ኤርትራ፡ ተቓውሞን ሰፊሕ ማእሰርቲን ዘስዓበ ቅትለት መንእሰይ ቀራና-ዅዶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ፡ ንኡስ ዞባ ሎጐ-ዓንሰባ - ቀራና ዅዶ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ፡ ዘጋጠመ ሞት ሓደ ያፌት የማነ ገብረማርያም ዝተባህለ መንእሰይን፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኣልማማ ማእሰርቲ ደቂ ዓዲን ኣዛራቢ ኰይኑ ከም ዝቐነየ ዝፍለጥ እዩ።
ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ንምርካብ፡ ቢቢሲ ኣብ ወጻኢ ንዝቕመጡ ደቂ ዓዲን እቲ ከባቢን፡ ከምኡ'ውን ንተመሳሰልቲ ፍጻመታት ንምርዳእ ስሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ካብ ውሽጢ ዓዲን ኣዘራሪቡ፣ ከምኡ'ውን ንምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ተወኪሱ'ሎ።
እቲ ፍጻመ ብ15 ሕዳር ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ያፌት ብወተሃደራት ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ በቲ ፍጻመ ቍጥዐኦምን ተቓውሞኦምን ዘስምዑ፡ ሓውን ቀረባ ስድራቤትን መዋቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ዝዀኑ ደቂ ዓዲ ብኣልማማ ተወሲዶም፡ ሓሽፈራይ ኣብ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ተዳጒኖም ከም ዘለዉ - ኣብ ደገ ዝቕመጡ ቤተሰብን ደቂ'ታ ዓዲን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቲ ምኽንያት፡ ምስ ምቝራጽ ገረብን ፈሓምን ዝተኣሳሰር ከም ዝዀነ ክግለጽ እንከሎ፡ ያፌት ፈሓም ኣፍሒሙ፡ ናብ ሕምብርቲ ዝተባህለት ዓዲ ክሸይጥ ምስ ብጾቱ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ተታሒዙ፡ ድሕሪኡ "ናብ ዓዲ ምስ ኣተወ እዮም እቶም ወተሃደራት ኣብ ማእከል ዓዲ ቀቲሎምዎ፡" ይብል ኣብ ፈረንሳ ዝቕመጥ ኣዛርያ ዝተባህለ ወዲ'ታ ዓዲ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ያፌት ኣቦኡ ኣቶ የማነ ገብረማርያም እሱር ኰይኑ፡ ስድራኡ ንምሕጋዝ፡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈሓም ኣፍሒምካ ምሻጥ ስራሕ ዝተዋፈረ እዩ።
"ስድራኡ ነብሱን ንምሕጋዝ ላዕልን ታሕትን እናበለ ክነብር ዝጸንሐ ህርኩት መንእሰይ፡ ብ 15 ሕዳር ኣብ በረኻታት ናይቲ ዓዲ ፈሓም ኣፍሒሙ - ዝበዝሕ ግዜ እቲ ስራሕ ለይቲ እዮም ዝሰርሕዎ፡ ለይቲ እዩ ዝምችእ - ፈሓም ኣብ ኣእዱግ ጽዒኖም ናብ ሕምብርቲ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ምስ ብጾቱ ኣብ ዝጓዓዙሉ ዝነበሩ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መንገዲ ዝዓጠቝ ወተሃደራት ሒዞሞም፡" ይብል ኣዛርያ፡ ካብ ዓዲ ንዝኣከቦ ሓበሬታ እናተወከሰ።

ምንጪ ስእሊ, Azarya
