ዩክረይን ሓደ ሚልዮን ኣባላት ዘለዎ ሰራዊት ብምህናጽ ንሩስያ ክትገጥማ ምዃና ገሊጻ

ዩክረይን ናይ 'ኔቶ' ኣጽዋር ዝዓጠቐ "ሓደ ሚልዮን ዝኣባላቱ ሰራዊት" ብምህናጽ ንሓይልታት ሩስያ ክትገጥሞም ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ኦለክሲ ረዘኒኮቭ ከምዝበሎ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዘሎ ገማግም ዩክረይን ምምላስ ንቁጠባ እታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዓቢ ሰራዊት ናይ ምህናጽ ድሌት፡ ካብ መጉሳጎሲ ሓሊፉ ናብ ውጥን ዝኸደ ከምዘይኮነ ተዓዘብቲ ይእምቱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ኣገደስቲ ከተማታት ዝርከብዎ ሰፊሕ ካባቢታት ምቁጽጻሮም ይዝከር።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ልዕሊ 7000 ኣባላት ሓይልታት ዩክረይን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ምስ ጋዜጣ ዘ ታይምስ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝወሃብ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክቃላጠፍ ኣለዎ ኢሉ።

ብፍላይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣጽዋር ሕብረት ሶቬት ነበር ብምሕላፍ ብደረጃ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝሰርሕ ኣጽዋር ክትህቦም ምጅማራ ንኢዱ።

"ሂወት ወተሃደራትና ንምድሓን፡ ብብዝሕን ቀልጢፉን ክመጽእን የድልየና ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃወዘር [ተወንጫፊ ሮኬት] እንጽበየሉ መዓልቲ ሓደ ሚእቲ ወተሃደራት ክንከስር ንኽእል ኢና"።

"ኣስታት 700,000 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኣለዉና። ሓላዋ ሃገር፡ ፖሊስ፡ ከምኡ'ውን ሓለዋ ዶባት ምስ ወሰኽካሎም ከኣ፡ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ሓይሊ ኣለና" ይብል ሚኒስተር ረዘኒኮቭ።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ ግን፡ እቲ ዝተዋህበ ኣሃዝ ዕቱብ ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን ክብሉ ይምጉቱ።

"ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ሓይሊ ኣይኮነን ጸረ-መጥቃዕቲ ከካይድ" ይብል ኣብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስትዩቲት ዝተባህለ ትካል ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝኾነ ዶ/ር ጃክ ዌትሊንግ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መጥቃዕትታት ሩስያ፡ ብፍላይ ኣብ ዞባ ዶነትስክ ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ።

"ጸረ-መጥቃዕቲ ከተካይድ እንከለኻ፡ ስሪሒታዊ ሃደበትነት ክህልወካ ኢኻ ትደሊ፡ ስለዚ ብኸምዚ ብወግዒ ምግላጾም፡ ሩስያውያን ነቲ ስግኣት ንምግጣም ዓቕምታቶም ፋሕ ከብሉ ንምግዳድ ዝዓለመ'ዩ" ይብል።

ትማሊ ሰንበት፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ከባቢ ከተማ ክራማቶርስክ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ

ሓደ ህንጻ ጥራይ 26 ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ግዳያት ንምርካብ ኣለሻ ቀጺሎም ኣለዉ ተባሂሉ።

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ከተማ ካርኪቭ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳባት'ውን፡ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 31 ቆሲሎም።

እንተኾነ ግን፡ ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብዚ እዋን'ዚ ጸረ-መጥቃቲ ክጅምሩ ከምዘይብሎም ንዩክሬናውያን ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ከምዝገለጽሎም ይገልጹ።

ብኻል ወገን፡ ኣስታት 7,200 ዩክሬናውያን ኣባላት ምዱብ ሰራዊትን ካልኦት ትካላት ጸጥታን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ዝበዝሑ ካብኦም ብሩስያውያን ተታሒዞም ከምዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

እቲ ኲናት ብ24 ለካቲት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ክልቲአን ሃገራት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከምዝማረኻ ክገልጻ ምጽንሐን ይፍለጥ።