እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቸኮላታ ጠንቂ ፈጸጋ ክኸውን ይኽእል’ዶ?
ቸኮላታ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ልክዕ ከም ካልኦት ምቍራት መግቢታት ጠንቂ ፈጸጋ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ። ግን ከኣ እዚ መደምደምታ ግጉይ ይመስል።
ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ገጽና ነጠብጣብ ከም ዝፈጥር ክግለጽ’ዩ ጸኒሑ፤ እዚ ግን ሓቂ ድዩ?
ኣብ 1960ታት ሓያሎ መጽናዕትታት ኣብ መንጐ ቸኮላታን ፈጸጋን ዘሎ ርክብ ዳህሲሶም ነይሮም። እቲ ዝዓበየ መጽናዕቲ 65 ተሳተፍቲ ጥራይ ዘሳተፈ ኰይኑ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ዝዀነ ዝምድና ከምዘይረኸበ ይሕብር። ግን ድማ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ኣካይዳኡ ጕድለታት ነይርዎ እናተበሃለ እዩ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝንቀፍ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበሩ መጽናዕትታት፡ ኣብ መንጐ ኣመጋግባን ፈጸጋን ብዙሕ ምትእስሳር ክህሉ ከምዝኽእል ይሕብሩ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ልዑል ስብሒ፡ ሽኮርን ጸባን ዘለዎ ኣመጋግባ ምዕራባውያን።
ፈጸጋ፡ ኣብ ቆርበት ዝርከቡ ጸጕሪ ዝቕልቀለሎም ነዃላት ብቅብኣትን ዝሞቱ ዋህዮታት ቆርበትን ተዓቢሶም ነጠብጣባት ከም ዝፍጠሩ ዝገብር ልሙድ ኵነታት ቆርበት እዩ።
ካብ ግርዝውናን ብጽሕናን ዝመጽእ ከቢድ ወይ ቀጻሊ ፈጸጋ መብዛሕትኡ ግዜ ብጀነቲካዊ (ውርሻ) ዝመጽእ ምዃኑ ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ሓኪም ቆርበትን መምህርን በይበይ ዱ-ሃርፑር ትዛረብ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ጂናትና ንዓቐን ናይቲ ዘይቲ ዘፍሪ ጽኪታት ቆርበትና ስለዝውስን እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኣባጽሕ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጠር ፈጸጋ እናወሰኸ ይመጽእ'ኳ እንተሃለወ፡ ከም መንቀሊ ዝጥቀስ ሓደ ንጽል ምኽንያት ከምዘየለ ግን ዱ-ሃርፑር ትገልጽ። ግን ከኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝገጥሙና ገለ ከባብያዊ ረቛሒታት እጃም ክህልዎም ከምዝኽእል ትጠቅስ።
"ብሓፈሻ ኣነባብራና ንኣካላት ወዲ ሰብ ዝምችእ ኣይኰነን። ምናልባት'ውን ፈጸጋ ናይዚ መግለጺ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።
ፈጸጋ ልዑል መጠን ሽኮርን ስብሕን ዘለዎ ኣመጋግባ ምዕራባውያን ሓዊሱ ምስ ዘመናዊ ኣነባብራ ብዝተሓሓዝ ከም ዝጋደድ ተመራመር መጽናታዊ ክትዕ ኣልዒሎም ነይሮም።
እንተዀነ ኣብ መንጐ ጥዕና፡ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማማት፡ ኣመጋግባ፡ ቍጥዐ ሰብነት፡ ጸቕጥን ከባቢያዊ ተቓላዕነትን ዘሎ ምትእስሳር ዝያዳ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ወሲኾም ገሊጾም።
እቶም መበገሲታት ከም ጭንቀት፣ ሰብነትና ኣንጻር ረኽሲታት ዝገብሮ ቃልሲ ወይ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓሓዙ ስምዒታት ዝበሉ ኵነታት እውን ከጠቓልሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ለንደን ሆስፒታል ጋይን ሴንት ቶማስ ሓኪም ቆርበትን ወሃቢት ቃል ፋውንዴሽን ቆርበት ብሪጣንያን ዘይነብ ላፍታህ ትዛረብ።
ቸኮላታ ፈጸጋ ከስዕብ ይኽእል’ዶ?
