እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ንድምጺ ወያነ ሓዲጐም ዝወጽኡ ዘለዉ ጋዜጠኛታት
ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ድምጺ ወያነ ትግራይ፡ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብሕቶ ብቕዓት መሪሕነት፡ ስእነት ኤዲቶሪያዊ ናጽነትን ዕግበት ስራሕን ካብቲ ትካል ብብዝሒ ክለቍ ከም ዝጸንሑ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ይገልጹ ኣለው።
እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ሰራሕተኛታቱ ስርሖም ገዲፎም ይወጽኡ እንተሃለው’ውን፡ እቲ ምኽንያት ግን እቲ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኣይኰነን ብምባል ንገለ ሰራሕተኛታቱ ብጸገማት ስነ ምግባር ይኸሶም።
ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት፡ እቲ ልዕሊ 40 ዓመታት ዘቝጸረ ትካል ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ገለ ነቲ ትካል ገዲፎምዎ ዝወጽኡ መናእሰያት ሰራሕተኛታቱ ክካሰስ ተራእዩ።
እዞም ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2014 [ግእዝ] ጀሚሩ ካብቲ ትካል ክወጽኡ ዝጀመሩ ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ትካሎም ብጸገማት ኤዲቶሪያዊ ናጽነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ክነቕፉዎ እንከለው፡ እቲ ትካል ብወገኑ ‘ዝሓሸ ኣማራጺ ህይወት ደልዮም’ ዝወጽኡ’ዮም ብምባል ንምጕቶም ይነጽጐ።
ኣብዚ እዋን፡ ካልኦት ብፍቓዶም ካብቲ ትካል ንምልቃቕ ደብዳበ ዘእተው ብዙሓት ጋዜጠኛታት ምህላዎም’ውን ምንጪታት ቢቢሲ ገሊጾም ኣለው።
እዚ ሃንደበታዊ ከም ዘይኰነ ዝዛረብሉ ክስተት ግን፡ ካብቲ ዝነበሮም ባህግን ጥሙሕን የሰናኽሎም ከም ዘሎ ይዛረቡ።
እዚ ሞያ ‘ብገርሀይ ዝኣተኹዎ ኣይኰነን’ ዝብል ጋዜጠኛ ሃፍቶም ሃይለ፡ ካብ 2012 [ግእዝ] ጀሚሩ ኣብቲ ትካል ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ።
እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥሪ እዚ ዓመት፡ መልቀቒ ደብዳበ ከእቱ እንከሎ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝቐረበሎም ክሲ ጸገማት ስነ ምግባር ከም ዘይነበረ ይሕብር።
“ጸገማት ስነ ምግባር ዘይብሎም እዱባት ጋዜጠኛታት ምዃኖም ዝፍለጥ’ዩ” ብምባል እቲ ምኽንያት ካብዚ ዝተፈለየ ምዃኑ የረድእ።
ንሱ፡ ድምጺ ወያነ ትግራይ ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ንምትእንጋድ ዝሕሰም፡ ጋዜጠኛታቱ ዝሰርሕዎም ጸብጻባትን መደባትን ብፖለቲካዊ መርገጺ ዝመሚ፡ ናጽነቶም ዝድርት ምሕደራ ዘለዎ ትካል ከም ዝዀነ እዩ ዝዛረብ።
