ስቕለት ብኸመይን ኣበይን ተጀሚሩ?

ተኸተልቲ እምነት ክርስትና፡ ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘላ ዕለተ ዓርቢ መዓልቲ ስቕለት ክርስቶስ ኢሎም ዓመታዊ ብጾምን ስግዳንን የኽብሩዋ።

እዛ ዕለት፡ ድሕሪ ብዙሕ መከራን ስቓይን የሱስ ክስርቶስ ወዲ ሰብ ካብ ዝኣተዎ ሓጢኣት ንምድሓን ብዝብል ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝዝከረላ መዓልቲ እያ።

ተኸተልቲ እቲ እምነት ድማ፡ የሱስ ንፍቕሪ ደቂ ሰባት ክብል ነገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ እያ ኢሎም ይኣምኑ።

የሱስ፡ ኣብቲ እዋን ዝተቐበሎ ስቓይን ሞትን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እኳ እንተዀነ፡ ሰንበት ንሞት ስዒሩ ተንሲኡ'ዩ እውን ይብሉ።

የሱስ፡ ብኢድ ሮማውያን በቲ ዝጠንተወ፡ ኣዝዩ ኣረሜናዊ ኣገባብ መቕተሊ ሰብ ተባሂሉ ዝሕሰብ ኣገባብ እዩ ተሰቒሉ። ስቕለት ከም ዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ ግን ከመይን ካበይን እዩ መበገሲኡ?

እዚ ዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ፡ የሱስ ቅድሚ ምውላዱ እውን ከይተረፈ ንብዙሕ ዘመናት ክፍጸም ዝነበረ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ፍሪ ስቴት ደራሲትን ተመራማሪት ክላሲካዊ ባህሊ ሉዊስ ሲሊየርስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኣብ ጥንታዊ ግዜ ይፍጸሙ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣረሜናዊ ኣገባባት ምቕታል ሰብ፡ ስቕለት እቲ ዝኸፍአ ይቝጸር ነይሩ" ትብል።

እቶም ክልተ፡ "ምቅጻልን ምቝራጽ ርእስን እዮም።"

እዚ፡ "ኣብቲ ህዝቢ ብዝተኻእለ መጠን ራዕዲ ንምእታው ዝግበር ውህደት ፍጹም ጭካነን ትርኢትን እዩ ነይሩ" ይብል ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ናቫራ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ፋካልቲ ስነ-መለኮት ዝዀነ ድያጐ ፔረዝ ጐንደር።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ሞት እቲ ግዳይ፡ ምስ ተሰቕለ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ጥራይ፡ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ንኽፈልጥ ዝደሊ ሓላፊ መገዲ እዩ ዝፍጸም።

መጀመርታ፡ ኣካላት እቲ ብሞት ዝቕጻዕ ሰብ ብማዕበስቲ፡ ደም ምስኣን፡ ምውሓድ ማይን ጸገማት ውሽጣዊ ክፍሊ ኣካላትን ክሓልፍ ይግበር።

ንምዃኑ፡ ስቕለት መጀመርያ ኣበይን ብኸመይን እዩ ተጀሚሩ?

500 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ

ዶክተር ሲሊየርስ፡ ስቕለት መበገሲኡ ካብ ኣሶራውያንን ባቢሎናውያንን - ኣብ ሓደ እዋን ኣብዚ ሎሚ ብማእከላይ ምብራቕ ዝፍለጥ ቦታ ዝነብሩ ዝነበሩ ክልተ ዓበይቲ ስልጣነታት - ክኸውን ከም ዝኽእል ትኣምን።

ብተወሳኺ እቲ ኣገባብ ቅትለት፡ "ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ፈሪሳውያን ዝጥቀምሉ ዝነበረ ስርዓት” እዩ ኢላ ትኣምን።

ፕሮፈሰር ፔረዝ ድማ፡ እቲ ዝጸንሐ ሓበሬታ ካብ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሶራውያን ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ከም ዝመጽእ ይሕብር።

“ኣብቲ መናድቕ ንውግኣትን ስዕረታትን ዝውክሉን እሱራት ዝቕተሉሉ ኣገባብን ዘርእዩ ኣሳእል ነይሮም፤ እቲ ናይ ምስቃል ሜላ ኸኣ ምስ ስቕለት ዝመሳሰል እዩ፡” ይብል።

ኣብ 2003 ዶክተር ሲሊየርስ ምስ ካልእ ናይ ሞያ መሓዝኣ ብምዃን ብዛዕባ ታሪኽን ቃንዛን ስቕለት ዝገልጽ ጽሑፍ ኣዳልያ ኣብ ሜዲካል ጆርናል ደቡብ ኣፍሪቃ ተሓቲሙ’ዩ።

ፈሪሳውያን ኣብ ኣግራብ ወይ ዓንዲ ስቕለት ይፍጽሙ ከም ዝነበሩ ተብርህ። “ናይ ሞት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈርዶ ሰብ ዝወርድ ላግጽን ጨካን ኣማውታን ልሙድ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ሜላታት ኣብ ገረብ ኣንጠልጢልካ ምግራፍ፡ ሓኒቕኻ ብድኻም ክመውት ምግባር እዮም፡” ይብል ፕሮፌሰር ፔረዝ።

ምስፍሕፋሕ እዚ መቕጻዕቲ

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ኣሌክሳንደር ዓቢ ነቲ መቕጻዕቲ ናብ ሃገራት ምብራቓዊ ሜድትራኒያን ኣምጺእዎ።

“ኣሌክሳንደርን ወተሃደራቱን ነታ ብውሑድ ዘይትድፈር ዝነበረት ከተማ ጢሮስ (ኣብ ናይ ሕጂ ሊባኖስ) ኣብ ክባ ኣእትዮምዋ፤ ኣብ መወዳእታ ምስ ኣተዉ፡ ኣስታት 2000 ነበርቲ ሰቒሎም” ትብል ዶክተር ሲሊየርስ።

ተካእቲ ኣሌክሳንደር ዓቢ ድማ ነቲ መቕጻዕቲ ናብ ግብጽን ሶርያን ከምኡ’ውን ኣብታ ብፈኒቄኣውያን (Phoenicians ) ዝተመስረተት ዓባይ ከተማ ሰሜን ኣፍሪቃ ካርቴጅ ኣተኣታትዮምዎ።

ኣብ እዋን ውግኣት ፑኒክ (264-146 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ) ሮማውያን ነቲ ሜላ ተማሂሮም “ን500 ዓመታት ተግባራዊ ከም ዝገበርዎ" እታ ተመራማሪት ትዛረብ።

“ሰራዊት ሮማውያን ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ስቕለት ይለማመዱ ነይሮም" ትብል።

ኣብ ገለ-ገለ ቦታታት እዚ መቕጻዕቲ ዘተግብሩሎም ዝነበሩ ቦታታት ድማ፡ ደቂ ዓዲ’ውን ለሚዶም ወሪሶም።

ኣብ ዓመት 9ይ AD ጀርመናዊ ጀነራል ኣርሚኒየስ ኣብ ዓውደ ውግእ ጫካ ተውቶበርግ ድሕሪ ዘመዝገቦ ዓወት፡ ወተሃደራት ሮማውያን ክስቀሉ ኣዘዘ፣ እዚ ድማ ንሮማውያን ብኢድ ቀቢላታት ጀርመናውያን ዘሕፍር ስዕረት ዝውክል ነበረ።

ኣብ ዓመት 60 AD ንግስቲ ናይ ሓደ ብኢሰኒ ዝፍለጥ ጥንታዊ ቀቢላ እንግሊዝ ዝነበረት ቦውዲካ ኣብ ልዕሊ እቶም ወረርቲ ሮማውያን ዓቢ ናዕቢ መሪሓ ንብዙሓት ወተሃደራት ሰቒላ።

ቅድስቲ ምድሪ

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እዚ ዓይነት መቕጻዕቲ ድሮ ቅድሚ ምምጻእ ሮማውያን ይዝውተር ነይሩ።

ፕሮፌሰር ፔረዝ፡ “ሮማውያን ንቅድስቲ ምድሪ ቅድሚ ምውራሮም ብዛዕባ ስቕለት ዝነግሩ ምንጭታት ኣለዉና” ይብል።

ሓደ ካብኣቶም ሮማዊ-ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ታሪኽ፡ ፖለቲከኛን ወተሃደርን ፍላቭየስ ጆሴፈስ ኰይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን AD ኣብ እየሩሳሌም ተወሊዱ።

ኣብቲ ንኣይሁድ ን27 ዓመታት ዝገዝአ ኣሌክሳንደር ጃናየስ (125 - 76 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ) ዘመነ ንግስነት ኣብ ዝጸሓፎ መዘክራት ኣብ ከባቢ 88 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ጃምላዊ ስቕለት ጠቒሱ ኣሎ።

ፍላቪየስ ጆሴፈስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፤ “ምስ ኣንስቱ ኣብ ሓደ ርኡይ ቦታ እናጸንበለ እንከሎ፡ ኣስታት 800 ኣይሁድ ክስቀሉ ከምኡ'ውን ደቆምን ኣንስቶምን ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ገና ብህይወት ዝነበሩ ሰባት ክቕተሉ ኣዘዘ።”

ሮማውያን

ብመሰረት ዶክተር ሲሊየርስ ግን፡ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት መቕጻዕቲ - ቅርጺ ኤክስ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ዓይነት መስቀላት ዘተኣታተው ሮማውያን እዮም።

“እንተዀነ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ፍሉጥ መስቀል ላቲን ‘ታው’ (ቅርጺ ‘ቲ’ ዘለዎ መስቀል) ይጥቀሙ ነይሮም። እዞም መስቀላት ልዕል ዝበሉ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም፤ ግን ዝያዳ ትሕት ዝበለ ይጥቀሙ ነይሮም።”

እቲ ዝቕተል ዝነበረ ሰብ ነቲ ልሙጽ ክፋል ናይቲ መስቀል ተሰኪሙ ናብቲ ዝስቀለሉ ቦታ ክኸይድ ተገዲዱ።

"እቲ ሰብ ዕርቃኑ እንተዘይኰይኑ፡ ክዳውንቱ ተኣልዩ፡ ኣእዳው ዘርጊሖም ብሕቘኡ ክድቅሱ ይግበር ነይሩ።”

እቲ ዕላማ፡ ምስቲ ዕንጸይቲ ኣሲሮም ኣብ መንኵቦም ብመስማር ንምልጋብ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ መስማር ኣብ ኣእዳው እቲ ግዳይ ኣይግበርን ነይሩ፣ ምኽንያቱ እቲ መስማር ብሰንኪ ክብደት ኣካላት እቶም ግዳያት ነቲ ስጋ ቀዲዱ ክወጽእ ይኽእል’ዩ ብዝብል።

ኣዕጽምቲ መንኵብን ምናትን ግን ነቲ መስማር ኣብ ቦታኡ ይሕዙዎ ነይሮም።

እቶም መሳምር ክሳብ 18 ሴንቲ ሜትር ንውሓትን ሓደ ሴንቲ ሜትር ርጉድን ክህልዎም ይኽእል።

እቲ ዝተፈርደ ሰብ ኣብቲ ዝስቀለሉ ዕንጸይቲ ምስ ተተሓሓዘ፡ ኣብቲ ድሮ ኣብ መሬት ተሰዂዑ ዝጸንሕ ቀጥ ዝበለ መስቀሊ ሓፍ ክብል ይግበር።

ኣእጋር፡ ኣብቲ ዕንጸይቲ ክእሰሩ ወይ ብመስማር ክህረሙ ይኽእሉ። እቲ ቃንዛ ክሕሰብ ዘይክእል እዩ ነይሩ።

ፕሮፌሰር ፔረዝ፡ "ብዙሓት መትንታት ክትንከፉ ይኽእሉ’ዮም፤ ምትንፋስ ንኽትቅጽል ኣእጋርካ ከም ዕጽፍ ከተብሎም ትግደድ” ይብል። በዚ ምኽንያት “ብዙሕ ደም ይፈስስ፤ ማእለያ ዘይብሎ ቃንዛ'ሎ፤ ከምኡ እንተዘይገይርካ ድማ ተዓቢስካ ክትመውት ይግበር።”

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላትካ ምስ ተሃስዩ ቀስ ኢልካ ክትመውት ይግበር ነበረ።

ግዳያት ብሰንኪ ስንባደ ዝፈጠረ ምጕዳል ደምን ምውሓድ ደምን ምጕዳል መጠን ማይን (ሃይፖቮለሚያ) ከም ዘጋጠሞም እትገልጽ ዶክተር ሲሊየርስ፡ እዚ ብሰንኪ ምጕዳል ስርዓተ ምስትንፋስ ዝፍጠር ምፍሳስ ደም ከም ዝመጽእን ምናልባት ግን ብቐንዱ ብሰንኪ ማህሰይቲ ኣካላት ስርዓተ ምስትንፋስ ክኸውን ከም ዝኽእልን ሓቢራ።