እዚ ምቁር ነገር ቅድሚ 60 ዓመታት ከም መንቀሊ ፈጸጋ ተራእዩ መጽናዕቲታት'ኳ እንተተገበረሉ፡ ኣብዚ እዋን እውን ብዙሓት ሰባት ከም ሓደ ምኽንያት ይቘጽርዎ። ዶክተር ላፍታ ኣብ ክሊኒካ ካብ እትርእየን 10 ሕሙማት እተን ኣስታት ትሽዓተ፡ ፈጸጋአን ንምጥፋእ ካብ ኣመጋግባአን እንታይ ዓይነት መግቢታት ክኣልያ ከም ዘለወን ይሓታ።
ቸኮላታ ድማ ሓደ ካብቶም ብቐንዱ ዘልዕሉላ ጉዳይ እዩ።
"ገለ ግጉይ ኣረኣእያ ከምኡ’ውን ንእሽቶ ሓቂ ኣሎ" ትብል።
እቲ ቀንዲ ረቛሒ ጀነቲካዊ ዝንባለ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባ ዝዀነ ሰብ ዘለዉ ዝተወሰኑ ባእታታት ግን ነድሪ ከለዓዕሉ ከምዝኽእሉ እታ ዶክተር ትዛረብ።
ገለ ተመራመርቲ፡ ኣየኖት ቀመማት ችኮላታ ምስ ፈጸጋ ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንምፍላጥ ንነብሲወከፍ ባእታታት ችኮላታ ክምርምሩ ፈቲኖም ነይሮም። ግን ከኣ እቶም መጽናዕትታት መደምደምታ ንምሃብ ዘይበቕዑን ውሑዳትን እዮም።
ኣብ 2011 ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ 100 ሚእታዊት ጸሊም ችኮላታ (ዳርክ ቸኮሌት) ኣብ ፈጸጋ ዘለዎ ጽልዋ መርሚሩ ነይሩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ቸኮላታ ካብ ትሕዝቶ ሽኮሩ ነጻ ኮይኑ ተጸኒዑ ማለት’ዩ። ቸኮላታ ምውሳድ ምስ ዝጋደድ ፈጸጋ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዘረድእ ውጽኢት ድማ ረኺቦም። እቲ መጽናዕቲ ግን ኣብ 10 ተሳተፍቲ ጥራይ ዝተመስረተ እዩ ነይሩ።
ኵነታት ወይ ደረጃ ‘ግላይሰሚክ ኢንዴክስ (ጂኣይ) ነቲ ኣብ መንጐ ፈጸጋን ኣመጋግባን ዘሎ ምትእስሳር ከም ምኽንያት ክጥቀስ ዝክእል ሓደ ጉዳይ እዩ።
‘ግላይሰሚክ ኢንዴክስ’ (ጂኣይ) ዝዀነ መግቢ ምስተመገብናዮ ኣብ ኣካላትና ንመጠን ሽኮር ደም ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ክብ ከብሎ ከም ዝኽእል ዘመልክት እዩ። ብዙሓት መጽናዕትታት ኣብ መንጐልዑል ጂኣይ ዘለዎም ከም ፍረታት፡ ባኒን ፓስታን ዝበሉ መግብታትን ምልክታት ፈጸጋን ምትእስሳር ከምዘሎ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ልዑል ጂኣይ ዘለዎም መግቢታት ንፈጸጋ ከጋድዱ ዝኽእሉሉ ምኽንያት ኣብ ኣካላትና ምውሳኽ መጠን ኢንሱሊን ስለዘስዕቡን እዚ ድማ ንነድሪ ስለ ዝድርኽን ከምዝዀነ እትገልጽ ዶክተር ላፍታህ፡ እዚ ከኣ ንመጠን ስብሒ ኣብ ቆርበትና ስለዝውስኽ ምዕባስ ነዃላት ከምዘስዕብ ተረድእ።
ይዅን እምበር፡ ቸኮላታ ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ ዝበሃል ‘ግላይሰሚክ ኢንዴክስ’ (ጂኣይ) ከምዘለዎ ሓቢራ።