ደሓር እቶም ዝሓዝዎም ዕጡቓት ወተሃደራት፡ ነቶም ኣእዱግ ኣሕዲጎም ኮብኲቦም ናብ ዓዲ ቀራና ዅዶ ክመልሱዎም ምስ ፈተኑ፡ እቶም መንእሰያት ሃዲሞም፣ ካብኡ ኣብ ጥቓ እታ ዓዲ ተሓቢኦም ጸኒሖም፡ ካብቶም ወተሃደራት ነቶም ኣእዱጎም ክወስዱ ፈቲኖም፡ ዝበዝሑ ተዓዊቶም፤ መዋቲ ያፌት ሳልሳይ ርእሱ ግን ከምዘይተዓወቱ እቲ ወሃቢ ሓበሬታ የዘንቱ።
ብድሕሪ'ዚ እቶም ክልተ ናብ ገዛኦም ክኸዱ እንከለዉ፡ "ያፌት ግን ኣእዱጉ ክወስድ ናብቲ መዝራዕ ኣእዱግ - ጥቓ ቤተክርስትያን እንዳማርያም እዩ - ፈቲኑ፡" ክብል ቅድሚ እታ ፍጸመ ዝነበረ ኵነታት የረድእ - ኣዛርያ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ድማ ብመን-ገበሮ ዘይፍለጥ ተኵሶም ኣብ ማእከል ዓዲ ከምዝቐተልዎ፡ ካብ ዓዲ ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ወሲኹ የዘንቱ።
ኣዛርያ ከም ዝገለጾ፡ ሬሳ ያፌት ንጽባሒቱ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ከምዘይተላዕለን፡ እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ንሓለፍቲ ምምሕዳራት ከምዝሓበሩን፡ ብድሕሪኡ እቲ ኵነታት ቍጥዐ ከምዘልዓለ ይገልጽ።
እዚ ድሕሪ ምዃኑ ድማ ወተሃደራት መጺኦም ነታ ዓዲ ከቢቦምዋ፣ ፖሊስ ድማ መጺኦም ነቲ ሬሳ ክምርምሩን ስእሊ ክወስዱ ኣብ ዝፈተኑሉን ከምዝተኸልከሉን ብዘይዝዀነ ምጽራይ ያፌት ክቕበር ከምዝተገብረን ኣዛርያ ኣዘንትዩ።
ብድሕሪኡ ግን "እቲ ዓዲ ነቲ ኣማውታን ዝሰዓበ ነገራትን ስለዘይተቐበሎ፡ ክእከብን ቅሬታት ከቕርብን ትሒም-ትሒም ክብልን ምስ ጀመረ፡ ኣኪብካ ክእሰር ከምዝተገብረ ይገልጽ።
"ኣብ ሰሙን እቲ ፍጻመ፡ ሰንበት መዓልቲ ድማ፡ ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ቤተክርስትያን ተኣኪቡ እንከሎ፡ ካብ ወዲ 16 ዓመት ንላዕሊ፡ ዲያቆናትን፡ ተምሃሮ ቤተክርስትያንን ካህናትን ንዅሉ ኣብቲ ዓዲ ዝነበረ መንእሰይን ዓቢን ኣኪቦም ወሲዶሞ።
"ሕጂ ኣብ ሓሽፈራይ ኣለዉ ይበሃል ግን ዝተረጋገጸ ነገር የለን፡" ክብል የረድእ።
ንዅነታት እቶም እሱራት ኣመልኪቱ ከነጽር እንከሎ ኣዛርያ፡ "ካብ ወዲ 16 ዓመት ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ወሲዶም ዘለዉ፤ ኣብዚ ድማ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም'ውን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ እዩ።
"ቀሺ ይዅን ሸኽ ኣብታ ዓዲ ኣይሓደጉን፣ ሓኪም ይዅን ኣመሓዳሪ ናይታ ዓዲ'ውን ከይተርፈ ኣኪቦም ከምዝወሰድዎም" ክገልጽ እንከሎ፡ "ምዕባይ ሓዉ ንመዋቲ ዝዀነ ሄኖክ የማነ'ውን ናይ ቅድስቲ ማርያም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ከይተረፈ ወሲዶሞ ኣለዉ፡" ብምባል እቲ ኣብታ ዓዲ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ኣልማማ ምንባሩ የረድእ።
ኣብ ኤርትራ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ብፍላይ፡ እኹል ቀረብ ጸዓት ብዘይምህላው ንሓዊ ኣግራብ ቈሪጹን ፍሓም ኣፍሒሙን'ዩ መነባብሮኡ ዘካይድ፤ ከም ምንጪ ኣታዊ'ውን ንምምሕያሽ ናብራኡ ይቃለስ እዩ።
