እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ግንባራት ክኸቱ ዘይደለዩ ሩስያውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ
ሩስያውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ መንግስቲ ካብ ዘቕረቦ ጻውዒት ወተሃደራዊ ክተት ንምህዳም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይፍትኑ ኣለው።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ክኸትት ምስ ጸውዐ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥቓ ዶብ ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ተራእዮም።
ቤተ መንግስቲ ሩስያ ግን፡ ዕድሚኦም ንውግእ ዝኣኸለ ደቂ ተባዕትዮ ይሃድሙ ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ዝተጋነኑ እዮም ኢሉ።
ይኹን’ምበር፡ ምስ ጆርጂያ ኣብ ዘዋስን ዶብ፡ ካብቲ ኲናት ዝሃደሙ ደቂ ተባዕትዮ ሓዊሱ መካይን፡ ነዊሕ መስርዕ ሒዘን ኣለዋ።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ውልቀሰብ፡ እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ዕድሚኡ ኣብቶም ናብ ኲናት ክለኣኹ ዝኽእሉ ሰባት ስለ ዝርከብ፡ ዋላ ሓደ ነገር እንከይሓዘ ፓስፖርቱ ሒዙ ናብቲ ዶብ ከም ዝኸደ ተዛሪቡ።
ገለ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ክሳብ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ሪጋ ዝሓዛ መካይን ኣለዋ ይብሉ። ካልኦት ድማ፡ ናብ ከባቢ እቲ ዶብ ንምብጻሕ ሸውዓተ ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ተዛሪቦም።
ጆርጂያ፡ ዜጋታት ሩስያ ብዘይ ቪዛ ክኣትውላ ዝኽእሉላ ጐረቤት ሃገር እያ።
ምስ ሩስያ ናይ 1,300 ኪሎ ሜትሮ ዶብ እትካፈል ፊንላንድ ግን፡ ንተጉዓዝቲ ቪዛ ትሓትት።
ከም ኢስታንቡል፣ ቤልግሬድ ወይ ዱባይ ናብ ዝኣመሰላ ከተማታት ዘሎ ዋጋታት ትኬት ነፋሪት፡ ነቲ ወተሃደራዊ ክተት ስዒቡ ክውስኽ ተራእዩ፤ ኣብ ገሊአን ድማ ትኬት ተሸይጡ ተወዲኡ።
ሚዲያ ቱርኪ፡ ዋጋ ሓደ ትኬት ኣዝዩ ከም ዝነሃረን፡ ቪዛ ናብ ዘየድልዮም ዝግበሩ ዝተረፉ በረራታት ክኣ ኣሽሓት ዩሮ ከም ዝሓቱ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ጀርመን፡ ትማሊ ሓሙስ ካብ ሃገሮም ንዝሃድሙ ዘለው ሩስያውያን ሃገራ ከም እትቕበሎም ሓቢራ።
ሊቱወንያ፣ ላቲቭያ፣ ኤስቶኒያን ቼክ ሪፓብሊክን ግን ንሩስያውያን ዕቑባ ከም ዘይህባ ገሊጸን።
‘ንከይኸትት፡ ኢደይ፣ እግረይ . . . ክሰብር’የ’
ሰርገይ- ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኰነን - ድሮ ክኸትት ተጸዊዑ ኣሎ።
እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ተመሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ [ፒኤችዲ] መምህር ዩኒቨርሲቲ ኰይኑ፡ ክልተ ሲቪል ዝተኸድኑ ሰባት ናብ ገዝኡ መጺኦም ወተሃደራዊ ወረቓቕቲ ክፍርም ሂቦምዎ።
ክሬምሊን፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ፣ ዝተፈለየ ክእለት ዘለዎምን ናይ ውግእ ልምዲ ዘለዎምን ክኸቱ’ዮም ይብል።
ሰርገይ ግን፡ ወተሃደራዊ ልምዲ የብሉን።
እቲ ኣዋጅ ክተት፡ ብሰሉስ ኣብ ኣብ ቀንዲ ከተማታት እታ ሃገር ሞስኮን ሴንት ፒተርስበርግን ተቓውሞ ከስዕብ እንከሎ፡ 1,300 ሰባት ተኣሲሮም።
እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ድማ፡ ኣብ መደበር ፖሊስ እንከለው ነቲ ወተሃደራዊ ወረቓቕቲ ክፍርሙ ተገይሩ ዝብሉ ጸብጻባት ኣለው።
ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲመትሪ ፔስኮቭ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣንጻር ሕጊ ኣይኰነን ኢሉ።
ካልእ ነቲ ኣዋጅ ክተት ዝቃወም ሩስያዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ናብ ኲናት ምኻድ ንምውጋድ ዘኽእሉ ኩሉ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።
“ኢደይ፣ እግረይ ክሰብሮ እየ፤ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ፤ ማለት እዚ ኹሉ ነገራት ንምውጋድ ዘኽእለኒ ዘበለ ኩሉ ክገብር እየ”።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያውያን ነቲ ክተት ክቃወሙዎ ብምጽዋዕ፡ ሩስያውያን ኣብቲ ኲናት ዘጋጥሞም ዘሎ ሞት ብምምልኻት “ተወሳኺ ትደልዩ? ኣይፋል? ከምኡ እንተዀይኑ፡ ተቓወሙ፤ መክቱዎ፤ ህደሙ። ወይ ኢድኩም ንዩክሬናውያን ሃቡ” ክብል ተዛሪቡ።