ሕማም ምንፍርፋር፡ ውጽኢት ሕማቕ ስነ-ምግባር፡ ዘይፍወስን ተላባዒን ድዩ?

ምምራሕ መኪና፡ ዕድል ትምህርቲ፡ ፍሉይ ሞያ፡ ተበጻሕነት መድሕን ጥዕናን ህይወትን ብሓፈሻ ህይወት ደቂ ሰባት ዝጸልዉ ዝተፈላለዩ ኵነታት ኣለዉ።

ሓደ ካብዞም ኵነታት ሕማም ምንፍርፋር እዩ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዛዕባ ሕማም ምንፍርፋር ንዘመናት ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብሰንኪ ሕማም ምንፍርፋር ሓዳር ክፈርስ ዝፈቅድ ሕጊ ዘለወን ሃገራት ኣለዋ።

እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ናብ ቤት መግቢ፡ ትያትር፡ መዘናግዒ ማእከላትን ካልኦት ህዝባዊ ህንጻታትን ከይኣትዉ ዝኽልክሉ ሕጊታት እውን ኣለዉ።

ሕማም ምንፍርፋር ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዘይመሓላልፍ ሕዱር ሕማም ሓንጎል ኰይኑ ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ንብዙሓት ሰባት ዝጸልዉ ሕማማት ስነ-ኣእምሮ እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎም ኣስታት 50 ሚልዮን ሰባት ኣለዉ።

ካብዚኦም ዳርጋ 80 ሚእታዊት ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ይርከቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2022 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝርገሐ ሕማም ምምንፍርፋር ካብ 100 ሽሕ ህዝቢ ኣብ 64 ከምዝዀነ ይጠቅስ። እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ኣስታት ብሕማም ምምንፍርፋር ዝሳቐዩ ኣስታት 80 ሽሕ ሰባት ከምዘለዉ የመልክት።

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣስታት 70 ሚእታዊት ካብቶም ምስ ሕማም ምንፍርፋር ዝነብሩ ሰባት ግቡእ ሕክምና እንተረኺቦም ካብ ወቕዒ ወይ ምንፍርፋር ነጻ ኰይኖም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ይኹን’ምበር ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም፡ ምስ ሕማም ምንፍርፋር ዝነብሩ ሰባትን ስድራቤቶምን ብጸለመን ኣድልዎን እናተሳቐዩ ይርከቡ።

ብፍላይ ካብቶም ኣብ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ዝነብሩ ኣስታት 75 ሚእታዊት ግቡእ ሕክምና ኣይረኽቡን።

ናይዚ ምኽንያት ብዛዕባ’ቲ ሕማም ዘሎ ንቕሓትን ርድኢትን ትሑት ስለዝዀነ እዩ።

ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ትሑት ጸጋታት ዘለወን ሃገራት፡ ሰባት ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ዘለዎም ርድኢት ብሰፊሑ ጌጋ ይመስል።

ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎ ብዙሕ ሸነኽ ጽልዋታት ንምንካይ፡ ሰባት ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ዘለዎም ፍልጠትን ኣረኣእያን ምምሕያሽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ቅልጡፍ ስጕምቲ ህዝባዊ ጥዕና ከምኡ’ውን ፖሊሲ ምትእትታዋትን ይጠልብ።

ሕማም ምንፍርፋር እንታይ እዩ?

ሕማም ምንፍርፋር ኣብ ዝዀነ ዕድመ ንዝርከብ ሰብ ክጸሉን ኣብ ስምዒት፡ ባህሪ ወይ ንቕሓት ለውጢ ከስዕብን ዝኽእልን ኵነታት እዩ።

ሓንጐልና ከም ኵሉ ንጥፈታትና እትቈጻጸር ሓንቲ ሓያል ኮምፕዩተር እንተወሲድናያ፡ ልዕሊ ዓቐን መልእኽቲ ኤሌክትሪክ ምስ ዝፍጠር ኣካላትና ዝተፈላለየ ነገራት ከጋጥሞ ይኽእል ማለት እዩ።

ሕማም ምንፍርፋር ብቐንዱ ብተደጋጋሚ ብዘጋጥም ወቕዒ ይልለ። እዚ ማለት ኣብ ሓንጐል ብዝፍጠር ኤሌክትሪካዊ ፍንጀራ ንጥፈታት ዝመጽእ ኰይኑ ብሰንኪ እዚ ኣብ መስርሕ ሓንጎል ዝርገት ክፈጥር ይኽእል።

ወቕዒ ንሓደ ክፋል ኣካል (ከፊላዊ) ወይ ንመላእ ኣካላት (ሓፈሻዊ) ክጸልው ዝኽእሉ ንሓጸርቲ ክፍለ-ግዜታት ዘጋጥም ዘይፍቓዳዊ ምንቅስቓስ የጠቓልል። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዕውለት ከጋጥምን ሽንቲ ወይ ደገ ናይ ምቍጽጻር ክእለት ክጠፍን ይኽእል።

ሓካይም፡ ሰባት ስለምንታይ ሕማም ምንፍርፋር ከምዘጋጥሞም ዛጊት ብንጹር ክፈልጥዎ ኣይከኣሉን ዘለዉ።

ምናልባት ኣብ ዕሸልነቶም ከቢድ መጕዳእቲ ርእሲ ወይ ከቢድ ረኽሲ ስለዘጋጠሞም ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ካልእ ምኽንያት ድማ እቲ ኵነታት ኣብ ካልኦት ስድራቤቶም ዘሎ እንተዀይኑ ሰባት ብውርሻ እቲ ሕማም ከማዕብሉ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

ይዅን እምበር ሕማም ምንፍርፋር ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ኵነታት ከምዘይኰነ ንጹር እዩ።

እንታይ ምልክታት ኣለዎ?

