ኢነስ ፐለግሪኒ፡ ኣብ ዝለዓለ መድረኽ ፊልም-ኢጣልያ ዝበጽሐት ኤርትራዊት ተዋሳኢት

ኢነስ ፐለግሪኒ ኤርትራዊ ዝመበቈላ ኢጣልያዊት ተዋሳኢት’ያ። ስማ ከመይ ኢሉ ከም ዝለገባ ግን ንጹር ኣይኰነን።

ገለ-ገለ ብዛዕባኣ ዝተጻሕፉ ዛንታታትን ከም ዝሕብርዎ ካብቲ ዘዕበያ ሰብ ዝወረሰቶ ስም’ዩ ይብሉ።

ጂዮቫና ትረንቶ ዝተባህለት ተመራማሪት ታሪኽ ድማ፡ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብዘስፈረቶ ሓተታ መሰረት፡ ናይ መድረኽ ስማ ከይኰነ ኣይተርፍን ትብል።

ዛንታ ኢነስ ፐለጊሪኒ ኣብ ሚድያታት ዓለም ብስሕው ዝበለ መልክዕ ስለ ዝቐርብ፡ እንተ ንሳ ኸኣ ምስ ጋዜጠኛታት ስለ ዘይትዋሳእ፡ 'ኣብ ድነ ታሪኻ ትነብር' ተዋሳኢት’ያ ክበሃል ይከኣል።

ታሪኻ ዘደንቕ’ዩ፤ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣብቲ ንኢጣልያውያን ዝተሓዝአ ዓውዲ ስራሕ ፈንጢዛ ብምእታዋ ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ክቃላሕ ዘለዎ ፍጻመ’ዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ኣለዉ።

ዛንትኣ ብሓተታ ጂዮቫና ትረንቶ ክንጅምሮ፤ ጸኒሕና ነቶም ዝተፈላለዩ ጨናፍር ህይወታ ኣርኒብና ክንኣስሮም።

ኢጣልያዊት ጂዮቫና ትረንቶ ኣብ ሮማ ዝመደበራ ናይ ስነ-ሰብ ተመራማሪትን ጸሓፊትን’ያ።

ብመግዛእቲ ባዕድን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ዛዕባታትን ብቐረባ እትከታተል ተመራማሪት’ያ።

ኣውራ ግን በታ “ናይ ፓዞሊኒ ኣፍሪቃ” ዘርእስታ መጽሓፋ እያ ትፍለጥ።

እታ “ናይ ፓዞሊኒ ኣፍሪቃ” ኢላ ዝሰመየታ መጽሓፋ ኣገዳሲት’ያ።

እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓደ ኣብ 60’ታትን 70’ታትን ኣብ ታሪኽ ኢጣልያ ልዑል ቦታ ዝነበሮ ገጣማይ፡ ጸሓፋይ፡ ዳይረክተር (ናይ ፊልም) ከምኡ’ውን ጸሓፍ-ተዋስኦ እያ ተዘንቱ።

ምሉእ ስሙ ኸኣ ፔር ፓውሎ ፓዞሊኒ ይበሃል። ብሓጺሩ፡ ንሱ ከም ትዕይንታዊ ስነ-ጥበብ (master of visual art) ነበረ።

ፓዞሊኒ ኣብዚ ዛንታ ናይ ኢነስ ፐለግሪኒ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ንሱ ኣብ ዓለም ሲነማ ዘእተዋ ዳይረክተር ስለ ዝነበረ’ዩ።

ፓዞሊኒ ብ1922 ኣብ ቦሎኛ ዝተወልደ፡ ኣብ ሮማ ኸኣ ብ1975 ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትለ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ቀታሊኡ ዘይተፈልጠ ሰብ’ዩ።

ብዙሓት ሰባት - ምናዳ ደቂ’ቲ ዘመን - ንፓዞሊኒ ከም ራእይተኛ፡ ከምኡ’ውን ከም ብዙሕ ዝገጻቱ ፈላጥ ሰብ ገይሮም’ዮም ዝርእይዎ።

