ኲናት ዩክረይን ኣብ 2024 ዝኸደሉ ሰለስተ ተኽእሎታት

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሳልሳይ ዓመቱ ይሕዝ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ቀንዲ መስመራት ግንባር ዳርጋ ለውጢ የለን ክበሃል ይኽእል፤ ኣብ 2024 ለውጢ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሃገሩ ኣብ ጽድያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ከምቲ ተስፋ ዝገበሩሉ ዕዉት ከምዘይኰነ ተኣሚኑ’ዩ።

ሩስያ ድማ ሕጂ’ውን ኣስታት 18 ሚእታዊት መሬት ዩክረይን ተቘጻጺራ ትርከብ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝቕጽሉ 12 ኣዋርሕ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል ክብል ሰለስተ ወተሃደራዊ ተንተንቲ ሓቲቱ ዝረኸቦ መልሲ ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ኲናት ክናዋሕ’ዩ፡ ንሓዋሩ ግን ኣይኰነን

ባርባራ ዛንቸታ - ካብ ክፍሊ መጽናዕቲ ኲናት ለንደን ኪንግስ ኮለጅ

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ምዝዛም ተስፋታቱ ገና ጽልምት ዝበለ እዩ። ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ቭላድሚር ፑቲን ብወተሃደራዊ ዘይኰነስ ዝያዳ ብፖለቲካዊ መዳይ ሓይሊ ረኸቡ ኣሎ።

ኣብ ሜዳ ኲናት ዘሎ ኵነታት ገና ንጹር ኣይኰነን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዩክረይን ኣብ ክረምቲ ዝጀመረቶ መጥቃዕቲ ደው ዝበለ ይመስል። ሩስያ’ውን ንቕድሚት ኣይሰጐመትን። ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ፡ እቲ ውጽኢት ኣብቲ ካብ ማእከል እቲ ኲናት ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ርሒቝ ኣብ ዋሽንግተንን ኣብ ብራስለስን ኣብ ዝተወሰዱ ፖለቲካዊ ውሳነታት ዝምርኮስ’ዩ።

ምዕራባውያን መራሕቲ ኣብ 2022 ዘርኣይዎን ኣብ ምሉእ 2023 ዝነበረን መስተንክራዊ ሓድነት ክናወጽ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣመሪካ እትህቦ ፓኬጅ ሓገዝ ምክልኻል፡ ከምቲ ፕረዚደንት ባይደን ዝገለጾ ብሰንኪ "ዘይረብሕ ፖለቲካ" ጅሆ ተታሒዙ ይርከብ። መጻኢ ቍጠባዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ እውን ኣብ ዘይርጕጽ መርገጺ ሃንጋሪ ዝተመርኰሰ ይመስል።

ኣብ ርእሰ ከተማታት ምዕራባውያን ሃገራት ዝተራእየ ምውልዋል ንፑቲን ኣበርቲዕዎ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቕረቦ ተጻራሪ መግለጺታቱ፡ ሩስያ ንነዊሕ እዋን ከምዘይትሕስብ ዘለዎ እምነት የመልክቱ።

ስለዚ፡ ምዕራባውያን ንፑቲንን ዕላማኡን ምቅዋም ዝቕጽልሉ ሓይልን ጽንዓትን ክህልዎም ድዩ?

ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ዩክረይንን ሞልዶቫን ብዛዕባ ኣባልነተን ዘተ ክጅምር ምውሳኑ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ብዘይተሓበረ መንገዲ ንዩክረይን ቀጻሊ ደገፍ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ፤ ምኽንያቱ ዩክረይን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝህልዋ መጻኢ ምስ ምሉእ ዓወት ሩስያ ክገሃድ ኣይክእልን።

ኣብ ዋሽንግተን፡ ምሉእ ብምሉእ ለውጢ ፖሊሲ ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።

ኣብ መረጻታት ተቐባልነት ትራምፕ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋንን ኣብ መንጐ ኵሉ ትያትራትን፡ ሓገዝ ኣመሪካ ዝጠፍኣሉ ተርእዮታት ምሕሳብ ፈታኒ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ግን ኣብ 2016 ካብ ኔቶ ኣይወጸን። ንኣስታት 75 ዓመታት ዝጸንሐ ሽርክነት ስግረ-ኣትላንቲክ በይኑ ክልውጦ ኣይካኣሎን።

እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን ምዕራባውያን ዝተራእየ ምፍንጫል ትርጕም የብሉን ማለት ኣይኰነን። ንምዕራባውያን፡ ከምኡ’ውን ንዩክረይን፡ 2024 ዝያዳ ከቢድ ክኸውን እዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ምርድዳእ ዲሞክራስያውያን ሃገራት፡ ካብቶም ተሓታትነት ዘይብሎም ምልካውያን ንላዕሊ፡ ወትሩ ዝያዳ ዝተሓላለኸ እዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ምሉእ 2024 ክናዋሕ ተኽእሎ’ኳ እንተሎ፡ ንሓዋሩ ግን እናተጐተተ ክጸንሕ ኣይክእልን።