“ኣብ ትግራይ ብዙሓት ሓሳባት ኣለው፤ ናጽነት ዝጠልቡ፡ ኮንፈደሬሽንን ካልእን ኣለው። እዚኦም ኣብቲ ኣነ ዘለኹሉ ሚዲያ ይዅን ካልኦት ጠቕሊሎም ኣይተኣናገዱን። ደርፊ እንከይተረፈ’ዩ ዝኽልከል። ካብዚ ብዝተላዕለ ስለ ምንታይ እዞም ድልየታት ይእገዱ ዝብል ውሽጣዊ ጥሙሕ ጸኒሑኒ’ዩ” ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ብፍላይ ድሕሪ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ፕሪቶሪያ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝፈረምዎ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ብሰንኪ እቶም ኣብቲ ኲናት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ክስታት ንሓይልታት ፈደራል ዝትንክፉ እንተዀይኖም ንኸይተኣናገዱ ምመያ ከም ዝግበረሎም ይዛረብ።
“ናይ ሻዕቢያን ኣምሓራን ግን ከይትሰርሕ ተባሂለ ኣይፈልጥን፤ እቲ ጉዳይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል (ፈደራል) ዝተሓሓዝ እንተዀይኑ ግን ከይትትንክፉ ዝዓይነቱ መምርሒታት መጺኦም።”
ሓሓሊፉ ኣብቲ ሚዲያ ክተኣናገዱ ኣይክኣሉን ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘውጽኦም ጽሑፋት ድማ፡ ነቲ ኣብ መንጐኡን ኣመራርሓ እቲ ትካልን ዝነበረ ምፍሕፋሕ ከምዝተጋደደ ይገልጽ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ድምጺ ወያነ ትግራይ ንኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝምልከት ኣካታዒ መምርሒ ከም ዘውጽአ ይፍለጥ።
ኣብቲ ትካል ሞያዊ ኣሰራርሓ ዘይምህላው ኣብ ልዕሊ ናይ ስራሕ መንፈስ እቶም ጋዜጠኛታት ጽልዋ ከሕድር ጸኒሑ’ዩ ዝብል ካልእ ካብቲ ትካል ዝወጽአ ጋዜጠኛ መሓሪ ሰለሞን ድማ፡ ሰኣን ናጽነት ክሳብ ርእሰ-ምመያ ምግባር ምብጽሖም ይዛረብ።
“ካድረ እንተዘይኰይኑ፡ ሞያዊ ብቕዓት ሓልዩ ዝሰርሕ ሰብ ኣብ ደሞዙን ህይወቱን ለውጢ ከየርኣየ ንዓመታት ይጸንሕ። ኣብ ስራሕ ዘየድምዑ ሰባት ግን ኣብ ዘይግብኦም ቦታ ተቐሚጦም ትርእዮም። ከምዚ ዓይነት ገዛ’ዩ ኰይኑ ዘሎ፡” ብምባል ይኸስስ።
ኣብቲ ህወሓት ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ዝኣተዎን ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐን ኲናት ሓድሕድ፡ ውሑዳት ዘይበሃሉ ጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ሓይልታት ትግራይ ተወዚዖም ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮ ሚዲያን ስነዳን ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑ ይግለጽ።
እንተዀነ፡ ነቲ ኣብቲ ኵነታት ዘጋጠሞም ሓያሎ ስነ ልቦናዊ ስምባደ ተሰኪሞም ሞያዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ከም ዝጸንሑ ዝገልጹ እዞም ጋዜጠኛታት ነቲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ግቡእ ጠመተን ዋጋን ኣይተዋህቦን ዝብል ቅሬታ ኣለዎም።
“ደቂ 19/20 ዓመት ቈልዑ ዝተሰውኡሎም ብዙሓት ልኡኻት ክሕምሸሹ ይርእዮም ኣለኹ” ዝብል ጋዜጠኛ ሃፍቶም፡ “ናተይ ሕቶ፡ ናጻ ባይታ ይሃሉ፣ ኵሎም ሓሳባት ትግራይ ይምጽኡ’ዩ። ውድቀትና ስለ ዘጥፍኣና፡ ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ መደሓኒትና እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን እዩ” ኢሉ።
ኣብ ፈነወ ዝሕነቝ መደባት
