ብሓገዝ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ዝተኸሸነ መግቢ ምቁር’ዶ ይኸውን?

ሰብ-ሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ)፡ ወነንቲ ቤት መግቢ ጥዑም ሓደስቲ ኣማራጺ መግቢታት ብምቕራብ ዓማዊል ንክስሕቡ ክሕግዞም'ዶ ይኸውን ወይ ገለ መዓት ከስዕብ ይኽአል?

"[ህቡብ ሰብ-ሰርሖ ቻትቦት ወይ ቻትጂፒቲ] ኣብ ዱባይ ንዝበለጸ ፒዛ ዝኸውን መምርሒ ኣሰራርሓ መግቢ ክፈጥር ሓቲትናዮ" ይብል ስፓርታክ ኣሩቲዩንያን።

ንሱ፡ ኣብታ ከተማ ናይ ዝርከብ ጨንፈር ቤት መግቢ ዶዶ ፒዛ ሓላፊ ምድላው መግቢ እዩ።

"ንዝሃብናዮ መምርሒ ድማ ፈጢርዎ። ምስ ፈተንናዮ ብሓቂ ዓቢ ውጽኢት ነይርዎ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሜኑ (ዝርዝር መግቢ) ኣሎ" ይብል።

ዱባይ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ነበርቲ ኣለዋ፤ 90 ሚእታዊት ካብኣቶም መጻእተኛታት ብምዃኖም፡ "ኣብዚ ብዙሕ ባህልታት ኣሎ። ህንዳውያን፡ ፓኪስታናውያን፡ ፊሊፒናውያን፡ ዓረብ ሰባት፡ ኤውሮጳውያን" ክብል'ውን ይውስኽ።

ነቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ድማ ኣብታ ከተማ ንዘሎ ባህላዊ ምትሕውዋስ ዝውክል ፒዛ ክፈጥር እዩ ሓቲትዎ።

እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝሃቦ ምላሽ ደርሆ ሻዋርማ - ዓረብ፡ ዝተጠብሰ ፎርማጆ - ህንዲ፡ ዛዓታር ቀመማት - ማእከላይ ምብራቕን ካብ ስምስም ዝስራሕ ስጎ - ታሂኒን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ዓማዊል ዶዶ ፒዛ ድማ ክመንውዎ ከምዘይክእሉ ይግለጽ።

"ከም ሼፍ መጠን፡ ነዞም ቀመማት ኣብ ፒዛ ፈጺመ ኣይምሓዋወስክዎምን። እንተዀነ ግን፡ እቲ ምትሕውዋስ መኣዛታት ብዘገርም መልክዑ ጽቡቕ እዩ ኰይኑ" ክብል ኣሩቲዩንያን ነቲ ውጽኢት ይገልጽ።

እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ከም ስትሮቤሪን ፓስታን፡ ብሉቤሪን ናይ ቁርሲ ጥራምረን ብምግባር ካልኦት ዓይነታት ፒዛ ፈጢሩ’ኳ እንተነበረ፡ ናብ ዕዳጋ ግን ኣይቀረበን።

ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ኣመሪካ-ዳላስ ኣብ ዝርከብ ቬልቨት ታኮ ዳይረክተር መግቢ ዝዀነት ቬነስያ ዊሊስ ተመሳሳሊ ፈተነ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተሓገዘ ምድላው መግቢ ኣካይዳ።

ብዛዕባ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ "ብሓቂ ክትፈልጥ" ተሃንጥያ ስለዝነበረት፡ ‘ታኮ’ ዝተብሃለ ባህላዊ መግቢ ሜክሲኮ ክምህዝ ሓቲታቶ።

እቲ ውጽኢት ግን ካብቲ ዝድለ ዝተሓተ እዩ ነይሩ።

"ገለ ዘይተለምዱ ውህደታት ነይሮም። ቀይሕ ህሩድ፡ ኮኮናት፣ ቱፉሕን ኣናናስን ብሓባር ጥዑማት ክኾኑ ድዮም ኣይኮንኩን ብሓቂ ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ትብል ዊሊስ።

ካብቶም እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዘዳለዎም መምርሒታት ግን ነቶም ዝያዳ ተስፋ ዘለዎም ዝመስሉ ሰለስተ መግብታት ኣዳልያ።

ኣብ መወዳእታ ካብ ጋምበሪን ቢስቴካን ዝተዳለወ ታኮ ንዕዳጋ ክቐርብ መሪጻ። ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ 22 ሽሕ ታኮ ተሸይጡ።

“ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ቁሩብ ኣብ ፈጠራ ክትደክም ከለኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ዓቢ መሳርሒ ይመስለኒ፤ ምናልባት ዘይሓሰብክዎ ነገር ክሕብረኒ ይኽእል እዩ

“ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ምሉእ ብምሉእ ንበይኑ ኣይምተጠቐምኩሉን። ኣሰራርሓ መግቢ ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ሰብኣዊ ባእታ ክህሉ ኣለዎ” ኢላ።

ኵሉ ኣብ ንግዲ መግቢ ዝነጥፍ ሰብ ግን ነቲ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝተሓገዘ ምድላው መግቢ ምሉእ ብምለሉ ኣይተቐበሎን።

ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ኣዋሃዲ ኮክቴል ጁልያን ደ ፌራል፡ እቲ 'ኤኣይ' ኣብ ምርጫታቱ ምስትውዓል ስለዘይብሉ ካብኡ ክርሕቕ ከምዝመርጽ ይዛረብ።

ኣብ ሲያትል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ፕሮፌሰር ስነ-ቋንቋ ኤሚሊ ቤንደር፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ "ኣስማታዊ ኣይኰነን" ክትብል ተጠንቅቕ።

እኳ ደኣስ እቲ 'ኤኣይ' ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ዘለዉ ሓበሬታተት ኣኻኺቡ ከምዝተማህረ ትዛረብ።

ወሲኻ ድማ፡ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ዝጸንሑ ኣሰራርሓታት መግቢ ዝሕብሩ ጸሓፍቲ ነቲ ሓበሬታ ክወስድ ተኽእሎ ከምዘሎ ተረድእ።

ይኹን’ምበር፡ ፕሮፌሰር ቤንደር ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዝተራቐቐ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ኣብ ምምሃዝ ኣሰራርሓ መግቢ ሓጋዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ትኣምን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰንሰለት ሱፐርማርኬታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ዋይትሮስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣንፈታት መግቢ ንምዕዛብ፡ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ እናተጠቐመ ይርከብ።

ገለ ካብዚኦም ድማ ‘ስማሽ በርገር’ ከምኡ’ውን ‘ክሩኪስ’ ዝኣመሰሉ መግብታት ይርከብዎም።

"ስማሽ በርገር ኣብ መላእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ክኸውን ርኢና" ትብል ሊዚ ሄይውድ ኣካያዲት ምህዞታት ዋይትሮስ።

ኣብ ሲንጋፖር፡ ኢጣልያዊ ስቴፋኖ ካንቱ ብቻትጂፒቲ ዝሰርሕ መተግበሪ ሞባይል (ኣፕ) ምሂዙ።

እዚ ኣፕ ኣብ ገዛኹም ዘለዉ ትሕዝቶተት (እታወታት) ምስ ትነግርዎ፡ እንታይ ዓይነት መምርሒ ኣሰራርሓ መግቢ ከምዘድልየኩም ሓሳብ ዝህብ እዩ።

ስቴፋኖ ካንቱ፡ እቲ ኣፕ ብቻትጂፒቲ ከምዝሰርሕ ኣብ ግምት ብምእታው “ሼፍጂፒቲ” ኢሉ ሰመይዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ሓደ ተጠቃሚ ኣብ ክሽነኡ ዘለዎም መሳርሒታት ክገልጽ ወይ ድማ እንተተሃዊኹ ወይ ኣዝዩ ንፉዕ ኣሰላፊ እንተዘይኰይኑ፡ ቅልል ዝበሉ ሜንዩታት ክጥቁም ይኽእል’ዩ። ብድሕሪኡ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ መምርሒ ኣሰራርሓን ስእሊ እቲ መግቢን የቕርብ።

ካንቱ፡ እቲ ኣፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክጅምር እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሰሙንን ፈረቓን 30 ሽሕ ተጠቀምቲ ከምዝረኸበ ይዛረብ።

ድሕሪኡ ግን ካብቲ ብድሕሪ ቻትጂፒቲ ዘሎ “ኦፕንኤኣይ” ዝበሃል ኩባንያ ልዑል ክፍሊት ከምዝተሓተተ ይገልጽ።

ሕጂ እውን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንምጥቃም ንኦፕንኤኣይ ስሩዕ ክፍሊት ምኽፋሉ ይቕጽል ኣሎ።