ንየሱስ ክረኽቡ ክሳዕ ሞት ዝጠምዩ፡ ‘በዓልቲ ቤተይን ሽዱሽተ ደቀይን ስኢነ’

ፓስተር ማከንዚ መራሒ እታ ‘ጉድ ኒውስ ኢንተርናሽናል ቸርች’ እትበሃል ኣብ ኬንያ እትርከብ ቤተ ክርስትያን እዩ።

ንሱ፡ ዓለም ኣብ ሰነ 2023 ክጠፍእያ ይብል።

በዓልቲ ቤቱ ሰዓቢት እቲ ፓስተር ምንባራ ዝገልጽ ስቲቨን ምዊቲ፡ ንትምህርቱ ትኣምኖ ኔራ ይብል።

ስቲቨን፡ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ሽዱሽተ ደቆም ብጥሜት ከም ዝሞተት ርግጸኛ እዩ።

እቲ ማንዳዚ ወይ ዝተጠበሰ ሕብስቲ ብምሻጥ መነባብሮኡ ዝመርሕ ወዲ 45 ዓመት ሰብኣይ፡ በዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን ዘርኢ ስእሊ እናዘርገሐ ዝረኣዮም ሰብ እንተሃልዩ ይሓተት።

በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ካብ እትጠፍእ ኣትሒዙ፡ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ እትርከብ ከተማ ማሊንዲ ብተደጋጋሚ ከምዚ ክገብር’ዩ ጸኒሑ።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኣባላት ቤተክርስትያን ፓስተር ማከንዚ ንገዛእ ርእሶም ዝገለሉሉ ጫካ ሻካሆላ እውን ክደልዮም ጸኒሑ እዩ።

በዓልቲ ቤቱ ባሃቲ ጆኣን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓሙሽተ ደቆም ሒዛ ክትከይድ ከላ ነፍሰጾር እያ ነይራ። ድሒሩ ስቲቨን ወዲ ከም ዝወለደት ፈሊጡ፡ እቲ ሓዱሽ ዝተወልደ ዕሸል እውን ሞይቱ።

ባሃቲ ጆኣን፡ ካብ 2015 ጀሚራ እምንቲ ሰዓቢት ፓስተር ማከንዚ እያ፤ ኣብ 2021 ንፈለማ እዋን ናብ ሻካሆላ ከይዳ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን በጺሓ ትምለስ ነይራ።

ስቲቨን፡ ብዙሕ ግዜ ንፖሊስ ኣጠንቂቑ ነይሩ፤ ብውልቁ ከድሕኖም ዝገበሮም ፈተነታት እውን ፈሺሎም። ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ደቁ ከም ዝሞቱ፡ ሃዲሞም ብፖሊስ ኬንያ ካብ ዝተተሓዙ ህጻናት ፈሊጡ።

"ኣብቶም ስእልታት ኣለልየሞም። ኣስማቶምን ያቆብን ሊልያንን ኣበይ ከም ዝተቐብሩን ይፈልጡ ነይሮም" ክብል ንብዓቱ ክቆጻጸር እናተቓለሰ ተዛሪቡ።

"ደቀይ ዳግማይ ክደሊ ክፍትን ከም ዘይብለይ ተነጊሩኒ። ኩሎም ሞይቶም እዮም፤ ደንጉየ።"

ኣብቲ ጫካ ከም ዝተቐበሩ’ኳ እንተኣመነ፡ ሬሳኦም ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸበን።

ሻካሆላ ብቋንቋ ስዋሂሊ ዳርጋ "ጭንቀት ዝጠፍኣሉ ቦታ" ዝብል ትርጉም ይህብ። ፓስተር ማከንዚ ኣስታት 324 ሄክታር ናይቲ ጫካ ከም ዝውንን ይንገር።

እሾኽን ቈጥቋጥን ዝበዝሖ ስለዝዀነ ናብ ሻካሆላ ዝግበር ጉዕዞ ኣጸጋሚ’ዩ። ዳርጋ ምሉእ ዓመት ሓያል ዋዒ ዘለዎ ኰይኑ ሓሓሊፎም ድማ ሓራምዝ ይረኣዩ’ዮም።

