ዳርጋ 200 ዓመት ዝገበረ ኮንዶም በጻሕቲ ይስሕብ

ዳርጋ 200 ዓመት ዝገበረ ኮንዶም፡ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝርከብ ቤተመዘክር ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-ምርኢት ቀሪቡ።

ካብ ቈርበት በጊዕ ከም ዝተሰርሐ ዝእመን ኰይኑ፡ ንሓንቲ መነኮስን ሰለስተ ኣቕሽትን ዝውክል ሕትመት ኣለዎ።

እዚ ብ1830 ዝተሰርሐ ኮንዶም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ በቲ ቤተመዘክር ብሓራጅ ተዓዲጉ።

እዚ ኮንዶም'ዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ምንዝርናን ጾታዊ ርክብን ዝምልከት ምርኢት እዩ።

ሕትመታት፡ ኣሳእልን ምስልታቱን እውን ኣካል ናይቲ ምርኢት እዮም።

ኣላዪት ራይክስ ሙዚየም ጆይስ ዘለን፡ ንሳን መሳርሕታን ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ኮንዶም ምስ ረኣይዎ፡ "ይስሕቑ ከም ዝነበሩ፡" ንቢቢሲ ገሊጻ።

ወ/ሮ ዘለን፡ "ካልእ ዘስተብሃለሉ ሰብ የሎን፡" ኢላ፣ ንሳቶም ጥራሕ እዮም ተጫሪቶምዎ።

ነቲ ኣቕሓ ምስ ረኸቡዎ ድማ ብጨረር (UV) ብርሃን ፈቲሾም ኣብ ጥቕሚ ከም ዘይወዓለ ኣረጋጊጾም።

"ኣብ ጽቡቕ ኵነታት እዩ ዝርከብ፡" ትብል ወ/ሮ ዘለን።

እቲ ቤተመዘክር፡ እዚ ኮንደም ንምርኢት ካብ ዘቕርብ ንደሓር ብሰባት ይብጻሕ ኣሎ ኢላ፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ቅጽጽ ኢሎም ኣለዉ።

እቲ ማሕበረሰባዊ "ምላሽ ዘገርም'ዩ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ሚስ ዜለን፡ እቲ ኮንዶም ካብ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ማእከል ኣመንዝራታት ዝተረኽበ "ኣዝዩ ብርቂ መዘከርታ" ከም ዝዀነን፡ ክሳዕ እዚ እዋን'ዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቕሓ ክርከብ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

እቲ ቤተመዘክር፡ እቲ ዘይልሙድ ኣቕሓ፡ "ንኽልቲኡ ጽቡቕን ሕማቕን ጐድኒ ጾታዊ ርክብ ዘንጸባርቕ'ዩ። ኣብዚ ድሌት ስምዒታዊ ደስታ ብዘይተደልየ ጥንስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ብፍላይ ድማ ፍንጣጣን፡ ፍርሒ ዝመልኣሉ ዝነበረ ዘመን ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊኡ ተሓቲሙ ዘሎ ምስሊ፡ እታ መነኮስ ኣብ ቅድሚ እቶም ሰለስተ ሰባት ኮፍ ኢላ፡ ሓጺር ክዳን ገይራ፡ እግራ ክፍት ኣቢላ፡ ኣጻብዕታ ናብቶም ኣብ ቅድሚኣ ደው ኢሎም ኣፍ ልቦም ሒዞም ዘለዉ ኣቕሽሽቲ እናኣመልከተት ዘርኢ እዩ።

እቲ ኮንዶም "Voilà mon choix" ዝብል ጽሑፍ እውን ኣለዎ፣ ትርጉሙ ድማ "ናተይ ምርጫ እዚ'ዩ፡" ከም ማለት እዩ።

እቲ ሕትመት፡ "ካብ ሓደ ጽውጽዋይ ግሪኽ፡" ዝተወስደ ከም ዝዀነ እቲ ቤተመዘክር ኣመልኪቱ።

እዚ ጽውጽዋያዊ ዛንታ፡ ናይ ሓደ ልኡል ትሮጃን ኰይኑ ካብ ኣፍሮዳይት፡ ሄራን ኣቴናን እታ ዝጸበቐት ኣምላኽ መን ምዃና ክውስን ነይሩዎ።

እቲ ቤተመዘክር ሆላንድ፡ እቲ ኣብ ክፍሊ ሕትመታት ዝእክቦም ንብረት ኣስታት 750,000 ሕትመታት፡ ኣሳእልን ምስልታትን ዝሓዘ ኰይኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኮንዶም ተሳኢሉ ዝተረኽበ ምስሊ ብዓይነቱ ፈላማይ ከም ዝዀነ ይሕብር።

"ክሳብ ክንፈልጦ ዝኸኣልና፡ ዝተሓትመ ኮንዶም ዘለና እንኮ ቤተመዘክር ስነጥበብ ኢና፡" ትብል ወ/ሮ ዘለን።

ትካላ ነቲ ቅርሲ ንኻልኦት ቤተመዘክር ንምልቃሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ እቲ ኮንዶም ግን ኣዝዩ ረቂቕ ምዃኑ ኣስተብሂላ።

ክሳዕ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ንምርኢት ህዝቢ ክቐርብ እዩ ተባሂሉ።