እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝቕላዕ ዘሎ ውልቃዊ ጉዳያት ብሓቂ ፍታሕ ንምርካብ ድዩ?
ምዕባለ ዲጂታላዊ ተክኖሎጂን ምምጻእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዅሉ ብማዕረ ኣፍራይን ኣህላኽን ሓበሬታ ክኸውን ናጽነት ሂብዎ እዩ።
እዚ ዕድል እዚ ረብሓታት ከምዘለዎ ዘይክሓድ ኰይኑ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ግን ዝርዝራቱ ብዙሕ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝርአ ነገራት ብዙሕ ኰይኑ፡ እቲ መድረኽ ከም ቤትፍርድን መሸማገልን ኰይኑ ካብ ዝርአ ነዊሕ ኰይኑ እዩ።
ዝተፈላለዩ ሰባት ውልቃዊ ጉዳያቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ የቃልዕዎ።
ኣብ ገሊኡ ድርሰት ክሳብ ዝመስል ሓቅነቱ ዘጠራጥር እዩ። ዝዀነ ኰይኑ ግን፤ ንሓዳርን፡ ንስድራቤት፡ ንፍቝራት፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ካብ 'ፖለቲካዊ' ዝመስል ሓሳባት ዝመበገሲኡ ዝፍጠር ወጠጥ ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሒዝካዮ ምምጻእ ብሓቂ ፍታሕ ስለዘሎ ድዩ? ዘብል ኣገዳሲ ሕቶ ዘልዕል እዩ።
ብቕልል ዝበለ ንብዙሓት ዘሰማምዕ ሓቂ፡ ሓደ ጉዳይ ኢድ እንተበዚሕዎ ዝያዳ ዝተሓላለኽ ምዃኑ እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ከይከድና'ውን ጉዳይ ክልተ ሰባት ብፍላይ ኣብ ሓዳር ይዅን ስድራቤታዊ ጸገማት እቶም ሰብ ጉዳይ ባዕላቶም ብቐጥታ ተዘራሪቦም ጉዳዮም ክፈትሑ እዩ ዝምከር።
እዚ ኣብ ሕብረተሰባትና ዝጸንሐ ወግዒን ኣገባብን ግን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተጣሒሱ እዩ ዝርአ።
ኣብ ርእሲኡ 'ነውሪ' ዘይፈልጥ ቅሉዕ ዘረባታት፡ ጸርፊ ምዝልላፍ፡ ካብቲ መድረኽ ወጺኡ ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እንታይ ምዃኑ ብደቂቕ ክጽናዕ ዝግባእ እዩ።
ዝተፈላለዩ ወነንቲ ሜድያታት እውን እቲ ዝገብርዎ ላዕልን ታሕትን ተረኣይነት ኣዕቢኻ ገንዘብካ ንምኽዕባት ድዩ ወይስ ብሓቂ - ብሓቂ ባእሲ ጸሊኦም ክዓርቍን ከቀራርቡን ሕልናኦም ደሪኽዎም ብሰናይ ተበግሶ እዩ?
ዝፈትሕዎ ሽግራት ከ ኣሎ ድዩ? ወይስ ነቲ ጉዳያት ጸሓይ ኣህሪሞም ሓላሊኾም እዮም ዝገድፍዎ?
ማሕበራዊ ሜድያ ዝኸፈቶ ዕድላት ንጐድኒ ገዲፍካ - እቲ ሕጋዊ፡ ስነኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊን ካልእ ሸነኻትን ዝተናኽፍ፡ ሳዕቤናቱ ብግቡእ ዝተመዝነ ዘይመስል ዝለዓል ዛዕባታት ክሕዙ ዘኽእል ሞያን ፍልጠትን ኣለዎም ድዩ?
