'ዲጂታላዊ ወልፊ' ኣሎና ዶ? እንታይነቱን መፍትሒኡን

ኣብዚ እዋን’ዚ ዲጂታላዊ ወልፊታት ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ኣይኰነን፤ ብዲጂታላዊ ወልፊ እንተተቐይድና ናበይ ኢና ክነማዕዱ?

ቢቢሲ ምስ ወልፊ ኢንተርነት ብዝተሓሓዝ ኣብ ዘሰናድኦ መደብ ንሰለስተ ሰባት ኣዘራሪቡ’ሎ።

"ካብ ናብ ደገ ምውጻእ ይሓይሽ ነይሩ። ምስ ማማን ባባን ካብ ምዝራብ ይሓይሽ ነይሩ። ስእሊ ካብ ምስኣል እውን ይሓይሽ ነይሩ" ትብል ጓል 19 ዓመት ሶፊያ።

ኣብ ምዕራብ ኦክስፎርድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ ንእሽቶ ክፍሊ ኮፍ ዝበለት ሶፍያ፡ ንዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ምስ ቴክኖሎጂ ዝነበራ ኣዕናዊ ዝምድና ተዘንቱ።

ኣብ ምብራቕ ኤስያ ኣብ ዝርከብ ድኻታት ዝነብሩሉ ከባቢ ዝተወልደት ኰይና ንእሽቶ ቈልዓ ከላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ዝነበሩ ወለዳ ተጸንቢራ። ኣብ ኦክስፎርድሻየር ዘሕለፈቶም ናይ መጀመርታ ዓመታት ጽምዋ ዝመልኦም ምንባሮምን ትጥቀመሎም ዝነበረት ናውቲ ቴክኖሎጂ [ከም ተሌፎን፡ ላፕቶብ፡ ተለቪዥን ዝኣመሰሉ] ከም መሓዙታ ከም ዝስምዓን ትገልጽ።

ንሳ፡ "እንግሊዝኛ ክሳብ ክንድኡ ጽቡቕ ገይረ ኣይተምሃርኩን ነይረ። በይነይን ዝተገለልኩን ነይረ። ኣብቲ እዋን'ቲ ዝደለኽዎ ነገር ክዀነለይ ዝኽእል ንሱ [ቴክኖሎጂ/ዲጂታል] እዩ። ጽምዋ እንተዀይኑኒ ከጸናንዓኒ ይኽእል” ክትብል ተዛሪባ።

ሶፍያ ጓል 15 ዓመት ኰይና ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢታት እንተገደፈት እኳ እቲ ድልየታታት ግን መሊኡ ክጠፍእ ኣይከኣለን።

ንስድራኣ ካብ ድኽነት ናይ ምውጻእ ሕልሚ ብምሓዝ ኣብ መዓልቲ ን16 ሰዓታት ርእሰ-ሓገዝ ትሕዝቶታት ምክትታል ከም ዝጀመረትን፡ ምስ ገንዘብ ምእካብን ርእሰ-ምምሕያሽን ዝተኣሳሰሩ ልዕሊ 10 ሽሕ ቪድዮታት ከም ዝረኣየትን ትዛረብ።

"ርክባተይ ዕንውንው ዝበለ እዩ ነይሩ። ካብ ዕድመ ንእስነተይ ዝዛረቦ ዝኽሪ ዳርጋ የብለይን። ውጽኢት ትምህርተይ ወሪዱ፤ ነብሰ ቅትለት ዝሓስብ ሰብ ነይረ" ትብል።

ሶፍያ ኣብ 2023 ኣብቲ ውሉፋት ኢንተርነትን ቴክኖሎጅን ዝሕገዙሉ ‘ኢንተርነት ኤንድ ቴክኖሎጂ ኣዲክትስ ኣኖኒማስ’ [Internet and Technology Addicts Anonymous (‘ኢታ’ - ITAA)] ዝተበሃለ ትካል 12 ደረጃታት ዘለዎ ሞዴል ዝተመርኮሰ ናይ ምሕዋይ መደብ ሓገዝ ሓቲታ።

ኣብ 2017 ዝተመስረተ እዚ ትካል ንባዕሉ፡ "ንነብሱ-ዝድግፍ ማሕበረሰብ ውልቀሰባት" ኢሉ ይጽውዕ። ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ድማ ብኣካል ብምርኻብን ብኢንተርነትን ይተሓጋገዙ።

ኣብ ከም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ቪድዮ ስትሪሚን፡ ኦንላይን ዜናታት፡ መርበባት ዕርክነት፡ ወሲባዊ ኣሳእል፡ ገይማትን ኣብ ኢንተርነት ዝግበር መጽናዕቲን ዝበሉ ወልፍታት ኣተኲሩ ይሰርሕ።

ኣብ ኦክስፎርድ፡ ሶፍያን ካልኦት ክልተ ኣባላት ‘ኢንተርነት ኤንድ ቴክኖሎጂ ኣዲክትስ ኣኖኒማስ’ ዝዀና ኣቢን ማጊን፡ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ንህይወቶም ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ተመኵሮኦም ይዛረባ።

ኣቢ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወት ምሉእ መዓልትን ለይትን ዘየቋርጽ ወልፊ ኣገልግሎት ስትሪሚን ከም ዝነበራን ምብላዕ ወይ ምድቃስ ከምእትርስዕን ትዝክር።

"እቶም መግቢ ዝሓዙ ቢያቲታት ንሰሙናትን ኣብ ርእሲ ኣብ ርእሲ ክደራረቡ ይኽእሉ ነይሮም" ትብል።

ማጊ ከኣ ኢንተርነት "መሪጻ ዝኣተወቶ ሓሽሽ" ምዃኑ ብምሕባር ጸቕጢ ሓድሽ ስርሓ ኣብ ቪድዮታት ንነዊሕ እዋን ክተጥፍእ ከምዝገበረ ተረድእ።

