እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጨው ኣብ ኣካላትና እንታይ’ዩ ዝገብር?
ጨው ኣብ እንምገቦ መግቢ ምስ እንውስኾ ዝሓሸ ጣዕሚ ክህልዎ ይሕግዝ። ንህይወት ወዲ ሰብ እውን ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ጨው ዘሎ ሶድየም ኣብ ኣካላትና እኹል መጠን ማይ ክዕቀብ ኣብ ምግባር ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ዋህዮታት’ውን ንመኣዛታት ክወስዱ ይሕግዞም።
ቢቢሲ መደብ ‘ዘ ፉድ ቸይን’ ጨው ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘለዎ ኣገዳሲ ተራን ክንደይ ዝኣክል መጠን ጨውከ እዩ ልዕሊ ዓቐን ዝበሃል ዳህሲሱ’ሎ።
ኣገዳስነት ጨው
ኣብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ ፕሮፌሰር ስነ-ኣመጋግባ ዝዀነ ፖል ብሬስሊን፡ “ጨው ንህይወት ኣድላዪ እዩ” ይብል።
“ጨው ብፍላይ ነቶም ኤሌክትሪካዊ ንጥፈት (electrically active cells) ዘለዎም ዋህዮታት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኸኣ ንዅሎም ኒውሮናትና፣ ሓንጎልና፣ ዓንዲ ሕቖናን ጭዋዳታትናን የጠቓልል። ምስ ቆርበትን ዓጽምን ዝተሓሓዝ ባእታ’ውን’ዩ” ይብል ወሲኹ።
ፕሮፌሰር ብሬስሊን እኹል ሶድየም እንተዘይብልና ከምእንመውት የጠንቅቕ።
ሕጽረት ሶድየም፡ ሃይፐነትሪምያ (hyponatremia) የስዕብ። እዚ ድማ ደንገርገር፣ ሓራቕነት፣ ተምላስ፣ ምንፍርፋር ከምኡ’ውን ናብ ውነ-ኣልቦነት (ኮማ) ምእታው ከስዕብ ዝኽእል ኩነታት ጥዕና የምጽእ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ክልተ ግራም ሶድየም ዝሓዘ ሓሙሽተ ግራም ጨው መዓልታዊ ክወስዱ ይመክር። እዚ ብግምት ምስ ሓደ ማንካ ሻሂ ማዕረ እዩ።
እቲ ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእከላይ ኣጠቓቕማ ግን ዳርጋ 11 ግራም እዩ። እዚ ድማ ሓደጋታት ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን፡ መንሽሮ ከስዐ፤ ምውህላል ስብሒ፤ ምህማነ-ዓጽምን ሕማም ኩሊትን ክውስኽ ክገብር ይኽእል።
ኣብ ዓመት ብሰንኪ ምጥቃም ልዕሊ ዓቐን ጨው 1.89 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ይግምት።
ውሳነ እታ ስድራ
ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ልዕሊ ዓቐን ምውሳድ ጨው፡ ኣብ ዝተመስርሑ መግብታት ብዝተሓብአ መጠን እዩ ዝድረኽ።
ግን እቲ ምኽንያታት ታሪኻዊ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካዛኪስታን ዝርከቡ ህዝብታት ኣብ መዓልቲ ኣስታት 17 ግራም ጨው ይወስዱ። እዚ ድማ ካብቲ ዝምከር መጠን ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ እዩ።
ማርያም ኣብ ኣስታና ርእሰ ከተማ ካዛኪስታን እያ እትነብር።
"እዚ ዝኸውን ዘሎ ብሰንኪ ውርሻና'ዩ" ትብል።
ንነዊሕ ዘመናት ዝጸንሐን ዘሎን ስጋ ብጨው ጌርካ ክዕቀብ (ከይተበላሸወ ክጸንሕ) ናይ ምግባር ተሞክሮ ከምዘለዎም ትዛረብ።
"ስድራቤታት ንክረምቲ ዝኸውን መግቢ ክኽዝኑ ኣለዎም። ምሉእ ብዕራይ፣ በጊዕ ወይ ፍርቂ ፈረስ ከይተረፈ ክዕቅቡ ይኽእሉ እዮም" ክትብል ተረድእ።
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ጓላ ንማርያም ገለ ጸገማት ጥዕና የጋጥማ። ሽዑ ሓኪም ልዑል መጠን ሽኮር፣ ስብሕን ጨውን ዘለዎም መግብታት ክተጕድል ምዒድዋ። ካብኡ ንደሓር ምሉእ ስድራ ኣብ መግቦም ጨው ምውሳኽ ደው ኣቢሎም።
“ንጽባሒቱ ነቲ ሓድሽ ኣመጋግባ ምስ ጀመርናዮ ዘጽልእ ጣዕሚ እዩ ኰይኑና። ነቲ መግቢ ክትበልዖ ትፍትን ግን ከኣ ኣይትቕበሎን” ትብል ነቲ ዝሓለፍዎ ብምዝካር።
እቲ ጽልኢ ጨው ንዘይብሉ መግቢ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። ስድራቤት ማርያም ናብራ ጨው ምስ ዘይብሉ መግቢ ለመዱ።
ኣካላትና ንጨው ዝህቦ ግብረ-መልሲ
ጨው ዘለዎ መግቢ ክንምገብ ከለና በቲ ኣብ መልሓስና ዘሎ ጣዕሚ ዘለሊ ኣካልን ኣብ ጎሮሮ ዝርከብ ልስሉስ ህዋስ ምስትምቓርን እዩ ዝፍለጥ።
ፕሮፌሰር ብሬስሊን “ጨው ንኣካላትናን ኣእምሮናን ኤለክትሪካዊ ንቕሓት’ዩ ዝፍንወሎም” ይብል።
ጨው ንሓሳባትን ስምዒታትን ዘበራብሩ ኤሌክትሪካዊ መልእኽቲታት የመሓላልፍ። በዚ ከኣ ኣካልናን ኣእምሮናን ንጡፋት ይዀኑ።
ብዙሕ ዝበሃል መጠን ጨው . . .
