት ዘለዎ ንፋስ እናተጸበየ፡ ናብ ቦትኦም ክዋፈሩ ንሰለስተ መዓልታት ክጽበ ጸኒሑ።
ኣብዚ በብግዜኡ ዝምዕብል ዘሎ ግጭት፡ ወተሃደራት ምስ ዝቕየር ቴክኖሎጂ ዝመጽእ ሓድሽ ሓደጋታት ብቕልጡፍ ክላመዱ ይግደዱ።
እቲ ናይ መወዳእታ ስግኣት ድማ ካብ ፋይበር ኦፕቲክ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝመጽእ እዩ። ኣብ ታሕቲ ናይ ሓንቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዓሰርተታት ኪሎ ሜተር ዝቝመቱ ገመድ ተገጢሙ፡ እቲ ፊዚካዊ ፋይበር ኦፕቲክ ገመድ ድማ ኣብቲ ፓይሎት ዝሕዞ ተቘጻጻሪ ይተሓሓዝ።
"እቲ ናይ ቪድዮን ናይ ምቍጽጻርን ምልክት ብገመድ እምበር ብማዕበል ራድዮ ዘይኰነስ ብገመድ ካብን ናብን እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት እዩ ዝመሓላለፍ። እዚ ማለት ብኤለክትሮንያዊ መቈጻጸሪታት ክዕጾ ኣይክእልን እዩ፡" ይብል መሃንድስ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ መበል 68 ብርጌድ ጃገር።
ኣብዚ ኲናት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዓቢዩ ኣብ ተግባር ምስ ወዓላ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ መካይኖም ኤለክትሮንያዊ ስርዓተ ውግእ ስለ ዝገጠሙ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናይ ምብርዓን ተኽእሎ ነይርዎ'ዩ።
እቲ መከላኸሊ ምስ ምምጻእ ፋይበር ኦፕቲክ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፈሸለ ኰይኑ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ናይዞም ሓደሽቲ መሳርሒታት ድማ ሩስያ ኣብዚ እዋን'ዚ ጸብለልታ ኣለዋ። ዩክረይን ፍርያት እዘን ሓደሽቲ ፋይበር ኦፕቲክ ዝተገጠመለን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክተዕቢ ትጽዕር'ያ ዘላ።
"ሩስያ ንሕና [ዩክረይናውያን] ፈተነ ነካይድ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ'ያ ፋይበር ኦፕቲክ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክትጥቀም ጀሚራ። እዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብቲ ልሙድ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንታሕቲ ክንከይድ ኣብ እንግደደሉ ቦታታት ክንጥቀመለን ንኽእል ኢና። ዋላ ናብ ገዛውቲ ኣቲና ኣብ ውሽጢ ዕላማታት ክንደሊ ንኽእል ኢና፡" ይብል ቬንያ ዝተባህለ ዩክረይናዊ ፓይለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ።
ኦለስ፡ ኣጋር ሰራዊት ሩስያ ሜላታቱ ከም ዝቐየረ ይዛረብ፣ "ቅድሚ ሕጂ ብጕጅለ ይጥቅዑ ነይሮም። ሕጂ ኣብ ገለ እዋናት ሓደ ወይ ክልተ ወተሃደር ጥራሕ እዮም ዝሰዱ። ሞተር ሳይክል'ውን ይጥቀሙ። ሓድሓደ ግዜ ድማ ሸተት ኢሎም ይሓልፉ፡" ኢሉ።
ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ጸብለልታ እኳ እንተ ኣርኣየት፡ ንመላእ እቲ ፖክሮቭስክ ዝርከበሉ ዞባ ዶኔትስክ ክትቈጻጸሮ ቅልጡፍ ወይ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
ዩክረይን ቅሩብ ደፊኣ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ ውግእ ንምቕጻል ግን ቀጻሊ ቀረብ ኣጽዋርን ተተኰስትን የድልያ።
ከምኡ'ውን፡ እቲ ኲናት ናብ ራብዓይ ክረምቲ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ዩክረይን ኣንጻር ኣዝዩ ዝዓበየ ሰራዊት ሩስያ ክትገጥም ዘለዋ ብዝሒ ሰራዊት'ውን እንተዀነ ዘይመጣጠን'ዩ።
መብዛሕትኦም እቶም እንረኽቦም ወተሃደራት እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ናብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተጸንበሩ እዮም። ንገለ ኣዋርሕ ስልጠና ወሲዶም'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዝተወልዐ ኲናት ግን ኣብ ስራሕ ብዙሕ ክመሃሩ ተገዲዶም።
ማክሲም ቅድሚ ወተሃደር ዩክረይን ምዃኑ፡ ኣብ ሓደ ናይ መስተ ኩባንያ ይሰርሕ ነይሩ። ስድርኡ ነቲ ስራሕ ብኸመይ ይጻወርዎ ከም ዘለዉ ሓተትክዎ።
"ከቢድ'ዩ፡ ናይ ብሓቂ ከቢድ'ዩ። ስድራይ ይድግፉኒ'ዮም። ግን ወዲ ክልተ ዓመት ህጻን ስለ ዘለኒ ክርእዮ ኣይከኣልኩን። ብቪድዮ ደዊለ ይረኽቦ'የ። ስለዝዀነ፡ ምስ እዚ ዘሎ ኵነታት ክርአ እንከሎ ጽቡቕ'ዩ፡" ኢሉ ክገልጽ እንከሎ ኣዕይንቱ ብንብዓት ተሓጺበን ኣለዋ።
ማክሲም ንሃገሩ ዝቃለስ ወተሃደር ይዅን'ምበር፡ ነቲ ወዲ ክልተ ዓመት ህጻን ወዱ ዝናፍቕ ኣቦ እውን እዩ።