ኣብ ሕማም ምንፍርፋር ዘጋጥም ወቕዒ ዝተፈላለየ ባህርያት ኣለዎ፤ እዚ ድማ ኣብ ሓንጐል ኣብ ዝጅምረሉ ከባቢን ዝርጋሑን ይምርኮስ።

ኣብ ምንቅስቓስ፡ ስምዒት፡ ወይ ካልእ ናይ ኣእምሮ ስርሓት ዝፍጠር ምዝባዕን ከምኡ’ውን ስእነት ንቕሓት ዝኣመሰሉ ግዝያዊ ምልክታት ኣለዎ።

ጭንቀትን ቅዛነትን ዝርከብዎም ዝለዓለ መጠን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኵነታት ከማዕብሉ’ውን ይኽእሉ እዮም።

ብተወሳኺ ምስዚ ኵነታት ዝነብሩ ሰባት ምስ ወቕዒ ብዝተኣሳሰር ስብራት፡ ቁስለትን ካልኦት መጉዳእቲን ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ጸገማት ዝያዳ ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።

ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎም ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ቅድሚ ግዜኦም ናይ ምማት ተኽእሎኦም ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ዝለዓለ ከምዝዀነ መጽናዕትታት የመልክቱ። ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራትን ከምኡ’ውን ኣብ ገጠራትን ድማ ዝለዓለ መጠን ይርአ።

ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ምስ ሕማም ምንፍርፋር ብዝተኣሳሰር ዘጋጥም ሞት ምክልኻል ከምዝከኣል ክኢላታት ይገልጹ። ምኽንያቱ እዚ ሕማም ኣብ ዘለዎም ሰባት ሞት ዘስዕቡ ቀንዲ ኵነታት ሞት ምውዳቕ፡ ኣብ ማይ ምጥሓል፡ ምቅጻልን ነዊሕ ዝጸንሕ ወቕዒን እዮም።

ምስ ሕማም ምንፍርፋር ምንባር እንታይ ይመስል?

ሓደ ሰብ ሕማም ምንፍርፋር እንተሃልይዎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዝጸንሕ እዩ፤ ኣብ ገለ ሰባት ግን ምስ ግዜ ክመሓየሽ ይኽእል።

ሓደ ሰብ መዓስ ወቕዒ ከምዘጋጥሞ ኵሉ ግዜ ክፈልጥ ስለዘይክእል፡ ከቢድን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ሓደገኛን ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎም መብዛሕትኦም ሰባት ንቡር ህይወቶም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፤ ብፍላይ ነቲ ወቕዒ ብግቡእ እንተተቘጻጺሮም።

እንተወሓደ 40 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ወቕዒ ኣለዉ፤ ብኡ መጠን ኣብ ሰባት ዘሕድርዎ ጽልዋ እውን ዝተፈላለየ እዩ።

ገለ ሰባት እንታይ ከምዝስምዖም ኣብ ምግላጽ ክጽገሙ ይኽእል እዮም፤ ምኽንያቱ ክሳዕ መወዳእታ ወቕዒ የጋጥሞም ከምዘሎ’ኳ ዘይክፈልጡ ስለ ዝኽእሉ እዩ።

ገለ ሰባት ኣብ ኣፎም ዘይተለምደ ጣዕሚ ከምዘጋጥሞም ይዛረቡ፤ ሰብነቶም ይተርር፡ ድሕሪኡ ኣብ መሬት ወዲቘም ምንፍርፋር ይጅምሩ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ወቕዒ ነዊሕ ኣይጸንሕን፤ ንገለ ደቓይቕ ወይ ውሑዳት ካልኢታት ጥራይ እዩ ዝጸንሕ። ግን ሃንደበት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ከከም ዘጋጥመሉ እዋንን ከባቢን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎም ሰባት ዝርአ ጸለመን ኣድልዎን መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ወቕዒ ንባዕሉ ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ።

ምስ ሕማም ምንፍርፋር ዝነብሩ ሰባትን ስድራቤቶምን ዒላማ ጽልኢ ክዀኑ ይኽእሉ። እቲ ሕማም ዘይፍወስ፡ ተላባዒ፡ ወይ ውጽኢት ሕማቕ ባህርያት ስነ-ምግባር ምዃኑ ዝገልጹ ጽውጽዋያት እቶም ሰባት ክግለሉን ሕክምናዊ ፍወሳ ንኸይደልዩን ተስፋ ከቝርጾም ይኽእል።

ሕማም ምንፍርፋር ብመንጽር ድሌታት ክንክን ጥዕናን ብሰንኪ ብኣጋኡ ዘጋጥም ሞት ዝጠፍአ ኣፍራይነትን ኣብ ስድራቤታት ይዅን ኣብታ ሃገር ርኡይ ቍጠባዊ ጽልዋ ከምዘለዎ መርትዖታት ይሕብሩ።

ሕማም ምንፍርፋር ሕክምና ኣለዎ ድዩ?

