ኣብ ኣመሪካ ቲክቶክ ንምእጋድ ዘኽእል እማመ ፀዲቑ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ክእገድ ዘኽእል ፍሉይ እማመ ኣጽዲቑ።

እዚ፡ እቲ ብቻይናዊ ኵባንያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዀነ ባይትዳንስ ዝመሓደር ቲክቶክ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ቁጽጽር ብጽሒቱ እንተዘይሸይጡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክዕጾ ክገብር እዩ።

እቲ እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ክሓልፍ እንከሎ፡ ሕጊ ኰይኑ ንክጸድቕ ግን ናብ ሰኔት ክሓልፍን ብፕረዚደንት ክፍረምን ኣለዎ።

ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ልዕሊ ጽልዋ ቲክቶክ ነዊሕ ዝጸንሐ ስክፍታታት ነይሩዎም።

ቲክቶክ ብቻይናዊ ኩባንያ ባይትዳንስ ዝውነን ኣብ 2012 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝቘመ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢ’ዩ።

እዚ ኣብ ቤጂንግ ዝመደበሩ ትካል ኣብ ደሴታት ካይማን ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብያተ ጽሕፈት ኣለዎ።

እቲ እማመ ኣብ ሰኔት ፍቓድ ክረክብ እንተኽኢሉ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዘይወዓል ሕደር ክፍርሞ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተመጻቢዑ’ዩ። እዚ ድማ ምስ ቻይና ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ክስዕብ ይኽእል።

ባይትዳንስ ነቲ ብኣስገዳድ ዝኣትዎ ዘሎ ምሻጥ ብፅሒት ቁጽጽር ንምፍጻም ካብ ሰበስልጣን ቻይና ፍቓድ ክረክብ ክግደድ’ዩ፤ እዚ ግን ቤጂንግ ክትቃወሞ ምዃና ይግመት።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዌንቢን፡ እቲ ስጉምቲ “ንኣመሪካ መሊሱ ክነኽሳ’ዩ” ኢሉ።

ካብ ኣርቀቕቲ እቲ እማመ ዝዀኑ ኣባል ሪፐብሊካን ማይክ ጋላገር፡ ኣመሪካ “ኣብ መሬታ ብሓደ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዝግደድ፣ ዝውነን ወይ ቁጽጽር ዝግበረሉ ዓብላሊ መድረኽ ዜና ክህሉ ብምፍቃድ” ሓደጋ ክትወስድ ኣይትኽእልን ኢሉ።

ኩባኒያታት ቻይና ካብ መንግስቲ ሕቶ ክቐርበሎም እንከሎ ሓበሬታ ክህቡ ብዝጠልብ ሕጊ ሃገራዊ ድሕነት ይግደዳ እየን።

ቲክቶክ፡ መረዳእታ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ 150 ሚልዮን ተጠቀምቱ ካብ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ባይትዳንስ ዝተኸወለ ምዃኑ ንምርግጋጽ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ንተቖጻጸርቲ ከእምን ፈቲኑ’ዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ ሾው ዚ ቺው፡ ኩባኒያኡ መረዳእታታት ውሑስ ንክዀኑን እቲ መድረኽ “ካብ ግዳማዊ ምትላል ናጻ” ንክኸውንን ከም ዝገብር መብጽዓ ኣትዩ ነይሩ።

እቲ እማመ እንተድኣ ጸዲቑ፡ ኣብ ኣሜሪካ ነቲ መተግበሪ ምእጋድ ማለት ምዃኑን፡ “ንገለ ካልኦት ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኩባንያታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝያዳ ስልጣን" ዝህብን ስራሕ ኣሽሓት ኣመሪካውያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ይኹን’ምበር፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተሓትመ መርመራዊ ጸብጻብ ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ስርዓት ቲክቶክ፡ ኣብ ሞንጐ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ቲክቶክን ኣብ ቻይና ዝርከብ ባይትዳንስን ወግዓዊ ብዘይኰነ መገዲ መረዳእታ ይሓለፍ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ቻይና ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ባይትዳንስ ምንጭታት ሓደ ጋዜጠኛ ንምርካብ መረዳእታ እቲ ጋዜጠኛ ዝረኸብሉ ፍጻመ ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ስክፍታታት ኣስዒቦም’ዮም።

ኣባል ዴሞክራት ሃኪም ጀፍሪስ ነቲ እማመ ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ እዚ መረደእታ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ምምዝማዝ ክንኪ ክገብር እዩ ኢሉ።