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ገለ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ዝሰርሑዎም ነቐፍቲ መደባትን ዜናታትን መዕለቢኦም ከይተፈልጠ ካብ ፈነወ ክተርፉ፣ ብስልታዊ ምመያ ክተዓናቐፉን፡ ‘ኮሚቴ ሚዲያ’ ብዝበሃል ‘ስውር’ ኣካል ጸቕጢ ክወርዶም ምጽንሑ ተዛሪቦም ነይሮም።
በዚ ምኽንያት ስርሖም ዝገደፉ፡ ከም ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ዝበሉ በቲ ‘ኮሚቴ’ ካብ ስርሖም ዝተኣልዩ ሞያውያን ምንባሮም ይዝከር።
እተን ሚዲያታት ካብ ዝወርደን ጸቕጢ ብዝብገስ ካብ ስርሓት ርክባት ህዝቢ (ፓብሊክ ሪሌሽን) ዝሓለፈ ከይሰርሓ ከም ዝግደዳ ዝገልጹ ምሁራት ጋዜጠኝነትን ኮምዩኒኬሽንን ብወገኖም፡ ኣብ መራኸቢታት ሓፋሽ እቲ ክልል ብልሓት ዝተሓወሶ ስልታዊ ምመያ ምህላው ቅድም ክብል ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሰርሖም ጸብጻባት ተዛሪቦም ነይሮም።
ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ድምጺ ወያነ ክሰርሕ ዝጸንሐን ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት [2014] ካብቲ ትካል ዝወጽአን ሓጋዚ ኣሰናዳኢ ዝነበረ ካሕሳይ መሰለ፡ ንፈነወ ተዳልዮም ዝተወድኡ መደባት ንገለ ኣመራርሓ ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ንከየቘጥዑ ብዝብል ከይተፈነው ከምዝተርፉ ይዛረብ።
“ሓደ፡ ኣብ በረኻ ቃለ መጠይቕ ገይረ ዘምጻእኩዎ መደብ [2013] ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ፈጺሙ ዘሐጕስ ኣይነበረን። መጀመርያ ምስ ሓለፈ ካልኣይ ግዜ ግን ከይሓልፍ ተኸልኪሉ፤ ካብ በረኻ ተመሊሰ ምኽንያት እንተሓተትኩ ‘ቅድሚ ሞንጆሪኖ [ምዝራባ] እዚ ቃለ መሕትት ክሓልፍ የብሉን’ ኢሉኒ” ይብል።
ብሳጕኣ ‘ሞንጆሪኖ’ እትጽዋዕ ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር ኣብዚ ሕጂ እዋን ምኽትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ህወሓት ምዃና ይፍለጥ።
ድሕሪ እዚ፡ ካብ በረኻ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ክምለስ ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ “ንሰለስተ ኣዋርሕ ክሓትት” ከም ዝጸንሐ ዝዛረብ እቲ ጋዜጠኛ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ከይተቐበሎ ብምትራፉ ህይወቱ ከቐጽለሉ ዝኽእል ስራሕ ናብ ምእላሽ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።
ጋዜጠኛ መሓሪ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ‘ረመጽ’ ብዝብል ናይ ከተማ ምንቅስቓስ ንቓልሲ ሓይልታት ትግራይ ዝድግፉ ዝነበሩ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኵነታት ዝርከቡ መንእሰያት ኣዘራሪቡ ዝሰርሖ ሰነዳዊ መደብ፡ ናይ መጀመርታ ክፋሉ ምስ ተፈነወ እቲ ዝስዕብ ኣብ ኣየር ከይውዕል ከም ዝተገብረ ይጠቅስ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰነ 2021 [ኣ. ኣ] ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ዝዀነ ህወሓት፡ ነተን ሚዲያታት ብምብሓት ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ፡ “ዓበይቲ ዓፈናታት” ክፍጽም ጸኒሑ’ዩ ብምባል እቶም ጋዜጠኛታት ይዛረቡ።
