ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ልዕሊ ፈለግ ዝስራሕ ዘሎ ሓጹር

እቲ ኣብ ልእሊ ፈለግ ሓጽር ክኸውን ዝተዳለወ ጎማታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ መዚ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ነቶም ንፈለግ ርዮ ግራንድ ኣቋሪጾም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ፈለግ ጸምበለል ዝብል ሓጹር ይሰርሑ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ተጣበቅቲ ስደተኛታት እቲ ስጉምቲ ዘይውጽኢታውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓደጋ ክፈጥር ዝኽእልን ከምዝኾነ ይማጎቱ ኣለዉ።

እቲ መኸልከሊ ሓጹር ብዓበይቲ ኣረንሻዊ ዝሕብሩ ተሪር ተንሳፋፊ ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ካብ ዶብ ሜክሲኮ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ምክልኻል ዓቢ ግደ ከምዝህልዎ’ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ፈለግ ሓጹር ክስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ’ዩ ተወሲኑ፤ ብሓፈሻ ከኣ 305 ሜትሮ ብምዝርጋሕ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እቲ ፈለግ’ዩ ክዓጹ።

ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ኣስታት 270 ሽሕ ስደተኛታት ነቲ ፈለግ ኣቋሪጾም ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ዝስራሕ ዘሎ ተንሳፋፊ ሓጹር፡ ብትሕቲኡ ክሳብ ባይታ ዝዝርጋሕን ከም መልሕቕ ኮይኑ ዝሕዞን ትሪኮላታ ክግበረሉ ምዃኑ ሰብ መዚ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ይሕብሩ።

ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ክሬግ ኣቦት 8 ሰነ ብዛዕባ እቲ ምስራሕ ሓጹር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ “ኩሉ ግዜ ነዚ ዶብ ንምሕላው ኣድላዪ ዝብሃል ብልሓታት ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይውዓልናን” ኢሉ ነይሩ።

ውሃቢ ቃል ቤት ፍሕፈት ድሕነት ህዝቢ [Department of Public Safety] ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ክሪስ ኦሊቫረዝ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ’ውን፡ እቲ ስራሕ ካብ 10 ሓምለ ከምዝጀመረ ብምግላጽ እቲ ኣብ ልዕሊ ፈለግ ርዮ ግራንድ ዝስራሕ ሓጹር ንኽዛዘም ክልተ ሰሙን ከምዝወሰድ ኣብሪሁ።

ተመራመርትን ተጣበቕትን ጉዳይ ስደተኛታት ግን ውጽኢታውነት እቲ ሓጹር ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትየሞ ኣለዉ።

ኣዳም ኢሳክሶን ዝተብሃለ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ዶባትን ዝሰርሕ “እዚ ተዋስኦ’ዩ” ድሕሪ ምባል “እዚ ልክዕ ከምዚ መራሕቲ መኪና ፍጥነቶም ንኸጉድሉ ኣብ ማእከል ጽርግያ ዝግበረሎም ሓባጥ’ዩ [speed bump]፤ ኣብ ካሜራ ክትርእዮ እንከለኻ ግን መሳጢ’ዩ” ብምባል ኣባጭዩሉ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ሓጹር ኣመልኪቱ ንሰብ መዚ ቴክሳስ ተወኪሱ ኣሎ።

ዳይረክተር ክፍሊ ድሕነት ህዝቢ፡ ስቴቨን ማክራው እቲ ሓጹር ነቶም ስደተኛታት “መግትኢ” ከምዝኸውን’ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡብ ኢሊኖስ ፕሮፌሰር ዝኾነት ኣድርያና ማርቲነዝ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፈረግ ርዮ ግራንደ ዝስራሕ ዘሎ ተንሳፋፊ ሓጹር ኣመልኪታ ኣብ ዝገበረቶ ምርምር፤ እቲ ሓጹር ንኣንፈት እቲ ፈልግ ብምቕያር ንስደተኛታት ዝያዳ ሓደጋ ከስዕብ ከምዝኽእል ዘለዋ ስግኣት ገሊጻ።

ንሳ “እዚ ሓጹር ነቲ ፈለግ ዝያዳ ከምዝመልእ ክገብሮ ይኽእል’ዩ፡ እቲ ፈለግ ልዕሊ ዓቐን ምስ መልአ እንታይ ክፍጠር ይኽእል ከኣ ሕጂ ክንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና” ኢላ።

ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ነቲ ፈለግ ኣቋሪጾም ኣስታት 270 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት ነቲ ፈለግ ኣቋሪጾም ኣስታት 270 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝግለጽ።

እታ ፕሮፌሰር ብምስዓብ፡ በቲ ፈለግ ተደፊኦም ካብ ርሑቕ ዝመጽኡ ዓበይቲ ኣእዋም በቲ ኣብ ትሕቲ ተንሳፋፊ ሓጹር ክሳብ ታሕቲ ዝዝርጋሕ ትሪኮላታ ተዓጊቶም ነቲ ፈለግ ዝያዳ ማይ ከምዝሕዝ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓደጋ ክስዕቡ ከምዝእኽእሉ ትገልጽ።

ኣብ ቴክሳስ እትነብር መበቆለ ካብ ሃገረ ኒኳራጕኣ ዝኾነት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ጀስቲን ኦቻች፡ እቲ ንሳ ትሰርሓሉ ትካል ዝጥሓሉ ስደተኛታት ኣብ ምውጻእ ከምዝሰርሕ ትሕብር።

እዚ ዝስራሕ ዘሎ ሓጹር ከኣ ነቶም ዝደተኛታት በቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ውሽጥን ዝኾነ ኣካል ናይቲ ፈለግ ንኽጉዓዙ ከገድዶም ከምዝኽል ብምግላጽ “ሓደገኛ ዝኾነ ኣማራጺ ንኽጥቐሙ ኢና ንደፋፍኦም ዘለና” ኢላ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ካዮካ ዝተብሃለ ኣብ ቱሪዝም ዝነጥፍ ማሕበር፡ ንውሳነ መንግስቲ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ብምቅዋም፡ ምስራሕ እቲ ተንሳፋፊ ሓጹር ደው ንኽብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቴክሳስ ሕጋዊ ክሲ መስሪቱ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ክሬግ ኣቦት ንኽሲ ትካል ካዮካ ኣመልኪቱ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ሕራይ ኣብ ቤት ፍርዲ የረኽበና” ድሕሪ ምባል “ቴክሳስ ዶባታ ከተጽንዕ ቅዋማዊ መሰላ’ዩ” ኢሉ።