እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ንዩክረይን ብሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣየር ትሃርም ኣላ
ዩክረይን፡ ብኽልቲኡ ወገናት ድሕሪ ዝተኻየደ ዓቢይ ናይ ክልተ መዓልቲ መጥቃዕቲታት ነፈርቲ፡ እንደገና ብሓድሽ ማዕበል ደብዳብ ነፈርቲ ሩስያ ትውቃዕ ከም ዘላ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
መብዛሕትኡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ዘነጻጸረ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኪቭ እውን ደብደብ ከምዝተሰምዐ ተገሊጹ።
ሩስያ፡ ነቲ ዩክረይን ብቐዳም ኣብ ዶብ ሩስያ እትርከብ ከተማ ቤልጎሮድ ዘካየደቶ ብውሕዱ 24 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሕነ ትፈዲ ከም ዘላ ይግለጽ።እቲ መጥቃዕቲ ዩክረይን ድማ ነቲ ብሩስያ ብዓርቢ ኣብ መላእ ዩክረይን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣየር ዝተዋህበ ግብረመልሲ ምዃኑ እዩ።
ዩክረይን፡ እቶም መጥቃዕቲታት ሩስያ ብውሕዱ 41 ሰባት ከም ዝቐተሉን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር እቲ ዝዓበየ ናይ ደብዳብ ሚሳይላት ምዃኑ ገሊጻ።
ናብ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ኣብ ሓደ ለይቲ ካብ ዝተወንጨፋ 49 ድሮናት ሩስያ ነተን 21 ከምዘበርዓነ፤ ዝበዝሐ መጥቃዕትታት ድማ ናብ ዞባታት ካርኪቭ፡ ኬርሰን፡ ማይኮላይቭን ዛፖሪዝዚያን ዘነጻጸረ ምንባሩን ኣመልኪቱ።
ኣብ ከባቢ ከተማ ኪቭ ዝርከብ ጸረ-ነፈርቲ ዩክረይን እውን ቀዳም ምሸት ንመጥቃዕቲ ድሮናት ሩስያ ንምግጣም ተጸሚዱ ከም ዝሓደረ ወተሃደራዊ ሰበስልታን እቲ ዞባ ብቴሌግራም ኣፍሊጦም።
ሽዱሽተ ዝዀኑ ሚሳይላት ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ ኣብ እትርከብ ከተማ ድሕሪ ምውቃዖም 28 ሰባት ከምዝተሃረሙ ኣመሓዳሪ ዞባ ካርኪቭ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩክረይን ብወገኑ፡ ኣብ 12 ብሎኮታት፡ 13 ኣባይቲ፡ ሆስፒታላት፡ ሆቴል፡ መዋእለ ህጻናት፡ ንግዳዊ ትካላት፡ መስመራት ጋዝን ከምኡ’ውን መካይን ዕንወት ከምዝወረዶም ሓቢሩ።
"እዚኦም ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ኣይኰኑን፡ ካፈታት፡ መንበሪ ኣባይቲን ኣብያተ ጽሕፈትን እዮም" ክብል ከንቲባ ከተማ ካርኪቭ ኢሆር ተረኮቭ ኣብ ቴሌግራም ጽሒፉ።
"ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት፡ ሩስያውያን ንከተማና ክህድዱ ይደልዩ፡ ንሕና ግን ኣይንፈርሕን ኣይንጻዓድን ኢና።"
ኣብ ደቡባዊ ዞባ ከርሰን፡ ክልተ ሰባት ብደብዳብ ሩስያ ከምዝሞቱ እቲ ኣመሓዳሪ ሓቢሩ።
ከንቲባ ኪቭ ቪታሊ ክሊችኮ፡ ካብ ፍርስራስ ናይቲ ብደብዳብ ኣየር ዝተሃርመ መኽዘን ክልተ ተወሳኺ ሬሳታት ከምዝተረኸበ ሓቢሩ፤ እዚ ድማ ጠቕላላ ቁጽሪ ኣብታ ከተማ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 18 ክብ ከምዘበሎን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ዩክረይን ድማ ዛጊት ብውሑዱ 41 ሰባት ከም ዝሞቱን ገሊጹ።
ዓርቢ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእየ ዝለዓለ ቅትለት ዝተመዝገበሉ መዓልቲ ምንባራ እቲ ከንቲባ ገሊጹ።
ትማሊ ሰንበት ዩክረይን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሩስያ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬን መጥቃዕቲ ከምዘካየደትን እዚ ድማ ሓደ ምንጪ ጸጥታ ዩክሬን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሩስያ ኣብ ልዕሊ ከተማታትን ሲቪላትን ዩክሬን ዘካየደቶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምላሽ" ኢሉ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ቤልጎሮድ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሕጂ 24 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።
ሩስያ፡ ነቲ ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ክካየደላ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣመልኪታ ብተደጋጋሚ ንዩክረይን ክትከስስ ጸኒሓ እያ። ዩክረይን ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲታት ዝገበረት’ኳ እንተዀነት እኳ፡ ኣብ ዶባት ዝግበር ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ግን ሳሕቲ እያ እትእመን።
ብቀዳም፡ ሩስያ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ዩክረይን ንምዝታይ ዝሓተተቶ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ‘ሩስያ ንዩክረይን ብምውራርን ኲናት ብምጅማርን ዋጋ ትኸፍለሉ ዘላ እዩ፡’ ብምባል ሓያለ ሃገራት ኣስሚረናሉ።
“ሩስያ ኣብዚ ኲናት ንዝሞቱ ሩስያውያን ኣመልኪታ እትወቕሶ እንተሃልዩ፡ ካብ ፕረዚደንት ፑቲን ክጅምር ኣለዎ" ክብል ወኪል ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቶማስ ፊፕስ ተዛሪቡ።