ልዕሊ 10 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ ቅብኣ ኢትዮጵያዊት-ኣመሪካዊት ታሪኽ ኣመዝጊቡ

ብኢትዮጵያዊት-ኣመሪካዊት ጁሊ ምሕረቱ ዝተቐብአ ስነጥበባዊ ስራሕ ብ10.7 ሚልዮን ዶላር ብምሻጥ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ።

ንፈለማ እዋን'ዩ ብትወልደ ኣፍሪቃውያን ዝፈረየ ቅብኣ ብኽንዲዚ ዋጋ ተሸይጡ ዘሎ።

እቲ 'ገስገስቲ ምስ ወጋሕታን ንጉሆን' (Walkers With the Dawn and Morning) ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ቅብኣ፡ ብቀለምን 'ኣክሪሊክ' (ፕላስቲክን) ዝተሰርሐ'ዩ።

ኣርእስቱ ካብ ስርሓት ናይቲ ፍሉጥ ገጣማይ ላንግስተን ሂዩስ ዝተወስደ ነግሒ እዩ።

ምሕረቱ፡ ነቲ ኣብ 2005 ኣብ ኣመሪካ ዝተኸሰተን ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለን ህቦብላ ካትሪና ንምግላጽ ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት ዘቕረበቶ ስራሕ'ዩ ነይሩ።

ብረቡዕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ 'ሶተቢ' ክልተ ተጫረትቲ፡ ንሓድሕዶም ኣብ ዘካየድዎ መን ቀደመ፡ ዋጋኡ እናወሰኸ እናወሰኸ ከይዱ።

ኣብ መወዳእታ ብ9.5 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ፡ ተወሳኺ ክፍሊታት ምስ ተደረበሉ ድማ 10.7 ሚልዮን በጺሑ።

ምሕረቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ጨረታ'ውን፡ ሓደ ካብ ቅብኣታታ ብ9.3 ሚልዮን ዶላር ብምሻጡ ክብረወሰን ሒዛ ነይራ'ያ።

'ዎከርስ ዊዝ ዶውን ኤንድ ሞርኒንግ' "ንኹሉ ክቕዳሕ ዘይክእል ኣርኪተኽቸራዊ ስእሊ ዝርከቦ ምንባር ምልክታት፡ ብሩሃት ሓበርቲ መስመራታን ካሊግራፋዊ ደርዚታታትን" ዝጠመረ እዩ ክብል እቲ ትካል ጨረታ ገሊጹ።

መሸጣ ናይቲ ስነጥበባዊ ስራሕ፡ ኣብ ዘመናዊ ስነጥበብ ኣፍሪቃ ሓያል ቆላሕታ ከምዘሎን፡ ዕዳጋ ፈጠራዊ [ኣብስትራክት] ስራሓት ይዓቢ ምህላዉን ዘርኢ እዩ።

"ካብቲ ኣፈናዊ ገጽ ናብ ዝያዳ ዕምቆት ርድኢት ዘለዎ ገጽና ንኸይድ ኣለና" ክትብል ኣብ ትካል ሶተቢ ሓላፊት ዘመናዊን እዋናውን ስነጥበብ ኣፍሪቃ ሃና ኦሊሪ ንጋዜጣ ስነጥበብ ('ኣርት ኒውስፔፐር) ተዛሪባ።

ጁሊ ምሕረቱ ኣብ 1970 ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ፡ ኣብ 1977 ድማ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት-ሓድሕድ ናብ ኣመሪካ ዝተሰደደት'ያ።

ኣብቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ እዋናዊ ስነጥበብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብቶም ኣፍልጦ ዝረኸቡ ምርኡያት ስነጥበባውያን ክትከውን በቒዓ'ላ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ፡ ዓመት 'ስነጥበባዊት መኪና' (ኣርት ካር) ክትሰርሕ (ከተወቅብ) ብፍሉጥ ትካል መፍረ መካይን ቢ-ኤም-ዳብሊው (BMW) ተሓርያ ነይራ።

ውጽኢት ናይቲ ተዋሂባቶ ዘላ ስራሕ፡ ኣብ መካይን ቅድድም ቢ-ኤም-ዳብልዩ ዝውቀጥ ኮይኑ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ውድደር 'ለ ማንስ' ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ።