መጀመርታ ህጻናት ከምዝሞቱ’ዩ ተገይሩ - ፓስተር

ኣብ ኬንያ ብሰንኪ እቲ ፍጻመ-ዓለም በጺሑ’ሎ ዝብል ክርስትያናዊ ኣምልኾ፡ ህጻናት ቅድሚ ኹሉ ብጥሜት ክሞቱ ዒላማ ከም ዝተገብሩ ሓድሽ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

መርመርቲ ፖሊስ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ካብ ዝርከብ ጫካ 201 ሬሳታት ፍሒሮም ከም ዘውጽኡ ይግለጽ።

ናይቲ ቤተ-ኣምልኾ ምክትል ሰባኺ ነበር ቲቶስ ካታና፡ ህጻናት መጀመርታ ከም ዝቕተሉ ንኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።

"ቐልጢፎም ንኽሞቱ ኣብ ጸሓይ ክጾሙ" ከም ዝተኣዘዙ እውን ገሊጹ።

ንሱ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ቀጺሎም ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ መደብ ተወጢኑ ከም ዝነበረ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብ መርመራ ንፖሊስ ዝሕግዝ ዘሎ እቲ ፓስተር ንሳንደይ ታይምስ’ውን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ህጻናት ንሓሙሽተ መዓልታት ብዘይ መግቢን ማይን ኣብ ጎጆታት ተዓጽዮም ከም ዝጸንሑ ብምግላጽ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ህጻናት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።

"ድሕሪኡ ብኮቦርታ ጠቕሊሎም ቀቢሮምዎም፡ እንተላይ እቶም ገና ዘስተንፍሱ ዝነበሩ" ከም ዝበለ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

እቶም ሰዓብቲ እቲ ኣምልኾ ብጥሜት እንተሞይቶም ቀልጢፎም ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣትዉ ምዃኖም ከም ዝተነግሮም ይግለጽ።

ኣብቶም ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ከተማ ማሊንዲ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ሕርሻ ሻካሆላ ዝተረኸቡ ገለ ሬሳታት ዝተገብረ ወግዓዊ መርመራ፡ ምልክታት ጥምየት፡ ምዕፋንን መግረፍትን ኣርእዩ’ዩ።

ኣባላት ናይቲ ብፓስተር ፖል ማከንዚ ዝምራሕ ዝበሃል ናይ ጥፍኣት ኣምልኾ ምዃኖም ዝንገረሎም ልዕሊ 600 ሰባት ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይተረኽበን።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ዝርከብ ፓስተር ማከንዚ፡ እታ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ዓለምለኻዊ ወንጌላዊ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከም ዝዓጸዋ ይገልጽ።

ቢቢሲ ግን ክሳብ ሕጂ ብኢንተርነት ዝቐርቡ ኣማኢት ስብከታቱ ኣቃሊዑ ነይሩ፡ ገለ ካብዚኦም ድሕሪ እዚ ዝተጠቐሰ ዕለት ዝተቐረጹ ይመስሉ።

ፓስተር ማከንዚ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን ኬንያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ንሰዓብቱ ንነብሶም ከጥምዩ ከም ዘየገደዶም ገሊጹ ነይሩ።

ይኹን’ምበር እቲ ፓስተር፡ "ካብ ኣምላኽ ራዕይ" ድሕሪ ምቕባሉ፡ ሰይጣናዊ እዩ ብምባል ኣንጻር ትምህርቲ ከም ዝሰበኸ ቲቶስ ካታና ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ገሊጹ።

ቲቶስ፡ ካብቲ ናይ ጥፍኣት ኣምልኾ ክወጽእ ዝደረኾ ምኽንያት ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ ፓስተር ማኬንዚ ዝሰብኮ ትምህርቲ ኣዝዩ "ዘደንጹ" እናዀነ ብምምጽኡ ካብቲ ኣምልኾ ንኽወጽእ ከም ዝደረኾ ተዛሪቡ።

ፓስተር ማከንዚ፡ ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ናብ ሕክምና ከይኸዳን ደቀን ከየኸትባን’ውን ኣተባቢዑ እዩ።

መብዛሕትኡ ስብከት ፓስተር ማከንዚ፡ ምስ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ዝፍጸሙ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢታት ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ እታ ቤተክርስትያን ዝተዘርገሐ ትሕዝቶ፡ ብዛዕባ ፍጻመ ዓለም፡ መጻኢ ጥፍኣትን ሳይንስ ዘስዕቦ ሓደጋታትን ዝገልጽ ጽሑፋት'ውን የጠቓልል።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ዙርያ ዓለም ናብ ዝርከቡ ዝለዓሉ ስልጣናት ዝኣተወ 'ኩሉ ዝኽእል ሰይጣናዊ ሓይሊ' እውን ብተደጋጋሚ የጠንቅቕ።