ህወሓት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቛም ኣብ ዝግበር መስርሕ ሓቛፊ ኣይኰነን ብዝብል ምስ ተቓወምቲ ሰልፊታት እቲ ክልል ኣብ ሓያል ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ። ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ድማ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ዝተመስረተ ኮሚቴ ነጺገናኦ እየን።
“እቲ ትካል፡ ሓሳብ ዝዕፍን፡ ከባብን ጕጅለን ዝፈሊ፡ ብሰብ ሞያ ዘይምራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕለይ ዓፈናን ጭቈናን’ውን ስለ ዝነበረ ኣቐዲመ ወጺአ። ግን ኣይተቓለስካን ተባሂሉ ዝጓነ፡ ሓሳበይ እንተገሊጸ ክሕነቕ እየ ዝብል ጋዜጠኛ ብዙሕ’ዩ፤ እቲ ትካል ድማ ብኤዲቶሪያል ፖሊሲ ዘይኰነ ብድልየት ውልቀ ሰብ ስለ ዝምራሕ፡ ናብ ዘየድሊ ባርነት ዝኣተው ኣለው” ክብል ጋዜጠኛ ካሕሳይ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ነዞም ተርእዮታት ስዒቡ እቶም ሞያውያን ስነ ልቦናዊ ናጽነት ኣይስምዖምን ዝብል እቲ ጋዜጠኛ፡ እቲ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፍሎም ወርሓዊ ደሞዝ ድማ ትሕጃ ናጽነቶም ኰይኑ ንምፍርራሕ ይጥቀምሉ፡ ብምባል ገሊጹ።
እንተተዛሪብካ “ባንዳ፡ ሻዕብያ ትበሃል፤ ዝዀነ ሰብ ክማጐት ክብል እንከሎ ድማ ‘እዘን ናይ ክልተ ዓመት ደሞዝካ ኣይትደልየንን ዲኻ’? ህይወትካ ኣይትደልዮን ዲኻ? ትበሃል፤ ብርግጽ ህይወተይ ይደልዮ እየ፤ ከም ሰብ ብዙሕ ተስፋን ራእን ስለ ዘለኒ፤ ግን መሰለይ ተዓምጺጹ ጊላ ውልቀ ሰባት ክኸውን ከለኹ የሕመኒ’ዩ” ይብል።
እቲ ትካል እንታይ ይብል?
ድምጺ ወያነ ትግራይ፡ ብኣቶ ኣባዲ ገብረስላሴ ብዋና ኣካያድነት ዝምራሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሓጺር ማዕበልን ኤፍኤምን፡ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ካልኦት ቋንቋታትን ዝፍኖ ሳተላይት ተሌቭዥንን ዘለዎ ትካል እዩ።
ስርሖም ካብ ዝለቐቝ ጋዜጠኛታት ዘቕርቡዎም ክስታትን ምጕትን ዝምልከት መብርሂ ንምርካብ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ብቴሌፎን ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ድምጺ ወያነ ብሰሉስ ኣብ ፌይስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ መብርሂ ግን፡ እቲ ትካል ብኤዲቶሪያል ፖሊሲ ከም ዝምራሕ ብምግላጽ፡ ካብዚ ወጻኢ “ናጽነት ስኢነ፡ ተዓፊነ ዝብል ኣብ ዝዀነ ናይ ትካልና መድረኽ ኣይገጠመናን” ብምባል ነቶም ክስታት ነጺጕ።
እቶም ኣብዚ ጉዳይ ሓሳቦም ዝገልጹ ዘለው ኣካላት’ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ይዅን እቲ ትካል ዳግም ስርሑ ምስ ጀመረ፡ “ንሓደ መዓልቲ እውን እንተዀነ ስራሕ ዘይሰርሑ እዮም፤ ኣብ ድ.ወ.ት (ድምጺ ወያነ ትግራይ) ደሞዝ ስለ ዘየለ ደሞዝ ደልዮም ስራሕ ዝቐየሩ’ዮም” ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ናይ መኸተ ኣዋርሕ፡ “ብዲስፕሊን ዝተባረሩ እውን ኣለው” ኢሉ።
