እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥንታዊ ቅዱስ መጽሓፍ እብራይስጥ ብ38 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ
ኣብ ዓለም እቲ ጥንታዊን ዝተማልአን ዝብሃል ቅዱስ መጽሓፍ እብራይስጥ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብልዕሊ 38 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ።
እዚ ኣብ ኒውዮርክ ብዝርከቡ ኣጫረትቲ ብ38.1 ሚሊዮን ዶላር ዝተሸጠ ቅዱስ መጽሓፍ ብልዑል ዋጋ ጨረታ ዝተሸጠ ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ብኢድ ዝተጻሕፈ ጥንታዊ ትሕዝቶ ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ብቋንቋ እብራይስጥ ዝተጽሓፈ ቅዱስ መጽሓፍ ቅድሚ 1,100 ዓመታት ኣቢሉ ከም ዝተጻሕፈ ይግመት።
እዚ ንዅሎም 24 መጽሓፍቲ ከምኡ’ውን ስርዓተ ነጥብታትን መናብብቲ ድምጽታትን ላህጃታትን ዝሓዘ መጽሓፍ ካብቶም ብዕድመ ነዊሕ ዘቑጸሩን ብዝተማልአ መልክዕ ዝተዳለውን መጽሓፍቲ ሓደ እዩ።
ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣሜሪካዊ ጠበቓን ኣምባሳደር ነበርን ኣልፍሬድ ሞሰስ ኣብ እስራኤል ንዝርከብ ቤተ መዘክር ህዝቢ ኣይሁድ ‘ኤኤንዩ’ ዓዲጕዎ ኣሎ።
ንሱ፡ “ቅዱስ መጽሓፍ እብራይስጥ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዎን መሰረት ስልጣነ ምዕራባውያንን'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ንብረት ህዝቢ ኣይሁድ ብምዃኑ ሕጉስ እየ። ታሪኻዊ ትርጉም እቲ መጽሓፍ ብምርዳእ ህዝቢ ዓለም ክረኽቦ ኣብ ዝኽእል ቦታ ክርከብ ናይ ምግባር ተልእኾ ነይሩኒ” ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ነዚ ቅዱስ መጽሓፍ ብጨረታ ንምዕዳግ ወጻኢ ዝዀነ ገንዘብ፡ ወናኒ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ ኣብ 1994፡ ሳይንሳዊ መዘክር ሌዮናርዶ ዳ ቪንቺ ንምግዛእ ካብ ዝኸፈሎ 30.8 ሚሊዮን ዶላር ዝበልጽ እዩ።
ይኹን’ምበር ብጨረታ ካብ ሞንጐ ዝተሸጡ ታሪኻዊ ሰነዳት ሓደ ዝዀነ፡ ቀዳማይ ሕታም ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ዝተሸጠሉ 43.2 ሚሊዮን ዶላር ዝወሓደ እዩ።
እዚ 'ኮዴክስ ሳሱን' ብዝብል ዝፍለጥ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ነዚ መጸውዒኡ ካብቲ ወናኒኡ ዝነበረ ዴቪድ ሰለሞን ሳሱን እዩ ተዋሂቡ።
ዴቪድ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ካብ 1929 ጀሚሩ ክውንኖ እንከሎ፤ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ፡ ካብ ዓለም ዝዓበየን ኣዝዩ ኣገዳስን እካብ ጽሑፋት እብራይስጥ ክገብር ክኢሉ እዩ።
ኣብዚ ቅዱስ መጽሓፍ እብራይስጥ ዝርከቡ 24 መጽሓፍቲ፡ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብሉይ ኪዳን ኢሎም ዝጽውዑዎም መጽሓፍቲ እዮም።
ነቶም መጻሕፍቲ፡ ሊቃውንቲ ኣይሁድ ኣብ ማእከላይ ዘመን እዮም መልክዕ ኣትሒዞምዎም።
ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢ 930 ዓ.ም ከምዝተጠርነፈ ዝእመን ካልእ 'ኣሌፖ ኮዴክስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዱስ መጽሓፍ፡ እቲ ዝያዳ ወግዓዊ ቅዱስ መጽሓፍ እብራይስጥ ምዃኑ ይእመን።
እንተኾነ ግና ኣብ 1947 ኣብ ከተማ ኣሌፖ፡ ሶርያ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓደጋ ስለዝበጽሖ ካብ 487 ገጻት እቲ መጽሓፍ 295 ጥራይ እዩ ኣብዚ እዋን ዝርከብ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ብኣዝዩ ዝኸበረ ዋጋ ዝተሸጠ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ መጽሓፍ ቅድሚ ሓደ ሽሕ ዓመታት ከም ዝተዳለወን 12 ገጻት ከም ዝጐደሉን እቶም ኣጫረትቲ ንሶቢዝ ተዛሪቦም።
ንዘመናት ክሰጋገሩ ዝጸንሑ መረዳእታታት ከም ዘመላኽቱዎ እቲ መጽሓፍ ኻላፋ ቤን ኣብራሃም ዝተባህለ ውልቀሰብ ንኣይዛክ ቤን እዝቅኤል ኣል-ኣታር ዝሸጦ ኰይኑ፡ ንሱ ድማ ዋንነቱ ናብ ደቁ ኣሕሊፉ ሂቡ ነይሩ።
እቲ መጽሓፍ ንዘመናት ካብ ዝተገብሩ ኲናታትን ዕንወታትን ተሪፉ ን500 ዓመታት ካብ ታሪኽ ተሰዊሩ ከም ዝጸንሐ’ውን ይዝረብ።
ኣብ ቀረባ ዋና እዚ ቅዱስ መጽሓፍ ስዊዘርላንዳዊ ኣውፋሪ ጃክ ሳፍራ ነይሩ። ንሱ ድማ ብ1989 ዓ.ም ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብ2.5 ሚሊዮን ዶላር ዓዲጉዎ ነይሩ።