ብወገን መንግስቲ ግን ብመንገዲ ምልሻታታት ወተሃደራት ሓለዋ ኣግራብ ምኒስትሪ ሕርሻ - ፍሩስታለ - ጥቡቕ ቍጽጽር ከም ዝግበርን ኣብ ኬላታት ይዅን ኣብ በረኻታትን ሃድን ከምዝካየድ ይፍለጥ።
ብጠቕላላ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ልዕሊ ሰማንያ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ግምቱ ዘቐመጠ ኣዛርያ፡ በብቕሩብ ዝሰዓቡ ከምዘለዉ'ውን ይሕብር።
"ንኣብነት ሓደ ቀሺ በረኸት ዝተባህለ'ውን ሽዑ መዓልቲ ተረኛ ቀዳሲ ስለዝነብረ ኣብታ መዓልቲ ከምዝተረፈ፣ ደሓር ግን ከምዘስዓብዎን፡ ካልኦት'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብታ መዓልቲ ዘይነብሩ'ሞ ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡ፡ እናለቐሙ የስዕብዎም ኣለዉ፡ ይብል።
ቀራና ዅዶ፡ ብሕርሻን መጓሰን እትነባበር ዓዲ ኰይና፡ ደቂ ዓዲ ጥሪቶም ዘስፍሩሉ፡ ካብቲ ዓዲ ውጽእ ዘበለ ደንበታት ኣለዎም።
ነዚ ደንበታት ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ከምዝተቓጸለ" ሓበሬታ ክወጽእ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣዛርያ፡ "እዚ ደንበታት ኣብ በረኻታት ናይቲ ዓዲ ኰይኑ መብዛሕትኡ ወዲ ዓዲ ከብቲ ዘፋርየሉ ዝናብየሉን ዝሰፍረሉን እዩ። ዳርጋ መነባብሮኦም ኣብኡ እዩ።
"ገሊኣቶም'ውን ገዛ'ውን የብሎምን ኣብ ዓዲ፣ ዳርጋ ምሉእ ናብራኦም ኣብቲ ደንበ እዩ። መንግስቲ ግን ነቲ ደንበታት ኣፍሪስኩም ንማእከል ዓዲ እተው ኢሉዎም። ገሊኦም ደንበታቶም ኣፍሪሶም ዓዲ ኣትዮም፤ እቶም ኣብ ዓዲ ገዛ ዘይነበሮም ግን 'ከፈራርሑና እዮም እምበር ኣይውዕልዎም ብምባል ኣብኡ ጸኒሖም፤ ወተሃደራት መጺኦም ግን ነቲ ደንበታት ኣቃጺሎምዎ፡" ይብል።
ከምዚ ዝበለ ደምበታት ምስ መነባብሮ ህዝቢ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብወገን መንግስቲ ነዚ ይዅን ብሓፈሻ ምስኡ ዝዛመድ ጉዳይ ዝበሎ ዝተሰምዐ ነገር የለን።
እንተዀነ መንግስቲ፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ኣትሒዙ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብጥርኑፍ ንምቕራብን ንምሕደራን ክጥዕም ምእንቲ ህዝቢ ኣብ ዓድታት ክእከብን ክጥርነፍን ክገብር ከም ዝጸንሐ ይግለጽ እዩ።
ኣልማማ ማእሰርቲ ዓድታት
ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዝበለ ኣብ ዓድታት ዝፍጸም ማእሰርቲ ዳርጋ ካብ ጽባሕ ናጽነት ብተደጋጋሚ ክዝውተር ከምዝጸንሐ ቢቢሲ ዝተወከሶም ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ንኣብነት ምስ ጉዳይ መሬት ምስ መንግስቲ ብቐጥታ ኣብ ዝግበር ምርጻም፡ ኣብ ውሳነታትን ተግባራትን መንግስቲ ዝቐርብ እኵብ ቅሬታታት፡ ዓድታት ኣብ ንሓድሕደን ብዘገብርኦ ባእሲን ዕግርግርን ወዘተ ኣብ ዘጋጥመሉ፡ መንግስቲ ብኣልማማ ዓድታት ክኣስር ከም ዝጸንሐ ይንገር።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ደሳለ ትካቦ፡ "ኣብ ጽባሕ ናጽነት ፈለማ ማእሰርቲ ዘጋጠመ ምስ መሬት ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ኣብ እምባደርሆ" ምዃኑ ይዝክር።