መራሒ ኣብዝሓ ድምጺ ሰኔት ቻክ ሹመር፡ እቲ ባይቶ ሕጂ ነቲ ሕጊ ክግምግሞ ምዃኑ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዋይት ሃውስ ዶናልድ ትራምፕ ኣንጻር እቲ እማመ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ኮንግረስ ዘለዎ ተስፋ ንጹር ኣይኰነን።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ስልጣን እንከሎ ነቲ መተግበሪ ክእግዶ ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስቲ ኣብ ባይትዳንስ ንእሽቶ ብጽሒት ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ለጋሲ ሪፐብሊካን ዝዀነ ጀፍ ያስ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ’ዩ መርገጺኡ ቀይሩ።

መርገጺ ትራምፕ ብገለ ኣባላት ኣብቲ ባይቶ ክንጸባረቕ ተራእዩ ኣሎ። ኣባል ሪፐብሊካን ዝዀነት ማርጆሪ ቴይለር ግሪን፡ እቲ እማመ ኮንግረስ መረዳእታ ኣመሪካ ካብ ግዳማዊ ተጻባእቲ ይከላኸል ኣለኹ ብዝብል ምኽኒት፡ ንመሸጣ ካልኦት ኮርፖሬሽናት’ውን ከገድድ ዝኽእል እዩ ክትብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፋ።

ገለ ኣባላት ዴሞክራት’ውን፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት መረጽቲ ዘለዎ ጽልዋ ንምዕቃብ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ንመንእሰያት ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ከጓንዮም ይኽእል ብዝብል ስግኣት ነቲ እማመ ተቓዊሞም’ዮም። ብርክት ዝበሉ ጸለውቲ ተጠቀምቲ ቲክቶክ’ውን ኣብ ዋይትሃውስ ብምኻድ ነቲ እማመ ተቓዊሞም።

መራሕቲ ኮሚቴ ስለያ እቲ ሰኔት ግን፡ እቲ ባይቶ ንዝሃቦ ድምጺ ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ጓል 23 ዓመት ሞና ስዋን፡ ካብቲ መተግበሪ ብእትረኽቦ ኣታዊ ዕዳ ኣዲኣን ወጻኢታት ትምህርቲ ኣሕዋታን ክትኸፍል ከም ዘኽኣላ ብምግላጽ ልክዕ ኣይኰነን ካብ ሞንጐ ዝበሉ’ያ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ “ቲክቶክ ንሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ዘርኢ መርትዖ እኳ እንተዘይረኸበት፡ ኣብ ልዕሊኡ ዓፈና ምግባር ግን ጠጠው ኣቢላ ኣይትፈልጥን። ከምዚ ዓይነት ኣብ ፍትሓዊ ውድድር ክዕወት ዘይክእል ባህሪ፡ ንንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት ኩባንያታት ይዘርግ፤ ንኣህጉራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ሃዋህው ወፍሪ ዘለዎም እምነት ክሃስስ ይገብር፤ ከምኡ'ውን ነቲ ንቡር ኣህጉራዊ ቁጠባውን ንግዳውን ስርዓት ይሃስዮ” ኢሉ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂን ፒየር ግን፡ እቲ እማመ ዋንነት ኣብ ኣመሪካ ዝንቀሳቐሱ ዓበይቲ መድረኻት ቴክኖሎጂ “ኣብ ኢድ እቶም ክምዝምዝዎም ዝኽእሉ ሰባት ከም ዘይህሉ” ንምርግጋጽ ጥራይ ዝዓለመ እዩ ክትብል ትምጉት።

ኩባኒያ ባይትዳንስ፡ ቅድም ኢሉ ቲክቶክ ዋጋኡ 268 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝኸውን ገሚቱዎ ነይሩ። እዚ ዋጋ ንኣውፈርቲ ከሰንብድ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ተንተንቲ ግን ኣብ ኣመሪካ ብርክት ዝበሉ ዓደግቲ ከም ዘለው ይገልጹ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2020 ቲክቶክ ክሽየጥ ክእዝዝ እንከሎ፡ ገለ ካብተን ዓበይቲ ትካላት ኣመሪካ ኣስታት 50 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ጨረታታት ክዕድጋ ከም ዝተጸንበራ ይንገር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቲክቶክ ካብ ተበጻሕነትን መወዓውዒን ዝረኽቦ ኣታዊ ኣዝዩ ወሲኹ። ትካል መጽናዕቲ ኢማርከተር፡ ቲክቶክ ኣብዚ ዓመት ካብ ኣመሪካ ኣስታት 8.66 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ መወዓውዒ ከምጽእ ምዃኑ ይግምት። እዚ ኣብ 2020 ትሕቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከም ዝነበረ ገሊጹ።