እዚ ኹሉ፡ ብግቡእ ምርምር ምላሽ ክርከቦ ዘድሊ መሰረታዊ ሕቶታትን ኰይኑ፡ ምሁራት እዚ ዓውዲ ብሓፈሻ፡ ሞያውነት እንተጠፊኡ ዝፍጠር ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ሳዕቤናቱ - ዋላ'ኳ ኣብ ሓጺር ግዜ እንተዘይተራእየ - ከቢድ ምዃኑ ብምዝኽኻር ሞያውነት ክዕንብብ እዮም ዝመኽሩ።
እዚ እናዀነ ግን፡ እዚ ኣርእስቲ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ 'ሽምግልና' ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ብዘገርም መልክዑ እናተዓጻጸፈን ብዝሒ ሜድያታትን ብዝሒ ሰባትን እናሳተፈ ይኸይድ ምህላዉ እዩ።
ነቲ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሕቶታት ንምምላስ ግን፡ ነቶም ወነንቲ ሜድያ፡ ጉዳዮም ናብ ሜድያ ሒዞም ዝቐርቡ፡ ኣብቲ ጉዳያት ብዝተፈላለየ ደረጃታት - ርኢይቶ ብምሃብ [ኣብዚ'ውን ፍልልያት ኣሎ - ዘጐሃህሩ ኣለዉ፣ ዘላግጹ ኣለዉ፡ ጥዑይ ርእይቶ ዝህቡ ኣለዉ...] ዝዋስኡ፡ ኵነታን ናይቲ ማሕበረሰብ፣ ብውሕዱ ብቝጽራዊ ቀመር፡ ክንደይ ጉዳያት ይዀኑ መፍትሒ ረኺቦም ክንደይ ከ ተሰሚዖም ጥራይ ተሪፎም?
እቶም ሰብ ጉዳይ'ከ ብድሕሪኡ ዝህልዎም ስነልቦናዊ ኵነታት እንታይ ይመስል?
ውልቃዊ ጉዳይካ መውዓሊን መዛረብን ብዙሓት ምስ ኮነ፡ ኣብኦም፤ ኣብ ስድራቤቶም - ደቈም ከይተረፈ - ዝህልዎ እዋናዊ ይዅን ነባሪ ጽልዋታት እንታይ ከምስል ይኽእል?
ከምኡ'ውን ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሜድያና ምስ ካልኦት ሕብረተሰባት ብምንጽጻር፡ ብፍላይ ጠንቂን ድርኺትን ናይቶም ኣሉታዊ ተርእዮታት ክፍተሽ ከም ዘድሊ፡ ቢቢሲ ዝተወከሶም ገለ ኤርትራውያን ምሁራት የገንዝቡ።
ማሕበረሰብና ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሜድያ ዘለዎ ንቕሓትን ስነልቦናዊ ጥዕናን እንታይ ይመስል መብርሂ ዝሃበ ኸኣ፡ ምሁር ስነ ሕብረተሰብ፡ መምህር ስነሰብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሚኪኤል ሊላይ እዩ።
"ኣነ ክግምግሞ እንከለኹ ማሕበራዊ ሜድያ ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ድንጒና ወይ ሃንደበት ዝበጻሕናዮ ቴክኖሎጂ ብምዃኑ ማሕበረሰብና ዝጸንሖ ሌላን ባህሊ ኣጠቓቕማን ድሩት እዩ። ይዅን እምበር ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ ንኸተርክብ እናተቐድሐ መደባት ይሰራሕ እዩ፡" ይብል።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣከዳድናና ሙዚቃናን ቅዲ ኣነባብራናን እዚ ዝኸውን ዘሎ ነገራት፡ "ምስ ባህልና ዘይራኸብ እዩ፤ እዚ ክብል እንከለኹ ግን ንምዕባለን ዘመናውነትን ተቓዊመ ዘይኮንኩስ እቲ እትገብሮ ነገራት ካብ መንነትካ ከርሕቐኻ የብሉን ዝብል መርገጺ ስለዘሎኒ እዩ፡" ክብል የብርህ።