ብመሬት ዝፍጠር ምስሕሓብ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ምዃኑ፣ ህዝቢ ድማ ብናቱ ኣገባብ ከምዝፈትሖም ዝገልጽ ደሳለ፡ "መንግስቲ ግን ነቲ ኵነታት ኣዕብዩ ክጥቀመሉ ይደሊን የተዓባብዮን፡" ይብል።
ብድሕሪኡ ኣብ መንጐ ኳዜንን ዓደ'ንጐዳ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝገበረ፡ ናይ መሬት ምስሕሓብ ነይሩዎም፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኳዜን ሰለስተ ግዜ ከምዝተኣሰሩ ይዝክር'ሞ፡ ደሳለ "ክእሰሩ እንከለዉ ዓዲ ምሉእ እዩ ዝእሰር፣ ዝተባእሰ ድዩ ዘይተባእሰ፡ ገበን ዘለዎ ድዩ ዘይብሉ ብዘየገድስ ዓዲ ምሉእ እዩ ዝእሰር፡" ክብል ነቲ ማእሰርቲ ብኣልማማ ምዃኑ ይገልጽ።
"እዚ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንምስንባድን ንምርዓድን ተባሂሉ ኰነ ኢልካ ስለዝግበር፡ ዓዲ ምሉእ እዩ ዝእሰር፡" ብምባል መረዳእትኡ ኣብዚ ጉዳይ ይገልጽ።
ደሳለ ኣብ ሓበሬታኡ፡ እቲ ከምዚ ዝበለ ካብ ዓዲታት ብእኩብ ዝእሰሩ ዜጋታት ብቐጥታ ናብተን ፍሉጣት ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዝውሰዱ ብምግላጽ፡ "ኳዜን ክሳብ ገልዓሎ ተወሲዶም ተኣሲሮም ነይሮም፣ እታ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ 2015 ዘጋጠመት ግን፡ ኣብ ሓሽፈራይ እዮም ኣእትዮምዎም ነይሮም፤ ኣብኡ ድማ ሓደ ተስፊት ቀለታ ዝተባህለ ተጋዳላይ ናይ '84 ኣቦ 5 ቈልዑ ኣብኡ መይትዎም፡" ይብል።
ብተመሳሳሊ ኣብ 2008 ኣብ ዓዜን እውን፡ "ኣብ መንጐ መንእሰያትን ኣብ መንጐ ዝተወሰኑ ካብ ሰራዊት ንዝኾብለሉ ዝሕዙ ሰባትን ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ዓዲ ምሉእ ዳርጋ ክልተ ሽሕ ዝኸውን ገባር ጠርኒፎም መትከል ኣብየት ኣውሪዶሞ፡" ኢሉ ነቲ ኣብተን ከባቢ ዓዲታት ዞባ ማእከል ዝተፈጸመ ተግባራት የዘንቱ።
"ህዝቢ ከባቢ ካርነሽም መነባብሮኡ ምስ ሰሜናዊ ባሕሪ ጥቡቕ ምትእስሳር" ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ 2007-2008 ኣቢሉ ብመንግስቲ ክዕጾ ምስተወሰነ ግን ኣብ መነባብሮ እቲ ጓስዩን ሓሪሱን ዝነብር ህዝቢ ዓቢይ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ደሳለ የረድእ።
"እቲ ማሕረስ ተሪፉ፡ ጥሪት ግን ቀቢጹ ክሸጠን ስለዘይከኣለ እቲ ህዝቢ ሓቢኡ ናብቲ ቦታ የእትወን ነይሩ፡ ኮሎኔል ሓረጐት ፍርዙን ዝመርሖ ኣሃዱ ክፍለሰራዊት 22 ነተን ጥሪት ጠሪኖፎም ወሲዶምወን።"
ከምዚ ዝበለ ስጕምትታት ልሙድ ምዃኑ ዝገልጽ ደሳለ፡ "ኣብ ገሽናሽም'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 2019 ደቅኹም ኮብሊሎም ተባሂሎም ተኣሲሮም።"
ነቲ ኵነታት እንከዘንቱ፡ "ፈለማ ኣብ ሓጹር ግራት እዮም ኣኪቦሞም፣ ገዛውቶም ድማ ዓሺጐሞ፣ ብምልሻታት ናይቲ ዓዲ ከም ዝሕለዉ ገይሮም። ብድሕሪኡ እቶም መንእሰያት ምስቶም ምልሻታት ተባኢሶም ስድራኦም ኣፍቲሖም።"