ንኣቛም ፓዞሊኒ ንምርዳእ ቀሊል ኣይኰነን፡ ዉጹእ ማርክሳዊ ኰይኑ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ደቂ-ሰብ ዝኣምን ፍላስፋ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ማርክሳዊ ጥራይ ዘይኰነ ድማ ኣብ እምነቱ - እምነት ካቶሊክ ምዃኑ’ዩ - ሓያል ጸግዒ ዝነበሮ፡ ብኵነታት ሳልሳይ ዓለም ከኣ ኣዝዩ ግዱስ ዝነበረ ገስጋሲ ነበረ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንፓዞሊኒ ንምርዳእ ብዘመኑ (60-70’ታት) ዝነበረት ኢጣልያ ምርዳእ የድሊ።

ኢጣልያ ኣብ ቍጠባዊ ዝሕታለ ዝኣተወትሉ፡ ሓይሊ ገስገስቲ ዝገነነሉ፡ ሰራሕተኛታት-መንግስቲ ቀላጽሞም ዘርኣዩሉ፡ ማሕበር-ሰራሕተኝነት ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዓሉ፡ ናይ ሸቦሮን ዕግርግርን ዘመን ነበረ።

እምበኣርከስ ተመራማሪት ጂዮቫና ትረንቶ ንፓዞሊኒ ነቲ ዘመን’ቲ ዝውክል ሰብ’ዩ ኢላ ብምእማን ብዛዕባኡ ምሉእ መጽሓፍ ጸሓፈት።

ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢጣልያ ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝነበረ ኣብ ፈቐዶኡ ተቓውሞኦም ከስምዑ፡ ኣብ መናድቕ ጭርሖታት ዝጽሕፍሉ፡ ንሓድሕዶም ክጋጨዉ ምርኣይ ንትምህርቶምስ መዓስ የርክብሉ ዘብል እዋን ነበረ።

በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ዓመጽ ማፍያ ብዝተዓጻጸፈ ዝተራእየሉ፡ ሰባት ኣብ ፈቐድኡ ዝቕተልሉ፡ ቀይሕ ብሪጌድ - ናይ ሽበራ ጕጅለ - ዝገርገረሉ፡ ጸኒሑ ኸኣ በዓል ኣልዶ ሞሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ዝተጨውየሉን ዝተቐትለሉን ዘመን ነበረ።

ፓዞሊኒ መንነት ኢጣልያውያን ካበይ ከም ዝመጸ፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝሳዕረረ፡ ምስ መግዛእቲ-ባዕዲ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ንኽፈልጥ ተገዲሱ ይመራመር ነበረ።

ብዛዕባ ምርምሩ ኸኣ ብዙሕ ጽሒፉን ገጢሙን’ዩ። ብእኡ ምኽንያት ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ-ዓለም በጺሑ’ዩ።

ጽሑፉ ዓሚቝ፡ ኣተሓሳስባኡ ብርቂ፡ ፍልስፍናኡ ድማ ረቂቕ ከም ዝነበረ ጋዜጠኛታት ዝምስክሩሉ ሰብ ነበረ።

ኣፍሪቃ ኸኣ ብፍሉይ ጠመተኡ ኣብ ሓሳቡ ከም ዝነበረት ካብ ጂዮቫና ትረንቶ ክንርዳኣ ንኽእል።

ኣብቲ ዘመን’ቲ እታ ሃገር ክትሕመስ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኤርትራውያን ኣደታት ንኽሰርሓ ኣብ ዓዲ-ጣልያን ዝኣተዋሉ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኸኣ ርሱን ውግኣት ዝካየደሉ እዋን ስለ ዝነበረ መብዝሕትአን ኣደታት ኣብ ፈቐድኡ ከተማ ተወዲበን ንሰውራ ብዝከኣለን ክሕግዛ ዝተዋፈራሉ ዘመን ነበረ።

ገለ-ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ-ጣልያን - ምናዳ ዓቕሚ ትምህርቲ ዝነበሮም መናእሰይ - ንዝተኸፍተሎም ሓድሽ ዕድላት ተጠቒሞም ኣብ ሓድሽ ዓለም ክሰግሩ ከም ዝኸኣሉ ምጥቃስ የድሊ።