ስለዚ ቀስ ብቐስ ብምውህሃድን መጽናዕቲ ብምክያድን ዘይኮነስ እቲ ብቐጥታ ናብኡ ምጽንባር፣ ነቲ ሰብና ካብ ቅኑዕ ሓዲድ ዘውጽኣና ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝርድኣኒ ድማ ይብል።
በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ ቲክቶክ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብመጠን እቲ ዘሎካ ሰዓብቲ ምንጪ ኣታዊ ብምዃኑ ዝተባባዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሚኪኤል፡ በቲ ኣብኡ እትሰርሖ ሕበረተሰብ እንታይ እዩ ክኸስብን ክምሃር ምስትውዓልን ስምዒት ሓለፍነትን ክህሉ ከም ዝግባእ የዘኻኽር።
"ምስ ትውፊታትና ክብርታትናን ተሳንዩ ክኸይድ ዝኸእለሉ መንገዲ ክኸውን ይምረጽ፡" ብምባል ማሕበራዊ ሜድያ ክትቈጻጸሮ ኣሸጋሪ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ኣስተውዒሉ ክኸዶ ዘለዎ ጐደና ከም ዝዀነ ይዛረብ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ ዋላ'ኳ ንቴክኖሎጂ ዝሓሸ ዕድል እንተጸንሖ፡ ምስቲ ዝዓበኻሉን ትነብሮ ዘለኻ ህዝብን ባህልን ፍልልይ ስለዘለዎ፣ ባህላውን ማሕበራውን ነውጺ (cultural shook) ስለ ዘለዎም ሚዛኑ ዝሓለወን ውድዓውን ትሕዝቶ ንምቅራብ ክሽገሩ ከም ዝረኣዩ ይገልጽ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጸብለል ኢልካ ንኽትወጽእ ሰዓብቲ ክተጥሪ ኣድላዪ እዩ።
ሰዓብቲ ንምርካብ ድማ ንተዓዘብቲ ክትምስጥን ዘገድሶም ትሕዝቶ ክትቅርብን ግድን እዩ።
ይዅን እምበር እንታይ ቀሪብካ ኢኻ ተጠቀምቲ ትኸስብ ግን ርእሱ ዝኸአለ ሕቶ እዩ።
ገለ ሰባት ዝፈትውዎን ክመሃሩሉ ዝኽእሉን ትሕዝቶ ብምቕራብ ሰዓቢ ዘጥሪ ኣሎ።
ገለ ድማ ኣብ ውልቀሰባት ወይ ክፋል ማሕበረሰባት ኣድሂቡ፡ ብሕሜታ፡ ምውቓዕን ስብእና ብምስባር ወይ ብምዕናው ኣብ ወረታትን በለካ ለኽዓካን ተጸሚዱ ሰባት ብምትዅታዅ፣ ሰዓብቲ ኣብ መውሃቢ ርእይቶ ብጸርፊ ይዅን ርሱን ክትዕ ከም ዝጽመዱ ብምግባር መኽሰባት ዘናዲ ኣሎ።
እዚ ድማ እቲ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ዝርግሐ (ኣሎጐሪዝም) ስለዝኽተል ነቲ ትሕዝቶ ብዝተጋነነ መልክዑ ክረአ ይገብሮ።
ኣብ ከምዚ፡ ገለ ሰባት ተሃኖም ብምውጻእ ብስምዒት ዝረውዩ ክዀኑ ይኽእሉ።
ዝጭበጥ ረብሓ - ዝተቕሞም ሓበሬታ፡ ፍልጠት፡ ልቦናዊ ትምህርትን ምኽርን ወዘተ ይረኽቡ እዮም ምባል ኣጸጋሚ ምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ።
ወነንቲ እተን ሜድያታት ግን ይውሓድ ይብዛሕ መኽሰብ ከም ዘለዎም ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ስለዚ 'ቲክቶከራት ወይ ዩትዩበራት ብኣሉታዊ - ኣብ ገለ ድማ ኣመና ኣዕናዊ ብዝዀነን ንመጻኢ ሕማቕ ስንብራት ብዝገድፍ ትሕዝቶታት ንቻነሉ ንምዕባይ ምጽዓር ኣወጊዱ፡ ብንግዲ ይዅን ብመሸጣ፡ ብትምህርቲ ብዝተፈላልየ ጠቓሚ መንገዲ ክዓቢ' እዮም ምሁራን ዝመኽሩ።
