ንቝጠባ ጃፓን ሓሊፋ ራብዓይቲ ዝዓበየት ቍጠባ ዓለም ዝዀነት ግዝኣት ኣመሪካ መን'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቍጠባ ካሊፎርንያ ንናይ ጃፓን በሊጹ፡ ራብዓይ ዝሓየለ ቍጠባ ዓለም ከምዝዀነ ኣይኤምኤፍ ዕላዊ ገይሩ።
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም፡ ካብ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ [ኣይኤምኤፍ]ን ቤት ጽሕፈት ቍጠባዊ ትንተና ኣመሪካን ዝረኸቦ መረዳእታ ብምጥቃስ ዕብየት ቍጠባ ካሊፎርንያ የጉልሕ።
እቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ካሊፎርንያ ኣብ 2024፡ 4.10 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጽሐን፡ ነታ 4.01 ትሪልዮን ዶላር ዝደራጃኡ እትውንን ጃፓን በሊጽዋ።
ሕጂ እታ ግዝኣት ንበይና፡ ንጀርመን፡ ቻይናን ብሓፈሻ ድማ ኣመሪካን ስዒባ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
እዚ ሓድሽ ኣሃዛት ክመጽእ ዝጀመረ፡ ኒውሶም ኣንጻር ሓድሽ ፖሊሲ ቀረጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣልዒሉ ብዛዕባ መጻኢ ቍጠባ እታ ግዝኣት ዘለዎ ስክፍታ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን'ዩ።
ካሊፎርንያ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየ ብጽሒት ማኑፋክቸሪንን ሕርሻዊ ምህርትን ኣለዋ። ብተወሳኺ መሪሕ ምህዞታት ቴክኖሎጂ፡ ማእከል መዘናግዒ ኢንዱስትሪ ዓለምን ክልተ ዓበይቲ ወደባት ባሕሪ እታ ሃገርን ዘለዋ እያ።
ፍሉጥ ዲሞክራትን ኣብ 2028 ሕጹይ ፕረዚደንት ክኸውን ተኽእሎ ዘለዎን ኒውሶም፡ ነቲ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታትን ንግድን ምዝባዕ ዘስዓበ ፖሊሲታት ቀረጽ ትራምፕ ዝፈታተን ክሲ ኣቕሪቡ።
ትራምፕ፡ ን90 መዓልታት ዝለዓለ መጠን ቀረጽ ደው ከም ዝብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ዳርጋ ኣብ ኵለን ናብ ኣመሪካ ዘእተዋ ሃገራት 10 ሚእታዊት ቀረጽ ኣውጺኡ።
ብተወሳኺ 25 ሚእታዊት ታሪፍ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮን ካናዳን ዘንበረ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ምህርቲ ቻይና ዝኽፈል ቀረጽ ግን፡ ኣመሪካ ምስ እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ቍጠባ ዓለምና ናብ ኵሉ መዳያዊ ንግዳዊ ኲናት ኣእትይዋ'ሎ።
ትራምፕ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣትዉ ኣቑሑ ቻይና ክሳዕ 145 ሚእታዊት ዝበጽሕ ግብሪ ዘተኣታተወ ኰይኑ ቻይና ብግደኣ ድማ ኣብ ፍርያት ኣመሪካ 125 ሚእታዊት ግብሪ ክተኽፍል ምዃና ብምግላጽ መልሲ ሂባ።
ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ሓድሽ ታሪፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጸንሐ ምስ ዝውሰኽ፡ ኣብ ገለ ኣቑሑት ቻይና ዝኽፈል ቀረጽ 245 ሚእታዊት ክበጽሕ ከምዝኽእል ገሊጹ።
ኒውሶም ምስ እቲ ሓድሽ ፖሊሲታት ቀረጽ ትራምፕ ኣተሓሒዙ ብዛዕባ መጻኢ ቍጠባ እታ ግዝኣት ዘለዎ ስክፍታ ኣስተብሂሉ።
"ነዚ ዓወት ኣብ እንጽንብለሉ እዋን፡ ምዕባለና ብሰንኪ እቲ ሕጂ ዘሎ ፈደራላዊ ምምሕዳር ሸለልትነት ዝመልኦ ፖሊሲታት ታሪፍ ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ንፈልጥ ኢና" ኢሉ። "ቍጠባ ካሊፎርንያ ነታ ሃገር ሓይሊ ስለዝዀነ ክሕሎ ድማ ኣለዎ" ኢሉ።
እዚ ቀረጽ፡ ፋብሪካታትን ዕድል ስራሕን ናብ ኣመሪካ ንኽምለሱ ንምትብባዕ ዝግበር ጻዕሪ ከምዝዀነ'ዩ ትራምፕ ዝምጕት። ሓደ ዓቢ ዓንዲ ቍጠባዊ ኣጀንዳኡ ኰይኑ፡ ከምኡ'ውን መጠን ወለድ ንምጕዳልን ልቓሕ ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።
እቲ ሓድሽ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፡ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ካሊፎርንያ ካብ ኣመሪካ ቀጺሉ 29.18 ትሪልዮን ዶላር፡ ቻይና 18.74 ትሪልዮን ዶላር፡ ጀርመን ድማ 4.65 ትሪልዮን ዶላር ከምዘለዋ ይሕብር።
ብተወሳኺ ካሊፎርንያ ካብተን ሃገራት ዝቐልጠፈ ዕብየት ከምዘርኣየት ዘመላኽት እዩ።
ቍጠባ ጃፓን ብሰንኪ እናወሓደ ዝመጽእ ዘሎን ዝሸምገለን ብዝሒ ህዝባ ጸቕጢታት ከምዘለዋ ዝተገለጸ ኰይኑ እዚ ማለት ድማ ቍጽሪ ሸቓላይ ሓይሊ እናነከየ ወጻኢታት ማሕበራዊ ክንክን ድማ ይዓቢ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