ከም በዓል ዘውዲ ኣርኣያ ዘኣመሰላ ኣብ መነባብሮ ጣልያን ብምእታው፡ ኣብ ፊልምታት ክዋሳኣ ዝኸኣላሉ ዘመን ነበረ።

ንምዃኑ ዘውዲ ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ብቋንቋ ጣልያን ዝሰርሐት ንስም ኤርትራ ብዓውታ ዘቃለሐት ዓባይ ተዋሳኢት’ያ።

ፓዞሊኒ ብማሕበራውን ፖለቲካውን ማዕርነታውን መዳያት ኣዝዩ ዝግደስን ተጊሁ ዚሰርሐን ፈላስፋ ጥራይ ዘይኰነስ ስነ-ጥበባዊ ንቕሓት ዝነበሮ፡ ኣብ’ቶም ዝሰርሖም ፊልምታት ከኣ ወጻእተኛታት ተዋሳእቲ መሪጹ ብምእታው ዕድላት ይፈጥረሎም ነበረ።

ኢነስ ፐለግሪኒ ድማ፡ ዕድመኣ ዓሰርተ ትሽዓተ መሊኣ ኣብ ዓለም-ፊልም ኣትያ ንኽትዋሳእ ሕልሚ ዝነበራ ትኵርትን ክኢላን ኣዝያ ጽብቕትን ሰብ ስለ ዝነበረት፡ ፓዞሊኒ ስነ-ጥበባዊ ዊንታኡ ንኸማልእ ውዒሉ ሓዲሩ ንኽረኸባ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ነበረ ክበሃል ይከኣል፣ ረኸባ ኸኣ። ሓቢሮም ከኣ ፊልምታት ሰርሑ።

ኣብ 'ላ-ስታምፓ' ዝቐረበ ሓተታ

ካርሎ ግራንደ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ‘ላ-ስታምፓ’ (La Stampa) ብ12 ለካቲት 2012 ንኢነስ ፐለግሪኒ ኣብ ሎስ-ኣንጀልስ ረኺቡ ከዘራርባ ከኣለ።

ጽማቝ ዝርርቦም ብኸምዚ ዝስዕብ ዝቐረበ ኰይኑ፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ዝተኻየደሉ እዋን ፓዞሊኒ ካብ ዝቕተል 37 ዓመት ኰይኑዎ ከም ዝነበረ ምፍላጥ የድሊ።

ፓዞሊኒ ብዅሉ እንተናኡ ንሃዋህዉ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ኢጣልያ ክጸሉ ዝኸኣለ ሰብ ምንባሩ ክጥቀስ ይግባእ።

ተራኡ ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ንምስማር፡ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ-ዘመን፡ ህላወኡ ግዙፍ፡ መጐተኡ ሓያልን ጸላውን፡ ኣዝዩ ዕውቀተኛ ከም ዝነበረ ደጊምና ንጠቕሶ።

ብተወሳኺ ከም ሓደ ቀንዲ ኣርቲስትን ህዝባዊ መሽከልን (public intellectual) ምንባሩ ብምጥቃስ ግናኸ ንቕድመኡ ዝውርወርን፡ ከይፈርሀ ዝዛረብን ብምንባሩ ኣብ ተኣፋፊ ክትዕ ብምእታው ድማ ኣከራኸርቲ ጕዳያት ናይ ምፍጣር ባህሪ ስለ ዝነበሮ ብቐሊሉ ተጠማትነት ይፈጥር ከም ዝነበረ ክጥቀስ ይግባእ።

ኣንጻር ንኡስ-ከበርቴን ቅጥዒ ዘይብሉ ኣህላቕነትን ዓው ኢሉ ዝምጕት ፓዞሊኒ ድማ፡ ጸላእቲ ኣጥረየ። ዝዀነ ኰይኑ ብ 2 ሕዳር 1975፡ ኣብ 53 ዕድመኡ ኣብ ኦስትያ ዝተባህለ ቦታ (ጥቓ ሮማ) ብዘይተፈልጡ ሰባት ሕንዳ ብዘይብሉ ጭካነ ተቐትለ።

