ስግኣት ጽልዋ ቲክቶክ ኣብ ኣፍሪቃ

ቲክቶክ ሓደ ኻብቶም ኣብ ሓጺር እዋን ልዑል ተፈታውነትን ተፈላጥነትን ዝረኸበ ኣካል ማሕበራዊ መራቢታት እዩ።

እዚ መብዛሕትኦም ተጠቀምቱ መንእሰያት ምዃኖም ዝንገረሉ መተግበሪ ኣብዚ ሕጂ ስግኣታቱ እናዛየደ ይመጽእ ኣሎ።

ብፍላይ ምዕራባውያን መንግስታት ኣብ ድሕንነት ዳታ ዘተኰረ ስጉምቲ ክወስዱ እኳ እንተጀመሩ፡ ኣፍሪቃ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ወግዓዊ ርኢይቶ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ ይብል ኬንያዊ ጋዜጠኛ ዋይሂጋ ምዋውራ።

እቲ መተግበሪ ብዘለዎ 'ሂፕኖቲክ ፎርማት' (መሳጢ ኣገባብ) ንዓለምና ከም ህቦብላ ባሕጒግዋ ኣብ ዘለወሉ እዋን- እዛ ኣህጉርውን ግዳይ ካብ ምዃን ዝተፈለየት ኣይኰነትን።

እቲ መወዳእታ ዘይብሉ 'ስክሮሊንግ' (ምጥውዋቕ) ኣዝዩ ቅልጡፍ ካብን ናብን ምልውዋጥ ሓበሬታ ምስቲ እቲ ካብ ገዛእ ርእስኻ ንላዕሊ እንታይ ክትሪኢ ከም እትደሊ ዝፈልጥ ዝመስል 'ኣልጎሪዝም'፡ ነቲ ተጠቃሚ ንምስሓብ የገልግል።

እንከይተረደኣካ ድማ ካልኢታት ናብ ደቓይቕ ፡ ደቃይቅ’ውን ናብ ሰዓታት ክዕዘር ይኽእል።

ድሕሪኡ ነገራት ብመልክዕ 'ሚም' ምስ ዝቐረቡ ጥራይ ከም ዝርዱኡካ ክገብር ዝኽእል፡ ብዝሒ ብቲክቶክ ምጥቃም ዘስዓቦ ሕማም ርእሲ ከተጥሪ ትኽእል።

እምበኣር ነዚ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ሸለል ምባልን ምጽዋሩን ፍረ ኣልቦ ክኸውን ስለ ዝኽእል እቶም ኣብዚ ኣህጉር እንነብር ከነስተውዕለሉ ይግባኣና እዩ ይብል እቲ ጋዜጠኛ።

ሮይተርስ ኣብ 2022 ዘውጽኦ ጸብጻብ ዲጂታላዊ ኢንስቲትዩት ዜና፡ ቲክቶክ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ናይ ዕዳጋ ምርጫኡ ይገብራ ከም ዘሎ ይሕብር።

እዚ ድማ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት እዋናዊ ዜና ንምርካብ ነቲ መተግበሪ ይጥቀምሉ ብምህላዎም'ዩ።

እቲ ብቻይናዊ ኩባንያ ባይትዳንስ ዝውነን ማሕበራዊ ሚድያ ቲክቶክ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣዳለውቲ ትሕዝቶ ቲክቶክ ድጋፍ ይገብረሎምን ኣብ ካልእ ቦታ ዝስኣኑዎ መድረኽ ክረኽቡን ይገብር ኣሎ።

በዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ እታ ኣህጉር ዝጸንሐ ተረኻት ብዝተፈለየ ኣረኣእያ ብምቅራብ ንዝነበረ ግንዛበ ዓለም ይፈታተንዎ ኣለዉ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ምስ ድሕነት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ስክፍታታት ኣልዒሉ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓገግቲ ኣሜሪካ ኣብቲ "ምትህልላኽ ኮንግረንስ" ተባሂሉ ብዝተገልጸ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ዝወሰደ ክትዕ ንፈጻሚ ስራሕ ሾ ዚ ቺው ኣዋጢሮምዎ'ዮም።

እቲ ትኹረት፡ በቲ ኣፕ ዝተኣከበ ናይ ተጠቀምቲ ሓበሪታ (ዳታ) መንግስቲ ቻይና ክረኽቦ ይኽእል እዩ ኣብ ዝብል ጥርጣረታት እዩ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ቲክቶክ ዘሎ ስግኣት ኣሜሪካ ጥራይ ዘይኰነት ሓያሎ ሃገራት’ውን ቲክቶክ እኹል ስጉምትታት ድሕነት ዳታ ዘማልአ ብዘይ ምዃኑ፡እቲ መተግበርን ካልኦት ተመስሳሰልቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ስልክታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምጥቃም ይእግዳ ኣለዋ።

ከምዚ ክነሱ ግና መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ስቕታ እዮም ዘለዉ ብምባል ጋዜጠኛ ዋይሂጋ ምዋውራ ኣብ ጽሑፉ ይነቅፍ።

ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ቲክቶክ ስጉምቲ ዝወሰደት ኣፍሪቃዊት ሃገር የላን።

ኣብ ኬንያ ንገለ ክኢላታት ዘዘራረበ ዋይሂጋ፡ ድሕነት ዳታ ዓቢ ጉዳይ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ትኹረት ግን ኣብ ቲክቶክ ጥራይ ክኸውን የብሉን ዝብል ርኢይቶ ኣለዎም።