ኣብ ንእስነቶም እዚ ሕማም ዘጋጠሞም ገለ ሰባት እናዓበዩ ምስ ዝኸዱ እቲ ኵነታት እናነከየ ዝኸደሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።

ኣብ ገለ ሰባት፡ ወቕዒ ንኸየጋጥሞም ዝሕግዝ መድሃኒት ወይ ኣብ ሓንጐል ዝግበር መጥባሕቲ ኣሎ።

ኣዝዩ ፍሉይ ኣመጋግባ ምኽታል እውን ክሕግዝ ከምዝኽእል ሓካይም ይገልጹ።

እቲ ቀንዲ ረቛሒ ግን ወቕዒ ምቍጽጻር ዘሎ ተኽእሎ እዩ። ክሳብ 70 ሚእታዊት ካብቶም ምስ ሕማም ምንፍርፋር ዝነብሩ ሰባት፡ ጸረ-ወቕዒ መድሃኒታት ብግቡእ እንተተጠቒሞም ካብ ወቕዒ ነጻ ኰይኖም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም።

ክሳዕ 2 ዓመት ወቕዒ እንተዘይኣጋጢምዎም እቲ መድሃኒት ከቋርጹ ተኽእሎ ኣሎ፤ እዚ ግን ኣገደስቲ ክሊኒካዊ፡ ማሕበራውን ውልቃውን ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝግበር ውሳነ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ እዋን ሕርሲ እኹል ክንክን ምግባር ብሰንኪ መጉዳእቲ ርእሲ ዝመጽእ ሕማም ምንፍርፋር ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል’ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ እዋን ወቕዒ ምውዳቕ፡ ሓደጋ ትራፊክን መጕዳእቲን ዘጋጥመሉ ተኽእሎታት ምንካይ፡ ነቲ ወቕዒ ስዒቡ ዝመጽእ በሰላ ንምክልኻል ኣድማዒ ሜላ እዩ።

ካልእ ምስ ሕማም ምንፍርፋር ዝተኣሳሰር ወቕዒ ንምንካይ ኣብ ሓደጋ ልብን ስርዓተ ደምን ዘተኮረ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ሽኮርን ስብሕን ንምክልኻል ወይ ንምቍጽጻር ስጕምትታት ምውሳድ፡ ከምኡ’ውን ትምባኾን ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተን ካብ ምውሳድ ምቝጣብ ወቕዒ ከየጋጥም ይሕግዙ እዮም።

ሰባት ወቕዒ ምስ ዘጋጥሞም እንታይ ክንገብር ንኽእል?

ምናልባት ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ሰባት ወቕዒ እንተጋጢምዎም፡ ክኢላታት ኬር (CARE) ብዝብል ዝጽውዑ ስጕምትታት ክንወስድ ይላበው። CARE ዝብል ቃል ምቾት (Comfort)፡ ተግባር (Action)፡ ምጽንዕናዕ (Reassure) ከምኡ’ውን ህጹጽ እዋን (Emergency) ዝብሉ ስጕምትታት ይውክል።

ምቾት፡ ካብ መጕዳእቲ ንምክልኻልን ምቾት ንኽስምዖምን ርእሶም ብሉስሉስ ነገር ምሽፋን።

ተግባር፡ እቲ ወቕዒ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ ምዕዛብ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ጉድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ ነገራት ምእላይ፡ እቲ ሰብ ብኸመይ ምሕጋዝ ከምዝከኣል ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ ሕክምናዊ መለለዪ እንተሃልዩ ምርኣይ።

ምጽንዕናዕ፡ እቲ ወቕዒ ደው ምስ በለ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ክቕመጡ ምግባር፡ ክሳዕ ኵሉ ነገር ዝርድኦም ምስኦም ጸኒሕና ክጸናንዑ ምግባር።

ህጹጽ እዋን፡ ንሕና ክንሕግዞም እንተዘይክኢልና ግን እቲ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ህጹጽ እዋን ይኸውን።

እዚ ማለት፡

  • እቲ ወቕዒ ንልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ እንተቐጺሉ፡
  • እቲ ሰብ ናብ ሕልናኡ እንተዘይተመሊሱ፡
  • እቲ ሰብ ብቐጥታ ካልእ ወቕዒ እንተጋጢምዎ፡
  • እቲ ሰብ ድሕሪ እቲ ወቕዒ ምስትንፋስ እንተተጸጊሙ፡ ወይ እውን
  • እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ወቕዒ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ እንተዀይኑ ህጹጽ ሕክምና ዝረኽበሉ ኵነታት ምምችቻእ ይኸውን።