‘ቀልቀል በዓል ቤተይ ካብ ሕማመይ ፈዊሱኒ’

ብማይን ጨውን ዝተበጽበጸ ቀልቀል ብምውሳድ ካብ ሕማምኩም ክትፍወሱ ኢኹም እንተትበሃሉ እንታይ ምበልኩም?

እዚ ጽሑፍ እዚ ንገለ ሰባት ጽቡቕ ስምዒት ዘይህቡ ምስልታትን መግለጺታትን ዝሓዘ እዩ።

__________________

ካትሪን ዳፍ፡ ኣብ ሚያዝያ 2012 ብኣዝዩ ከቢድ ቃንዛ ከብዲ፡ ረስኒ፡ ውጽኣትን ተምላስን ትሳቐ ነይራ።

እዛ ኣብ ግዝኣት ኢንዲያና ትነብር ኣመሪካዊት ሕማማ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ገዛኣ ክትዓጽው ተገዲዳ።

56 ዓመት ዝዕድመኣ ካትሪን ካብዚ ሕማም ክፍውሰኪ’ዩ እንተተባሂላ ዝዀነ ይዅን ነገር ክትፍትን ድልውቲ’ያ ነይራ።

እቲ ንሳ ዘጋጠማ ሕማም፡ ‘ክሎስትሪድየም ዲፊሲል’ (Clostridium difficile) ዝበሃል ኰይኑ ብልምዲ ሲ.ዲፍ (C. diff) ብዝብል ይጽዋዕ።

ኣብቲ እዋን እዚ ሕማም ከጋጥማ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ንሻድሻይ ግዜ እዩ ነይሩ።

"ሓኪም መጥባሕቲ መዓንጣ፡ 'እቲ ዝቐለለ ነገር ታሕተዋይ ኣካል ዓቢይ መዓንጣኺ ክወጽእ ምግባር ጥራይ'ዩ' ኢሉኒ። ኣነ ግን 'ዝቐለለ ንመን?' ክብል ሓቲተ" ትብል።

ስድራቤታ ዓቢይ መዓንጣኣ ክትስእን ብዝብል ሓሳብ ሰንቢዶም፤ ስለዚ ኣብ ኢንተርነት ካልእ ኣማራጺ ሕክምናታት ክእልሹ ጀሚሮም።

ሓደ ካብቶም ዝረኸብዎም ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ቶማስ ቦሮዲ ዝበሃል ዶክተር ዝገልጽ እዩ ነይሩ። እዚ ዶክተር ዘይተለምደ ኣገባብ ተጠቒሙ ንሕማም ሲ.ዲፍ ከምዝሕክም እቲ ጽሑፍ ይጠቅስ።

እዚ ዘይተለመድ ኣገባብ ድማ መስርሕ ዝውውር ቀልቀል (faecal transplant) እዩ ነይሩ።

እቲ ኣገባብ ካብ ለጋሲ ዝተረኸበ ቀልቀል ጥዑያት ባክተርያ (ማይክሮባዮታ) ብምውሳድ ናብ መዓንጣ እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስግጋር የጠቓልል።

ዳፍ ነቲ ብዛዕባ ቦሮዲ ዝምልከት ጽሑፍ ንኣማኻሪ ተላባዒ ሕማማትን ከምኡ’ውን ንናይ ከስዐን መጥባሕቲ መዓንጣን ሓካይማ ኣርእያቶም።

ኵሎም ግን ነቲ ኣገባብ ክፍትኑ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

እታ ንምሕዋይ ዝዀነ ይዅን ነገር ክትፍትን ድልውቲ ዝነበረት ዳፍ፡ ነቲ ሕክምና ቀልቀል በዓል ቤታ ተጠቒማ ክትፍትን ወሲና።

ሽዑ እቲ ሓኪም ከስዐ፡ ካብ ሕማም ነጻ ምዃኑ ንምርግጋጽ ቅምሶ ቀልቀል በዓል ቤታ ክምርምር ተሰማሚዑ።

ውጽኢቱ እቲ ቀልቀል ጥዑይ ምዃኑ ተነጊርዋ።

በዓል ቤታ ጆን ሓኪም ኣይኰነን፤ ጥሮተኛ ኣዛዚ ሳብማሪን ስለዝዀነ ግን ዳፍ ነቲ ኣገባብ ክፍጽም ብቑዕ ከምዝዀነ ቆጺራቶ።

ጆን ኣብ ኢንተርነት ዝረኸብዎ መምርሒታት ብትግሃት ተኸቲሉ፡ ጓንቲ ገይሩ ንዳፍ ክሕግዝ ተዳልዩ።

እቲ ፈላማይ ንጥፈት ቀልቀል ምውፋይ እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ እቲ ቀልቀል ኣብ መጥሓን (መጽሞቒ) ኣእትዩ ምስ ጨው ዘለዎ ማይ ሓዋዊስዎ።

ካብኡ ብኤነማ (ናብ ማሃንቱስ ፈሳሲ ዘእቱ ስሪንጋ) ገይሩ እቲ ቀልቀል ናብ ማሃንቱስ ዳፍ ኣእትይዎ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ቀልቀል ዝበጽበጸሉ መጥሓን (መጽሞቒ) ደርብይዎ።