ኣቦ መንበር ማሕበር ብሎገራት ኬንያ (ባከ) ኬነዲ ካችዋንያ፡ነቲ ኣብ ኣብ 2013ን 2017ን ዝተኻየደ ውጽኢት መረጻ ንምትላል ንምሕጋዝ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ ኣብ ኬንያ ዳታ ተጠቀምቲ ከም ዝሰረቐ ዝገልጽ ክስታት የዘኻክር።

እቲ ሕጂ ተወንዚፉ ዘሎ ኩባንያ፡ ኣብ 2018 ከም ኤጀንሲ ማርኬቲን ተቘጹ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ ዓማዊሉ ንክስዕሩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ ይጥቀም ከም ዝነበረ ይገልጽ።

"ጉዳይ ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ ኣብ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብዙሕ ተዘሪብሉ'ዩ፤ ኣብ ኬንያ ንኣብነት ኣብ ምርጫ 2013 ዝገበሮ ግን ዳርጋ ኣይተላዕለን" ይብል ኬነዲ።

"ቅድሚ ኣብ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዓቢ ጉዳይ ምዃኑ ኬንያን ናይጀርያን መፈተኒ ከም ዝነበራ እዩ ዝስምዓኒ"።

ንዕኡ፡ ካምብሪጅ ኣናሊቲካ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ዝገልጽ ክስታት፡ ሓበሬታ ተጠቃሚ ብኸመይ ብሳልሳይ ወገን ወይ ንንግዳዊ ዕላማታት ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ምትእትታው ወይ ድማ ኣብ ምክትታል መንግስቲ ንምሕጋዝ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል ዘመልክት እዩ።

ጸረ ቲክቶክ ዝዀኑ ኣርእስታት መነሓንሕቲ እቲ ኩባኒያ ዝዀኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዕዳግኦም ይስእኑ ምህላዎም ዘርኢ'ዩ ዝብል ክስታት ይቐርቡ'ዮም።

ኣባል ባኬ ጄምስ ዋማታይ ንቲክቶክ ዒላማ ዝገበሩ ክስታት ብሂስተርያን ፕሮፖጋንዳን ኣሜሪካ ዝቀጻጸል'ዩ ኢሉ ይኣምን።

ዲጂታላዊ ስትራተጂስት ጄምስ "ኩባንያታት ኣሜሪካ ዝያዳ ዳታ ይእክባ እየን" ብምባል "ምስ ቲክቶክ ክወዳደራ ዘይኽእላ" ምስ መሰለን ድማ ተስፋ ከም ዝቖረጻ ይምጉት።

ቲክቶክ፡ ምስ ድሕነት ተጠቀምቲ ብዝተሓሓዝ ንዘይግቡእ መዓላ ከቃልዕ ይኽእል'ዩ ዝብል ካልእ ስክፍታታት እውን ኣሎ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ዝሕዝ ዲጂታላዊ ትካል ዝዀነ ጊፍት ሚሪ፡ ነቲ ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ኣኼባ ብቐረባ ተኸታቲልዎ እዩ።

እቲ ወዲ 40 ዓመት መንእሰይ ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይቲ መተግበሪ ኣግሂዱ ምዝራቡ እኳ እንተንኣደ፡ንዕኡ ግን ሾ ዚ ቸው ብዛዕባ ድሕነት ኣሜሪካውያን መንእሰያት ዝሃቦ ውሕስነት ኣብ ካልእ ቦታታት ዘይምዝርግሑ እቲ ዝዓበየ ጉዳዩ ግን ምዃኑ ይዛረብ።

"መንእሰያት ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ ዝንባለታት ብኸመይ ብቕልጡፍ ከም ዝሰምጡ ርኢና ኢና - ኣብዚ ውጥን ድሕነቶም ንምክልኻል ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣልጎሪዝም እንታይ እዩ?" ክብል ይሓትት።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ’ውን ብሬስቲክ ዝፍለጥ ሰኔጋላዊ ጉጅለ፡ መንእሰያት ክርእይዎ ዝኽእሉ ትሕዝቶታት ንምቁጽጻር ክሕግዝ ናብ ተቖጻጸርቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

"እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ቲክቶክ ዝቐርብ ትሕዝቶ ኣዝዩ ዓመጽ ዝመልኦ ኰይኑ፡ ገሊኦም ድማ ብባህልና ኣብ ኣብ ኣፍሪቃ ክርኣዩ ዝፍቀዱ ኣይኰኑን" ክብል ኣካያዲ ስራሕ ረሲትክ ሙስጦፋ ዲያካተ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ብርግጽ ነቶም ምስዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝራኸቡ ደቅና ብኸመይ ከም እንሕልዎም ክንርኢ ንደሊ።"

ኩሎም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ድሕነት ዳታን ድሕነት ኦንላይንን ክሕሰበሉ ከም ዘለዎ ይሰማምዑ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ድማ ከምቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለው መዘናታቶም ዝገብሩዎ ዘለዉ ውሕስነት ካብ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ክጠልቡ ኣለዎም ይብሉ።

ብተጠቀምቲ ብናጻ ዝቐርብ ዳታ ንቅኑዕ ዕላማታት ዕዳጋ ክውዕል ይኽእል። ኣብ ግጉይ ኢድ እንተኣትዩ ግን፡እቲ ሓበሬታ ንዝያዳ ጽዩፍ ነገር ክውዕል ይኽእል እዩ።