ቦብ ማርሊ፡ ብዛዕባ'ቲ ንጉስ ሬጌ ገለ ዘይንፈልጦም ዛንታታቱን

ቦብ ማርሊ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ሓዳስ ፊልም ንህይወትን ሞያን ቦብ ትድህስስ እያ

እታ ዋን ላቭ ዘርእታ ሓዳስ ፊልም፡ ንዛንታ ህይወትን ሞያን ናይቲ ህቡብ ጀማይካዊ ሙዚቀኛ ሬጌ ቦብ ማርሊ እያ ተዘንቱ።

እታ ፊልም፡ እቲ ሙዚቀኛ፡ ካብ ገጠር ጃማይካ ዘሕለፎ ንእስነትን ክሳብ ኮኾብ ከዋኽብቲ ክኸውን ዝሓለፎ ጕዕዞን እትገልጽ ኰይና፡ ገለ ጕሉሓት ዛንታታትን ፍጻመታትን ህይወቱ ኣንጸባሪቓ’ላ።

ብዛዕባ እቲ ትእምርቲ ሙዚቃ ዝዀነ ቦብ ማርሊ ግን ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሓቅታት ኣልዒላ ኣላ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እዚ ኮኾብ ሬጌ ዘይትፈልጥዎም ዝነበርኩም ክዀኑ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ነገራት ስዒቦም ቀሪቦም ኣለዉ።

ጀይ-ሬገ፡ ቦብ ማርሊ ኣብ ጃፓን ዑደት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ኣስፋሕፊሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጀይ-ሬገ፡ ቦብ ማርሊ ኣብ ጃፓን ዑደት ድሕሪ ምክያዱ እዩ ኣስፋሕፊሑ

1. ትእምርቲ ሬጌ ጃፓን

ቦብ ማርሊ፡ ሙዚቃ ሬገ ኣብ ጃፓን ህቡብ ንክኸውን ከም ዝሓገዘ ትፈልጡ ዶ?

ቦብ፡ ብ1975 ናብ ጃፓን በጺሑ። ብመሰረት ጃፓናዊት መጽሔት ሳቡካሩ፡ ቦብ ማርሊ፡ ምስ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ማሳሂቶ “ፔከር” ሃሺዳ ጽቡቕ ዕርክነት ፈጢሩ።

በዚ ድማ ኣብ ክልተ ጽልዋ ዝፈጠራ ኣልበማት - ‘ፔከር ፓወር’ ኣብ 1980 [ናይ ቦም ማርሊ ዝሓዘት] ከምኡ'ውን ‘ኢንስታንት ራስታ’ 1981 - ሙዚቃዊ ምትሕብባር ደሪኹ። ክልቲአን ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝርከብ ስቱድዮ ‘ቻነል ዋን’ ዝተቐድሓ እየን።

እተን ኣልበማት፡ ጃማይካውያንን ጃፓናውያንን ስነጥበባውያን ብሓባር ዘዳለዉወን ኰይነን፡ ኣብ ጃፓን ህቡብነት ሬገ ክብ ክብልን ከስፋሕፍሕን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይረን።

መራሒ ጃማይካ ነበር ማይክል ማንሊ ኣብ መድረኽ ምስ ማርሊ ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት 'ዋን ላቭ ፒስ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ጃማይካ ነበር ማይክል ማንሊ ኣብ መድረኽ ምስ ማርሊ ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢት 'ዋን ላቭ ፒስ'

2. ተዓዋቲ ሽልማት ሕቡራት ሃገራት

ቦብ ማርሊ ብግጥሚታት ማሕበራዊ ንቕሓትን ፖለቲካዊ ደርፍታቱ ፍሉጥ እዩ።

ኣብ 1978፡ መዳልያ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተሸለመ ኸ ትፈልጡ ዶ?