ብዙሓት ክኣ ብሰንኪ ማዕበስቲ ሞይቶም።

ስቓይ ሰዓታትን መዓልታትን

ካብቲ ዝኸፍአ ጭካነ እቲ ቅትለት ዝገደደ ድማ፡ ብዙሓት ካብቶም ብስቕለት ዝቕጽዑ ሰባት ንኽሞቱ መዓልታት ዝወስደሎም ምዃኑ’ዩ።

ገሊኦም፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ - ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ንሽዱሽተ ሰዓታት ከም ዝጸንሐ ይንገር።

"ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቶም ወተሃደራት ሞት እቲ ግዳይ ንምቅልጣፍ ብርኩ ወቒዖም እግሩ ክስበር ምግባር እዩ። በዚ መንገዲ'ዚ፡ እቶም ዝተፈርዱ ኣብ ኣእጋሮም ዝርከቡ ጭዋዳታት ተጠቒሞም ከተንፍሱ ስለ ዘይክእሉ፡ ቀልጢፎም ይሞቱ” ክብል ፕሮፌሰር ፔረዝ የረድእ።

ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ፡ የሱስ ድሮ ሞይቱ ስለ ዝነበረ ወተሃደራት ሮማ ነዚ ስጕምትታት ምስቶም ኣብ ጐድኒ የሱስ ዝተሰቕሉ ክልተ ገበነኛታት ተጠቒሞምሉ።

ወሲኹ፡ “የሱስ ኣቐዲሙ ቍርጽራጽ ብረትን በሊሕ ኣዕጽምትን ብዘለዎ በትሪ ብመግረፍቲ ተሃሪሙ ነይሩ’ዩ፤ ብሰንኩ ብዙሕ ደም ስኢኑ ነይሩ። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ በቲ መግረፍቲ ጥራይ ዝሞቱ ሰባት ነይሮም’ዮም፡” ኢሉ እቲ ምሁር።

'ዝኸፍኡ ጸላእቲ'

ስቕለት ነቶም ዝተወገዙ “ንኸቃልዕን ከዋርድን” ብዝብል ይትግበር ከም ዝነበረ ፕሮፌሰር ፔረዝ ይዛረብ።

“ሮማውያን ተመሳሳሊ ገበን ዝፍጽም ሰብ ክርእዩ ከም ዘይደልዩ ብንጹር ንምግላጽ ብዝብል፡ ነቶም ዝኸፍኡ ጸላእቲ ዝተሓዝአ ሞት እዩ ነይሩ።”

እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ባሮትን ወጻእተኛታትን ይትግበር ነበረ፣ ኣዝዩ ሳሕቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሮማውያን።

“ስቕለት ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ምስ ክሕደት፡ ወተሃደራዊ ናዕቢ፡ ግብረሽበራን ገለ ገበናትን ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ናብ ምፍሳስ ደም ዘምርሕ ነይሩ።”

በዚ ምኽንያት፡ የሱስ ከም ዝተሰቕለ እቲ ምሁር ይገልጽ።

“ግን ንዕኡ ከም ሓደጋ ምርኣዮም ኣዝዩ ዘገርም'ዩ። እቶም ዓለም ክትቅየር ዘይደለዩ ክቕተል ጥራይ ኣይኰኑን ዝወሰኑ፤ [መልእኽቱ] ክቕጽል ከም ዘይብሉ ብንጹር ክገልጹ እውን እዮም ፈቲኖም።”

ምውጋድ ስቕለት

ሮማዊ ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ቀዳማይ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፡ ስቕለት ከም ዝውገድ ገይሩ።

ድሕሪኡ፡ ናይ መጀመርታ ክርስትና ዝተቐበለ ሮማዊ ሃጸይ ኰነ።

ነቲ ሃይማኖት ሕጋዊ ብምግባር፡ ሰዓብቱ ካብ ባህላውያን ሃይማኖታት ዝሰኣንዎ ሓለፋታት ክረኽቡ ገበረ፤ እዚ ድማ ንግዝኣት ሮማ ክርስትያን ናብ ምግባር ኣምሪሑ።

ይዅን እምበር እቲ መቕጻዕቲ ሕጂ’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት ተግባራዊ ይኸውን ይህሉ’ዩ።

ብ1597 ኣብ ጃፓን 26 ሚስዮናውያን ተሰቒሎም’ዮም፤ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ክርስትያናት ስግኣት ዝፈጠረ ኰይኑ።

ይዅን እምበር፡ መስቀል መግለጺ ሕሉፍ ጭካነ'ኳ እንተነበረ፡ ንክርስትያን ብስም ፍቕሪ ዝተኸፍለ መስዋእቲ እዩ ዝውክል።