ጽልዋ መጠን ጨው፡ ኣብ ጀነቲካዊ ኣቃውማ ኣካላት ዝዀነ ውልቀሰብ’ዩ ዝምርኮስ።
ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ብጸቕጢ ደም ይሳቐዩ። ኣጠቓቕማ ጨው ምንካይ ከኣ ነዚ ጸገም ጥዕና ንምክልኻልን ንምሕካምን ክሕግዝ ይኽእል።
ኣብ ኣውስትራልያ ዩኒቨርሲቲ ኒውካስል ፕሮፌሰር ስነ-መኣዛን ስነ-ኣመጋግባን ክሌር ኮሊንስ “ጨው ምስ ዝበዝሐ፡ ኣካላትና ብቐዳምነት ዝፍጽሞ ነገር እንተሃወ እቲ ጨው ክሓቅቕ ምግባር እዩ። ኣካላትና ማይ ይዕቅብ’ዩ፤ ስለዚ ነቲ ዝህሉ ሕልፊ ፈሳሲ ንምንቅስቓስ ጸቕጢ ደምና ይውስኽ” ክትብል ትገልጽ።
እዚ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ትዛረብ።
“ኣብ ሰራውር ደም ሓንጎል ድኽመት እንተሃልዩካ ምብታኽ ኣጋጢሙ ወቕዒ ከስዕብ ይኽእል’ዩ” ክትብል ተረድእ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ማእከላይ ኣጠቓቕማ ጨው ኣብ መዓልቲ ናብ ኣስታት ሸሞንተ ግራም ነክዩ’ሎ። እዚ’ውን ግን ካብቲ ዝምከር ሽዱሽተ ግራም ንላዕሊ እዩ። እቲ ምንካይ ኣጠቓቕማ ጨው ዝተረኣየ ኣፍረይቲ መግቢ መጠን ጨው ክቕንሱ ዘገድድ ሕግታት ግብራዊ ስለዝኾነ እዩ።
መርመራ ሽንቲ፡ እቲ ኣብ ኣካላትና ዘሎ መጠን ጨው ብዙሕ ወይ ውሑድ ምዃኑ ክንፈልጥ ዘኽእል ሓደ መገዲ እዩ።
ኣብ ኣመጋግባና ዘሎ ጨው ንምግማት ንመግብና ኣብ ዳያሪ ምምዝጋብ ወይ ኣብ መግቢ ንዘሎ ትሕዝቶ ሶድየም ዝግምግም መተግበሪ (ኣፕሊኬሽን) ምጥቃም ንኽእል ኢና። ክልቲኦም ኣገባባት ፍጹም ከምዘይኮኑ እትሕብር ክሌር ኮሊንስ ሓገዝቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግን ትገልጽ።
ጨው ንምንካይ ዝሕግዙ መገድታት
እንጥቀሞ መጠን ጨው ዋላ ልዑል እንተኾይኑ’ውን ምቑራጽ ቀሊል ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ኣስታና-ካዛኪስታን እትነብር ማርያም ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ ሃገራ ዘሎ ሃገራዊ መግቢ ‘በሽባርማክ’ [ዝበሰለ ስጋ ምስ ፓስታ] ብምቅዋም ኣብ ምቅላስ ትርከብ። ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዳ እውን ሓደጋታቱ እናፈለጡ’ውን መጠን ጨው ኮጉድሉ ሕጉሳት ኣይኰኑን።
ፕሮፌሰር ኮሊንስ ባኒ ወይ ፓስታ ወይ ካልእ ክንመርጽ ከለና ነቲ ዝወሓደ ትሕዝቶ ጨው ዘለዎ መግቢ ክንመርጽ ትላቦ።
“መግቢ ባዕልትኹም ትሰርሑ እንተኾይንኩም ኣብ ክንዲ ጨው ኣትክልትን ቀመማትን ወስኹሉ” ትብል።