ናብ ውሽጢ ጫካ ብዝኣተኻ መጠን ምስ ዓለም ዘሎ ርክብ ዝያዳ እናተቛረጸ ይኸይድ። ሞባይልን ኢንተርኔትን ኣይሰርሕን።

ግን እታ ሓዳስ ቅድስቲ ምድሪ ኣብዚ ቦታ እያ ተመስሪታ።

እቲ ከባቢ ብቁሸታት ዝተኸፋፈለ ኰይኑ ነፍሲ ወከፍ ቁሸት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣስማት ዝተወሃቦ እዩ።

ገለ ሰዓብቲ ፓስተር ማከንዚ፡ ኣብ ይሁዳ፡ ቤተልሔምን ናዝሬትን ዝተበሃሉ ቦታታት ይነብሩ ነይሮም።

ስቲቨንስ፡ "በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ኣብ ኢየሩሳሌም ከም ዝነብሩን ኣብኡ ከም ዝሞቱን ፈሊጠ" ይብል። ሰበስልጣን ካብ ምልክት ዝተገብረሎም መቓብራት ሬሳታት ክኹዕቱ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዙ ግን ናብኡ ኣይከደን።

ኣብቲ ጫካ፡ መርመርቲ ኣብ መጀመርታ 65 ሰባት ዝተቐብረሉ ቦታታት ኣብ ካርታ ኣስፊሮም ነይሮም። ነፍሲ ወከፎም ሓያሎ ዕምቖት ዘይብሎም መቓብራት ኰይኖም ሬሳታት ንሕድሕዶም ተቐራሪቦም ተጠርኒፎም ነይሮም።

'ቀዳሞት ዝሞቱ ቆልዑ እዮም'

እቶም ነቲ ሬሳታት ዝዅዕቱ ሰባት፡ ብዘይ ክብሪ ዝተቐብሩ ሰባት ምርኣይ ከም ዘሰክፎም ይዛረቡ።

ዛጊት 110 ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ'ኳ እንተሃለወ፡ ዝያዳ ክፋል እቲ ጫካ ኣብ ዝፍተሸሉ ዘሎ እዋን ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከም ዝኽእል ስግኣት ኣሎ።

ገና መርመራ ሬሳ ክካየድ ዘለዎ’ኳ እንተዀነ ፖሊስን ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ግዝኣትን ግን ካብ ብጥሜት ብተወሳኺ ገለ ኣባላት ተሓኒቖም፡ ተዓፊኖም ወይ ብኽቢ ነገራት ተሃሪሞም ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረቡ።

ኣባላት እታ ዓለምለኻዊት ቤተ ክርስቲያን ነበር፡ ኣስተምህሮታ ንምኽባር ክጠምዩ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ይገልጹ።

ሓደ ካብዚኦም ቲቶስ ካታና ካብቲ ቦታ ክሃድም ክኢሉ እዩ፤ ንሱ፡ እቶም ካብቲ ኣምልኾ ክወጹ ዝፈተኑ ሰባት ከዳዓት ከም ዝተበሃሉን ንከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝተቓልዑን ይገልጽ።

ብተወሳኺ ሰባት ክሞቱሉ ዝግበኦም መስርዕ ወይ ተራ ከም ዝነበረ’ውን ይሕብር።

"ቀዳሞት ዝሞቱ ቆልዑ እዮም። ድሕሪ እቶም ቆልዑ፡ ዘይተመርዓዉ እዮም ዝሞቱ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርዕ ኣዴታትን ኣረጋውያንን ይርከቡ።"

ኣብ መወዳእታ ክሞቱ ዝግብኦም መራሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያን እዮም።

ቲቶስ ካታና፡ በታ ቤተክርስትያን ክምሰጥ ዝኸኣለ፡ ፓስተር ማከንዚ "ዝማርኽን ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቝ ዝሰብኽን" ይመስሎ ስለዝነበረ ምዃኑ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ "ማከንዚ ንሰዓብቱ'ውን መሬት ይሸይጥ ነይሩ። እዚ ስሒቡኒ። 6 ሄክታር ገዚአ። ስብከቱ ስግንጢር ምዃኑ ምስ ረኣኹ ግን ክወጽእ ወሲነ" ይብል።

ስቲቨን፡ ዕሸል ወዱ ሓንሳብ ጥራይ ጡብ ኣደኡ ከምዝጠበወ ምስምዑ ይገልጽ። ብድሕሪኡ ተዓፊኑ ሞይቱ።

"ወደይ ምስ ተቐትለ፡ እቶም ኣባላት ኣምልኾ ኣብ ክንዲ ዝሓዝኑ፡ ዓሪጉ ምስ የሱስ ተራኺቡ ኢሎም ከም ዘጣቕዑን ሓጎሶም ከም ዝገለጹን ሰሚዐ" ይብል።