ዳፍ ነቲ ናብ ኣካላታ ዝኣተወ ፈሳሲ ተመሊሱ ከይወጽእ ኣእጋራ ንላዕሊ ሰቒላ ብሕቘኣ ደቂሳ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ናብ ሽቓቕ ክትከይድ ኣድልይዋ።

ንሳን በዓል ቤታን ነቲ መስርሕ ድሕሪ ቀትሪ እዮም ጀሚሮምዎ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ዳፍ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዝሓወየት ኰይኑ ተሰሚዕዋ።

"ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ቃል ብቓሉ ይመውት እየ ነይረ" ትብል። "ኵሊተይ እናፈሸለ ይኸይድ ነይሩ - በቃ ይመውት ነይረ።"

ብሰንኪ ክሎስትሪድየም ዲፊሲል ዝሞቱ ሰባት ብዙሓት እዮም። ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ኣብ ዓመት 14 ሽሕ ከምዝኸውን ኣሃዝ ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት የመልክቱ።

ጠንቂ እቲ ሕማም ዋላ እኳ ጸረ-ነፍሳት እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ዝሓመሙ ሰባት ዝያዳ ጸረ-ነፍሳት ብምውሳድ እዮም ዝፍወሱ። ኣብ ገለ ሰባት ግን እቲ ሕማም ከምቲ ንካትሪን ዳፍ ዘጋጠማ፡ መድሃኒት ወሲዶም ድሕሪ ምሕዋዮም ነዊሕ ከይጸንሐ ይምለስ’ዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ድማ መስርሕ ዝውውር ቀልቀል (faecal transplant) እቲ ዝሓሸ ሕክምና ምዃኑ ተቐባልነት እናረኸበ ይመጽእ ኣሎ።

ክሎስትሪድየም ዲፊሲል እንታይ’ዩ?

ኣስታት 50 ሚእታዊት ቀልቀል ደቂ ሰባት ባክተርያ እዩ።

ካብዚኦም መብዛሕትኦም ኣብ ምሕቃቕ መግቢ ዝሕግዙ ወይ ዘይጐድኡ እዮም።

ይዅን እምበር፡ ንገለ ሕማማት ዝውሰድ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት፡ ንብዙሓት ካብቶም ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ጥዑያት ባክተርያታት ክቐትሎም ይኽእል እዩ።

ነዚ ስዒቡ እቶም ክሎስትሪድየም ዲፊሲል (C. diff) ዝበሃሉ ሕማቕ ባክተርያታት ዓብላልነት ይረኽቡ።

እዚ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምውሳድ ምስ ተጀመረ ካብ 5 ክሳዕ 10 ኣብ ዘለዉ መዓልታት ምልክታት ክረኣዩ ይጅምሩ። ይዅን’ምበር ሓደ ሓደ ግዜ ቀልጢፎም ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ወይ’ውን ጸኒሖም ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ክረኣዩ ዝኽእልሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።

ካብ ቀሊል ክሳብ ማእከላይ ረኽሲ ከጋጥም እንከሎ፡ እቶም ዝበዝሑ ምልክታት፡ ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ዝጸንሕ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ወይ ልዕሊኡ ማይ ዝመስል ውጽኣት፡ ቅልል ዝበለ ቅርጸትን ቃንዛን የጠቓልሉ።

ከቢድ ረኽሲ እንተዀይኑ ግን እቶም ዝሓመሙ ሰባት ኣብ መዓልቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ግዜ ማይ ዝመስል ውጽኣት ስለ ዝህልዎም ካብ መጠን ንላዕሊ ፈሳሲ ኣካላት ክስእኑ ይኽእሉ እዮም።

ካልኦት ምልክታት ድማ ስእነት ሸውሃት፡ ምጕዳል ክብደት ሰብነት፡ ረስኒ፡ ዕግርግር ምባል፡ ሓያል ቅርጸትን ቃንዛን፡ ቅልጡፍ ህርመት ልቢ፡ ሕበጥ ከብዲ፡ ምውሳኽ ቁጽሪ ጽዓዱ ዋህዮታት ደም፡ ፍሽለት ኩሊት፡ ደም ዝሓወሰ ቀልቀል ይርከብዎም።

ኣብ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባትን ኣብቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎምን፡ ረኽሲ ሲ.ዲፍ ከቢድ ዋላ እውን ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መስርሕ ዝውውር ቀልቀል

መስርሕ ዝውውር ቀልቀል ካብ ሓደ ጥዑይ ለጋሲ ቀልቀል ተወሲዱ ናብ ስርዓተ ከስዐ ናይ ሓደ ዝሓመመሰ ሰብ ክኣቱ ዝግበር ኣገባብ’ዩ።

እቲ ኣገባብ፡ ኣብ መዓንጣ ናይቲ ዝሓመመ ሰብ ጥዑያት ባክተርያ ክውስኹ ብምግባር ክሎስትሪድየም ዲፊሲል ወይ ሲ.ዲፍ ዝበሃል ረኽሲ ንምቍጽጻር ይኽእል።

መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ መስርሕ ዝውውር ቀልቀል ኣብ ታሕተዋይ መዓንጣ ዝርከቡ ጥዑያት ባክተርያታት ከም ዝውስኹ ብምግባር፡ ረኽሲ ሲ.ዲፍ ዳግማይ ከየጋጥም ክሕግዝ ይኽእል።