እቲ ኮነ ኢልካ ብደይመደይ ዝግበር ነገራት ግን፡ ብዕላማ ዝድረኽ ስለ ዝዀነ ምኽሪ ብምሃብ ኣፍልጦ ብምዕባይ ከተመዓራርዮ ከቢድ ምዃኑ'ውን ተተሓሒዙ ዝግለጽ እዩ።
እቲ ስምዒታዊ ኰይኑ ርእይቶን ግበረመልስ ኣብ ምሃብ ዝህንደድ ክፋል ሕብረተሰብ ብኻልእ መገዲ ነቲ ኣሉታዊን ክተባባዕ ዘይብሉን ትሕዝቶ ዝያዳ ንኽርአ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዘይርድኦ ብዙሕ ምዃኑ ከምዘተሓሳስብ ሞያውያን ይገልጹ።
እቲ ክፍለጥ ዘለዎ፡ እንታይ ትሕዝቶ'ኡ ብዘየገድስ፡ እቲ 'ኣልጐሪዝም' ማሕበራዊ ሜድያ ነቲ ዝያዳ ምውሳእ ናይ ሰባት - ብኮመንት፡ ላይክን ሼርን - ዝጸምድ 'ኢንጌጅመንት' ልዑል ዝዀነ መደብ እዩ ንዝያዳ ተበጻሕነትን ተረኣይነት ዕድል ዝህቦ።
መምህር ዓውዲ ስነሰብ ኣቶ ሚኪኤል፡ ንደቀንስትዮ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዘቕርባኦ ትሕዝቶን ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ደቀንስትዮና እዚ ንርእዮ ጥራይ ኣይኰነን ዓቕመን፡" ብምባል ኣብ ተውህቦታተን ብምትኳር ኣብ ሕክምና፡ መግቢ፡ ቅብኣ፡ ስነጥበብ፡ ስነጽባቐ.... ካልኦት ዓውዲታትን ብምትኳር ንሕብረተሰበንን ገዛእ ርእሰንን ከርብሕን ከዕብን ዝኸእል እንተዝሳተፋ፡ ናባሪ ዝዀነ ቁምነገር ዘለዎ ትሕዝቶ ከቕርባ ከምዝኽእላ ይምጕት።
"ካብዚ ወጻኢ ግን፡ ናብ ሳዕስዒትን መልክዕካ ኣብ ጐደና ምሻጥን እንተዘይከዳን፤ ብሽም ክስቶ ጌራቶ እንድያ ኣነኸ ካብ መን ሰኒፈ ብዝብል ኣታሓሳስባ ከይኣትዎኦን" ይመክር።
መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝዝርግሓኦ ቪድዮታትን ኣሳእልን ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነብራኦ ቅዲ ኣነባብራ ዳርጋ ከብድን ሕቘን ብምዃኑ ድማ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ናብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቐት ክቃልዓ ከም ዝረኣያ ይገልጽ።
እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፡ እቲ ዝውክላኦ ማሕበረሰብ ኣብ ድኽነት፡ ኣብ ስደትን ኣብ ሃዋሁ ኲናትን በሰላታቱን ዝነብር እዩ።
ሕብረተሰብ ነቲ ዝሰርሓኦ ምስቲ ህሉው ኵነታቱ ኣዛሚዱ ኣብ ዝርእየሉ ድማ ናብቲ ማሕበራዊ ናብራአን ክምለሳ እንከለዋ ጽልዋአንን ተቐባልነተንን ይንኪ።
ሕበረትሰብና ድማ ዓቓባዊ ሕበረትሰብ ብምዃኑ፡ ስቕ ኢሉ ከም ዘይገድፈካን፡ በቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ትገብሮ ነገራት፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትካ፤ ዋላ ኣብ ወጻኢ ሃሉ - ኣብ ኣሕዋትካን ስድራኻን ኣዝማድካን ሽምጠጣን ማሕበራዊ ተነጽሎን ከሰብ ከም ዝኽእል ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይርአ እዩ።