እቲ ፈላጥን ብኣህዛብ ሳልሳይ-ዓለም ግዱስን ሰብ ህይወቱ ብኣሊፍ ጠፍአት። ቀተልቱ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽቡን።

እዛ ብ7 ሕዳር 1954 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ተዋሳኢት፡ ኣብ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጣልያን ዝተማህረት፡ ምስ ሓደ ስድራ-ቤት ጣልያን’ያ ዓብያ።

ፓዞሊኒ ነታ ውርይቲ ፊልሙ - ኣረብያን ናይትስ - (Arabian Nights) ንክሰርሕ ምስ ተበገሰ ብዙሓት ተዋሳእቲ ንስምዓት ዓደመ (ንክፍተኑ’ሞ ደሓር ካብኦም ምእንቲ ክሓሪ)። ኣብ መንጎ’ቶም ንሕርያ ዝቐረቡ ተዋሳእቲ ኸኣ ኢነስ ፐለግሪኒ ነበረት።

ሽዑ’ያ ኢነስ ምስ ፓዞሊኒ ዝተፋለጠት። እዚ ብ1973 ምዃኑ’ዩ።

እቲ ሓተታ ‘ላ-ስታምፓ’ ከም ዝገልጾ፡ (ምስ ጋዜጠኛ ካርሎ ግራንደ ዝተኻየደ ቃለ-መሕተት) “ፓዞሊኒ ንኢነስ ምስ ረኣያ ብጽባቐኣን ወቃበኣን ልበ-ምሉእነታን ቀዚዙ ተረፈ” ይብል። ሽዑ ንቕርጺ ኣካላታ ከም ውቑብን ጽሩብን ምስሊ ሓጺን ዝመስል፡ ንኣጣምታኣ ኸኣ ምስ ዘይተጣለለ ኵነት ዝማለዱ ዘለዉ ዝመስሉ ፍሩያት ኣዒንታ ክብል ገለጻ።

ምስ ረኸባን ተፋለጣን ድማ ኣብ ሓተታኡ ብጽባቐ ኤርትራውያን ኣስሚሩ ዝገለጸ ናይ ፊልም ዳይረክተር ከም ዝነበረ ኣብቲ ሓተታ ንረኽቦ።

ሞት ፓዞሊኒ ንኣቛም ህይወት ኢነስ ከም ዝለወጦ ኣብቲ ምስ ‘ላ-ስታምፓ’ ዘካየደቶ ዝርርብ ንረኽቦ።

ምስ ፓዞሊኒ ብቐረባ ትሰርሕ ስለ ዝነበረት፡ ንሱ ይሓልየላን ይከናኸናን ነበረ፤ ኣብ ናቱ ዝሰርሖም ፊልምታት ከኣ ንኽትዋሳእ ዕድላት ይኸፍተላ ነበረ።

ድሕሪ ሞት ፓዞሊኒ ግን ዝተዋስኣትሎም ፊልምታት ብርክት ዝበሉ ክነሶም ብዓይነቶም ግን ለጠቕ ዝበሉ ነበሩ።

ግናኸ ብጽባቐኣን ዓቕማን ትእምርተ-ወሲብ ዓድ-ጣልያን ምዃና ኣይተረፋን፣ ብኻልእ ኣዘራርባ: ዝረኣያ ሰብ ሃነን ይብል ነበረ።

ጋዜጠኛ ካርሎ ግራንደ ኣብ ሎስ-ኣንጀልስ ምስ ረኸባ - ሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ሞት ፓዞሊኒ ምዃኑ’ዩ - ኣብ ኣዒንታን ኣጣምታኣን ኣትኲሩ ንናታ ሰብኣዊ መንነታ ዝዅልዑ ኣዕንቲ ኣለዋ ክብል ገለጾም። ዘሕወዝውዝ መልክዕ ዘለዋ ሰብ እናበለ ድማ ወሰኸሉ።