እዚ ሽልማት እምበ’ኣር፡ ኣብ ጃማይካ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ሰላምን ፍትሕን ኣብ ምድንፋዕ ንዝሰርሖ ስራሕ ዝተሸለሞ እዩ።

ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት - 1978 - ቦብ ማርሊ ኣብ ኪንግስቶን ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ሙዚቃዊ ምርኢት - ኮንሰርት - ዋን ላቭ ፒስ ሙዚቃ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ምርኢት፡ ንዓመጽ መቓቐልቲ ጕጅለታት ንምትህድዳእ ዝዓለመ ኰይኑ፡ እቲ ንጉስ ሬገ፡ ንተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ኣብ ሓደ መድረኽ ኣራኺቡ ኢድ ንኢድ ክተሓሓዙ ገይሩ እዩ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ፡ ሽልማት ሕቡራት ሃገራት፡ ብልኡኽ ኣፍሪቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ፡ ነቲ ድምጻዊ ተዋህበ።

ቦብ ማርሊ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦብ ማርሊ ኣብ መድረኽ

3. ተነባዪ ብሕንጻጻት ኢድ

ቦብ ማርሊ ሙዚቀኛ ቅድሚ ምዃኑ ኣብታ ሴንት ኣን ዝተባህለ ኣብ ጃማይካ እትርከብ ዓዱ፡ ኣንባቢ ሕንጻጻት ኢድ ከምዝነበረኸ ትፈልጡ ዶ?

ቈልዓ ከሎ፡ መተዓብይቱን ጐረባብቱን መጻኢ እንታይ ሒዞሎም ከምዘሎ ሕንጻጻት ኣእዳዎም ኣናንበበ ይንበየሎም ነበረ።

ቀረባ ናይ ምስጢር ዓርኩ ዝዀነ ኣላን “ስኪል” ኮል፡ ብዙሓት ካብ ትንበያታት ማርሊ ልክዕነት ዝነበሮም ኰይኖም፡ ነቲ ደራፋይ “ተፈጥሮኣዊ ተኣምረኛ” ከም ዝነበረ ይገልጾ።

እቲ ኣብ 70ታት ንዑደታት ሙዚቃዊ ምርኢታት ማርሊ ዘመሓድር ዝነበረ ኮል፡ ‘ኣብቲ እዋን’ቲ ግን ኣብ ጃማይካ ልማዳት ምንባብ ኢድ ንጹግን ዘይቅቡልን’ ከምዝነበረ ይገልጽ።

እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ራስታፋርያውያን፡ ቦብ ምንባይ ብሕንጻጻት ኢድ ከቋርጽ ኣጥቢቘም ተማሕጺኖምዎ።

ቦብ ማርሊ ተቐቢልዎም - ገዲፍዎ ድማ። እዚ ግን ሓደ መዓልቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ስቱድዮ ክሃንጽ ምዃኑ ብልክዕ ቅድሚ ምንባዩ ኣይኰነን።

ቦብ ማርሊ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦብ ማርሊ ኣብ መድረኽ

4. ስራሕ ኣብ ፋብሪካ

ቦብ ማርሊ ካብ ሙዚቃ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ዝቃለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ደላዌር ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ መካይን ክራይስለር ሰሪሑ ነይሩ።

ኣብ 1966፡ ዋላ’ኳ ኣብ ጃማይካ ገለ ናይ ‘ስካ’ ቅዲ ደርፍታት ፍሉጥ እንተነበረ፡ ማርሊ ግን ክሳብ ሽዑ ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ስሙ ክስማዕ ኣይበቕዐን ነይሩ።

ስለዚ፡ ካብ ዓዱ ናብታ ኣደኡ ሴዴላ ቡከር ካብ ሞት ኣቦኡ ካብ 1955 ኣትሒዛ ትነብረሉ ዝነበረት ዊልሚንግተን ደላዌር፡ ተሰዲዱ ክነብር ተገደደ።

እዚ ድምጻዊ፡ ኣብ ን10 ኣዋርሕ ኣብ ፋብሪካ ክራይስለር ይሰርሕ፣ ለይቲ ድማ ፎርክሊፍት ይዝውር ነይሩ።

ኣዕሩኽቱ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ናይ ፎርክሊፍት ስራሕ፡ ኣብታ ኣብ 1976 ኣብ ዘውጽኣ ራስታማን ቫይብሬሽን እትብል ኣልቡም ዘላ ‘ናይት ሺፍት’ ንእትብል ደርፉ ዝደረኸ እዩ።