እዚ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ዝተፈላለየ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥታትን ነውጽን የቃልዕ፡ መምህር ሚኪኤል የረድእ።
ካብዚ ሓሊፉ እውን ገጻት ማሕበራዊ ሜድያ ከም ፈይስቡክ፡ ዩትዩብ፡ ኢንስታግራምን ቲክቶክን ከም ሓደ መጋባእያ ቤትፍርዲ ብምሕሳብ፡ ወነንቲ ወይ ኣካየድቲ ሜድያታት ከም መርማሪ ኣካል (ፖሊስ) ወይ ኣሸማገልቲ፣ ተዓዘብቲን ሰማዕትን ከም ሰማዕቲ ጉዳይ (ደያኑ) ሰብ ጉዳይ ድማ ከም ከሳስን ተኸሳስን ብምዃን ብዙሓት ተኣፈፍቲ ጉዳያት ክዝትዩሎምን ካብኡ ሓሊፎም ክመሳኸሩሎምን ምርኣይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ኵነት እዚ ኣብ ሓደ ክልተ ሰባት ወይ'ውን ኣብ ውሑዳት ሜድያታት ጥራይ ዝካየድ ዘሎ ኣይኮነን።
ብዘገርም መልክዑ እቲ ቍጽሪ ብናህሪ እናተዓጻጸፈ ብዝሒ ሜድያታትን ብዝሒ ህዝብን እናሳተፈ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ገለ ኣብነት ንምጥቓስ፡ ብዛዕባ ኣብ ሓዳሮም ዘጋጥሞም ፍሕፍሐ፡ ዝተጠለሙ ንዝጠለማኦም፣ ዝተጠልማ እውን ንዝጠለምወን፣ ተመራዕዮም ናብ ሃገራት ኣውረጳ መጻምዶም ምስ መጹ/ጻ፣ ዝሃድማ/ሙ እውን ናብዚ ኵሉ ዝሰሞዖ ሜድያ ብምምጻእ ነቲ ዝጋጠመ ኣብቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ዝብተን ጉዳያት ሒደት ኣይኰነን።
ሓቅነቱ ክጻረ ብዝብል ሰበብ ጥራይ ከም ጭብጢ ብማለት ብሰእሊ ናይ መርዓን ዝተፈላልየ መርትዖታት ኣሰንዮም ስለ ዝዝርግሕዎ እቲ ባእሲ ካብ መጻምዲ ሓሊፉ፡ ናብቶም ብምዝርግሑ ሕጉሳት ወይ'ውን ብውሑዱ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ስድራቤታትን ፈተውትን ክልሕም ድማ ይርአ።
ኣብዚ ጉዳይ ማሕበረሰብ ድያስፖራ ጥራይ ኣይኰኑን ዝሳተፉ ዘለዉ።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተገብሩ ስምምዓት ምጥልላም ምስ መጸ፡ ገለ ካብ ውሽጢ ሃገር ገለ ካብ ወጻኢ ሃገር ብምዃን ጉዳዮም ኣብ ደምበ ማሕበራዊ ሚዲያ የፍሱሱ።
እቲ ኣብ ዘይሞያኡ ክዳኒ ዝተመዘዘ ዝከታተሎ ህዝቢ እውን ብግዲኡ ነቲ ታሪኽ ወይ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ብምስማዕ ጥራይ፡ ዝመስሎ ሓሳብን ርእይቶን ካብ ምሃብ ሓሊፉ ገለ ዝጻረፍ ገለ'ውን ንስኻ/ኺ ኢኽ/ኺ ገበነኛ ኣይፋል ንስኺ/ኻ እባ እናበለ ፍርዲ ዝህብ ማእለያ የብሉን።
ገለ ድማ ዝምልከቶ ኣካል ሚዛናዊ ዝበሎ ስጕምቲ ወሲድሉ ፍርዲ ተዋሂብዎም ክሳብ ደረጃ ማእሰርቲ በጺሑ ክነሱ ናብ ገጻት ማሕበራዊ ሜድያ መሊስካ ጉዳይካ ሒዝካ ምውጻእ ኣገዳስነቱ ኣለዎ ድዩ ወይስ ዓገብ በሉለይ ንምባል እዩ?