ምውልዋል ምዕራባውያን ንሩስያ ኣብ ዘሓይለሉ ዘሎ እዋን፡ ከምኡ’ውን ዕልዋ መንግስቲ ወይ ንፑቲን ዘወግድ ኵነታት ጥዕና እንተዘይሃልዩ፡ እቲ እንኮ ክርአ ዝኽእል ውጽኢት፡ እቲ ሕጂ ክልቲኦም ወገናት ዝነጽግዎ ዘለዉ ብዘተ ዝመጽእ ፍታሕ’ዩ ዝኸውን።

ናይ ምድልዳል ዓመት ክኸውን’ዩ

ማይክል ክላርክ፡ ዋና ዳይረክተር ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት ነበር

ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር፡ ሰፊሕ ኲናት ዳግማይ ናብ ኣህጉር ኣውሮጳ ክመጽእ ገይሩ’ዩ። ኣብ 2023 ዝነበረ መስርሕ እቲ ኲናት፡ ኣብ ዘመነ ኢንዱስትሪ ዝነበረ ውግእ እውን ከምዝተመልሰ የመልክት።

ኣብ ዘመነ ኢንዱስትሪ ዝካየድ ኲናት ንኣገደስቲ ክፋላት ወይ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ምሉእ ቍጠባታት ቀዳምነት ንምፍራይ ኣጽዋር ኲናት ክወሃብ ዝገብር እዩ። ባጀት ምክልኻል ሩስያ ካብ 2021 ኣትሒዙ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ክኸውን ከሎ ኣብ 2024 ድማ 30 ሚእታዊት ወጻኢታት መንግስቲ እታ ሃገር ክሽፍን ትጽቢት ይግበር።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብቲ ኣውሮጳ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ዘይረኣየቶ ዝነውሐን ዝያዳ ዘሕዝንን ክገብሮ እዩ። ዝመጽእ ዓመት ሩስያን - ኣብ ሰሜን ኮርያን ኢራንን ዝርከቡ ኣቕረብታ - ወይ ዩክረይንን ምዕራባውያን ደገፍታን - ነቲ ኣብ ዘመነ ኢንዱስትሪ ዘሎ ጠለባት ንምምላእ ክኽእሉን ድሉዋት ምዃኖምን ዘመልክት ክኸውን እዩ።

ኣብ ዩክረይን ኣብ ዘለዉ መስመራት ግንባር ምዕባለ የለን ምባል ጌጋ ምዀነ፤ ክልቲኦም ወገናት ግን ነፍሲ ወከፎም ስትራተጂያዊ ተበግሶታት ክወስዱ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን፡ ነንሕድሕዶም ክሳብ ደው ዘብሉ ክዋግኡ ዓቕሚ ኣለዎም።

ሓይልታት ሩስያ እንተወሓደ ንዅሉ ዞባ ዶንባስ ንምውሓስ ኣብ ምሉእ ግንባር ዳግማይ ክደፍኡ ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም። ዩክረይን ምናልባት ነቲ ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ጸሊም ባሕርን ናብ ቦስፎረስ ዝወስድ ኣገዳሲ ንግዳዊ ካንሸሎኣን ዳግማይ ክትቈጻጸሮ ዝረኸበቶ ዓወት ክትምዝምዞ ክትፍትን እያ።

ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ከባቢታት ሚዛኖም ንምዝራግ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ሩስያ ዝያዳ ወተሃደራዊ ሃንደበትነታት ክትፈጥር ክትፍትን ምዃና ርዱእ እዩ።

ብመሰረቱ ግን 2024 ክልቲአን ሃገራት ምድልዳል ዝፈጥራሉ ዓመት ዝኸውን ይመስል።

ሩስያ ክሳዕ ጽድያ 2025 ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዘኽእል መሳርሕን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን የብላን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩክረይን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብቲ ኲናት ንኽትጸንሕ ናይ ምዕራባውያን ፋይናንስን ወተሃደራዊ ደገፍን የድልያ፤ ንሳ ባዕላ’ውን ኣብ መጻኢ ተኸታታሊ ሓርነታዊ መጥቃዕትታት ንምፍጣር ውሽጣዊ ሓይላታ ክትሃንጽ ግድን’ዩ።

ኲናት ዘመነ ኢንዱስትሪ ኣብ መንጎ ሕብረተሰባት ዝካየድ ቃልሲ እዩ። ኣብ ዓውደ ውግእ ዝህሉ ውፍኢት ኣብ መወዳእታ ምልክት ናይቲ ቃልሲ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ወተሃደራዊ መስርሕ ናይዚ ኲናት ኣብ 2024 ዝውሰን ድማ ኣብቶም ከም ኣቭዲቭካ፡ ቶክማክ፡ ክራማቶርስክ ወይ ካልእ ኣብ ግንባር ዝዓነዉ ከባቢታት ዜእኰነስ ኣብ ሞስኮ፡ ኪየቭ፡ ዋሽንግተን፡ ብራስለስ፡ ቤጂንግ፡ ቴህራንን ፒዮንግያንግን እዩ።