“እታ ቅድሚ 35 ዓመታት ኣብ ናይ ፓዞሊኒ ፊልምታት ይዅኑ ካልኦት ኣብ ኣብያተ ሲነማታት ንርእያ ዝነበርና ተዋሳኢት መልክዓ ገና ኣይሃሰሰን” ክብል ደጋጊሙ ንመክልዓ ክገልጽ ነንብብ።

ኢነስ ቅድሚ ኣብ ዓውደ-ፊልም ምእታዋ ኵነታታ ከመይ ከም ዝነበረ ክትገልጸሉ ኸላ፡ “ኣብ ዓድ-ጣልያን ምስ መጻኹ - ኣብ ፈለማ 70’ታት - ኵነታት ጽቡቕ ኣይነበረን፡ ብዙሓት ጠላይን ድማ ዓሌተኛታት’ዮም ነይሮም” ትብል ኢነስ። “እቲ ዘዕበየኒ ኣቦይ ግን ካብ ኵሉ ክፋእ ይከላኸለለይ ነበረ” ኢላ ተዕልሎ።

ኢነስ ፐለግሪኒ ብዛዕባ ፓዞሊኒ ክትገልጽ ከላ “ንሱ ካብ ልዕሊ 300 ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ - ኣብታ ናቱ ፊልም ንኽዋስኣ ዝቐረባ ሕጹያት - ኢዩ መሪጹኒ” ትብል። “ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ናቱ ሙዛ ገበረኒ - ‘ሙዛ’ ምንጪ ስነ-ጥበባዊ ተነሽጦ ማለታ’ያ።

ነታ ፊልም (ኣረብያን-ናይትስ) ክሰርሑ ሓቢሮም ኣብ ኤርትራ፡ የመን፡ ኢራን፡ ነፖል ዑደት ኣካየዱ።

እታ ፊልም ምስ ተወድአት ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ፊልምታቱ ዀነት። ዕራቘት ተዋሳእቲ እተርኢ ፊልም ብምንባራ ገሊኦም ይወቕስዎ’ዮም፤ ብትሕዝቶኣን ኣቀራርብኣን ግን ፓዞሊኒ ብርቅነቱ ኣርእዩ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ኢነስ ምስ ፓዞሊኒ ሓቢራ ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ሰሪሓ’ያ። ሓሓሊፋ ነቶም ሽዑ ምስኡ ዀይና ዝሰርሓቶም ፊልምታት ከም ትርኢ ኸኣ ነቲ ቃለ-መሕትት ዝገበረላ ጋዜጠኛ ሓበረቶ።

ጸኒሓ፡ ቅድሚ ፓዞሊኒ ምቕታሉ ሓንቲ ግፍዒ ዝበዝሓ እተስካሕክሕ ፊልም - 120 መዓልታት ሶዶም (The 120 Days of Sodom) ዘርእስታ ፊልም ሰሪሓ’ያ።

ድሕሪ ሞት ፓዞሊኒ ሞያኣ’ኳ እንተቐጸለ - ኣብ ምርኢት ፋሽንን ተዋስኦን - ብ1985 ካብ ፊልም ዓለም ተገላገለት። ምስ ሰብኣያ ኸኣ ንሎስ-ኣንጀልስ ገዓዘት።

ኣብኡ ኰይና ሓሓሊፋ ኣብ ናይ ፊልም-ዓለም ትእቶ’ምበር ካብቲ ዓለም’ቲ ከም ዝረሓቐት እቲ ዝረኸባ ጋዜጠኛ ይገልጽ።

ህይወታ ብምልዋጥ ድማ ናታ ጥንታዊ-ኣቕሓ ዝሽየጠሉ ድኳን (antique shop) ከፊታ፡ ከምኡ’ውን ምስ ድኻታት፡ ቤት-ኣልቦ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣገልገልቲ ናይ ማዘር-ተረዛ (ንድኻታት ዝናብዩ) ዘተኣሳስር ስርሓት ብምስራሕ ቅሳነትን ትርጉምን ዘለዎ ናብራ ተሕልፍ ምህላዋ ነቲ ጋዜጠኛ ሓበረቶ።