እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ንፑቲን 'ዕቡድ' ድሕሪ ምባሉ፡ ክረምሊን ንትራምፕ 'ስምዒታዊ' ኢላቶ
ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ'ቲ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ንቭላድሚር ፑቲን "ፍጹም ዕቡድ" ድሕሪ ምባሉ፡ ክረምሊን፡ "ልዕሊ ዓቐን ስምዒታዊ" ምልክታት የርኢ ከም ዘሎ ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ብሰንበት ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብ367 ድሮናትን ሚሳይላትን 13 ሰባት ድሕሪ ምቕታላ ንፑቲን፡ "ፍጹም ዓቢዱ እዩ፡" ብምባል፡ ኣብ ዘየድሊ ብዙሕ ሰብ ይቐትል ምህላዉ ወቒሱ።
ወሃቢ-ቓል ፑቲን ድሚትሪ ፔስኮቭ፡ እቲ ዝተዋህበ ርእይቶታት፡ "ኵሉ ሰብ እምብዛ ስምዒታዊ ብምንባሩ፡" ዝተዋህበ ምዃኑ ገሊጹ።
መራሒ ጀርመን ፍረድሪክ መርዝ፡ ደገፍቲ ዩክረይን ድሕሪ ሕጂ ኣጽዋር ኣብ ምሃብ ገደብ ከም ዘይብሎምን ንኪቭ ሚሳይላት ታውረስ ከም ዝወሃቦምን ተሓንዩ ኣሎ።
ትራምፕ ነዚ ርእይቶ ዝሃበ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝዓበየ ዝተባህለሉ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ እዩ። ሩስያ 367 ድሮናት ተጠቂማ ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ፡ ኣብ መንጐ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ዝነበረ ለይቲ ብውሕዱ 13 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድማ ቈሲሎም።
ሩስያ፡ ኣብ መንጐ ሰንበት ምሸትን ሰኑይ ንግሆን ብ355 ድሮናት ንዩክረይን ኣብ ዘጥቅዓትሉ፡ 10 ሰባት ሞይቶም። ሓይሊ ኣየር ዩክረይን እዚ ክሳብ ሕጂ ብድሮን ጥራሕ ዝተፈጸመ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ምዃኑ ገሊጹ።
ፔስኮቭ፡ እዚ ዳሕረዋይ ካብ ኣየር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ "መሰረተ-ልምዓት" ሩስያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ምላሽ ምዃኑ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር 20 ድሮናት ዩክረይን ከም ዘዕነወ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ ኣየር እትፍጽሞ መጥቃዕቲ፡ ወተሃደራዊ ትርጕም ከም ዘይብሉ ገሊጹ። እንታይ ደኣ "ግልጺ ፖለቲካዊ ምርጫ... ብፑቲን፡ ምርጫ ሩስያ... ነቲ ኲናት ንምቕጻልን ህይወት ንምጥፋእን እዩ፡" ኢሉ።
ቻንስለር ጀርመን መርዝ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ድሕሪ ደጊም ንዩክረይን ኣጽዋራት ኣብ ምዕጣቕ ገደብ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ "ዩክረይን ነብሳ ክትከላኸል ክትክእል እያ፣ ንኣብነት፡ ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ቦታታት ብምጥቃዕ... ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት፡ ክሳዕ'ዚ ቀረባ እዋን ከምኡ ኣይገበረትን። ሕጂ ግን ከምኡ ክትገብር ትኽእል እያ፡" ኢሉ።
ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ዘለንስኪ ንረቡዕ ናብ በርሊን ክገይሽ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ኣይተረጋገጸን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዩክረይን ብእንግሊዝ ንዝቐርበላ ኣጽዋር ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ክትውስን መሰል ከም ዘለዋ ገሊጻ ነይራ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጆ ባይደን'ውን፡ ዩክረይን ሩስያ ንምውቃዕ ብኣመሪካ ዝቐረበላ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ክትጥቀም ፍቓድ ሂቡዋ ነይሩ።
ሚሳይል ታውረስ ኣስታት 500 ኪ.ሜ ርሕቀት ናይ ምውንጫፍ ዓቕሚ ኣለዎ። ሩስያ፡ ነቲ ኣጽዋር ንዩክረይን ምዕጣቕ፡ "ሓደገኛ ስጕምቲ እዩ፡" ኢላ።
ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ኣጋምሸት ብዛዕባ ፑቲን ኣብ ኒውጀርሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንነዊሕ እዋን'የ ዝፈልጦ፣ ወትሩ ምስኡ እሰማማዕ'የ። እንተዀነ፡ ናብ ከተማታት ሮኬት ሰዲዱ ሰባት ይቐትል ኣሎ፣ ኣነ ድማ ነዚ ፈጺመ ኣይፈትዎን፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ ክትውስኽ ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ - ቅድሚ ሕጂ ክገብሮ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከፈራርሕ ተሰሚዑ እዩ።
ትራምፕ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ "ዕቡድ" ዝብል ርእይቶኡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣስፊሩ። ንሱ፡ "ኵሉ ግዜ [ፑቲን] ንዅላ ዩክረይን ከም ዝደሊ እየ ዝዛረብ ዝነበርኩ'ምበር፡ ንገለ ክፋል ዩክረይን ጥራሕ ኣይኰነን። ምናልባት ሓቀይ እየ። ከምኡ እንተ ደኣ ገይሩ ሩስያ ክትፈሽል'ያ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ንዘለንስኪ እውን ኣይነሓፎን፣ "ዘለንስኪ ብዘረባኡ ንሃገሩ ኣይሕግዝን ኣሎ፡" ኢሉ። ትራምፕ ዘረባ ዘለንስኪ ጸገም ከም ዘስዕብ፡ ንሱ ድማ ከም ዘይፈትዎ ጽሒፉ፣ "ደው ክብል ይሓይሽ፡" ኢሉ።
ዋላ'ኳ ኤውሮጳውያን መሓዙት ኪቭ ንሩስያ ተወሳኺ እገዳታት የዳልዋ እንተ'ለዋ፡ ኣመሪካ ግን ነዚ ዝርርብ ሰላም ሓደው ብሳልሳይ ኣካል ገይራ ክትቅጽሎ ወይ ድማ ምዕባለ እንተ ዘይኣርእዩ ከተንሳሕብ እያ።
ፔስኮቭ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ነዚ መስርሕ ዘተ ኣብ ምውዳብን ምጅማርን ኣመሪካውያን ንዝገበሩዎ ሓገዝን "ብውልቂ ንፕረዚደንት ትራምፕን" ከም እተመስግኖም ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትራምፕን ፑቲንን፡ እቲ ውግእ ደው ዝብለሉ ንምዝታይ ንኽልተ ሰዓታት ርክብ ተለፎን ኣካይዶም ነይሮም።
ዶናልድ ትራምፕ እቲ ርክብ ጽቡቕ ምንባሩ ከም ዝኣምን ብምግላጽ፡ ክልተአን ሃገራት ተዅሲ ደው ንምባል ብቕጽበት ዘተ ክጅምራ ምዃነን ሓቢሩ።
ዩክረይን ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ክተሰማማዕ እንከላ፡ ሩስያ ግን ምስ ዩክረይን ብምትሕብባር ኣብ መጻኢ ሰላም ዘስፍን "መዘክር" ከተዳሉ ምዃና እያ ገሊጻ። እዚ ስጕምቲ'ዚ ድማ ብኪቭን መሻርኽታ ኤውሮጳን ከም ኣገባብ መሸመቲ ግዜ ገይሮም ርእዮምዎ።
ድሕሪ 2022 ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ዝርርብ ዩክረይንን ሩስያን ብ16 ግንቦት ኣብ እስታንቡል ቱርኪ ተኻይዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኽንድኡ ብዝሒ ምሩኻት ኲናት ክለዋወጣ ናይ ምጀመርታ ብዝዀነ ወተሃደራትን ስቪላውያን ሰባትን ተወሃሂበን።
ኣብዚ እዋን ሩስያ ነታ ኣብ 2014 ዝጸምበረታ ክሪምያ ሓዊስካ ኣስታት 20 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ተቘጻጺራቶ ኣላ።