ቢቢሲ፡ ኣብቶም ፓስተር ማከንዚ ብቪድዮ ዝሃቦ ስብከታት ዘካየዶ ትንተና፡ እቲ ፓስተር ብቐጥታ ንሰባት ክጾሙ ክእዝዝ ኣየርእይን፡ እንተዀነ ግን ሰዓብቲ ኣኽቢሮም ከም ዝሕዝዎ፡ እንተላይ ህይወቶም ሓዊሱ መስዋእቲ ከም ዝገብሩ ዝገልጹ ብዙሕ መወከሲታት ኣለዉ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀይሕ መስቀል ኬንያ፡ ምስ ቤተክርስትያን ፓስተር ማከንዚ ገለ ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሎም ዝሕሰቡ 227 ህጻናት ዝርከብዎም 410 ሰባት ሃለዋቶም ከም ከም ዝጠፍአ ሓቢሩ።

ኣዝማዶም ሕጂ ኣብ ማሊንዲ ኣብ ዙርያ ሆስፒታልን መደበር ፖሊስን፡ ዜና ዝፈትውዎም ሰባት ክሰምዑ ይጽበዩ ኣለዉ።

ሓደ ካብኣቶም ፓትሪክ ንጉምባው እዩ።

'ኣደይ ንክትወጽእ ከእምና ኣይከኣልኩን'

ኣደ ፓትሪክ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጠፊኣ ኣብ ሻካሆላ ክደልያ ከይዱ ነይሩ፤ ሽዑ ዋላ እኳ እንተረኸባ ንኽትወጽእ ግን ከእምና ኣይከኣለን።

"ገዛ ክትከይድ ትፈቅድ እንተዀይና ሓቲተያ። ንሓደ ተልእኾ ኣብኡ ከም ዘላ ነጊራትኒ፡ ማለት ምስ የሱስ ንምርካብ" ይብል ምስ ኣማኢት ሰባት ብዛዕባ ኣዝማዶም ሓበሬታ ክሰምዑ ዝጽበ ዘሎ ፓትሪክ።

"ድሮ ኣዴና ዝሰኣንና ኰይኑ ስለዝተሰምዓኒ ኣብ 2021 ኣዝየ ሓዚነ ካብ ሻካሆላ ተመሊሰ።"

ካብ መላእ ሃገር፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ታንዛንያን ዩጋንዳን ከምኡ'ውን ካብ ናይጀርያን ዝመጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ማሊንዲ ሃለዋት ኣዝማዶም ክፈልጡ ተኣኪቦም ይርከቡ።

ክርስቲን ንያንቻማ፡ ካብታ ዳርጋ 800 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ንያሚራ እያ ናብ ማሊንዲ መጺኣ - ንሓፍታ፡ ሓማታን ካልኦት ሽዱሽተ ኣዝማዳን ክትደሊ።

ክልተ ደቂ ሓፍታ ድሮ ሞይቶም ተረኺቦም ኣለዉ። ንሳ ግን እቶም ካልኦት ብህይወት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ኢላ ትሓስብ።

"ሓፍተይ ኣብ ዝሃለወት ትሃሉ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ ቅድሚ ምሟታ ሓገዝ የድልያ። ድሮ 22 መዓልታት ከም ዝጸወመት ይርዳኣኒ'ዩ" ትብል ነቲ ሓፍታ ኣብ መወዳእታ ዝለኣኸትላ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ብምጥቃስ።

ፓስተር ማከንዚ ብኢንተርነትን ኣብ ቲቪን ዝሃቦ ትምህርቲ፡ ስግንጢር መልእኽትታት ዘሕልፍ ይመስል። ካልእ ነገራት ሓዊሱ ኣንጻር ወግዓዊ ትምህርትን ዘመናዊ ሕክምናን ይሰብኽ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ነታ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓጸዋ እኳ እንተገለጸ፡ ገሊኡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ስብከታቱ ግን ድሕሪ’ቲ ዕለት ዝተቐረጹ ይመስሉ።