ካልኦት ብዙሓት መጽናዕትታት እውን ኣብ መንጐ ፈጸጋን ልዑል ስብሒን ሽኮርን ዘለዎም መግብታት ምብላዕን ምትእስሳር ከምዘሎ ይሕብሩ። ኣብ 2020 ዝተሓትመ ብዓይነቱ ዝዓበየ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 24 ሽሕ ሰባት ዳህሳስ ኣካይዱ ነይሩ። ሽዑ እቶም ተመራመርቲ፡ ኣመጋግባ ምዕራባውያን ኣብ ፈጸጋ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣለልዮም።
ሓደ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ደሴታት ፓፑዋ ኒው ጊኒ ፈጸጋ ዝረኣየሉ ኵነታት ከምዘይተዓዘበ ይገልጽ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ብሰንኪ ትሑት ‘ግላይሰሚክ ኢንዴክስ’ (ጂኣይ) ዘለዎ ኣመጋግባኦም ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ይድምድሙ።
ኣብ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ኦስናብሩክ ፕሮፌሰር ሕክምና ቆርበትን ላዕለዋይ መምህርን ቦዶ መልኒክ "ኣብ መንጐ ፈጸጋን ከም ሕማም ሽኮርን ስብሕን ዝበሉ ካልኦት ምዕራባውያን ሕማማትን ብዙሕ ዝምድናታት ኣሎ" ይብል።
ኣብ 2015 ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ዝተጻረዩ ካርቦሃይድሬት (መብዛሕትኡ ግዜ ልዑል ጂኣይ ዘለዎም)፡ ጸባን ስብሕን ፈጸጋ ከም ዘጋድዱ ይምጕት።
ስለዚ፡ ቸኮላታ ንባዕሉ ፈጸጋ ኣየስዕብን ማለት ድዩ?
ቸኮላታ ብርግጽ ብዙሕ ጽዑቕ ስብሒ ኣለዎ። ብዙሕ ሽኮር ድማ ክሕዝ ይኽእል። ይዅን እምበር ኣብቲ እትበልዖ ዓይነት ቸኮላታ እውን ክምርኮስ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ልዑል ሚእታዊት ዘለዎ ጸሊም ቸኮላታ ትሑት መጠን ሽኮር ስለዘለዎ።
ጸሊም ቸኮላታ ምብላዕ’ውን ገለ ናይ ቆርበት ረብሓታት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ልዑል ካሎሪ - ትሑት መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣመጋግባ ኣብ መላእ ኣካላትና ትሑት ደረጃ ዘለዎ ነድሪ (ቁጠዐ) ክፍጠር ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል'ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሓደ ድሮ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ተቓላዓይ ዝዀነ ሰብ ጥራይ ከም ፈጸጋ ኰይኑ ክመጽእ ይኽእል'ዩ ትብል ዱ-ሃርፑር።
ብሓፈሻ፡ ልዑል መጠን ፍረታትን ኣሕምልትን ከምኡ’ውን ብኣንቲ-ኦክሲዳንት [ኣንጻር ምራተ ዝሕግዝ መኣዛ] ዝሃብተሙ ኣመጋግባታት ንጥዕና ቆርበትና ኣገደስቲ ምዃኖም ትዛረብ።
"ኣካልትና ብውህደት እዩ ዝሰርሕ። ስለዚ ንልቢ፡ መዓንጣን ሓንጎልን ጽቡቕ ዝዀኑ ነገራት ንቆርበት'ውን ጽቡቓት እዮም" ትብል ዱ-ሃርፑር።