ሰብ ሞያ ብሓፈሻኡ ክገልጹዎ እንከለዉ፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ሕድሕዳዊ ውድድር፡ ህልኽን ህርፋን ገንዘብን ስነልቦናን ጠንቂ ናይዚ ጸገም ምዃኑ ይጠቕሱ።
በዚ ዓይነት ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ድማ ብዙሓት ኣብዘይፈልጥዎን ዘይክእልዎን ዓውዲ፡ ክኣትዉን ብዙሕ ጉዳያት - ጉዳያት ጥራይ ዘይኰነ ህይወትን ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ቦታን ውልቀሰባት ከበላሽዉን ይረኣዩ ኣለዉ።
ይዅን እምበር ኣብዚ ቀንዲ ተሓተትቲ እቶም ብገዛእ ፍቓዶም ንጉዳዮም ናብ ቃልዕ ብምውጻእ መፍቶ ረብሓ ዩቲበራትን ቲክቶከራትን ዝዀኑ ዘለዉ ሰባት ክእደቡን ክእረሙን ከም ዝግባእ - ሞያዉን ይመኽሩ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ብፍርሒ፡ ሰእነት መስመር ኢንተርነትን ሓሳብካ ብነጻነት እተገልጸሉ ባይታ ብዘይምርካብ፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ድማ ምስቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ኲናት ዓመታት ብዝነበረ ዕጹው ኵነታት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክጥቀም ኣብ ዝኽእል ሃዋህው ማለት ናብ ናይ ሜድያ ነጻነት ምስ ሰገረ ነቲ ዝረኸቦ ነጻነት ምግሃስን ብዘይ ኣገባብ ምጥቃምን ኣጋጣሚታት ከም ዝርአ መምህር ሚኪኤል ይገልጽ።
ንኣብነት ንኽብሪ ሰብ ብምግሃስ፡ ሓሳብ ሰብ ዘይምኽባር፣ ብሓሳብ ምስ ዘይትሳነ ምሽምጣጥን ምዝላፍን ሓሊፍካ ናብ ብጕጅለን ብውልቂ ብስኑዕ ኣካውንት ጌርካ ናብ ምጽላምን ካልእን ከም ዝርአ ይገልጽ።
ኣብዚ መዳያት ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊን ሽፋን ጌርካ ንሰብ ብዓዱ፡ ኣውራጃኡ፡ ዓሌቱ፡ ላህጃኡ እናላዐልካ ምንእኣስ ስርሐይ ኢለን ዝሓዛኦ ሜድያታት ኣለዋ።
ይዅን እምበር ንሰብ ምጽላም ይዅን ምጽራፍ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።
ሕጊ እውን ነቲ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ ሜድያ ዝካየድ ዘመተታት እቲ ግዳይ ምስ ዝኸስስ ከም ጭብጢ ወይ መርትዖ ብምውሳድ ካብ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክሳብ ፍቓድ ማሕበራዊ መራኸቢታትካ ምስራዝ ዝኸይድ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ነቶም ንዓመታት ይዅን ኣዋርሕ ብምጽዓር ብዝሒ ሰዓብቲ ዘጥረዩ ሰባት ሃስያ እዩ።
ስለ ዝዀነ እቶም ተጠቀምቲ ኣብ ስነልቦናኦም ዝሃንጽ መደባት፡ እቶም ኣበርከትቲ ድማ ኣብ መንፈሳዊ፡ ስነአእምሮኣዊን ማሕበራዊን ረብሓታት ዝህቡን፡ ብብቕዓትን ፍልጠትን ዝተኸለሱ መደባት ናብ ህዝቢ ብምቕራብን ደረት ካብ ምሕላፍን ተቘጢቦም ክሰርሑ ከም ዝምረጽ፡ ኣቶ ሚኪኤል የረድእ።
ብዓቢኡ ግን ነፍሲወከፍ ኣብ ሜድያ እንሰቕሎ ትሕዝቶ - ጽሑፍ ይዅን ዘረባ - ንሓዋሩ ታሪኽ ኰይንይ ከም ዝነብርን፡ ዝዀነ ይዅን ሳዕቤናቱ ድማ ከምዘይለቀና ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ማሕበራዊ መራኸቢ ንሰባት በብሞያ'ኦምን ዝንባለኦምን ኣብ ምርኻብን ዕድላት ስራሕ ይዅን ትምህርቲ ዝፈጥሮ ባይታ ግን ተሰንጊዑ ኣይኰነን ኢሉ።