እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣባላት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ኣሲሩ
ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ን2 ጳጉሜን 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ምስ ዝፀውዕኦ ሰልፊ “ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ” ጎስጓስ የካይዱ ዝነበሩ ኣባላት ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ።
እቶም ሎሚ ሰዓት 4፡00 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ጎስጓስ የካይዱ ዝነበሩ ሽድሽተ ኣባላት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናፅነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ብኣካላት ፀጥታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተኣሰሩ ተሓቢሩ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚድያን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይለኣብ ሃይለስላሰ፡ ኣባላት ሰለስቲአን ውድባት ጐስጓስ ኣብ ዘካይድሉ ብሰብመዚ ጸጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ኣባላት እዘን ብሄራውያን ውድባት ኣብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ፣ ሰሜንን ዓድሓን ብመኪና ሰላማዊ ጐስጓስ የካይዱ ከም ዝነበሩ ዝሓበረ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚድያን ሳወት ኣይተ ሃይለኣብ፡ እቶም ኣባላት ውድባትን ምስኦም ዝነበሩ ዘወርቲ መኪናን ሓገዝቶምን ኣብ ጣብያ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ፣ ሰሜንን ዓድሓን ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ገሊፁ።
እቶም ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኣሲሮም ዝተብሃሉ ሽድሽተ ኣባላት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ኣይተ ብርሃነ ኣርኣያን ኣይተ ገብረኣብ ወልዱን ካብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ኣይተ ኣፅበሃ ተኽለን ኣይተ ጠዓመ ሓጎስን ካብ ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ኣይተ ብርሃነ ዘመመን ኣይተ ዮውሃንስ ገብሩን ካብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ እዮም።
ነተን ይጕስጕስለን ዝነበሩ መካይን ዝዝውሩ ዝነበሩ ገናሕቲ መኪናን ሓገዝቶምን እውን ከም ዝተኣሰሩ ተሓቢሩ።
ኣመራርሓ እተን ውድባት ናብተን ክፍለ ከተማታት ከይዶም ኣብ ጉዳይ ማእሰርቲ ሽድሽተ ኣባላቶምን ምስኦም ዝተኣሰሩ ዘወርትን ተሓጋገዝትን ዋላ’ኳ እንተሓተቱ፡ ምፍርራርሕን ምንክልባትን ከም ዝበፅሖም ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚድያን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃይለኣብ ንቢቢሲ ገሊፁ።
“ኣነ ባዕለይ ምስ ካልእ ኣባል፡ እንታይ ከም ዝተፈጠረ ንምርግጋፅን እቲ ምኽንያት ንምፍላጥን ቅድሚ ሰዓት ናብ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ከይደ ነይረ፡ ኣፈራሪሖምና፤ ኣብኡ ዝነበረ ሓደ ኣመራርሓ ህወሓት ‘ካብዚ ዘወር በሉ ጥፍኡ’ ኢሉና።
ኣመራርሓ እተን ውድባት፡ ሃያሉ ጎደፋይ፣ ደጀን መዝገበን ክብሮም በርሀን’ውን ናብተን ጣብያታት ፖሊስ ከይዶም ብዛዕባ እዚ ማእሰርቲ ኣብ ዝሓትሉ ኣካላት ፀጥታ ነዞም ኣመራርሓ ክወቕዕዎም ፈቲኖም” ኢሉ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ቺፍ ሰክሬታርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
እተን ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ‘ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ’ ብዝብል ቴማ 2 ጳጉሜን 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካይዳ ኣፍሊጠን እየን።
