ኣመሪካ ንዩክረይን ንግዚኡ 'ናይ መወዳእታ' ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትህባ እያ

መንግስቲ ኣመሪካ ኣስታት 250 ሚልዮን ዶላር (195 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንዩክረይን ኣጽዲቑ።

እዚ ዳሕረዋይ ሓገዝ ንከም ጸረ-ነፈርቲ፡ መዳፍዕን ተተኮስቲ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ከምኡ’ውን ጸረ ታንኪ ኣጽዋር ዘጠቓለለ ምዃኑ ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።

እዚ ድማ ካብቲ ኣቋሪጹ ዘሎ ዝርርብ ወፃኢ ብዘይ ፍቓድ ኮንግረስ ዝተወሃበ ናይ መወዳእታ ምወላ እዩ።

ዩክረይን ተወሳኺ ሓገዝ ምዕራባውያን እንተዘይቀሪቡላ እቲ ኣንጻር ሩስያ ተካይዶ ዘላ ኲናትን ሓፈሻዊ ፊናንሲያዊ ዓቕማን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ከተተሓሳስብ ጸኒሃ እያ።

ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ደው ዝበለ ጸረ-መጥቃዕቲን ቅሩብ ዝተቐየረ መስመር ቍጽጽርን ኣብ ዘለወሉ ኵነታት፡ ሰበስልጣን ዩክረይን ካብ መሓዙት ሃገራት ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝረኽብዎ ሓገዝ ዝሕታለ ከጋጥሞ ይርአ'ሎ።

ዩክረይን እተካይዶ ኲናት ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ሰፊሕ ደገፍ'ኳ እንተሃለዎ፡ ግን ድማ ኣብ ተወሳኺ ኣጽዋር ዝግበር ስምምዕ፡ እቲ ኣብ ዶብ ኣመሪካን መክሲኮን ዝውሰድ ተሪር ስጕምትታት ጸጥታ ኣካል ዝዀነ ይዅነ ስምምዕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ብዝምጕቱ ሪፓብሊካን ደው ኢሉ ኣሎ።

ንዩክረይን 50 ቢልዮን ንእስራኤል ድማ 14 ቢልዮን ዶላር ክህብ ወጢኑ ዝነበረ ወጻኢታት ህጹጽ ስጕምቲ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ሰነት ከምዝተሰዓረ ይዝከር። ነፍሲ ወከፍ ሪፓብሊካን ድማ ኣንጻሩ ድምጺ ሂቡ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብድሕሪኡ ዘካየዶ ዑደት’ውን ንኣባላት ባይቶ ሓሳቦም ከቐይሮም ኣይከኣለን።

ትማሊ ረቡዕ ዝተወሃበ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ኣጽዋር ካብቲ ዘሎ ቀረብ ፔንታጐን ዝወጽእ ኰይኑ እዚ ስጕምቲ ከኣ ፍቓድ ኮንግረስ ኣየድልዮን።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ሓገዝ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ መግለጺ፡ "ዩክረይን ነብሳ ንኽትከላኸልን መጻኢኣ ከተውሕስን ብምሕጋዝ ንረብሓታት ሃገራዊ ድሕነትና ንምስጓም ኮንግረስ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስድ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ዩክሬናውያን መሻርኽትና ኣንጻር ወራር ሩስያ ሃገሮምን ናጽነቶምን ኣብ ዝከላኸሉሉ እዋን ዝገበርናዮ ሓገዝ ወሳኒ እዩ ነይሩ" ክብል ሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንዩክረይን ዝውዕል ዝነበረ 50 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ብሃንጋሪ ከምዝተገትአ ይፍለጥ።

ዩክረይን 43 ቢልዮን ዶላር ሕጽረት ባጀት ዘጋጠማ ኰይኑ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጽእ ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ቀረባ እዋን እንተዘይበጺሑላ ድማ ደሞዝን ጥሮታን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከደናጐዩ ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን ይገልጹ።

ሚኒስተር ቍጠባ’ውን ኰይና እተገልግል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክረይን ዩሊያ ስቪሪደንኮ ብረቡዕ ምስ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ “ደገፍ መሻርኽቲ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ፤ ብህጹጽ ኢና ንደልዮ” ኢላ።

ኣብ መጀመርታ ለካቲት ክወሃብ ዝኽእል ፍቓድ ሃንጋሪ ዘየድልዮ ንእሽቶ ሓገዝ ዝምልከት ዝርርብ ይኸይድ ከምዘሎ እታ ጋዜጣ ትሕብር።

ሓይልታት ሩስያ ኣብዚ ካብ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ንዩክረይን ዝወሃብ ምወላ ኣብ ዝዝሕለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ውግእ ቀጺሉ ኣሎ፤ ትማሊ ሰሉስ ድማ ሓንቲ ቀንዲ ከተማ ሒዞም ኣለዉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርጌይ ሾይጉ ሓይልታት ዩክረይን ንድሕሪት ድሕሪ ምስሓቦም ሰራዊቱ ነታ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን እትርከብ ወሳኒት ከተማ ማሪንካ ከምዝሓዙ ኣፍሊጡ። እታ ከተማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ግንባር ኲናት ኰይና ዝጸንሕት እያ።