እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ሩስያን ዩክረይንን ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ከም ዝተቓረባ ገሊጹ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ልኡኹ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ 'ተቓሪበን' ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ። ነቲ ዩክረይን ዘይተሳተፈትሉ ርክብ ድማ "ጽቡቕ ዘተ" ከም ዝነበረ ወሲኹ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ኣብ ዝበዝሕ ነጥብታት ከም ዝተሰማምዑ፡" ብምግላጽ፡ ክልተአን ሃገራት ብዝለዓለ ደረጃ ተራኺበን፡ "ውዕል ክገብራ" ጸዊዑ ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሩስያ ብቐዋምነት ተዅሲ ደው ንኸተብል፡ "ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ፡" ኢሉ።
ብመሰረት እቲ ኣመሪካ ዝቕረበቶ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ዩክረይን ንገለ ካብ ግዝኣታታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ክወድቕ ክትፈቅድ እያ።
ትራምፕ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ንምፍናው ናብ ሮማ ድሕሪ ምእታዉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ነታ ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ ቍጽጻራ እትርከብ ዞባ ክረምያ ምሓዝ ክትቅጽል ከም ዝድግፍ ገሊጹ። ዘለንስኪ ግና ነዚ ሓሳብ'ዚ ነቒፉዎ እዩ።
ሩስያ በቲ ዝኸፈተቶ ኲናት ኣቢላ 20 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ተቘጻጺራቶ ትርከብ።
ልኡኽ ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ሞስኮ ክራኸቡ እዚ ንራብዓይ ግዜኡ ኰይኑ፡ ኣማኻሪ ፑቲን ዩሪ ዩሽካቭ፡ እቲ ዘተ "ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ፡" ኢሉ።
"ወከልቲ ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት ኣህጉራውያ ጉዳያት ንኽዘራረቡ'ውን ኣፍደገ ከፊቱሎም'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ፑቲን ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ምስ ዘለንስኪ ንምዝርራብ ድሉው ምዃኑ ምግላጹ ይዝከር።
እቲ ንበዓል ፋሲካ ክብል ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ን30 መዓልታት ንምንዋሕ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።
ዋላ እኳ ዘለንስኪ ንዞባ ክረምያ ኣብ ኢድ ሩስያ ምግዳፍ ቅቡል ከም ዘይኰነ ብተደጋጋሚ እንተ ገለጸ፡ ድሕሪ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ግን ካልኦት ነጥብታት'ውን ክዝተየሎም ከም ዝኽእል ገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ኣመሪካ ብዛዕባ'ቲ ተዅሲ ደው ምባል ኣመልኪታ ንሰበስልጣን ኤውሮጳ ዘቕረበቶ'ሞ ሮይተርስ እውን ዝተመልከቶ ውጥን፡ ሓደ ካብቶም ዕላማታት ናይቲ ስምምዕ ውሕስነት ዩክረይን እዩ።
ዩክረይን ንጸጥታኣ ኣመልኪታ መረጋገጺኣ እኳ እንተ ኣፍለጠት፡ እቲ ውጥን ዩክረይን ናብ ውድብ ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከይትጽንበር ግን ከም ዝኽልክል ይንገር።
ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምስ ተበጽሐ፡ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ዝርከቡ ግዝኣታት ዩክረይን ብዝምልከት ዘተ ክጅምር ምዃኑ እቲ ሰነድ ይሕብር።
ትራምፕ፡ "እቲ ዝርርብ ምስ ተወድአ ኣብ ጽቡቕ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና፡" ኢሉ።
ትራምፕ እቲ ኣብ ሰሙን 5,000 ዩክረይናውያንን ሩስያውያንን ዝሞትሉ ዘለዉ ኲናት ከብቅዕ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣመሪካ ከም ኣምሳያ እቲ ምቍራጽ ተዅሲ ክቡር ማዕድናት ካብ ዩክረይን ከም እትቕበል ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝነበረሉ ዕለት፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ጀነራላት ሩስያ ያሮስላቭ ሞስካሊክ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብቦምባ መኪና ተቐቲሉ።
ነዘን ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚደን ዘለዋ ሃገራት ንምሽምጋል ቀጻሊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ እኳ እንተ'ሎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ወራር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ቀጺላቶ ኣላ።