ዩክረይን ኣብ ዙርያ ክሪሚያ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ጸቕጢ ክትገብር እያ

ቤን ሆጅስ፡ ኣዛዚ ጀነራል ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳ ነበር

ሩስያ ንዩክረይን ክትብድህ ወሳኒ ስርሒት ዝፈጥርን ዓቕሚ ስለዘይብላ፡ ምዕራባውያን ንዩክረይን ምድጋፍ ክቕጽሉ ድሌት ክስእኑ ተስፋ እናገበረት ነቲ ግዜ ተጠቒማ ምክልኻላ ክተሐይልን ዝተቘጻጸረቶም ከባቢታት ንምዕቃብ ዝከኣላ ክትገብርን እያ።

ዩክረይን ግን ደው ኢላ ኣይትርእይን። ንህላወኣ ትቃለስ ስለዘላ ደው እንተኢላ፡ ሩስያ እንታይ ከም እትገብር ይርዳእ እዩ። ሕጂ ዝያዳ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ ኣብ ውሳነኣ ትደክም ኣላ ብዝብል ስክፍታታት ንዩክረይን ዝህብኦ ሓገዝ ምዕባይ ከምዘድሊ ይዝትያ ኣለዋ።

ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ግን ኣመሪካ ስትራተጂያዊ ዓንዲ ሕቘኣ ዳግማይ ረኺባ ነቲ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ኮንግረስ ዝተደናጐየ ፓኬጅ ሓገዝ ከተሕልፎ እያ ኢለ እግምት።

ስለዚ ዩክረይን ነቲ ተበግሶ ዳግማይ ንምርካብ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ እዞም ዝስዕቡ ክትገብር ትጽቢት እገብር፡

  • ካብ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ዝደኸማ ኣሃዱታት ዳግማይ ምቛም፣ እዚ ድማ ንዝተሓደሰ መጥቃዕቲ ኣድላዪ ክኸውን እዩ
  • ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ዘሎ ስርዓተ ምልመላ ብምምሕያሽ ዝርከብ ሓይሊ ሰብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ
  • ፍርያት ተተኮስትን ኣጽዋርን ምውሳኽ
  • ኣንጻር ሓያል ዓቕሚ ኤሌክትሮኒካዊ ውግእ ሩስያ ናይ ምንቅስቓስ ዓቕማ ምምሕያሽ - ከም ጃሚን፡ ምቍራጽ፡ ምልላይን

ኣብ መጀመርታ ሓጋይ ዩክረይን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ዝሰርሓ ኤፍ16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ክትጥቀም ትኽእል እያ፤ እዚ ድማ ምስ ነፈርቲ ሩስያ ናይ ምቅላስ ዓቕማ ከምዘመሓይሽን ናይ ገዛእ ርእሳ ምክልኻል ኣየር ከምዘሐይልን ተስፋ ትገብር።

እቲ ብስትራተጂያዊ መዳይ ኣገዳሲ ዝዀነ ብሩስያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ክፋል ዩክረይን ክሪሚያ ኰይኑ፡ "ወሳኒ መሬት" ኢልና እንጽውዖ እዩ።

ዩክረይን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሩስያውያን ጸቕጢ ብምግባር ኣብ ሰቫስቶፖል ንዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ መደበራት ሓይሊ ኣየርን ኣብ ድዛንኮይ ዝርከብ መደበር ሎጂስቲክስን ዘይጸንዑ ንምግባር ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር እያ።

ነዚ ኣምር ድሮ ኣረጋጊጾሞ እዮም። ብዓባይ ብሪጣንያ ብዝተዋህባ ሰለስተ ስቶርም ሻዶው ክሩዝ ሚሳይላት ጥራይ፡ ኣዛዚ መርከብ ጸሊም ባሕሪ ሲሶ ካብ መርከባቱ ካብ ሰቫስቶፖል ንክስሕብ ኣገዲዶሞ እዮም።

ዩክረናውያን ብርግጽ ደረት ኣልቦ ጸጋታት ብፍላይ ድማ ናይ መዳፍዕ ተተኮስትን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋርን የብሎምን።

ወተሃደራት ሩስያ ግን ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ይርከቡ። ኲናት ናይ ተወፋይነት ፈተና እዩ፣ ናይ ሎጂስቲክስ ፈተና’ውን እዩ። ስርዓተ ሎጂስቲክስ ሩስያ ድኹምን ምስ ቀጻሊ ጸቕጢ ዩክረይን እናተቓለሰ ዝርከብን እዩ።