ኮኾብ ድምጻዊት ማሪያ ኬሪ ኣደኣን ሓፍታን ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሞት ስኢና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣደ ማርያ ኬሪ ፓትሪሻን ሓፍታ ኣሊሰንን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መዓልቲ ከምዝሞታ እታ ኣመሪካዊት ድምጻዊት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
ንሳ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣደይ ብምስኣነይ ልበይ ተሰይሩ’ሎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ሓፍተይ’ውን ኣብታ መዓልቲ ህይወታ ስኢና” ኢላ።
ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚ ዝዀነት ድምጻዊት ማርያ፡ ኣደኣ ቅድሚ ምማታ ኣብ ዝነበረ ሰሙን ምስኣ ግዜ ምሕላፋ ዓቢይ ዕድል ኰይኑ ከምዝተሰምዓ ገሊጻ።
ብዛዕባ ጠንቂ ሞት ኣደኣ ግን ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ጓል 87 ዓመት ፓትሪሻ፡ መበቆላ ኣየርላንዳዊት-ኣመሪካዊት ደራፊት ኦፔራን ኣሰልጣኒት ድምጽን እያ ነይራ።
ሓሙሽተ ግዜ ሽልማት ግራሚ ዝተዓወተት ድምጻዊት ማርያ ኬሪ፡ ኣብታ ‘ኢን ካሪ 2020 ሜሞሪስ፡ ዘ ሚኒን ኦፍ ማርያ ካሪ’ ብዝብል ርእሲ ዝተጽሓፈት መጽሓፋ፡ ምስ ኣደኣ ብዛዕባ ዝነበራ ዝተሓላለኸ ርክብ ብዝርዝር ብምግላጽ "ብዙሕ ስቓይን ምርባሽን" ከም ዘስዓበላ ጠቒሳ ነይራ።
ጓል 55 ዓመት ድምጻዊት ማርያ፡ ኣብ መንጐአን ውድድር ከምዝተፈጠረ እያ ትሕብር።
ሞያዊ ቅንኢ "ኣብ ዙርያ ዓወት’ዩ ዝመጽእ። እቲ [ዝቐንእ] ሰብ ኣደኻ ምስ እትኸውንን እቲ ቅንኢ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመ ከለኻ ምስ ዝፍጠርን ግን ብፍሉይ እዩ ዘሕምም" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ግን ከኣ ብዛዕባ እቲ ንኣደኣ ዝነበራ ዓሚቝ ፍቕሪ እውን ኣይሓብአትን።
ኣብቲ ሓዘን ንምግላጽ ዝተዳለወ መዝገብ “ፓት ኣደይ፣ ንዅሉ ዝሰገርኪ፤ ብሓቂ ዝከኣላ ኵሉ ከም ዝገበረት እኣምን። ብዝከኣለኒ መጠን ኵሉ ግዜ ከፍቅረኪ እየ” ክትብል ጽሒፋ።
እታ ድምጻዊት ኣብ 2022 ምስ ጌይል ኪንግ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ገና ትዓብይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ኣደኣ ብዝቐርበላ ዝነበረ ቐፌታታት "ብርግጽ" ከምዝተተንከፈት ወግዓዊ ገይራ ነይራ።
ምስ ሙዚቃ ክትላለ ዝገበረታ ኣደኣ ምንባራ ዝሓበረት ማሪያ ኬሪ በዚ ከኣ ተመስግና።
ድምጻዊት ማሪያ ምስ ጓል 63 ዓመት ዓባይ ሓፍታ ኣሊሰን ዝነበራ ርክብ እውን ዝተሓላለኸ’ዩ ነይሩ።
ካብኣን ካብ ሓዋ ሞርጋንን ዝረሓቐት ምዃና ብምሕባር "ዝኾነ ርክብ ዘይብለይ ምዃነይ ብስምዒትን ኣካልን ውሑስቲ እየ" ክትብል ኣብ መዘክር መጽሓፋ ገሊጻ’ላ።
ሓፍታ ኣሊሰን ከኣ እታ ዝኽሪታት ዝሓዘት መጽሓፍ ድሕሪ ምዝርጋሓ፡ "ሰፊሕ ስምዒታዊ ጭንቀት" ከምዘሕደረትላ ብምግላጽ ንማሪያ ኬሪ ብ1.2 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከሲሳታ ነይራ። "ሕነ ምፍዳይ" ክትብል ድማ ገሊጻቶ።
ኣቦታ ድምጻዊት ዝዀነ ኣልፍሬድ ኣብ መበል 72 ዓመቱ ኣብ 2002 ብሕማም መንሽሮ ከምዝዓረፈ ይፍለጥ።
እዚ ኵሉ ኰይኑ ግን ማሪያ ኬሪ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብ ዕዉታት ደረፍቲ ተባሂላ ትግለጽ።
ቅድሚ ዓመታት ዝዘርግሐታ ‘ኦል ኣይ ወንት ፎር ክሪስማስ ኢዝ ዩ’ [All I Want For Christmas Is You] ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ንጽል ደርፋ፡ ካብ ደቂኣንስትዮ ደረፍቲ ናይ ኵሉ ግዜ ዝበለጸ መሸጣ ዘለዋ ደርፊ ክሪስማስ እያ።
ኣብ ዝርዝር ‘ቢልቦርድ ሆት 100’ እውን 19 ንጽል ደርፍታታ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዞም ክብረወሰን ዘመዝገበት እንኮ ድምጻዊት እያ።
ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ልዕሊ 220 ሚልዮን ቅዳሓት ስራሓታ ሸይጣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