ብ7 መጋቢት 2023፡ ደብዳበ መልቀቒ ስራሕ ናብ ምምሕዳር ድምጺ ወያነ ዘእተወ ኣተሓባባሪ ክፍሊ ቋንቋ ኣምሓርኛን ኣባል ኮሚቴ ኤዲቶሪያልን ጋዜጠኛ ኣንገሶም ኣብርሃ ግን፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ዝወጽኡ ጋዜጠኛታት ብሕመቕ መሪሕነት ኣይኰኑን ወጺኦም ዝብል፡ “ክሕደት ኢለ’የ ዝገልጾ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ መብርሂ ዝተዋህበሉ መስርሕ ቅኑዕ’ዩ ዝብል ጋዜጠኛ ኣንገሶም፡ “ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ኣብ ትካልና ዝዀነ መብርሂ ዝደሊ ሕቶ እንተሃልዩ እቲ ኤዲቶሪያል ኮሚቴ እዩ ቅዋም ሒዙ መብርሂ ወይ መግለጺ ዝህብ፤ እዚ ግን ዘይተለመደ ኣሰራርሓ እዩ፤ ምናልባት ኣብቲ ትካልና ካብ ዝርአ ዘሎ ውልቃዊ ኣካይዳ መርኣዪ ክኸውን ዝኽእል እዩ” ብምባል፡ መሊሱ ንመሪሕነት እቲ ትካል ይነቅፍ።
“እቲ ዝወጽአ መግለጺ ነቲ ዝበዝሕ ዝወጽአ ሰራሕተኛ ኣይገልጾን’ዩ” ብምባል ይቃወሞ።
ንርእሱ’ውን፡ ብሰንኪ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሃን ዘሎ ጽልዋ ኣብ ቀረባ ካብ ስርሖም ካብ ዝለቐቝ ሰራሕተኛታት ሓደ ምዃኑ ተዛሪቡ።
'እተን ሚዲያታት ሓሳባት ዝጽየፋ፣ ዝፈርሓ እየን'
ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት፡ እኹል ናጽነት ሚዲያ ከም ዘየሎ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብዚ እዋን፡ ተቓወምቲ ሰልፊታት እቲ ክልልን ካልኦት ምሁራት ውልቀ ሰባትን ዘለዎም ሓሳባት የተኣናግዳ የለዋን ዝብሉ እዞም ጋዜጠኛታት፡ ናይ ምህዳር ብድሆታት የጋጥሞ ከምዘሎ ይገልጹ።
እዚ ከኣ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ከም ዝዀኖም፡ ሰራሕተኛታት ድምጺ ወያነ ነበር ይዛረቡ።
“ሚዲያታት ትግራይ ሓሳብ ይፈርሓ ጥራይ ዘይኰነ ይጽየፋኦ እየን” ዝብል ጋዜጠኛ ሃብቶም፡ መብዛሕትኡ ሰራሕተኛ ፍርሒ ዝለማመድ፡ ዝመሃር ጋዜጠኛ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ ኢሉ ይኣምን።
“ፍርሒ ግን ኣብዚ ኣውዲቝና፤ (ህይወት) ሰባት ኣዕዲዩና ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ኢና ክንከፍል?” ብምባል ይሓትት።
“ስለዚ ሕቶና፡ ኵሎም ኣብ ትግራይ ዘለው ሓሳባት ብመሰረት ኤዲቶሪያል ይተኣናገዱ፣ ናጽነትና ይተሓሎ፣ እተን ሚዲያታት ብሓደ ጕጅለ ክዕብለላ የብለንን እዩ፤ እዚ ብግልጺ ኣብ ድምጺ ወያነ’ኳ እንተተርኣየ፡ እቲ ጸገም ኣብ ኵለን ከም ዘሎ እዩ ዝርአ” ኢሉ።
ጋዜጠኛ መሓሪ ሰለሞን ብወገኑ፡ እቲ ሕጂ እቶም ጋዜጠኛታት ዝወሰድዎ ስጕምቲ ዋላ’ውን መሰረታዊ ኣብተን ሚዲያታት ዘሎ ጸገም ዝፈትሕ እንተዘይኰነ፡ እዚ ክልወጥ ንዝደሊ ግን መንቅሒ ደወል’ዩ ይብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ዋላ’ውን እተን ትካላት ብሞያ ዝተሃነጽናሎም ገዛውቲ እንተዀኑ፡ ብዓይኒ ሞያ ግን መሰረታዊ ለውጢ የድልዮም’ዩ ዝብል እቲ ጋዜጠኛ፡ እቲ ምህዳር ሚድያ ሓሳባት ተቓወምቲ’ውን ዘካትት፣ ካብ ዘይሞያዊ ኢድ ኣእታውነት ናጻ ምስ ዝኸውን፡ ናጽነት ሞያውያን ከረጋግጽ ይኽእል’ዩ ኢሉ ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።