ሩስያ-ዩክረይን፡ ፑቲንን ዘለንስክን ብኣካል ክዘራረቡ እዮም - ቀይሕ መስመራቶምከ?

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ዘቕረቦ ሕቶ ፊት-ንፊት ዘተ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንፑቲን ሓሙስ 15 ግንቦት ኣብ ኢስታንቡል ብኣካል ብምርኻብ ነቲ ኲናት መዛዘሚ ክገብርሉ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዩክረይን ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቱርኪ ቀጥታዊ ዝርርብ ንምክያድ ዘቕረቦ ዕድመ ክትሰማማዕ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ድሕሪ ቍሩብ ግዜ ኣብ ኤክስ ብዝዘርግሖ ጽሑፍ እዩ ነዚ ኣፍሊጡ።

"ነቲ ቅትለት ምንዋሕ ትርጕም የብሉን፤ ንፑቲን ድማ ሓሙስ ኣብ ቱርኪ ክጽበዮ እየ፤ ብውልቀይ፡" ክብል ዘለንስኪ ጽሒፉ።

ኣቐዲሙ ሃገሩ ምስ ሩስያ ንምዝርራብ ድልውቲ ምዃና'ኳ እንተ ገለጸ፣ እዚ ግን ተዅሲ ደው ምባል ምስ ተገብረ ጥራሕ ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

እቶም ብ"ኪዳን ወለንታውያን" ዝፍለጡ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ብቐዳም ኣብ ኪቭ ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ተግባራዊ ዝኸውን ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጸዊዖም።

ፑቲን ቀጥታዊ ዝርርብ ክገብር ዘቕረቦ ዕድመ ድማ ነዚ ምትእትታው ስዒቡ እዩ።

ብድሕሪ'ዚ ትራምፕ ብሰንበት፡ ዩክረይን ነዚ "ብቕልጡፍ" ክትሰማማዓሉ ኣለዋ፣ እቲ ኲናት ዘብቅዓሉ መንገዲ እንተ ሃልዩ ድማ ብንጹር ከተቕርብ ኣለዋ ክብል ኣብ ማሕበራዊ ብዙሓን ጽሒፉ።

"ብውሑዱ፡ ስምምዕ ይከኣል ድዩ ኣይከኣልን ክውስኑ ክኽእሉ ኣለዎ፤ እንተ ዘይኰይኑ ድማ መራሕቲ ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ኵሉ ነገር ኣበይ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ክፈልጡን ብኡ መሰረት ድማ ክቕጽሉን ይኽእሉ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ሕጂ ግን ተራኸቡ!" ኢሉ።

ዘለንስኪ ኣብ ናይ ኤክስ መልእኽቱ፡ ሩስያ ቅድሚ እቲ ዝርርብ፡ ተዅሲ ደው ምባል ክትሰማማዕ ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

"ዘድሊ መሰረት ዲፕሎማሲ ንምንጻፍ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ምሉእን ቀጻሊን ምቍራጽ ተዅሲ ክብጻሕ ንጽበ፡" ኢሉ።

ፑቲን ትማሊ ቀዳም ምሸት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ንዩክረይን ነቲ ኣብ 2022 ዝጀመረ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝግበር፡ "ዕቱብ ዘተ፡" ክትሳተፍ ዓዲሙ።

ፑቲን ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ'ቲ ን30 መዓልታት ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ብቐጥታ ከይተዛረበ፡ እቲ ዘተ ናብ ሓድሽ ስምምዕ ክመርሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ግን ገሊጹ።

እቲ መራሒ ሩስያ፡ ዩክረይን ዝያዳ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ረኺባ ናብ ዝያዳ ምክልኻል ንምእታውን ካልእ ውግእ ንምጅማርን መዐደጊ ግዜ ጥራሕ ዘይኰነስ ናብ ነባሪ ሰላም ዝወስድ ቀዳማይ ስጕምቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ሩስያ ቅድሚ ሕጂ፡ ተዅሲ ደው ምባል ክትሓስበሉ እትኽእል፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንዩክረይን ዝህባኦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከብላ እንተ ክኢለን ጥራሕ ምዃኑ ክትገልጽ ጸኒሓ ነይራ እያ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ብቐዳም ኣብ ኪቭ ንቐዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝን ፖላንዳዊ ዶናልድ ታስክን ኣአንጊዱ። ብዛዕባ እቲ ውጥኖም ድማ ንትራምፕ ደዊሎም ኣዘራሪቦምዎ።

ሰር ኬር ድሒሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብዚ ጉዳይ ግልጺ እዩ ዘሎ፤ ብቅልጡፍ ተዅሲ ደው ክብል ዝብል ሓሳብ "ክማላእ ዘለዎ ጠለብ" እዩ ክብል ከም ዝገለጸሎም ኣረዲኡ።

ምስ ዘለንስኪ ኣብ ዝገበሩዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ፑቲን ነቲ ብኣየር፡ ምድሪን ባሕሪን ዝግበር ናይ 30 መዓልታት ተዅሲ ደው ብዘይቅድመ-ኵነት ክሰማማዕ እንተ ዘይክኢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጽላታት ጸዓትን ባንክን ሩስያ፡ "ሓድሽን ሰፊሕን" እገዳ ከም ዝግበር ኣጠንቂቖም።

ሩስያን ዩክረይንን፡ እቲ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ፡ ኣብ መጋቢት 2022 ኣብ እስታንቡል ቀጥታዊ ዘተ ኣካይደን ምንባረን ይፍለጥ።

ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ዳግማይ ዘተ ክጅምሩ ብመትከል ተሰማሚዖም ኣለዉ። እንተዀነ፡ ምዝታይን ኣብ ስምምዕ ምብጻሕን ግን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ብቐደሙ'ውን ዘረሓሓቘም ቀይሕ መስመራቶም ዝዓቀቡ ይመስሉ።