ገለ ካብቶም እሙናት ሰዓብቱ፡ ምስክር ወረቐት ትምህርቶም ቀዲዶም፡ ስርሖም ገዲፎምን ደቆም ከይኽተቡ ኣብዮምን እዮም።

ዶክተር ሱዛን ጊታው ዝተባህለት ናይ ምኽሪ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ፡ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲን ሓደ ብሉጽ ኣባል ፖሊስን ዝርከብዎም መብዛሕትኦም ሰዓብቲ ፓስተር ማከንዚ ምጽንናዕ፡ ተስፋ፡ ሓይልን ደገፍን ይደልዩ ከም ዝነበሩ ትኣምን።

ፓስተር ማከንዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሻካሆላ ክልተ ህጻናት ሞይቶም ምስ ተረኽቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ንሱን ወለዶምን፡ ነቶም ቆልዑ ኣብቲ ጫካ ቅድሚ ምቕባሮም ኣጥሚዮምን ዓፊኖምዎምን ብዝብል ተኸሲሶም።

ይኹን እምበር መርትዖ ብዘይምህላዉ ተፈቲሖም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ መሊሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ቅትለት፡ ኣኽራርነትን ድሕነት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ምእታውን ግን ርእይቶ ኣይሃበን።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ መርማሪ ኮሚሽን ከቕውም ቃል ኣትዩ’ኳ እንተነበረ፡ ሰበስልጣን ባዕሎም ግን ከበድቲ ሕቶታት የጋጥሞም ኣሎ። እንተወሓደ ገለ ነገር ይፍጸም ከምዘሎ ንኽፈልጡ ስለምንታይ ነዊሕ ከም ዝወሰደሎም ዝሓቱ ሰባት ኣለዉ።

"ሰበስልጣን ነዚ ዘየስተብሃሉሉ ምኽንያት የለን" ይብል ፈጻሚ ዳይረክተር ሃኪ ኣፍሪቃ ሑሴን ካሊድ፤ ሃኪ ኣፍሪቃ ብዛዕባ እቲ ሞት ዘስዓበ ኵነታት ዘጠንቀቐ ጉጅለ እዩ።

"ነፍሲ ወከፍ ግዳይ ፍትሒ ከም ዝረክብ ከነረጋግጽ ንደሊ።"

ስቲቨን፡ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ንመንግስቲ፡ ፖሊስን ኣብ ማሊንዲ ዝርከቡ ምምሕዳራት ከባቢን ይወቅስ።

"ድሮ ወዲ 45 ዓመት እየ። ሞይቶም ኣብ ዝሰማዕኩላ ደቒቕ፡ ኣነ'ውን ከም ዝሞትኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ይብል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ደቁ ንምልላይ ክሕግዝ ይኽእሉ እዩ ብዝብል ተስፋ ንሰበስልጣን ቅምሶ ዲኤንኤ ሂብዎም ኣሎ። ሽዑ ጥራይ እዩ ኣብ ሓዘን ክቕመጥ ዝኽእል።

ዳሕረዎት ምዕባለታት

መራሒ ታክሲ ነበር ፓስተር ፖል ማከንዚ ንቴንገ፡ ፈለማ ክእሰር ከሎ መርትዖ ብዘይምህላዉ ተፈቲሖ’ኳ እንተነበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መሊሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ። ሰዓብቱ ብጥሜት ክሞቱ ብምትብባዕ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ’ዩ።

ብዓልቲ ቤት ፓስተር ማከንዚ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ትርከብ። ንሰሙናት ሃዲማ ዝጸንሐት ሮዳ ማዌው፡ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ምትዋፓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።

ሮዳ ማዌው ምስ ኤቨርላይን ንዱኩ ሙኤማ ዝተበሃለት ሓፍታ እያ ተታሒዛ።

ንሳ በደል ከምዝፈጸመት እኳ እንተገለጸ፡ ዋሕስ ግን ተኸልኪላ እያ።

ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ ሮዳ ማዌው ኣብቲ ሞት ልዕሊ 100 ሰባት ዘስዓበ ጉዳይ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ፖሊስ ይሕብር። ንሳ’ውን ምስ በዓል ቤታ ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ትጽቢት ይግበር።

ካልእ ፓስተር ህዝቅኤል ኦዴሮ ብቕትለትን ነብሰ ቅትለት ምሕጋዝን ሓዊሱ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ብሰኑይ፡ ዋና ክኢላ ሕማም ኬንያ፡ ናይ መጀመርታ መርመራ ሬሳ ግዳያት - ትሽዓተ ህጻናትን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን - ጠንቂ ሞቶም ጥሜት ምዃኑን ኣብ ክልተ ድማ ሕጽረት ምስትንፋስ ከምዘመልክትን ገሊጹ።