እንተዀነ እቲ ጉዳይ ብኸምዚ ኣየብቅዐን፡ ሰራዊት መጺኡ "ንብምልኣታ እታ ዓዲ ወሲዶም ኣሲሮማ።"
እዚ፡ ካብ ዓዲታት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብፍላይ ብእኵብ ዝለዓል ኵነታት መንግስቲ ብዘየናሕሲ ብሓይሊ ክጭፍልቘ ከምዝጸንሐ እዩ ዝንገር።
ብዘይካ'ዚ ዝተጠቕሰ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ዓድታት ጐቓትን ገደለን ኣብ ጉዳይ መሬት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኣልማማ ማእሰርቲ ከም ዝሰዓበ ተወለድቲ እተን ዓድታት ይዝክሩ።
ኣብ ከባቢ ተሰነይ-ዓሊግድር መፋርቕ ኣብ መወዳእታ 2000 ኣቢሉ፡ "ኣብ ስራሕ ኮንትሮባንድ ተዋፊራ ዝነበረት መኪና ዝመርሕ ዝነበረ መንእሰይ ብመኪንኡ ክሃድም" ካብ ፖሊስ ፊናንስ ብዝተተኮሰ ጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣባላት ስድራቤቱን ደቂ ዓዱን ተቓውሞኦምን ቅሬትኦምን ንምስማዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ፊናንስን ተሰነይ ተኣኪቦም ድሕሪ ምውጽኦም፡ ብኣልማማ ከምዝተኣስሩ፡ ቢቢሲ ዝተወከሶም ስሞም ክዕቀብ ዝሓተቱ ደቂ ተሰነይ ይዝክሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ 20 ጥቕምቲ 2017፡ ኣብ ኣኽርያ ኣስመራ ፍልጥቲ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል ኢስላምያ ንኽትዕጾ ብመንግስቲ ትእዛዝ ምስተዋህበ፡ ኣካያዲኣ ዝነበሩ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ነቲ መምርሒ ብምቅዋም ምስ ተምሃሮን ወለድን ኣብ ዝረዳድኡሉ ዝነበሩ እዋን እዮም ተወሲዶም ተኣሲሮም።
ድሕሪ ማእሰርቶም ብዝሰዓበ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ተምሃሮን ወለድን ከምእተኣስሩ፤ እቶም 93 ዝዕድመኦም ሓጂ ሙሳ ኣብ ቤት ኣብ መጋቢት 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም።
ኣብ እዋን ስነስርዓት ቀብሮም ድማ ቀባሮ፡ በቶም ብዙርያ ነቲ መቓብር ከቢቦም ዝነበሩ ወተሃደራት ተገፊጦም፡ ትሕቲ ዕድመ ደቂ 9-10 ዝዕድመኦም ከይተርፈ ቈልዑን መንእሰያትን - መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣኽርያ፡ ዓመታት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ሓሽፈራይን ዓላን ከምዝተኣስሩ ይፍለጥ።
ደሳለ ትካቦ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ "ከምዚ ዓይነት ማእሰርቲ ካብ ምስማዕ ኣዕሪፍና ጸኒሓና፡ ሕጂ ድማ ናይ ዓዲ ቀራና ዅዶ ንሰምዕ ኣለና፡" ይብል።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ንምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስልቀል ብኢመይል ዝተወከሰ ኰይኑ፡ ኣቶ የማነ ግን ምላሽ ኣይሃበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







