እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሳፋሪኮም ኣገልግሎት ምዝውዋር ገንዘብ ብሞባይል ከህብ'ዩ
ሳፋሪኮም ዝተባህለ ዓርሞሸሻዊ ናይ ኬንያ ትካል ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ገንዘብ ምዝውዋር ሞባይል ከካይድ ፍቓድ ረኺቡ ።
ሳፋሪኮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ'ዩ ኣብታ ንዓመታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዝዓበዩ ዕጹዋት ዕዳጋታት ሓንቲ ዝነበረት ኢትዮጵያ ስርሑ ጀሚሩ።
እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ ቴሌኮም ኣብታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ፡ እቲ እንኮ ብሕታዊ ኣገልግሎት ቴሌኮምን ሞባይል ገንዘብን ዝህብኳ እንተነበረ ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ንዓለምለኻውያን ተጫረቲ ዕዳጋኣ ብምኽፋት፡ ብሳፋሪኮም ዝምራሕ ጥምረት ኣብታ ሃገር ንኽሰርሕ ፍቓድ ሂባ።
ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምሃብ ፍቓድ ሞባይል ገንዘብ፡ "ነቲ ምዕባይ ፋይናንሳዊ ምህዞን ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ምትእትታውን" ዝብል ቀጻሊ ዕላማታቱ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ፒተር ንደግዋ፡ እቲ ኩባንያ እዚ ዓመትዚ ቅድሚ ምዝዝዛሙ ፡ ኣብታ ሃገር ሞባይል ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ከምዘቕርብ ሓቢሩ'ሎ።
ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ኣገልግሎት ምዝውዋር ገንዘብ ብሞባይል ( ሞባይል ማኒ) ርኡይ ዕብየት ከምዘርኣየት ይፍለጥ።
ተሳትፎ ሳፋሪኮም ነቲ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ብምግባር ናህሪ ዋጋታት ክገትእ ትጽቢት ይግበረሉ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ እቶም ሰብመዚ፡ ሰባት ናብ ዲጂታላዊ ክፍሊት ንምድፋእ፡ ንሞባይል ማኒ ኣብ መደበራት ነዳዲን መንግስታዊ ትካላት ፋይናንስን እንኮ መገዲ ክፍሊት ዝገብር ስጉምቲ ኣተኣታትዮም ነይሮም።
ዓለምለኸ ምትሕብባር ንኢትዮጵያ ዝተባህለ ሳፋሪኮም ዝመርሖ ጥምረት ኩባኒያታት ኣብ መጀመርታ ሓሙሸተ ዓመት ስርሑ ድማ ንኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ክልተ ቢሊየን ዶላር ኢንቨስት ክገብር መደብ ከምዝነበሮ ይዝከር።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስራሕ ክጅምር መደብ ዝነበሮ ኬንያዊ ትካል፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝወጠነ ኢንቨስትመንት ብኲናት ትግራይ ከምዝተጸልወ ገሊጹ ነይሩ።