ጥምረት እዘን ብሄራውያን ውድባት፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብዚ ዝካየድ ሰልፊ ኣፍልጦ ክህልዎን ፀጥታዊ ሓለዋ ክገብርን ከም ዝሓተተ ይፍለጥ።
እንተኾነ፡ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ እቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ግዘ “እዋን ዓበይቲ በዓላት ሓድሽ ዓመትን መስቀልን ብምዃኑን፡ ካብን ናብን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዝረኣየሉ ስለዝኾነን” ብምባል፡ ኣብቲ ሰልፊ ፀጥታ ክሕልው ከም ዘይኽእል እዩ ሓቢሩ።
ኣይተ ሃይለኣብ ሃይለስላሰ፡ ኣመራርሓ ሰለስቲአን ውድባት ምኽንያት እዚ ማእሰርቲ ኣብ ዝሓተትሉ፡ ‘ሕጊ ጥሒሶም እዮም ተኣሲሮም ዘለዉ። ንስኹም’ውን ሕጊ ንዝጠሓሱ ኢኹም ትሓቱ ዘለኹም’ ካብ ዝብል ምላሽ ወፃኢ ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ንቢቢሲ ገሊፁ።
“ንዓመታት ዝፀንሐ ዘይዲሞክራስያዊ ሓይሊ እዩ ነዚ ዝፍፅም ዘሎ። ንሕና ሓድሽ ገዛኢ መደብ ኢና ንብሎ። ሓድሽ ገዛኢ መደብ ለለ፡ ንስልጣኑ ዝምልከት ዝኾነ ነገር ክትብል ከለኻ፡ ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ክወስድ ባህርያቱ ዘገድድዎ እዩ” ብምባል፡ እቲ ማእሰርቲ በቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተፈፀመ ኣአንፊቱ።
እዚ ብሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ዝተፀውዐ ህዝባዊ ሰልፊ፡ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ተሓገዝቲ ብህጹጽ ክበጽሕ ዝጽውዕ'ዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጓሓሉ ካብ ተሓታትነት ከየምልጡ'ውን ሓቲቶም ኣለዉ።
ብህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምዳር ትግራይ ደሕንነት ተጋሩ ብዝግባእ ዘይምሕላዉ፣ መሃያ ንሰራሕተኛታትን ንጡረተኛታትን ዘይምኽፋሉን'ውን እቶም ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ይነቕፉ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ዝካየድ ሰልፊ ቅትለት ተጋሩን ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ደው ክብልን ፍትሒ ንኹለን "ዘውዲታት ትግራይ" ዝብሉን ካልኦት 38 ጠለባት ዝሓዘ እዩ።
በዚ ዝግበር ዘሎ ማእሰርትን ካልኦት ፀቕጥታትን ‘ተሰኵኖም’፡ እቲ ንዝመጽእ ሓሙስ 2 ጳጉሜን 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ክካየድ ተተሊሙ ዘሎ ህዝባዊ ሰልፊ ‘ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ’ ከም ዘይቋረፅ ኣባል ልፍንቲ እዚ ኪዳን ዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚድያን እቲ ውድብ ኣይተ ሃይለኣብ፡ “ብፆትና ይእሰሩ ኣለዉ፣ ብዙሕ ፀለመታት’ውን ኣሎ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምኹላፍ ብግልፂ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ንሕና እዚ ሰልፊ ብሰላም ክካየድ ንሰርሕ ኣለና፣ ኣካላት ፀጥታ ክምደቡልና’ውን ንላቦ ኢና ዘለና። ግና በዞም ዝግበሩ ዘለዉ ነገራት ንሓድጎ ሰልፊ የለን!” ኢሉ።
በቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ዝተብሓተ ፖለቲካ ትግራይ ቅድሚ ኵናት ትግራይ ኰነ ድሕሪ ኵናት ትግራይ ንተናሓናሕቲ ፖለቲካውያን ጥጡሕ ባይታ ዝህብ ከምዘይኮነ ይግለጽ።
ላዕለዎት ሰብመዚ ገዛኢ ውድብ ህወሓት፡ ድሕሪ ኵናት ትግራይ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ይጣየሽ ንዝበላ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ "ንህዝባዊ መኸተና ንምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ የካይዱ ኣለዉ፣ ገሊኦም ስግግር መንግስቲ ገሊኦም ድማ ስሙር መንግስቲ ይጣየሽ ዝብል ቀይዲ በተኽ ሓሳባት ሒዞም ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ናይዞም ውድባት ዓንቃፋይ ግደ ብትረት ክቃለሶምን ኣደብ ከተትሕዞምን ይግባእ" ብምባል፡ ብወግዒ ከጠንቅቑን ከፈራርሑን ከም ዝፀንሑ ይፍለጥ።