እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ጫማ ውሩይ ኣመሪካ ተጻዋቲ ኵዕሶ ሰክዔት ነበር ማይክል ጆርዳን ብ1.47 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ
ጫማ ናይቲ ውሩይ ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ ሰክዔት ዝነበረ ማይክል ጆርዳን ብጨረታ ብ1.47 ሚልዮን ዶላር ድሕሪ ምሻጡ ኣብ ታሪኽ ብዝኸበረ ዋጋ ዝተሸጠ ናይ ስፖርት ጫማ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ።
እዚ ብኽቡር ዋጋ ዝተሸጠ ጫማ ማይክል ጆርዳን፡ ኣብ 1984 ምስ ጂካጎ ቡልስ ብምዃን ንመጀመርታ ግዜ ዝተጻወተሉ ጫማ ኮይኑ፡ ፍርያት ናይኪ ኮይኑ 'አየር ሺፒንግ' ዝብል ስም ዘለዎ እዩ።
1984 ማይክል ጆርዳን ኣብ እዋን ጸወታ ናይ ናይኪ ፍርያት ዝኾኑ ጫማን ኣልባሳትን ንክጥቀም ምስ ናይኪ ውዕል ዝኣተወሉ ዓመት'ዩ ነይሩ።
ኣብ ውድድር ኵዕሶ ሰክዒት ዝልዓለ ስም ዘለዎ ኣመሪካዊ ማይክል ጆርዳን፡ ኣብ 2003'ዩ ጥሮታ ወጺኡ።
ማይክል ጆርዳን ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ ሰክዔት ናይ መጀመርታ ቢልዮነር ኮይኑ ዝተመዝገበ'ውን እዩ።
ኣብ እዋን ጸወታ ዝተጠቀመሉ ጫማ ብኽንድዚ ዋጋ ክሽየጥ ምኽኣሉ ማይክል ጆርዳን ኣብ ኵዕሶ ሰክዔት ዘለዎ ቦታ ዘርኢ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑ።
ነቲ ጫማ ኒክ ፊዮሬላ ዝተብሃለ ጥንታውያን ንብረታት ዝእክብ ውልቀሰብ እዩ ብጨረታ ገዚእዋ።
ቅድሚ ጨረታ ምክያዱ፡ እቲ ጫማ ካብ ሓደ ክሳብ ሓደን ፈረቓን ሚልዮን ዶላር ከውጽእ ከምዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ እዩ።
እዚ ጫማ ኣብ ታሪኽ ስፖርት ብዝልዓለ ዋጋ ዝተሸጠ ክኸውን እንከሎ ናይ ስፖርት ዘይኮነ ጫማ ግን ካብዚ ብዝኸብር ዋጋ ዝተሸጠ ጫማ ኣሎ።
ብድምጻዊ ካንዮ ዌስት ብ1.8 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠ አየር ዩዚ 1 ዝተብሃለ ዓይነት ጫማ እቲ ዝኸበረ ጫማ ተባሂሉ ኣብ ክብሪ ሰፊሩ ዘሎ ጫማ እዩ።