"ሓደ መዓልቲ ንስራሕ ከይከድኩ ተሪፈ። ናብ ስራሕ ክኸይድ ክዳን ተኸዲነ ካብኡ ግን ናብ ዓራት ተመሊሰ ዩቱብ ክርኢ ጀሚረ። ብሓቂ ኣሰንቢዱኒ፤ ናይ ብሓቂ. . ." ትብል ንተመኵሮኣ ብምዝካር።

ሽዑ ዳግማይ ከምኡ ከምዘይትገብር ንሓላፊኣ ምሒላ ጥሒላ ስርሓ ቀጸለት። ኣብ ዝቐጸለ ሰሙን ግን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ቪድዮታት ስለዝተጸመደት ካብ ስርሓ ተሰናቢታ።

ብሰንኪ እቲ ንኢንተርነት ዘለወን ሓያል ወልፊ ሰለስቲአን ሓገዝ ክረኽባ ይደልያ ነይረን። እንተዀነ ሓካይም፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ፡ ብዛዕባ ጸቕጥን ወልፊ ኢንተርነትን ዝተገበሩ መጽናዕቲታት ካብቲ ዘለዋሉ ኵነታት ዘድሕንን ክዀኑ ኣይከኣሉን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦርንማውዝ ፕሮፌሰር ስነልቦና ጆን ማካላኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ወልፊ ኢንተርነት ዝብል ሓሳብ "ዳርጋ ከም ኢንተርነት ባዕሉ ነዊሕ ዓመታት ዘቝጸረ እዩ” ብምባል ግን ድማ "ኣድማሳዊ፡ ንዅሉ ዘሰማምዕ ትርጕም" ከምዘይብሉ ገሊጹ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንሰባት ኣየናይ ዓይነት ዲጂታላዊ ወልፊ ከምዘለዎም ብልክዕ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ፤ እንተዀነ መብዛሕትኦም ሓካይም ይዅኑ ሓካይም ስነ-ልቦናን ስነ-ኣእምሮን ዝዀነ ሰብ ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ጸገም ኣለዎ’ዶ የብሉን ዝብል ምፍላይ ኣይመጸገን" ይብል።

ዲጂታላዊ ወልፊታት ልክዕ ከምቲ ካብ 2022 ጀሚሩ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝረኸበ ጸገም ወልፊ ገይም፡ ብኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ (ኤንኤችኤስ) ወይ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ኣይተወሃቦን።

ኣብ ኦክስፎርድ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኢንተርነት፡ ንባህርያት ደቂ ሰባትን ቴክኖሎጅን ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ኣንድሪው ፕርዚቢልስኪ፡ ኣካላት ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ክንዲ ሓድሽ መጽናዕቲ "ዲጂታላዊ ወልፊ" ዝፈጥሩ፡ ነቲ ድሕረ-ኣገዳዲ ባህርያት ዘሎ ምኽንያታት ክሕክሙ ምርኣይ ከምዝብህግ ይዛረብ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ዝኾነ ፕሪዮሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጐ 2020ን 2023ን ኣብ ዝነበረ እዋን ብዛዕባ ወልፍታት ገይም፡ ኢንተርነት ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ቁማርን ወሲባዊ ቪድዮታትን ብዝምልከት ዝቐርበሎም ሕቶታት ሓገዝ ሕክምና ልዕሊ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ኣመልኪቱ’ሎ።

ሶፍያ፡ ኣቢን ማጊን ኵለን ኣብዚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ሕውየት ዝርከባ ኰይነን፡ ብኢንተርነትን ብኣካልን ዝርከባሎም መድረኻት ‘ኢንተርነት ኤንድ ቴክኖሎጂ ኣዲክትስ ኣኖኒመስ’ [Internet and Technology Addicts Anonymous (‘ኢታ’ - ITAA)] ዝተበሃለ ትካል ህይወት ዝቕይሩ ከምዝነበሩ ይዛረባ።

"በቃ ኣብቲ ነካይዶ ኣኼባታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝየ ክበኪ ይዝከረኒ" ትብል ኣቢ።

"ምኽንያቱ ታሪኸይ ታሪኾም እዩ። ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት ነይሮም። ቅድሚ ሕጂ ግን ከምኡ ዝበለ ተመኵሮታት ዘካፍል ሰብ ሰሚዐ ኣይፈልጥን።" ክትብል ተረድእ።

ኣቢን ማጊን ኣብዚ እዋን ኣብ ኦክስፎርድ ብኣካል ዝድግፍ ጕጅለ ኣቚመን ኣለዋ።

ኣቢ ሕጂ ካብ ቪድዮ መርበባትን ቲቪን ንነብሳ ኣርሒቓላ። ማጊ ብኦንላይን ንእትሰርሖ ስራሕ ኣብ ዝህሉ ናይ ቤተ-መጻሕፍቲ ኮምፒዩተራት እያ ትጥቀም። ሶፍያ ካብ ዘላትሉ ጸገም ንኽትወጽእ ዝሕግዝዋ ኣካላት ድማ ኢንተርነት ክትጥቀም ኣብ ዘድልየሉ እዋን ቍጽጽር ይገብሩላ።

"መዓልታዊ ክለማመድ ኣለኒ። ብቑዕ መንፈሳዊ ኵነታተይ ክሕሉ ኣለኒ" ትብል ማጊ።

ሶፍያ፡ ኣቢን ማጊን መንነተን ንምዕቃብ ብዝብል ስመን ተቐይሩ’ሎ።